ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ቈረንቶስ 11-13
ንጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ እሾዅ’
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሾዅ መብዛሕትኡ ግዜ ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ዚስርሓሉ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ኣሸገርትን ጕድኣት ኣብ ዜውርዱ ሰባትን ወይ ከኣ ጸገም ኣብ ዜምጽኡን ኪውዕል እዩ። (ዘሁ 33:55፣ ምሳ 22:5፣ ህዝ 28:24) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ እሾዅ’ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ሃዋርያት ሓሶትን ብዛዕባ እቶም ንሃዋርያነቱን ንዕዮኡን ጸገም ዝፈጠሩሉ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጥቕስታት፡ ንጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ እሾዅ’ ኪኸውን ከም ዚኽእል እንታይ ነገራት እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧
‘ኣብ ስጋኻ እተዋህበካ እሾዅ’ እንታይ እዩ፧
የሆዋ ንምጽዋር ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ኣብኡ ኽትውከል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧