መለኮታዊ ብርሃን ንጸልማት ይቕንጥጦ!
“ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ።”—2 ሳሙኤል 22:29
1. ብርሃን ምስ ህይወት ዝተኣሳሰር ብኸመይ ኢዩ፧
“ኣምላኽ ከኣ፤ ብርሃን ይኹን: በለ። ብርሃን ድማ ዀነ።” (ዘፍጥረት 1:3) እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ብዛዕባ ፍጥረት ዝገልጽ ጸብጻብ: በዘን ኣገደስቲ ቓላት ገይሩ የሆዋ ምንጪ ናይቲ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ናይ ግድን ዘድሊ ብርሃን ምዃኑ ገለጸ። የሆዋ ምንጪ ናይቲ ንህይወትና ንምምራሕ ኣድላዪ ዝዀነ መንፈሳዊ ብርሃን እውን ኢዩ። (መዝሙር 43:3) ንጉስ ዳዊት “ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ: ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና” ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ብርሃንን ህይወትን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር ኣርእዩ ኢዩ።—መዝሙር 36:9
2. ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ: ብርሃን ምስ ምንታይ ኢዩ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር፧
2 ካብቲ ዳዊት ዝነበረሉ እዋን ዳርጋ 1,000 ዝኸውን ዓመታት ጸኒሑ: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ጸብጻብ ፍጥረት ጠቒሱ ኢዩ። ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽጽሕፈላ ኸሎ “እቲ፤ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ: ዝበለ ኣምላኽ እዩ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ “ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ” ብምባል መንፈሳዊ ብርሃን ምስቲ ኻብ የሆዋ እንረኽቦ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኸም ዝተኣሳሰር ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 4:6) እዚ ብርሃን እዚ ብኸመይ ኢዩ ናባና ዝበጽሕ፧
መጽሓፍ ቅዱስ —ኣመሓላላፊ ብርሃን
3. የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እንታይ ብርሃን ኢዩ ኣብሪሁልና፧
3 የሆዋ ንመንፈሳዊ ብርሃኑ ብቐዳምነት ዘመሓላልፈሉ መገዲ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኢዩ። ስለዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖን ካብ ኣምላኽ ፍልጠት ክንቅበልን ከሎና ብርሃኑ ንኽበርሃልና ኢና ንፈቅድ። የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኣብ ዕላማታቱ ብርሃን የብርሃልና: ብኸመይ ፍቓዱ ኽንፍጽም ከም እንኽእል ከኣ ይነግረና ኢዩ። እዚ ኸኣ ንህይወትና ዕላማ ዘለዎ ይገብሮ: ንመንፈሳዊ ድሌትና ድማ የዕግበልና። (መክብብ 12:1፣ ማቴዎስ 5:3 NW ) የሱስ ካብ ሕጊ ሙሴ ብምጥቃስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” ኢሉ ኽዛረብ ከሎ ንመንፈሳዊ ድሌትና ኽንግደሰሉ ኸም ዝግባእ ኢዩ ኣጕሊሑ።—ማቴዎስ 4:4፣ ዘዳግም 8:3
4. የሱስ “ብርሃን ዓለም” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ብዛዕባ መንፈሳዊ ብርሃን ክለዓል ከሎ የሱስ ከይተጠቕሰ ኣይሓልፍን ኢዩ። እወ: ንገዛእ ርእሱ “ብርሃን ዓለም” ድሕሪ ምባል “እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” በለ። (ዮሃንስ 8:12) እዚ መግለጺ እዚ የሆዋ ንደቅሰብ ኣብ ዘመሓላልፎ ሓቂ: የሱስ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ካብ ጸልማት ርሒቕና ብብርሃን ኣምላኽ ክንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ንዅሉ እቲ የሱስ ዝበሎ ኽንሰምዖ ከምኡውን ኣብነቱን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ትምህርትታቱን ብትግሃት ክንስዕቦ ኣሎና።
5. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድሕሪ ሞቱ እንታይ ሓላፍነት ኢዮም እተሰከሙ፧
5 የሱስ ካብታ ዝሞተላ ግዜ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ንገዛእ ርእሱ ኸም ብርሃን ገይሩ ብምጥቃስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም:- “ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎ: ጸልማት ከየርከበኩም: ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ: ብርሃን ከሎኩም: ብብርሃን እመኑ።” (ዮሃንስ 12:35, 36) እቶም ደቂ ብርሃን ዝዀኑ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ‘ምሳሌ ጥዑይ ቃል’ ተማሂሮምዎ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 1:13, 14) ድሕርዚ ነቲ ጥዑይ ቃል ንኻልኦት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣምላኽ ንምስሓብ ይጥቀሙሉ።
6. ኣብ 1 ዮሃንስ 1:5 ብዛዕባ ብርሃንን ጸልማትን እንታይ መሰረታዊ ሓቂ ኢና እንረክብ፧
6 ሃዋርያ ዮሃንስ ‘እግዚኣብሄር ብርሃን ኢዩ: ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት የብሉን’ ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 1:5) ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዘሎ ፍልልይ እሞ ኣስተብህለሉ። መንፈሳዊ ብርሃን ካብ ኣምላኽ ኢዩ ዝምንጭ: መንፈሳዊ ጸልማት ከኣ ምስኡ ዋላ ሓንቲ ርክብ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። ምንጪ እዚ ጸልማት እዚ ደኣ እሞ መን ኢዩ፧
ምንጪ መንፈሳዊ ጸልማት
7. ብድሕርዚ ኣብዛ ዓለም ዝርከብ መንፈሳዊ ጸልማት መን ኢዩ ዘሎ: እንታይ ጽልዋኸ ኢዩ ዘለዎ፧
7 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ተዛሪቡ ኣሎ። ከምዚ ኽብል ከሎ ብዛዕባ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ብዛዕባኡ ድማ “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: . . . ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና እኳ እንተ በሉ መብዛሕትኦም ግን ድያብሎስ ከም ዘሎ ኣይኣምንሉን ኢዮም። ስለምንታይ፧ ሓደ እኩይ ልዕለ-ሰብኣዊ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል ክህሉን ንኣተሓሳስባኦም ክጸሉን ከም ዝኽእል ክቕበልዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ይኹን እምበር: ከምቲ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ድያብሎስ ብርግጽ ኣሎ: ሰባት ንብርሃን ሓቂ ንኸይርእዩ ድማ ጽልዋ ይገብረሎም ኢዩ። ኣብቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ትንቢታዊ መግለጺ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ” ተባሂሉሉ ስለ ዘሎ ንኣተሓሳስባ ሰባት ናይ ምጽላው ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ራእይ 12:9) ከም ሳዕቤን ናይቲ ሰይጣን ዝገበሮ ተግባራት ድማ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ “እንሆ: ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም” ብምባል እተነበዮ ትንቢት ብዘይካ ኣብቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ሰባት ኣብ ኵሎም ካልኦት ሰባት ዝውዕል ኢዩ።—ኢሳይያስ 60:2
8. እቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸገማት ዘለዉ ሰባት ተደናጊሮም ምህላዎም ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧
8 ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዝዀነ ይኹን ነገር ምርኣይ ኣጸጋሚ ኢዩ። ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ኽጠፍእ ወይ ክደናገር ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ ሰባት ምስትውዓል ይጐድሎም ኢዩ: ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ይደናገሩ ኢዮም። ሓቅን ሓሶትን ከምኡውን ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላይ ክእለቶም ከጥፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸልማት ዘለዉ ሰባት እዚ ዝስዕብ ጸሓፈ:- “እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ: ንጸልማትሲ ብርሃን: ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ: ንመሪርሲ ጥዑም: ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም።” (ኢሳይያስ 5:20) እቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ በቲ ኣምላኽ ጸልማት ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ይጽለዉ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ካብቲ ምንጪ ብርሃንን ህይወትን ይርሕቑ።—ኤፌሶን 4:17-19
ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንምምጻእ ክስገር ዘለዎ ብድሆ
9. እኩያት ናብቲ ተፈጥሮኣውን መንፈሳውን ጸልማት ዝሰሓቡ ብኸመይ ምዃኖም ግለጽ።
9 እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ “ዓይኒ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ: ገለ ዓይኒ ኸይትርእየኒ: እናበለ ገጹ ይጕልበብ” ብምባል እኩያት ናብቲ ተፈጥሮኣዊ ጸልማት ከም ዝሰሓቡ ሓቢሩ ኢዩ። (እዮብ 24:15) ብተወሳኺውን ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዮም ዝመላለሱ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸልማት ከኣ ክቈጻጸረካ ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቶም ብጸልማት እተዋሕጡ ሰባት ጾታዊ ብዕልግና: ስርቂ: ስስዐ: ስኽራን: ጸርፊ: ከምኡውን ዘረፋ ልሙድ ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ናብ ብርሃን ቃል ኣምላኽ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ለውጢ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ኽግበር ከም ዝከኣል ኣብቲ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኾ መልእኽቲ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ኣቐዲሞም ግብሪ ጸልማት ይገብሩ ነይሮም ኢዮም: ጳውሎስ ግን ከምዚ በሎም:- “ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።”—1 ቈረንቶስ 6:9-11
10, 11. (ሀ) የሱስ ነቲ ኻብ ዑረት ዘሕወዮ ሰብኣይ ብኸመይ ሓልዮት ኣርኣዮ፧ (ለ) ብዙሓት ብርሃን ዘይፈትዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
10 ሓደ ሰብ ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ብርሃን ክወጽእ ከሎ: መብዛሕትኡ እዋን ዓይኑ ነቲ ብርሃን ክሳዕ ዝለምዶ ይሽገር ኢዩ። የሱስ ኣብ ቤተ-ሳይዳ ንሓደ ዕዉር ሰብኣይ ኣሕውዩ ኢዩ: እንተዀነ ግን በብደረጃ ብምሕዋይ ሓልዮቱ ኣርእዪዎ ኢዩ። “ነቲ ዕዉር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፤ ገለዶ ትርኢ አሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ቋሕ ኢሉ ድማ፤ ሰባት እርኢ አሎኹ: ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም አሎኹ: በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ ኣጸቢቑ ጠመተ: ሐወየ ንዅሉውን ተቐሊዑ ረአዮ።” (ማርቆስ 8:23-25) የሱስ ነቲ ሰብኣይ ቀስ ብቐስ ከም ዝርኢ ዝገበሮ ምስ ብርሃን ጸሓይ ምእንቲ ኽለማመድ ኢሉ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ክርኢ ምስ ከኣለ እተሰምዖ ሓጐስ ክንግምቶ ንኽእል ኢና።
11 ይኹን እምበር: ነቲ ሰብኣይ ካብ እተሰምዖ ሓጐስ ንላዕሊ እቶም ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ናብ ብርሃን ሓቂ በብቕሩብ ንኽመጹ ዝሕገዙ ሰባት ዝስምዖም ሓጐስ ይዓቢ። ሓጐሶም ክንርኢ ኸሎና: ብዙሓት ሰባት ናብ ብርሃን ዘይስሓቡ ስለምንታይ ምዃኑ ይገርመና ይኸውን። የሱስ መልሲ ናይዚ ሂቡና ኢዩ:- “እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፤ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ: ሰብ ግና: ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ: ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ: እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ: ናብ ብርሃን ኣይመጽእን።” (ዮሃንስ 3:19, 20) እወ: ብዙሓት ሰባት ከም ዘይስነ-ምግባራውነት: ጭቈና: ሓሶት: ምትላል: ከምኡውን ስርቂ ዝኣመሰለ ‘ክፉእ ግብሪ’ ይፈትዉ ኢዮም: እቲ ናይ ሰይጣን መንፈሳዊ ጸልማት ከኣ ቃሕ ዝበሎም ንምግባር ኣጸቢቑ ዝምችእ ሃዋሁ ኢዩ።
ኣብቲ ብርሃን ዕቤት ምግባር
12. ናብ ብርሃን ብምምጻእና ብኸመይ ተጠቒምና፧
12 ንብርሃን ካብ እንፈልጥ ኣትሒዝና እንታይ ለውጥታት ገይርና፧ ሓድሓደ ግዜ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ ዝገበርናዮ መንፈሳዊ ዕቤት ምስ እንርእዮ ሰናይ ኢዩ። እንታይ ሕማቕ ልማዳት ሓዲግና፧ ኣብ ህይወትና እንታይ ጸገማት ኣዐሪና፧ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበረና መደባት ብኸመይ ተቐዪሩ፧ በቲ የሆዋ ዝህበና ብርታዐን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ባህርያትናን ኣተሓሳስባናን ብቐጻሊ ለውጢ ኽንገብር ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብርሃን ተቐቢልና ንዓየሉ ኸም ዘሎና የርኢ። (ኤፌሶን 4:23, 24) ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ: ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ: ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም . . . ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።” (ኤፌሶን 5:8, 9) ንህይወትና ብብርሃን የሆዋ ኽምራሕ ምስ እነፍቅደሉ ተስፋ ይህበና: ዕላማ ይህልወና: ንህይወት እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት እውን ሓጐስ ይውስኸሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ምስ እንገብርሲ ንልቢ የሆዋ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽኣሉ!—ምሳሌ 27:11
13. ንብርሃን የሆዋ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል: ነዚ ንምፍጻምከ እንታይ የድልየና፧
13 ነቲ ረኺብናዮ ዘሎና ዘሐጕስ ህይወት ዘሎና ሞሳ: ብርሃን የሆዋ ብምንጽብራቕ ኢና እነርእዮ፣ እዚ ድማ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ንኣባላት ስድራቤትና: ነዕሩኽትና: ከምኡውን ንጐረባብትና ምክፋል ኢዩ። (ማቴዎስ 5:12-16፣ 24:14) ነቶም ምስማዕ ዝኣብዩ ሰባት እቲ ስብከትናን ኣብነታዊ ክርስትያናዊ ኣነባብራናን መግናሕቲ ኢዩ ዝዀኖም። ጳውሎስ “ንጐይታና ዜሐጕሶ እናመርመርኩም . . . ግንሕዎም ደኣ እምበር: ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ” በለ። (ኤፌሶን 5:10, 11) ሰባት ካብ ጸልማት ወጺኦም ናብ ብርሃን ንኽመጹ ምሕጋዞም ትብዓት ይሓትት ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንሰባት ክንድንግጸሎምን ክንሓልየሎምን ከምኡውን ንዘለኣለማዊ ጥቕሞም ኢልና ነቲ ብርሃን ሓቂ ንምክፋሎም ልባዊ ባህጊ ኽህልወና ዝሓትት ኢዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20
ካብ መታለሊ ብርሃናት ተጠንቀቕ!
14. ብዛዕባ ብርሃን ዝመጸ ነየናይ መጠንቀቕታ ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧
14 እቶም ኣብ እዋን ጸልማት ኣብ ባሕሪ ዝጓዓዙ: ዝዀነ ይኹን ብርሃን እንተ ርእዮም የሐጕሶም ኢዩ። ቀደም ካብ ማዕበል መዕቈቢ ዝርከበሉ ቦታታት ንምሕባር ኣብቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ኣጻድፍ ዓዲ እንግሊዝ ሓዊ ይእጐድ ነይሩ ኢዩ። ባሕረኛታት በዚ ብርሃናት እዚ ተመሪሖም ናብቲ ኻብ ሓደጋ ዝድሕኑሉ መርሳታት ምኻዶም የማስዉሉ ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ገሊኡ ዝእጐድ ሓዊ መታለሊ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት መራኽብ ናብ መርሳ ዘይኰነስ ኣኻውሕ ናብ ዝመልኦ ገማግም ስለ ዝምርሓ ተሰቢረን ኢየን: ጽዕነተን ድማ ተሰሪቑ ኢዩ። ኣብዛ መታለሊት ዓለም እዚኣ ናብቲ መንፈሳዊ መርከብና ኽሰብረልና ዝኽእል መታለሊ ብርሃናት ከይንሰሓብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ተባሂሉ ተነጊሩና ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ነቶም ከሓድቲ እውን ሓዊስካ ኣገልገልቱ ብሓፈሻ ‘ንርእሶም ኣገልገልቲ ጽድቂ ዘምስሉ ዝጥብሩ ዓየይቲ’ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንዘቕርብዎ ሓቅነት ዘይብሉ ዘረባታት ንሰምዖ እንተደኣ ዄንና: ኣብቲ ናይ የሆዋ ቓል ሓቂ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምንቶ ክዳኸምን እምነትና ኽመውትን ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 11:13-15፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:19
15. ካብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ንኸይንወጽእ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
15 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 119:105) እወ: ‘እታ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ካብቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ብዝምንጭ ድሙቕ ብርሃን ኢያ እትበርህ። (ማቴዎስ 7:14; 1 ጢሞቴዎስ 2:4) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ: ካብታ ቀጣን መገዲ ወጺእና ናብ መገዲ ጸልማት ንኸይንኸይድ ይሕግዘና። ጳውሎስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብመንፈስ እናዓበና ብዝኸድና መጠን ብቓል ኣምላኽ ንማሃር ኢና። ብብርሃን ቃል ኣምላኽ ገይርና ገዛእ ርእስና ክንግስጽ ወይ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ኣብ ጉባኤ ብዘለዉ ፈቃራት ጓሶት ኽንግሰጽ ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊውን ካብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ምእንቲ ኸይንወጽእ: ገዛእ ርእስና ከነቕንዕን ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ብትሕትና ኽንቅበልን ንኽእል ኢና።
ኣብቲ ብርሃን ብሞሳ ተመላለስ
16. ነቲ የሆዋ ዘብርሃልና ዘደንቕ ብርሃን ብኸመይ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል፧
16 ነቲ የሆዋ ዘብርሃልና ዘደንቕ ብርሃን ብኸመይ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል፧ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 9 የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ: እቲ ሰብኣይ ሞስኡ ንኽገልጽ ከም እተደረኸ ዝሕብር ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ብኸመይ፧ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብምእማንን ኣብ ቅድሚ ሰባት ከኣ “ነብዪ” ምዃኑ ብምግላጽን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቶም የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ከስተናዕቑ ዝፈተኑ ሰባት ብትብዓት ተቓዊምዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 9:17, 30-34) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቕቡኣት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ “ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ” ኢሉዎም ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከምቲ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ እሞ ዝሓወየ ዘርኣዮ ናይ ምምሳው መንፈስ ኣለዎም። ‘ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃን ዝጸውዖም ብምንጋር’ ነቲ ሰናይ ዝገብረሎም የሆዋ ሞሳ የርእዩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:9፣ ቈሎሴ 1:13) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከኣ ተመሳሳሊ ናይ ምምሳው መንፈስ ኣለዎም: “ደግነት” የሆዋ ንሰባት ብምንጋር ድማ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ይድግፍዎም ኢዮም። ኣየ ኸመይ ዝበለ መወዳድርቲ ዘይብሉ መሰል ኰን ኢዩ ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ደቅሰብ ዝሃበ!
17, 18. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎ፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንጢሞቴዎስ ብምምሳል ካብ ምንታይ ክቝጠብ ኢዩ ዝተባባዕ፧
17 ንብርሃን ሓቂ ልባዊ ሞሳ ኽህልወና ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ። ዋላ ሓደ ኻባና ሓቂ ፈሊጡ እተወልደ ኸም ዘየለ ኽንርስዕ የብልናን። ገሊኣቶም ምስ ዓበዩ ኢዮም ተማሂሮሞ: ብርሃን ካብ ጸልማት ከም ዝበልጽ ከኣ ቐልጢፎም ኣስተውዓሉ። ገሊኣቶም ከኣ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ስለ ዘዕበይዎም ዓብዪ መሰል ረኺቦም ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ብርሃን ኣፍኲሶም ንኽርእይዎ ይቐሎም ይኸውን። ሓንቲ ቕድሚ ምውላዳ ኣትሒዞም ወለዳ ንየሆዋ ዘገልግሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ ምስክር: ምሉእ ትርጕምን ኣገዳስነትን ናይቲ ኻብ ሕጻንነታ እተማህረቶ ሓቅታት ንምግንዛብ ዝያዳ ግዜን ጻዕርን ከም ዘድለያ ተኣመነት። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ: ነፍሲ ወከፍና ነቲ የሆዋ ዝገለጾ ሓቂ ዓሚቝ ሞሳ ኸነማዕብል ኣሎና።
18 እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ ኢዩ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ተማሂሩ: እንተዀነ ግን ኣብ ኣገልግሎቱ ብምግዳል ጥራይ ኢዩ ኸም ክርስትያን መጠን ኣብ ብስለት ክበጽሕ ዝኸኣለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ድሕርዚ ነቲ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ኢሉ ዝመዓዶ ሃዋርያ ጳውሎስ ንምሕጋዝ ብቑዕ ኰነ። ንሕናውን ኵላትና ኸም ጢሞቴዎስ ዘሕፍረና ወይ ንየሆዋ ዘሕፍሮ ነገራት ካብ ምግባር ንቈጠብ!—2 ጢሞቴዎስ 2:15
19. (ሀ) ኵላትና ኸም ዳዊት እንታይ ንኽንብል ኢዩ ምኽንያት ዘሎና፧ (ለ) ኣብዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
19 ነቲ ብርሃን ሓቂ ዝሃበና የሆዋ ንኽንውድሶ ኣኽል-ታርፍ ምኽንያታት ኣሎና። ከም ንጉስ ዳዊት “ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር: መብራህተይ ኢኻ እሞ: ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ” ንብል ኢና። (2 ሳሙኤል 22:29) ገና ግን በዚ ቐሲንና ኢድና ኣጣሚርና ኾፍ ኣይንብልን ኢና: ከመይሲ ኸምኡ እንተደኣ ገይርና ናብቲ ዝገደፍናዮ ጸልማት ክንምለስ ንኽእል ኢና። ስለዚ: እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ንመለኮታዊ ሓቂ ኣብ ህይወትና እንህቦ ቦታ ንኽንግምግም ክትሕግዘና ኢያ።
እንታይ ተማሂርና፧
• የሆዋ መንፈሳዊ ብርሃን ዝህብ ብኸመይ ኢዩ፧
• እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ መንፈሳዊ ጸልማት እንታይ ብድሆ ኢዩ ዘምጽኣልና፧
• ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ኽንጥቀቕ ዘሎና፧
• ንብርሃን ሓቂ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ምንጪ ተፈጥሮኣውን መንፈሳውን ብርሃን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ከምቲ ነቲ ዕዉር ሰብኣይ በብደረጃ ዘሕወዮ: ንዓናውን ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ንኽንወጽእ በብቕሩብ ይሕግዘና ኢዩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
በቲ ናይ ሓሶት ብርሃናት ሰይጣን ተመሪሕካ ምኻድ መንፈሳዊ ምስባር መርከብ የስዕብ