“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”
የሆዋ ናይ ልግሲ ኣብነት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ምዃኑ ይነግር ኢዩ። (ያእቆብ 1:17) ንኣብነት: ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ርአ። መግቢ ኣብ ክንዲ መቐረት ዘይብሉ ጥዑም: ዕምባባታት ኣብ ክንዲ ሓደ ዓይነት እተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ: ዕራርቦ ጸሓይ ኣብ ክንዲ ዘሰልኪ ዝማርኽ ከም ዝኸውን ገበሮ። እወ: ኵሉ መዳይ ፍጥረት የሆዋ: ብዛዕባ ፍቕሩን ልግስንኡን መርትዖ ዝህብ ኢዩ። (መዝሙር 19:1, 2፣ 139:14) ብተወሳኺ ኸኣ የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ ኢዩ። ንኣገልገልቱ ኽብል ሰናይ ነገር ብምግባር ከኣ ይሕጐስ ኢዩ።—መዝሙር 84:11፣ 149:4
እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ርክብ ናይ ኣምላኽ ልግሲ ከንጸባርቑ ተኣዚዞም ነበሩ። ሙሴ ‘ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ፈቲኻ ሀቦ: ልብኻ ኣይጕሄ’ ብምባል ነጊርዎም ነበረ። (ዘዳግም 15:7, 10) ምሃብ ካብ ልቢ ክምንጭ ስለ ዝነበሮ: እስራኤላውያን ለጋሳት ብምዃን ክሕጐሱ ነበሮም።
ክርስትያናትውን ተመሳሳሊ ምኽሪ ተዋሂብዎም ነበረ። ብርግጽ: የሱስ ‘ኣብ ምሃብ ሓጐስ’ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35 NW ) ብሓጐስ ምሃብ ዝመጸ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብነት ኢዮም ነይሮም። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣመንቲ “መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ: ንዅሎም ከኣ ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም” ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ይህብ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:44, 45
እንተዀነ ግን: እዞም ለጋሳት ሰብ ይሁዳ እዚኣቶም ጸኒሖም ኣብ ድኽነት ወደቑ። ኣብ ድኽነት ከም ዝወድቁ ዝገበሮም ነገር እንታይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ኣይገልጸልናን ኢዩ። ገለ ምሁራት እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 11:28, 29 ተጠቒሱ ዘሎ ጥሜት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ይብሉ። ዝዀነ ዀይኑ: እቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ኣብ ክቱር ጸገም ኢዮም ነይሮም: ጳውሎስ ድማ ዘድልዮም ነገራት ተማሊእሎም ክርኢ ደለየ። ብኸመይ ኢዩ ግን ክገብሮ፧
ነቶም ዘድልዮም ንምሕጋዝ ገንዘብ ምውጻእ
ጳውሎስ ነተን ክሳዕ መቄዶንያ ዝነበራ ጉባኤታት ሓገዝ ክገብራ ሓተተን: ገንዘብ ተኣኪቡ ናብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ብድኽነት እተጠቕዑ ክርስትያናት ንኽውሰድ ድማ ምድላው ገበረ። ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ከምቲ ንማሕበራት ገላትያ ዝሰራዕክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። . . . ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ።”a—1 ቈረንቶስ 16:1, 2
ጳውሎስ እዚ እተኣከበ ገንዘብ እዚ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋት ብቕልጡፍ ክለኣኽ መደበ: ሰብ ቈረንቶስ ግን ንመምርሒታቱ ኣብ ምትግባር ደንጐዩ። ስለምንታይ፧ ናይቶም ሰብ ይሁዳ ኣሕዋቶም ሕማቕ ኵነታት ስለ ዘይተሰምዖም ድዩ፧ ኣይኰነን: ከመይሲ ሰብ ቈረንቶስ “ብዅሉ: ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን [ዕዙዛት]” ምዃኖም ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 8:7) ምናልባት ነቲ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ እተዛረበሉ ካልእ ኣገዳሲ ጕዳያት ኣብ ምፍጻም ኣዝዮም ትሑዛት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ደሓር ግን እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘጋጠመ ኵነታት ህጹጽ ስለ ዝነበረ ጳውሎስ ነቲ ጕዳይ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ካልኣይቲ መልእኽቱ ጠቐሶ።
ንምልጋስ ዝቐረበ መጸዋዕታ
ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ መጀመርታ ብዛዕባ እቶም ረድኤት ኣብ ምእካብ ብቕልጣፈኦም ኣብነት ዝነበሩ መቄዶናውያን ነገሮም። ጳውሎስ “ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም: ሓለፉ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ” ብምባል ጸሓፈ። እቶም መቄዶናውያን ንኽህቡ ምድፍፋእ ኣየድለዮምን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ጳውሎስ ‘ነዚ ጸጋ እዚ ንምርካብ ብብዙሕ ልማኖ ለመኑና’ ኢሉ ጸሓፈ። እቶም መቄዶናውያን ንባዕሎም ‘ኣብ ጥልቂ ዝዀነ ድኽነት’ ከም ዝነበሩ ክንሓስቦ ኸሎና: እቲ ብሓጐስ ዝገበርዎ ልግሲ ኣዝዩ ፍሉይ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝገልጸልና።—2 ቈረንቶስ 8:2-4
ጳውሎስ ንመቄዶናውያን ብምምስጋኑ: ኣብ መንጎ ሰብ ቈረንቶስ ናይ ምውድዳር መንፈስ ከለዓዕል ድዩ ዝፍትን ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ንምድራኾም ከምዚ ምግባር ዘይቅኑዕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ገላትያ 6:4) ብተወሳኺ: ሰብ ቈረንቶስ ቅኑዕ ነገር ንኽገብሩ ምድፍፋእ ከም ዘየድልዮም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ሰብ ቈረንቶስ ነቶም ሰብ ይሁዳ ኣሕዋቶም ብሓቂ የፍቅርዎምን ኣብቲ ረድኤት ናይ ምእካብ ዕዮ ድማ እጃሞም ከበርክቱ ይብህጉን ከም ዝነበሩ ጳውሎስ እምንቶ ነበሮ። “ንስኻትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር: ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም” ድማ በሎም። (2 ቈረንቶስ 8:10) ብርግጽ: ሰብ ቈረንቶስ ንባዕሎም ኣብቲ ረድኤት ናይ ምእካብ ዕዮ ብገለ መዳያት ኣብነት ነበሩ። ጳውሎስ ወሲኹ “ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶናውያን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን: እፈልጥ እየ” በሎም። (2 ቈረንቶስ 9:2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ይኹን እምበር: ሕጂ ሰብ ቈረንቶስ ንቕንኦምን ፍቓድ ልቦምን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣድለዮም።
ስለዚ ኸኣ: ጳውሎስ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” በሎም። (2 ቈረንቶስ 9:7) ስለዚ እምበኣር: ዕላማ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ጸቕጢ ንምግባር ኣይነበረን: ከመይሲ ሓደ ሰብ እንተድኣ ተገዲዱ ሕጉስ ወሃቢ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ድሮ ቅኑዕ ድራኸ ከም ዝነበሮም ጳውሎስ ገሚቱ ኢዩ: ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽህብ ድሮ ሓሊኑ ነይሩ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ጳውሎስ “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን” በሎም። (2 ቈረንቶስ 8:12) እወ: ፍቓድ ልቢ እንተድኣ ኣልዩ: እቲ ሰብ ብፍቕሪ ምስ ዝድረኽ: እቲ ዝህቦ ሒደት እውን ይኹን ብዘየገድስ ኣምላኽ ክቕበሎ ኢዩ።—ምስ ሉቃስ 21:1- 4 ኣረኣእዮ።
ሎሚ ዘለዉ ሕጉሳት ወሃብቲ
ነቶም ሰብ ይሁዳ ዝዀኑ ክርስትያናት ተባሂሉ እተገብረ ረድኤት ናይ ምእካብ ዕዮ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ክሰዓብ ዘለዎ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ወፈራ ኣካይዶም ኢዮም። እዚ ድማ ነቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ጠምዮም ዝሳቐዩ ሚልዮናት ሰባት አዐንጊልዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14) ነዚ ዝገብርዎ ድማ ነቲ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ የሱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኢዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20
ነዚ መዝነት እዚ ምፍጻም ቀሊል ዕማም ኣይኰነን። ናይ ሚስዮናውያን ኣባይትን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ ልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ምክያድ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣምለኽቲ የሆዋ ዝእከብሉን ንሓድሕዶም ዝተሃናነጽሉን ምቹእ ቦታታት ምእንቲ ኽህልዎም ኣደራሻት መንግስትን ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን ምህናጽ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (እብራውያን 10:24, 25) ሓድሓደ ግዜ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብባህርያዊ ዕንወት ንእተሃሰየ ከባቢታት ዝኸውን ረድኤት እውን ይልግሱ ኢዮም።
ነቲ ንሕትመት ተባሂሉ ዝወጽእ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እውን እሞ ሕሰቦ። ኣብ ሰሙን ሰሙን: ብገምጋም ልዕሊ 22,000,000 ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ገለ 20,000,000 ዝኸውን ቅዳሓት ንቕሑ! ይሕተም። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ስርዓታዊ ዀይኑ ዝዳሎ መንፈሳዊ መግቢ ብሚልዮናት ዝቝጸር መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ኣውድዮ ካሴታት: ቪድዮ ካሴታት ይዳሎ ኢዩ።
ኵሉ እዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝካየድ፧ ብወለንታ ብዝግበር ወፈያታት ኢዩ ዝካየድ። እዚ ወፈያታት እዚ ንሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ኢልካ ዝግበር እምበር ንረኣዩለይ ኢልካ ወይ ስስዐ ካብ ዝመልኦ ድራኸ ዝብገስ ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ: ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈያ ምግባር ነቲ ዝህብ ዘሎ ሰብ ሓጐስ ከምኡውን በረኸት ኣምላኽ የምጽኣሉ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:10፣ ማቴዎስ 6:1-4) ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ለጋሳትን ሕጉሳትን ወሃብቲ ምዃኖም የርእዩ ኢዮም። ንኣብነት: ሓንቲ ኤልሰን ዝስማ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህቦብላ ንፋስ ዕንወት ከም ዘውረደ ምስ ሰምዐት ክልተ ዶላር ወፈየት። ከምዚ ኢላ ድማ ጸሓፈት:- “እዘን ክልተ ዶላር እዚአን ኣብ ካሳይ ዘዋህለልክወን ኢየን። እቶም ቈልዑ ኵሉ እቲ መጻወቲኦምን መጻሕፍቶምን ባምቡላኦምን ከም ዝጠፍአ እፈልጥ ኢየ። ነዚ ገንዘብ እዚ ምናልባት ንሓንቲ መሰታይ ዝዀነት ንእሽቶ ቘልዓ መጽሓፍ ንምግዛእ ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም።” ሓደ ማክሊን ዝስሙ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ በቲ ማዕበል ካብቶም ኣሕዋት ዋላ ሓደ ብዘይ ሙማቱ ከም እተሓጐሰ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “ምስ ኣቦይ ኰይነ ናይ ቸርክዮ መኽደኒ ብምሻጥ 17 ዶላር ኣመሪካ ኣዋህለልኩ። በዘን ገንዘብ እዚአን ገይረ ገለ ነገር ክገዝእ ሓሲበ ነይረ: ደሓር ግን ብዛዕባ እቶም ኣሕዋት ሓሰብኩ።”—ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሳጹን እውን ርአ።
የሆዋ ንኣሽቱን ዓበይትን ‘ብጥሪቶም ንዕኡ ብምኽባር’ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ቀዳምነት ክህቡ ክርኢ ኸሎ ከም ዝሕጐስ ሓቂ ኢዩ። (ምሳሌ 3:9, 10) ዝዀነ ይኹን ነገር ናቱ ስለ ዝዀነ ንየሆዋ ክውስኸሉ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየለ እተረጋገጸ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:14 -17) ነቲ ዕዮ ምድጋፍ ግን ንሓደ ሰብ ንየሆዋ ፍቕሪ ከም ዘለዎ ንኽገልጽ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሉ መሰል ኢዩ። ንዅሎም እቶም ከምዚ ንኽገብሩ ልቦም ዝደረኾም ሰባት ነመስግኖም ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ጳውሎስ ገንዘብ ክዋጻእ እኳ እንተ ‘ሰርዐ:’ ውልቀ-መላኽነት ዘርኢ ዘገድድ ትእዛዝ ኢዩ ኣውጺኡ ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ሓያሎ ጉባኤታት ዘጠቓልል ምውጻእ ገንዘብ ይዕዘብ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ከከም ዓቕሙ . . . ምስኡ” ከቐምጥ ተዛረበ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ኵሉ ውጽኢት ብብሕትን ብወለንታን ኢዩ ዝግበር ነይሩ። እተገደደ ሰብ ኣይነበረን።
[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ሳጹን]
ገሊኦም ንምሃብ ዝመርጽሉ መገድታት ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት
ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ወጻኢታት— ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ሳጹናት ዘቐምጥዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ። ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ።
ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክለኣኽ ወይ በቲ ኣብ ሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብግልጺ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።
ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ
ፍሉይ ስምምዕ ብምግባር ገንዘብ ንማሕበር ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝሃበ ሰብ ንብሕቲ ጕዳይ ክጥቀመሉ እቲ ገንዘብ ምስ ዘድልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ በጃኻ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ተራኸብ።
ብመደብ ዝግበር ምሃብ
ብጀካ እቲ ብግልጺ ዝዋሃብ ናይ ገንዘብ ህያብን ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ ኣገባባት እውን ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ድማ ዘጠቓልል ኢዩ:-
መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ።
ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ: ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ብሓደራ ክቕመጥ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝኽፈል ምዃኑ ብምግላጽ ክዋሃባ ይከኣል ኢዩ።
ኣክሲዮናትን ናይ ልቓሕ ሰነዳትን:- ኣክሲዮናትን ናይ ልቓሕ ሰነዳትን ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ተባሂሉ ወይ ድማ እቲ እቶት ነቲ ለጋሲ ምኽፋል ዝቕጽለሉ መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ።
ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሰብ ዝዀነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንማሕበር ክህብ ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድሚ ምግባሩ ምስ ማሕበር ክራኸብ ኣለዎ።
ኑዛዜን ሕድርን:- ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ብዘለዎ ኑዛዜ ገይርካ ከተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዘገልግል ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።
እቲ “ብመደብ ዝግበር ምሃብ” ዝብል ስያመ ከም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ነቶም ብገለ መልክዕ በቲ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ገይሮም ንማሕበር ክጠቕሙ ዝደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ማሕበር ፕላንድ ጊቪን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛ ኣዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባትን ኑዛዜን ንሕድርን ዝምልከት ማሕበር እተቐበለቶ ብዙሕ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኢያ ተጻሒፋ። ብዘይዚውን እታ ብሮሹር ንንብረትን ገንዘብን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባርን ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ሕጂ ንማሕበር ፍሉይ ህያብ ክህቡ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ከውርሱ ዝብህጉ ውልቀ-ሰባት ንስድራቤቶምን ንብሕታዊ ኵነታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣዝዩ ጠቓምን ኣስላጥን ኣገባብ ምእንቲ ኽመርጹ ንምሕጋዝ ተባሂላ እውን ኢያ ተዳልያ።
ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ኣብ ክፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ዝሰርሑ ብምምይያጥን ንማሕበር ክሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ከስፍሕዎ ክኢሎም ኢዮም። እቲ ክፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ንዝዀነ ካብዚ ምድላዋት እዚ ብዝምልከት ክሕበርን ነቲ ጕዳይ ዝገልጽ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክዋሃቦን ኣለዎ። እቶም እዛ ብሮሹር ክትህልዎም ዝደልዩ ወይ ብዝዀነ በቲ ብመደብ ዝግበር ናይ ምሃብ ምድላዋት ኣቢሎም ክውፍዩ ዝደልዩ ሰባት በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ገይሮም ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብቲ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ዝሰርሑ ክራኸቡ ኣለዎም።
PLANNED GIVING DESK
Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
100 Watchtower Drive, Patterson, New York 12563-9204
Telephone: (914) 878-7000
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]
ቈልዑ እውን ሕጉሳት ወሃብቲ ኢዮም!
ብዙሕ መጻሕፍቲ ምእንቲ ኸተዳሉዉልና ነዘን ገንዘብ እዚአን ክህበኩም እደሊ ኢየ። ነቦይ ብምሕጋዝ ዘዋህለልኩወን ኢየን። ስለ እቲ እትገብርዎ ጻዕሪ ዝመልኦ ኵሉ ዕዮ ብዙሕ አመስግነኩም።—ጓል ሸውዓተ ዓመት ፓሚላ
ተወሳኺ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ንኽሕግዝ 6.85 ዶላር ኣመሪካ እሰደልኩም ኣሎኹ። ኣብ ዝሓለፈ ኽረምቲ ኣብ መገዲ ጣውላ ዘርጊሐ ጽማቝ ለሚን ብምሻጥ ዝኣከብኩወን ኢየን።—ጓል ሽዱሽተ ዓመት ሰሌና
እታ ዘዕብያ ዝነበርኩ ደርሆ ተባዕታይን ኣንስተይትን ጨቐዊት ጨጭሐት። ነታ ኣንስተይቲ ደርሆ ንየሆዋ ወፈኹዋ። ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ጨቐዊት ጨጭሐት: ንዕአን ድማ ሸጥክወን። ንዕዮ የሆዋ ንምድጋፍ ነቲ ገንዘብ ኣብ ጶስጣ ኣእትየ እልእከልኩም ኣሎኹ።—ወዲ ሸሞንተ ዓመት ቴሪ
ዘሎኒ ዅሉ ገንዘብ ኢየ ዝህበኩም ዘሎኹ! በጃኹም ብጥበብ ተጠቐሙሉ። ጽዒረ ዘዋህለልኩወን 21 ዶላር ኣመሪካ እሰደልኩም ኣለኹ።—ጓል ዓሰርተ ዓመት ሳራ
ኣብቲ እተዋህበና ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ቀዳመይቲ ብምውጽአይ ተሸለምኩ: ቀጺለ ኸኣ ናብቲ ብደረጃ ወረዳ ዝካየድ ውድድር ክካፈል ከድኩ። ኣብኡውን ቀዳመይቲ ብምውጽአይ ተሸለምኩ: ድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ብደረጃ ኣውራጃ እተገብረ ውድድር ካልኣይቲ ወጻእኩ። ኣብ ኵሉ እዚ ውድድራት እዚ ገንዘብ ተሸሊመ ኢየ። ንገለ ካብዚ ገንዘብ እዚ ንማሕበር ክመቕላ እደሊ ኢየ። እዚ ዅሉ ሽልማት ክረክብ ዝኸኣልኩ ሳላ እቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝረኸብክዎ ልምምድ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ደያኑ ዀይነ ነቲ ዘዳለኹዎ ጸብጻብ ከቕርብ ከሎኹ ምትእምማን ተሰሚዑኒ ኢዩ።—ሻድሻይ ክፍሊ እትምሃር ኣምበር
ነዚ ገንዘብ እዚ ንየሆዋ ክህቦ እደሊ ኢየ። የሆዋ ኵሉ ዝፈልጥ ስለ ዝዀነ ኣብ ምንታይ ከም እተውዕልዎ ንዕኡ ሕተትዎ።—ጓል ሽዱሽተ ዓመት ካረን
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእልታት]
ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍታው ብዝግበር ወፈያ ኢዩ ዝካየድ