ኣብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ተወከል
“ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ።”—2 ቈረ. 1:3።
1. ዕድሚኦም ብዘየገድስ ደቂ ሰብ እንታይ እዮም ዚደልዩ፧
ካብ እንውለድ ኣትሒዙ፡ ምጽንናዕ የድልየና እዩ። ሓደ ሕጻን ምጽንናዕ ከም ዜድልዮ ንኺሕብረና፡ ይበኪ እዩ። ምናልባት ኪሕቈፍ ደልዩ ወይ ጠምዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዓበና እውን ከይተረፈ፡ መብዛሕትኡ እዋን ምጽንናዕ ንደሊ ኢና። ብፍላይ ድማ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ምጽንናዕ ንደሊ ኢና።
2. የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ኸም ዜጸናንዖም ዚገልጽ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡ፧
2 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን እተወሰነ ምጽንናዕ ኪህቡና ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዜጋጥመና ዜጕሂ ዅነታት ኪሕግዙና ኣይክእሉን እዮም። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ዜጕሂ ዅነታት ኬጸናንዓና ዚኽእል። ቃሉ፡ “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም . . . ቀረባኦም እዩ። . . . ኣውያቶም ይሰምዕ” ይብል። (መዝ. 145:18, 19) እወ፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።” (መዝ. 34:15) ኰይኑ ግና፡ ደገፍን ምጽንናዕን ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ኣብኡ ኽንውከል ኣሎና። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት፡ “እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፡ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፡ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም” ኢሉ ብምዝማር፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ።—መዝ. 9:9, 10።
3. የሱስ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ብምሳልያዊ መገዲ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧
3 የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ” በለ። (ሉቃ. 12:6, 7) የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ንጥንታውያን ህዝቡ፡ “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ” በሎም።—ኤር. 31:3።
4. ኣብቲ የሆዋ ዝሃቦ ተስፋ ኽንውከል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 ኣብ የሆዋ ንውከልን ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ኸም ዚፍጽም ንተኣማመንን እንተ ዄንና፡ ኣብ እንጕህየሉ እዋን ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ከም እያሱ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና፣ ንሱ፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ . . . ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በለ። (እያ. 23:14) ብዘይካዚ፡ ዋላ እኳ ንግዜኡ ብዜጋጥመና ፈታኒ ዅነታት እንተ ተደቘስና፡ ‘ኣምላኽ እሙን ስለ ዝዀነ፡’ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዘይሓድጎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።
5. ንኻልኦት ከነጸናንዖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። “ምጽንናዕ” ኪበሃል ከሎ፡ ንሓደ ዝጐሃየ ወይ ዝሓዘነ ሰብ ከም ዚሃድእ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንስቓዩ ወይ ንጓሂኡ ብምንካይን ብምድባስን እዩ ዚግበር። የሆዋ ኸምኡ እዩ ዚገብር። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) ንሰማያዊ ኣቦና ዘይከኣሎ ነገር ስለ ዘየለ፡ ነቶም ዜፍቅርዎ ሰባት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኼጸናንዖም ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ነቶም “ኣብ ጸበባ ዘለዉ” ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸነጸናንዖም ንኽእል ኢና። “በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ” ኣቢልና ድማ ኢና ኸምኡ እንገብር። የሆዋ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ንኼጸናንዕ ዜኽእሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓቕሚ ኣለዎ።
ጓሂ ምስ ዜምጽእ ነገራት ምቅላስ
6. ጓሂ ኼምጽእ ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት ኣብነት ሃብ።
6 ኣብ ብዙሕ መዳይ ህይወትና ምጽንናዕ የድልየና እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸም እንጕሂ ዚገብረና ነገራት፡ ሞት እነፍቅሮ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ሞት መጻምድቲ ወይ ውሉድ እዩ። ሓደ ሰብ ግዳይ ኣድልዎን ጽልእን ምስ ዚኸውን እውን፡ ምጽንናዕ የድልዮ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጸገም ጥዕና፡ እርጋን፡ ድኽነት፡ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ሽግር፡ ወይ ሕማቕ ኵነታት ዓለም፡ ነፍሲ ወከፍና ምጽንናዕ ከም ዜድልየና ዚሕብር እዩ።
7. (ሀ) ዜጕሂ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ዝኣመሰለ መጸናንዒ እዩ ዜድልየና፧ (ለ) የሆዋ ‘ንእተሰብረን ንእተቐጥቀጠን’ ልቢ ንምሕዋይ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧
7 ኣብ እንጕህየሉ እዋን፡ ንልብና፡ ንኣእምሮና፡ ንስምዒትና፡ ከምኡውን ንኣካላውን ንመንፈሳውን ጥዕናና ዜህድእ መጸናንዒ ንደሊ ኢና። ንኣብነት፡ ንልብና እስከ ንውሰድ። ቃል ኣምላኽ፡ ልብና ‘ኺስበርን ኪቕጥቀጥን’ ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (መዝ. 51:17) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ “ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቝሳሎም ይዘንን” ስለ ዝዀነ፡ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። (መዝ. 147:3) ኣብ ከቢድ ኵነታት እውን እንተ ዀነ፡ ብምሉእ እምነት ናብ ኣምላኽ እንተ ጸሊናን ትእዛዛቱ እንተ ሓሊናን፡ ነቲ እተሰብረ ልብና ብምዝናን ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ።—1 ዮሃንስ 3:19-22፣ 5:14, 15 ኣንብብ።
8. ኣእምሮኣዊ ጓሂ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
8 እተፈላለየ ፈተናታት፡ ኣእምሮኣዊ ጓሂ ኼምጽኣልና ስለ ዚኽእል፡ ንኣእምሮና እውን ምጽንናዕ የድልዮ እዩ። ብብርታዐና ጥራይ ነቲ ዜጋጥመና ናይ እምነት ፈተና ኽንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ሰብ፡ “ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ” በለ። (መዝ. 94:19) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 4:6, 7) ቅዱሳት ጽሑፋት ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን፡ ምስ ኣእምሮኣዊ ጓሂ ኣብ እንቃለሰሉ እዋን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 3:15-17።
9. ንስምዒታዊ ጓሂ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧
9 ሓድሓደ ግዜ፡ ተስፋ ኻብ ምቝራጽና እተላዕለ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ነሕድር ንኸውን። ምናልባት እውን ንገሊኡ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታትና ወይ ነቲ ዘሎና ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ክንፍጽሞ ዘይንኽእል ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እውን፡ የሆዋ ኼጸናንዓናን ኪሕግዘናን ይኽእል እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምርዳእ፦ እያሱ ንእስራኤላውያን መሪሑ ምስ ሓያላት ሃገራት ኪዋጋእ ምስ ተመዘዘ፡ ሙሴ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ጽናዕ ትባዕ ከኣ። እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።” (ዘዳ. 31:7, 8) እያሱ ብየሆዋ እናተሓገዘ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ተስፋ መሪሕዎም ኪኣቱን ንጸላእቱ ኺስዕሮምን ከኣለ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሙሴ ምስ ናይ እያሱ ዚመሳሰል መለኮታዊ ሓገዝ ረኺቡ ነይሩ እዩ።—ዘጸ. 14:13, 14, 29-31።
10. ጓሂ ንኣካላዊ ጥዕናና ይጸልዎ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
10 ዜጕሂ ፍጻመታት ንኣካላዊ ጥዕናና እውን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ተመጣጣኒ ምግብን እኹል ዕረፍትን ግቡእ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ጽሬትን፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥዑይ መንፈሳዊ ኣረኣእያ እውን፡ ብኣካላዊ መዳይ ጥዑያት ከም እንኸውን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ክንጕሂ ኸለና፡ ነቲ ጳውሎስ ዘሕለፎ ተመክሮን ነቲ ዜተባብዕ ቃላቱን ክንዝክር ጽቡቕ እዩ፣ ንሱ፡ “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና” በለ።—2 ቈረ. 4:8, 9።
11. ንመንፈሳዊ ሕማም ክንቃለሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
11 ገሊኡ ፈተናታት፡ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናና ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ቃሉ፡ “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 145:14) ምስ መንፈሳዊ ሕማም ክንቃለስ ከለና ምእንቲ ኺሕግዙና፡ ሓገዝ ክርስትያን ሽማግለታት ክንደሊ ኣሎና። (ያእ. 5:14, 15) ወትሩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስትንታንና፡ ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 17:3።
ብኣምላኽ እተጸናንዑ ሰባት
12. ነቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዘጸናንዓሉ መገዲ ግለጾ።
12 ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር። ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ” በለ። (መዝ. 119:49, 50) ሎሚ ኣብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ፡ ብዛዕባ እቶም ብኣምላኽ እተጸናንዑ ሰባት ዚገልጽ ሓሳብ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብርሃም፡ የሆዋ ንሶዶምን ጎመራን ከም ዜጥፍአን ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ጕህዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ እሙን ኣበው እዚ ንኣምላኽ፡ “ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሆዋ፡ 50 ጻድቃን እንተ ደኣ ረኺቡ፡ ንሶዶም ከም ዘየጥፍኣ ብምርግጋጽ ንኣብርሃም ኣጸናንዖ። ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ሓሙሽተ ሳዕ፡ “45፡ 40፡ 30፡ 20፡ 10 ጻድቃን እንተ ተረኽቡኸ፧” እናበለ ደጋጊሙ ንየሆዋ ሓተቶ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ፡ የሆዋ ብትዕግስትን ብሓልዮትን፡ ሶዶም ከም እትነሓፍ ንኣብርሃም ኣረጋገጸሉ። ዋላ እኳ ዓሰርተ ጻድቃን ኣብቲ ኸባቢ እንተ ዘይተረኽቡ፡ የሆዋ ንሎጥን ንደቁን ኣድሒንዎም እዩ።—ዘፍ. 18:22-32፣ 19:15, 16, 26።
13. ሃና ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧
13 ሃና ሰበይቲ ኤልቃና፡ ውሉድ ክትወልድ ሓያል ባህጊ ነበራ። ኰይኑ ግና፡ መኻን እያ ነይራ፣ እዚ ድማ ከም እትጕሂ ገበራ። ብዛዕባ እዚ ናብ የሆዋ ጸለየት፡ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” በላ። እዚ ዘረባ እዚ ስለ ዘጸናነዓ፡ “ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።” (1 ሳሙ. 1:8, 17, 18) ኣብ የሆዋ ትውከል ስለ ዝነበረት፡ ንዅሉ ጕዳያ ብምትእምማን ንዕኡ ሓደገትሉ። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከመይ ከም ዚኸውን ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት፡ ውሽጣዊ ሰላም ረኸበት። ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ንጸሎታ መለሶ። ሃና ጠነሰት፡ ወዲ ድማ ወለደት፣ ስሙ ኸኣ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ።—1 ሳሙ. 1:20።
14. ዳዊት መጸናንዒ ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ካበይከ እዩ መጸናንዒ ረኺቡ፧
14 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ካልእ ብኣምላኽ እተጸናንዐ ውልቀ ሰብ እዩ ነይሩ። የሆዋ ‘ልቢ ስለ ዚርኢ፡’ ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ኪመርጾ ኸሎ፡ ቅኑዕን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ውፉይን ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነበረ። (1 ሳሙ. 16:7፣ 2 ሳሙ. 5:10) ጸኒሑ ግና፡ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዘመወ፣ ንሓጢኣቱ ንምሽፋን ከኣ ንሰብኣያ ኣቕተሎ። ንርዝነት ሓጢኣቱ ምስ ተረድአ ግና፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፡ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (መዝ. 51:1-3) ዳዊት ብሓቂ ስለ እተነስሐ፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። ይኹን እምበር፡ ዳዊት ሳዕቤን ሓጢኣቱ ጸይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 12:9-12) ኰይኑ ግና፡ ምሕረት የሆዋ ነዚ ትሑት ኣገልጋሊ እዚ፡ ምንጪ ምጽንናዕ ኰኖ።
15. የሆዋ ንየሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧
15 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ብዙሕ ፈተናታት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣምላኽ፡ እዚ ፈተናታት እዚ ንየሱስ ኬጋጥሞ ፈቐደ፣ የሱስ ከኣ ወትሩ ኣብ የሆዋ ስለ ዚውከልን ንልዑላውነት ኣምላኽ ስለ ዚሕለቕን፡ ንጽህናኡ ሓለወ። ተታሒዙ ኪቕተል ቍሩብ ምስ ተረፎ፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” ብምባል ናብ የሆዋ ጸለየ። ሓደ መልኣኽ መጺኡ ኸኣ ኣበራትዖ። (ሉቃ. 22:42, 43) በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ግቡእ ግዜኡ፡ ምጽንናዕን ብርታዐን ደገፍን ሃቦ።
16. ንጽህናና ብምሕላውና ምስ ሞት ኣብ እንፋጠጠሉ እዋን፡ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧
16 ብምኽንያት እቲ ጽኑዕ ክርስትያናዊ መትከልና ምስ ሞት እውን እንተ ተፋጠጥና፡ የሆዋ ንጽህናና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ኪሕግዘና እውን እዩ። ብዘይካዚ፡ ተስፋ ትንሳኤ የጸናንዓና እዩ። ነታ እቲ ናይ “መወዳእታ ዚስዐር” ጸላኢ ዝዀነ ሞት ዚጠፍኣላ መዓልቲ ንናፍቓ ኢና። (1 ቈረ. 15:26) እቶም ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይኹኑ ኻልኦት ሰባት፡ ኣብቲ ዜተኣማምን ዝኽሪ የሆዋ ስለ ዘለዉ፡ ኪትንስኡ እዮም። (ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15) ኣብቲ የሆዋ ዝሃቦ ተስፋ ትንሳኤ ምትእምማን፡ ኣብ ግዜ መስጐጕቲ ኼጸናንዓናን ምንጪ ተስፋ ኪዀነልናን እዩ።
17. እነፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዜጸናንዓና፧
17 እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት፡ ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብታ ዝዀነ ይኹን ዜጕሂ ነገር ዘይብላ ሓዳስ ዓለም ከም ዚነብሩ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ሽዑ እቶም ካብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚድሕኑ “ብዙሓት ሰብ” ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ሰባት ናይ ምቕባልን ናይ ምምሃርን ፍሉይ መሰል ኪረኽቡ እዮም።—ራእ. 7:9, 10።
ዘለኣለማውያን ቀላጽም ኣምላኽ ኣብ ታሕቲ ኣለዋ
18, 19. ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎ እተጸናንዑ ብኸመይ እዮም፧
18 ሙሴ ኣብ ሓንቲ እተበራትዕን እተጸናንዕን መዝሙር፡ “እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ፡ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ አለዋ” ብምባል ንእስራኤላውያን ኣረጋገጸሎም። (ዘዳ. 33:27) ጸኒሑ እውን ነብዪ ሳሙኤል ንእስራኤላውያን፡ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣይትዝበሉ፡ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ። . . . እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ” በሎም። (1 ሳሙ. 12:20-22) ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣቢልና ምስ የሆዋ እንተ ጠቢቕና፡ ፈጺሙ ኣይኪሓድገናን እዩ። ኵሉ ሳዕ ኪድግፈና እዩ።
19 ኣምላኽ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝቡ ኻብ ምሕጋዝን ምጽንናዕን ዓዲ ኣይወዓለን። ንልዕሊ ሓደ ዘመን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ንየሆዋ ብምግልጋሎም ተሰጒጎምን ተኣሲሮምን እዮም። ተመክሮኦም ድማ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ግዜ ፈተና ኸም ዜጸናንዖም ዜርኢ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበረ ሓው፡ ብምኽንያት እምነቱ ን28 ዓመት ኪእሰር ተፈርዶ። ይኹን እምበር፡ ዜበራትዖን ዜጸናንዖን መንፈሳዊ ምግቢ ይረክብ ነበረ። “ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ተማሂረን ካብኡ ብርታዐ ረኺበን እየ” ድማ በለ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።
20. የሆዋ ኸም ዘይጥንጥነና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
20 ኣብ መጻኢ ዜጋጥመና ነገር ብዘየገድስ፡ ነተን ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዝጸሓፈን፡ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን . . . እዩ” ዚብላ ዜጸናንዓ ቓላት ንዘክረን። (መዝ. 94:14) ዋላ እኳ ንዓና ዜጸናንዓና ንደሊ እንተ ዀንና፡ ንሕና እውን ንኻልኦት ናይ ምጽንናዕ ፍሉይ መሰል ኣሎና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቶም ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ዚሓዝኑ ሰባት ኣብ ምጽንናዕ እጃምና ኸነበርክት ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ከም እንጕሂ ኺገብረና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧
• የሆዋ ንኣገልገልቱ ዜጸናንዖም ብኸመይ እዩ፧
• ምስ ሞት ኣብ እንፋጠጠሉ እዋን፡ እንታይ እዩ ኼጸናንዓና ዚኽእል፧
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
እዚ ዚስዕብ ኪጽሎ ኸሎ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
▪ ልቢ መዝ. 147:3፣ 1 ዮሃ. 3:19-22፣ 5:14, 15
▪ ኣእምሮ መዝ. 94:19፣ ፊል. 4:6, 7
▪ ስምዒት ዘጸ. 14:13, 14፣ ዘዳ. 31:6
▪ ኣካላዊ ጥዕና 2 ቈረ. 4:8, 9
▪ መንፈሳዊ ጥዕና መዝ. 145:14፣ ያእ. 5:14, 15