-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018 | ታሕሳስ
-
-
ጳውሎስ “ገነት” ምጥቃሱኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
እታ “ገነት” እትብል ቃል እውን ከምዚ ዚስዕብ ዚብል በበይኑ ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ፦ (1) ነታ ፈለማ ዝነበረት መንበሪት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ገነት” እትብል ቃል ነታ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እትህሉ ቓል ብቓሉ ገነት ከተመልክት ትኽእል እያ። (2) ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልዎም መንፈሳዊ ዅነታት ከተመልክት ትኽእል እያ። (3) ነቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ኣብ ራእ. 2:7 “ገነት ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጠቕሰ እተባረኸ ዅነታት ከተመልክት ትኽእል እያ።—ናይ 15 ሓምለ 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 8 ሕ.ጽ. 8 ርአ።
ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:4 ዘሕለፎ ተመክሮ ንሰለስቲኡ መዳያት የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
-
-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018 | ታሕሳስ
-
-
እታ ጳውሎስ ብራእይ “ተመንዚዑ” ዝኸዳ “ገነት” ድማ፡ (1) ነታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ቓል ብቓሉ ገነት፡ (2) ነታ ሽዑ እትህሉ ኻብዚ ሕጂ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት እውን ኣመና እትሰፍሕ መንፈሳዊት ገነት፡ ከምኡ ድማ (3) ነታ ኣብ ግዜ ሓዳስ ዓለም ኣብ ሰማይ እትህሉ “ገነት ኣምላኽ” እተመልክት ክትከውን ኣለዋ።
-