-
ንሕልናኻ ብኸመይ ከም እተለማምዶግምቢ ዘብዐኛ—1997 | 1 ነሓሰ
-
-
ከም ኣብነት: ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:1 ዝርከብ “እምብኣርከ: ኣቱም ፍቁራተይ: እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወናስ: ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ከተስተንትነሉ ፈትን። ነቲ እዚ ቓላት እዚ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኣስተውዕለሉ። ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ጳውሎስ ዝዛረበሉ ዘሎ “ተስፋታት” እንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ሕተታ። ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ብምንባብ: እቲ ቅድሚኡ ዘሎ ጥቕስታት “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ኣቦ ድማ እዀነኩም: ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም: ይብል እቲ ዅሉ ዚከአሎ ጐይታ” ከም ዝብል ክትዕዘብ ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 6:17, 18
ሕጂ እቲ “ርእስና ነንጽህ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ትእዛዝ ሓይሊ ይውስኽ! ኣመላትና ንምግዳፍ ሓያል መለዓዓሊ ብምዃን: ኣምላኽ ‘ክቕበለና:’ ማለት ኣብ ትሕቲ እቲ ሓልዮት ዘለዎ ጸግዑ ከንብረና ተመባጺዑ ኣሎ። ንገዛእ ርእስኻ ‘ልክዕ ከምቲ ሓደ ወዲ ወይ ሓንቲ ጓል ምስ ኣቦኦም ዘለዎም ርክብ ገይረ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ አስተማቕርዶ እኸውን፧’ ኢልካ ሕተታ። ሓደ ጥበበኛ: ፈቃር ኣምላኽ ‘ክቕበለካ’ ወይ ከፍቅረካስ ኣዝዩ ባህ ዘብልዶ ኸይኰነ፧ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ርክብ ንዓኻ ሓድሽ ነገር እንተድኣ ኰይኑ: ፈቃራት ኣቦታት ንደቆም ዘለዎም ፍቕርን ምፍታውን ዝገልጽሉ መገዲ ተዓዘብ። ድሕርዚ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ የሆዋን ከምዚ ዝበለ ምትእስሳር ከም ዘሎ ገይርካ ሕሰብ! ነዚ ዝያዳ ብዘስተንተንካሉ መጠን: ክንድኡ ድማ ንኸምዚ ዝበለ ርክብ ዘሎካ ባህጊ ይዓቢ።
ነዚ ዝስዕብ ግን ኣስተብህለሉ:- ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክህልወካ ዝኽእል ‘ርኹስ ምትንካይ’ እንተድኣ ኣቋሪጽካ ጥራይ ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ‘ወልፊ ትምባኾ ካብቲ ኣምላኽ ዝዅንኖ “ርኹስ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራትዶ ኸይኰነ፧ ትምባኾ ምዝውታር: ነፍሰይ ንዅሉ ዓይነት ጠንቅታት ጥዕና ከም እትቃላዕ ብምግባር “ንስጋ ምርካስዶ” ኸይኰነ፧ የሆዋ ጽፉፍ ወይ “ቅዱስ” ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንነፍሰይ በዚ መገዲ እዚ ኰነ ኢለ ከርክሳ ከሎኹስ ነቲ ግብረይ ክሰምሮዶ ይኽእል፧’ (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ንመንፈስ’ ወይ ኣእምሮኣዊ ዝንባለ ‘ምርካስ’ እውን ኣጠንቂቑ ከም ዘሎ ኣስተብህል። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ‘እዚ ወልፊ እዚ ንኣተሓሳስባይ ይቈጻጸሮ ድዩ፧ ወልፈይ ከርዊ ኢለኸ: ምናልባት ንጥዕናይ: ንስድራቤተይ: ወይ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎኒ ኣቃውማ እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ክሳዕ ዘእቱ እኸውን ድየ፧ እቲ ናይ ትምባኾ ወልፈይ ንህይወተይ ክጐድእ ዘፍቅደሉ ክሳዕ ክንደይ ኢየ፧’ ነዚ ክብድ ዝበለ ሕቶታት ምግጣሙ ወልፍኻ ደው ከተብል ትብዓት ክህበካ ይኽእል ይኸውን!
-
-
ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲግምቢ ዘብዐኛ—1997 | 1 ነሓሰ
-
-
እንዳ ሊን ሓቂ ቅድሚ ምፍላጦም: ኣብ መሬቶም 1,300 በተል ናት ናይ እተባህለ ሓሽሽ ኣግራብ ተኺሎም ነበሩ። እቲ ኣግራብ ፍረ ንኽህብ ሓሙሽተ ዓመታት ዝወስደሉ እኳ እንተዀነ: ሓንሳእ ፍረ ክህብ ምስ ጀመረ ግን እንዳ ሊን ኣብ ዓመት 77,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር እቶት ንምርካብ ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ነበሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ምህርቲ ዝኣትወሉ እዋን እናቐረበ ምስ ከደ: እንዳ ሊን ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ውሳነ ክገብሩ ነበሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ከለዉ ክርስትያናት ንኸም ትምባኾ ምትካኽ: ሓሽሽ ብዘይ ግቡእ ምዝውታር: ከምኡውን ቈጽሊ በተል ናት ምሕያኽ ዝኣመሰለ ነገራት ብምርሓቕ: ገዛእ ርእሶም “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ” ከንጽሁ ከም ዘለዎም ተማሂሮም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 7:1) እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧
ኣቶ ሊን ሕልንኡ ስለ ዝረበሾ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ከቋርጽ ወሰነ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግን ወ/ሮ ሊን ካብቲ ናይ ቀደም ኣግራብ በተል ናት ብምሻጥ ልዕሊ 3,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ዝኸውን መኽሰብ ረኺባ ነበረት። እዚ ኣግራቦም እንተድኣ ተኻናኺኖም ናይቲ ቀልጢፉ ክርከብ ዝነበሮ ገንዘብ ቅማሶ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣቶ ሊን ሕልንኡ ዕረፍቲ ኸልኦ።
ክሳዕ እታ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ መሰኻኽር ነቲ በተል ናት ክቘርጽሉ ዝሓተተላ መዓልቲ: ምስቲ ጕዳይ ይቃለስ ነበረ። እቶም መሰኻኽር ድማ ንሱ ክገብሮ ዘለዎ ውሳነ ምዃኑ ገለጽሉ፣ ስለዚ ድማ ‘ጾሩ ክጸውር’ ነቲ ኣግራብ ባዕሉ ክቘርጾ ነበሮ። (ገላትያ 6:4, 5) ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ዝርከብ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዝብል መብጽዓ ክዝክር ኣተባብዕዎ። እቶም መሰኻኽር “ነቲ ኣግራብ ባዕልና እንተድኣ ቈሪጽናልካ: ምስ ተጠዓስካ በቲ ኽሳራ ንዓና ክትወቕሰና ትኽእል ትኸውን” ብምባል ምስኡ ተረዳድኡ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን: ወ/ሮ ሊን ሓደ ንግሆ ናይ መጋዝ ድምጺ ሰሚዓ ተበራበረት። በዓል ቤታን ደቃን ነቲ ናይ በተል ኣግራብ ይቘርጽዎ ነበሩ!
ኣቶ ሊን የሆዋ መብጽዕኡ ዝሕሉ ኰይኑ ረኸቦ። ጽሩይ ሕልና ዝሓድገሉ: ናይ የሆዋ ወዳሲ ክኸውን ዘኽእሎ ስራሕ ረኸበ። ሚያዝያ 1996 ኣብ እተገብረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ድማ ተጠምቀ።
-