ትምህርቲ 56
ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሓድነት ንዓቅብ
ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንከውን ከለና፡ ከምቲ ንጉስ ዳዊት፡ “ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!” ኢሉ እተዛረቦ እዩ ዚስምዓና። (መዝሙር 133:1) ሓድነትና ብወዝቢ ዚመጽእ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍና ነዚ ሓድነት ኣብ ምዕቃብ እጃም ኣሎና።
1. ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ዜደንቕ ነገር እዩ ዘሎ፧
ኣብ ካልእ ዓዲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እንተ ተኣኪብካ፡ ነቲ ቛንቋ ኣይትርድኦን ትኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ብብዙሕ መዳያት ኣይትጋየሽን ኢኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ኵሉ ዓዲ፡ ብሕደ ጽሑፋት ጌርና ኢና መጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዕ። ንሓድሕድና ኸኣ ክንፋቐር ንጽዕር ኢና። እንነብረሉ ዓዲ ብዘየገድስ፡ ‘ብሓድነት ምእንቲ ኸነገልግል፡ ኵላትና ስም የሆዋ ንጽውዕ’ ኢና።—ጸፎንያስ 3:9።
2. ሓድነት ንምስፋን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 1:22) ነዚ ምኽሪ እዚ ኸመይ ጌርካ ኽትትግብሮ ትኽእል፧ ኣብ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ሰናይ ባህርያቶም ርአ። ምስቶም ከማኻ ዝኣመሰሉ ሰባት ጥራይ ኣብ ክንዲ እትቀራረብ፡ ካብ በበይኑ ድሕረ ባይታ ንዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ክትፈልጦም ጽዓር። ብዘይካዚ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ካብ ሱሩ ንምምሓው ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:17 ኣንብብ።a
3. ምስ ክርስትያን ብጻይካ ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧
ሓድነት ኣሎና፣ ግናኸ፡ ዘይፍጹማት ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓዴና ነቲ ሓደ የጕህዮ ወይ እውን ይጐድኦ እዩ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ” ይብለና እዩ። (ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።) ንየሆዋ ብዙሕ ሳዕ ኣጕሂናዮ ኢና፣ እንተዀነ ግና፡ ይቕረ ኢሉልና እዩ። ስለዚ፡ ንኣሕዋትና ይቕረ ኽንብለሎም ይጽበየና እዩ። ንሓደ ሰብ ከም ዝጐዳእካዮ እንተ ፈሊጥካ፡ ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ጕዳይ ኣደቅሶ።—ማቴዎስ 5:23, 24 ኣንብብ።b
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ንሓድነትን ንሰላምን ክርስትያናዊት ጉባኤ እጃምካ ኸተበርክተሉ እትኽእል መገድታት ርአ።
4. ኣቐዲምካ ፍርዲ ኣወግድ
ንዅሎም ኣሕዋትና ኸነፍቅሮም ንደሊ ኢና። ካባና ፍልይ ንዝበለ ሰብ ግና ምቕባሉ ይኸብደና ይኸውን። እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
የሆዋ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ከም መሰኻኽሩ ገይሩ ተቐቢልዎም እዩ። እዚ ነገር እዚ ነቲ ብዛዕባ እቶም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ዘሎካ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልዎ ይግባእ፧
ኣብ ከባቢኻ ዘሎ እንታይ ዓይነት ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ኢኻ ኸተወግድ እትደሊ፧
ካልኣይ ቈረንቶስ 6:11-13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
እተፈልየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብኸመይ ክትቀርቦም እትኽእል ይመስለካ፧
5. ብናጻ ይቕረ በል፡ ሰላም እውን ግበር
የሆዋ ኻባና ፈጺሙ ይቕረታ ዘይደሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ብናጻ ይቕረ ይብለልና እዩ። መዝሙር 86:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
የሆዋ ዚገብረልና ይቕረታ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዓብዪ፧
ስለቲ ይቕረታኡ እተመስግኖ ስለምንታይ ኢኻ፧
እንታይ ኵነታት ምስ ዚህሉ እዩ ምስ ካልኦት ክንሳነ ዜጸግመና፧
ንየሆዋ ብምምሳል፡ ከመይ ጌርና ኢና ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሓድነት እንዕቅብ፧ ምሳሌ 19:11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሓደ ሰብ ኬሕርቐካ ወይ ኬጕህየካ ኸሎ፡ ነቲ ዅነታት ንምምሕያሽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ሓድሓደ ግዜ፡ ንሕና ንኻልኦት ነጕህዮም ኢና። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ እታ ሓብቲ ምእንቲ ኽትዕረቕ ኢላ እንታይ እያ ገይራ፧
6. ጽቡቕ ጐድኒ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ርአ
ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እናቐረብናዮም ምስ ከድና፡ ብርታዐኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድኽመቶም እውን ንፈልጦ ኢና። ከመይ ጌርና ደኣ ኢና ኣብ ብርታዐኦም ከነተኵር እንኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣወንታዊ ባህርያት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ክትርኢ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧
የሆዋ ንጽቡቕ ባህርያትና የተኵረሉ እዩ። 2 ዜና መዋእል 16:9ሀ ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
የሆዋ ኣብ ጽቡቕ ባህርያትካ ኸም ዜተኵር ምፍላጥካ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንሓደ ሰብ ይቕረ ቕድሚ ምባለይ፡ ንሱ ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ።”
ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ድሉዋት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ጽማቝ
ንዅሎም ኣሕዋትካን ኣሓትካን ይቕረ ብምባልን ፍቕሪ ብምርኣይን፡ ሓድነት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ምዕቃብ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ።
ክለሳ
ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧
ምስ ክርስትያን ብጻይካ ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧
ንኻልኦት ይቕረ ብምባል ዝመጸ ንየሆዋ ኽትመስሎ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧
ዳህስስ
ሓንቲ ኻብ ምሳሌታት የሱስ፡ ንኻልኦት ከይንፈርድ እትሕግዘና ብኸመይ ምዃኑ ርአ።
ጌጋ ኸም ዘይገበርና ዀይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን ይቕረታ ኽንሓትት የድሊ ድዩ፧
ገሊኦም ኣድልዎ ኸይገብሩ ብኸመይ ከም እተማህሩ ርአ።
ብሕታዊ ግጭት ንሰላም ጉባኤ ቕድሚ ምርባሹ፡ ብኸመይ ከተደቅሶ ኸም እትኽእል ርአ።
a ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ 6፡ ክርስትያናት ብፍቕሪ ተደሪኾም ተላባዒ ሕማም ከየመሓላልፉ ኸም ዚጥንቀቑ ተገሊጹ ኣሎ።
b ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ 7፡ ንግዳዊ ዋኒንን ሕጋዊ ጕዳያትን ብኸመይ ከም እተደቅስ ተገሊጹ ኣሎ።