ንኣምላኽ ብናይ ፍታው መንፈስ ኣገልግሎ
ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 12:15) እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ እቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ንኸማዕብልዎ ክጽዕርሉ ዘለዎም ኣረኣእያን ኣመለኻኽታን እንታይ ኢየን ዝነግራና፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝበሎ: ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ “ከምቲ ሓደ ኣቦ ንውሉዳቱ ዘድልዮም ነገራት ተሓጒሱ ዝገብረሎም: ሓይለይ: ግዜይ: ህይወተይ: ኰታ ዘሎኒ ዅሉ ንድሕንነቶም ክውፍዮ ፍቓደኛ ኢየ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። ክርስትያናዊ ኣገልግሎቱ ንኽፍጽም ‘ነፍሱ ክውፊ’ ወይ ከኣ ‘ክደክምን ሓይሉ ክውድእን’ ዘድልዮ እንተድኣ ኰይኑ እውን ንኽገብሮ ድሉው ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ጳውሎስ ንዅሉ እዚ ነገራት “ብብዙሕ ታሕጓስ” ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ። ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ከምኡ ንምግባር “ምሉእ ብምሉእ ፈትዩ” ኢዩ ነይሩ ትብል። ንስኻኸ፧ ሓድሓደ ግዜ ‘ምድካምን ሓይልኻ ምውዳእን’ ዝሓተካ እንተዀነ እውን ግዜኻ: ጕልበትካ: ክእለትካ: ሃብትኻ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንረብሓ ካልኦትን ከተውዕሎ ፍቓደኛዶ ኢኻ፧ ነዚኸ “ብብዙሕ ታሕጓስ” ምገበርካዮዶ፧
ፈጺሞም ከገልግሉ ኣይደልዩን ኢዮም
መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል የዕጠይጥዩ ጥራይ ዘይኰነስ ብግልጺ እውን ይኣብዩ ኢዮም። ናይ ዘይምምስጋንን ካብ ስስዐ ተበጊስካ ብርእስኻ ናይ ምኻድን ዕልወትን መንፈስ ኢዩ ዘለዎም። ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ከምኡ ዝበለ ኣተሓሳስባ ንኸሕድሩ ኣስዲዕዎም ኢዩ። ካብ ግጉይ ኣተሓሳስባ ተበጊሱ ‘ከም ኣምላኽ ከም ዝዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም ዝፈልጡ’ ማለት ቅኑዕ እንታይ ምዃኑን ጌጋ እንታይ ምዃኑን ብገዛእ ርእሶም ክውስኑ ከም ዝኽእሉ ነገሮም። (ዘፍጥረት 3:1-5) እቶም ሎሚ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዘለዎም ሰባት እውን: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝፍጽምዎ ግዴታ ዘይብሎም ወይ ከኣ ብዘይ ናቱ ኢድ ምእታው: ከም ቃሕታኦም ናይ ምግባር ምሉእ ናጽነት ዘለዎም ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። (መዝሙር 81:11, 12) ንዅሉ እቲ ዝውንንዎ ነገራት ንናይ ገዛእ ርእሶም ብሕታዊ ረብሓታት ከውዕልዎ ኢዮም ዝደልዩ።—ምሳሌ 18:1
ከምዚ ዝበለ ሕሉፍ ኣመለኻኽታ ኣይህልወካን ይኸውን። ነቲ ሕጂ እተስተማቕሮ ዘሎኻ ውህበት ህይወትን ነቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ እትረኽቦ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዘደንቕ መጻእን ብሓቂ ተማስወሉ ትኸውን። (መዛሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:1-4) በቲ የሆዋ ዝገበረልካ ሰናይ ነገራት ኣዕሚቝካ ተመስግን ትኸውን። ይኹን እምበር: ሰይጣን ኣገልግሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ክሳዕ ዝኸውን ገይሩ ንኣተሓሳስባና ከየዘንብዖ ኵላትና ክንጥንቀቕ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 11:3) እዚ ግን ብኸመይ ኢዩ ከጋጥም ዝኽእል፧
ብፍታው ዝግበር ኣገልግሎት ኢዩ ዘድሊ
የሆዋ ብፍታው: ብምሉእ ልቢ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኢዩ ዝደሊ። ፍቓዱ ንኽንገብር ፈጺሙ ኣየገድደናን ኢዩ። ሰባት ፍቓዱ ንኽገብሩ ጸቕጢ ካብ ምግባር ወይ ካብ ምስዳዕ ድሕር ዘይብል ሰይጣን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ምግልጋል ዝምልከት ሓሳባት ክህብ ከሎ ብዛዕባ ሓላፍነት: ትእዛዛት: ብቕዓታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ይዛረብ ኢዩ። (መክብብ 12:13፣ ሉቃስ 1:6) ይኹን እምበር: ንኣምላኽ እነገልግለሉ ቀንዲ ምኽንያት ስለ እነፍቅሮ ኢዩ።—ዘጸኣት 35:21፣ ዘዳግም 11:1
ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክንደይ ግዜ የሕልፍ ብዘየገድስ: ‘ፍቕሪ እንተ ዘይብሉ’ ኵሉ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:1-3) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ከም ባሮት ኣምላኽ ገይሮም ክዛረብሎም ከለዉ: ብግዴታ ዝፍጸም ሓሳር ዝመልኦ ባርነት ንምምልካት ኣይኰነን። (ሮሜ 12:11፣ ቈሎሴ 3:24) ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ንኣምላኽን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘለዎም ዓሚቝን ልባውን ፍቕሪ ተመርኲሶም ብፍታው ዝገብርዎ ተገዛእነት ኢዩ ዘመልክት።—ማቴዎስ 22:37፣ 2 ቈረንቶስ 5:14፣ 1 ዮሃንስ 4:10, 11
እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንሰባት ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ እውን ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ነታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ክጽሕፈላ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ: ርሕሩሓት ነበርና።” (1 ተሰሎንቄ 2:7) ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣዴታት ንውሉዳተን ክኣልያ ሕጋዊ ግዴታ ኣለወን። ይኹን እምበር መብዛሕትአን ኣዴታት ነዚ ዝገብርኦ ነቲ ሕጊ ክእዘዛ ደልየን ጥራይ ኣይኰናን። ኣብ ክንድኡስ ንውሉዳተን ስለ ዘፍቅራ ኢየን። ከመይሲ ሓንቲ መጥበዊት ኣደ ንውሉዳታ ብሓጐስ ዓቢ መስዋእትታት ኢያ እትገብር! ጳውሎስ ነቶም ዘገልግሎም ዝነበረ ከምዚ ዝኣመሰለ ‘ፍቕሪ’ ስለ ዝነበሮ: ንምሕጋዞም ኢሉ ህይወቱ ክጥቀመላ ‘ፍታውን ትምኒትን’ ነይርዎ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:8) ኣብነት ጳውሎስ ንኽንቀድሕ ፍቕሪ ትድርኸና ኢያ።—ማቴዎስ 22:39
እቲ ብምዕጥይጣይ ዝቐርብ ኣገልግሎትከ፧
እቲ ንገዛእ ርእስና ዘሎና ፍቕሪ ካብቲ ንኣምላኽን ንብጾትና ሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ከነዕዝዞ ኣይግብኣናን ኢዩ። እንተዘይኰይኑ እቲ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብጎቦ ልብን ብምዕጥይጣይን ክኸውን ኢዩ: እዚ ኸኣ ሓደገኛ ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ በቲ ንሕና እንብህጎ መገድታት ክንነብር ብዘይምኽኣልና ንበሳጮ እሞ ናይ ምረት ስምዒት እውን ከይተረፈ ከነሕድር ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ኣብቶም ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ኣጥፊኦም ክነሶም ግድን ኰይንዎም ሒደት ኣገልግሎት ዘቕርብሉ ዝነበሩ ገለ እስራኤላውያን ተፈጺሙ ኢዩ። ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ ንኣምላኽ ምግልጋል “ድኻም” ኰኖም።—ሚልክያስ 1:13
ንኣምላኽ ዝቐርብ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ወትሩ “ጐደሎ ዜብሉ” ምሉእ ወይ “ቀዳማይ” ክኸውን ኣለዎ። (ዘሌዋውያን 22:17-20፣ ዘጸኣት 23:19) ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ህዝቢ ንየሆዋ ካብ እንስሳታቶም እቲ ብሉጽ ኣብ ክንዲ ዝህቡ ነቶም ዘየድልይዎም ዘበሉ መመሪጾም ክህቡ ጀመሩ። የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ነቶም ካህናት ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ንመስዋእቲ ኸኣ ዕዉር እንተ ኣቕረብኩም: ክፉእዶ ኣይኰነን፧ ሓንካስ ወይስ ሕሙም እንተ ኣቕረብኩምሲ: ክፉእዶ ኣይኰነን፧ እስከ እዚ ንምስለኔኻ ኣቕርበሉ: ይሕጐሰልካዶ እዩ፧ ወይስ ኣብኡዶ ሞገስ ትረክብ ኢኻ፧ . . . እተዘምተን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ: ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፧”—ሚልክያስ 1:8, 13
እዚ ንዓና እውን ከጋጥመና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ብሓቂ ፍቓደኛ ልብን መንፈስን እንተድኣ ጐዲሉና መስዋእትታትና “ድኻም” ክዀነና ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 35:5, 21, 22፣ ዘሌዋውያን 1:3፣ መዝሙር 54:6፣ እብራውያን 13:15, 16) ንኣብነት ንየሆዋ ካብቲ ናይ ግዜና ተረፍ መረፍ ዲና እንህቦ፧
ሓደ ቅኑዕ ድራኸ ዘለዎ ኣባል ስድራቤት ወይ ሰናይ ቅንኢ ዘለዎ ሌዋዊ ንሓደ ፍታው ልቢ ዘይብሉ እስራኤላዊ ካብ ጥሪቱ እቲ ዝበለጸ መሪጹ ንመስዋእቲ ከቕርቦ ምስ ዘገድዶ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምረኸበ ነይሩ ኢሉ ክሓስብ ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ (ኢሳይያስ 29:13፣ ማቴዎስ 15:7, 8) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ዘቕርብዎ ሰባት ነጺግዎም ኢዩ።—ሆሴእ 4:6፣ ማቴዎስ 21:43
ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ይሃልኹም
ንኣምላኽ እቲ ዝቕበሎ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ: ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ የድልየና። ንሱ “ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ኣይደልን እየ” በለ። (ዮሃንስ 5:30) የሱስ ፈትዩ ንኣምላኽ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት ብዙሕ ሓጐስ ይረክብ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ነቲ “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ” ዝብል ቃላት ዳዊት ፈጺምዎ ኢዩ።—መዝሙር 40:8
ዋላ እኳ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ እንተ ነበሮ: ንምፍጻሙ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኢዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ቀቅድሚ ማእሰርቱ: ፍርዱ: መቕተልቱ እንታይ ከም እተፈጸመ እሞ ሕሰብ። ኣብ ኣታኽልቲ ጌተሰማኔ ከሎ: የሱስ ‘ኣዝዩ ጕህዩ’ “ጻዕረ ሞት ሒዝዎ” ነበረ። እቲ ዝነበሮ ስምዒታዊ ጸቕጢ ኣዝዩ ከቢድ ካብ ምንባሩ እተላዕለ ክጽሊ ኸሎ ‘ረሃጹ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።’—ማቴዎስ 26:38፣ ሉቃስ 22:44
የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕረ ሞት ዘሕለፈ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ርእሱ ስለ ዝሓሰበ ወይ እውን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ፍታው ስለ ዘይነበሮ ኣይኰነን። ንኽመውት ድሉው ኢዩ ነይሩ፣ ጴጥሮስ “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ: እዝስ ኣይብጻሕካ” ምስ በሎ እኳ ኣትሪሩ ተቓዊምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:21-23) ንየሱስ ዘገደሶ እቲ ከም ንዑቕ ገበነኛ ኰይኑ ክበጽሖ ዝነበሮ ሞት ንየሆዋን ነቲ ቅዱስ ስም የሆዋን ክሳዕ ክንደይ ዝትንክፍ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣራዊታዊ ኣገባብ ክግፋዕ ክርእዮ ኸሎ ኣቦኡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሳቐ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።
የሱስ ናብቲ ምስ ዕላማ የሆዋ እተተሓሓዘ ብእኡ ዝፍጸም ኣዝዩ ወሳኒ እዋን ይቐርብ ከም ዝነበረ እውን ይርዳእ ነይሩ ኢዩ። ንሕጊ ኣምላኽ እሙን ኰይኑ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልዎ ኣዳም እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ምርጫ ክገብር ይኽእል ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ መርትዖ ኢዩ። ተኣማንነት የሱስ: ነቲ ሰይጣን ደቅሰብ ፈተናታት ምስ ዝወርዶም ብፍታውን ብተኣማንነትን ንኣምላኽ ኣየገልግልዎን ኢዮም ኢሉ ዘቕረቦ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምዃኑ ዘቃልዕ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ንሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ክጭፍልቖን ንሳዕቤን ናይ ዕልወቱ ከልግሶን ኢዩ።—ዘፍጥረት 3:15
የሱስ ከመይ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት ኰን ኢዩ ተሰኪሙ ዝነበረ! ስም ኣቦኡ: ኣድማሳዊ ሰላም: ድሕነት ሰብኣዊ ስድራቤት: ኵሉ ኣብ ተኣማንነት የሱስ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ኣቦይ: ዚከአል እንተ ዀይኑስ: እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።” (ማቴዎስ 26:39) የሱስ ከቢድ ጸቕጢ ይወርዶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ: ብፍታው ፍቓድ ኣቦኡ ካብ ምግባር ኣይተወላወለን።
‘መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ ስጋ ግና ድኹም ኢዩ’
ከምቲ የሱስ ንየሆዋ ከገልግል ከሎ ከቢድ ስምዒታዊ ጸቕጢ ወሪድዎ ዝነበረ: ንሕናውን ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ሰይጣን ከቢድ ጸቕጥታት ከውርደልና ክንጽበዮ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 15:20፣ 1 ጴጥሮስ 5:8) ኣብ ርእሲ እዚ ዘይፍጹማት ኢና። ብፍታው ንኣምላኽ ነገልግሎ እኳ እንተዀንና ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ንዅሉ እቲ ክገብርዎ ዝሓተቶም ነገራት ንኽፍጽሙ ክሳዕ ክንደይ ይቃለሱ ከም ዝነበሩ ተገንዚቡ ኢዩ። ስለ ዝዀነ ኸኣ ኢዩ “መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” ዝበለ። (ማቴዎስ 26:41) ኣብቲ ፍጹም ስጋኡ ዝዀነ ይኹን ብተፈጥሮ ዝወረሶ ድኻም ኣይነበረን። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበረ ድኻም ማለት እቲ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ብምኽንያት እቲ እተወርሰ ሓጢኣትን ብሰንኩ ዝመጸ ኣብ ደቅሰብ ዘሎ ድሩትነትን ንዅሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ክገብርዎ ዝደልዩ ነገር ንምግባር ቃልሲ ከም ዘለዎም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘይፍጽምንኡ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምግልጋል ዕንቅፋት ምስ ኰኖ ኣጸቢቑ ዝጐሃየ: ንሕናውን ከምኡ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 7:18) ንሕናውን ንዅሉ እቲ ክንገብሮ እንምነዮ ጽቡቕ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽሞ ከም ዘይንኽእል ንግንዘብ ኢና። (ሮሜ 7:19) እዚ ግን መዕጠይጠይቲ ስለ ዝዀንና ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ድኻም ስጋና ንጻዕርታትና ዕንቅፋት ስለ ዝዀኖ ጥራይ ኢዩ።
ተስፋ ኣይንቝረጽ። ዝከኣለና ዘበለ ንምግባር ልባዊ ምድላው እንተድኣ ገይርና: ኣምላኽ ንኣገልግሎትና ከም ዝቕበሎ እተረጋገጸ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 8:12) ነቲ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣምላኽ ንኽግዛእ ዘንጸባረቖ ምሉእ ናይ ተገዛእነት መንፈስ ንኽንቀድሖ ‘ንጽዓር።’ (2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ ፊልጲ 2:5-7፣ 1 ጴጥሮስ 4:1, 2) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብፍታው ናይ ምዕያይ መንፈስ ይባርኾን ይድግፎን ኢዩ። ንድኻምና ዝሽፍነልና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክህበና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7-10) ንሕናውን ብሓገዝ የሆዋ ከም ጳውሎስ ኣብቲ ክቡር ኣገልግሎቱ ‘ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ: ነፍስናውን ክንውፊ’ ኢና።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ብዅሉ ዓቕሙ ንኣምላኽ ብፍታው ኣገልጊልዎ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ከቢድ ጸቕጢ ይወርዶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ ፍቓድ ኣቦኡ ፈጺሙ ኢዩ