-
ትፈልጥዶ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2010 | 1 ነሓሰ
-
-
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናብ ዓወት ዚመርሓና” ኺብል ከሎ እንታይ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ፧
▪ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። ማለት፤ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና።”—2 ቈረንቶስ 2:14-16።
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ሮማውያን ንጸላእቲ መንግስቲ ንዝሰዓረ ዕዉት ጀነራል ኬኽብሩ ኢሎም ብልምዲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ዓጀባ እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ዕዉት ጀነራልን ሰራዊቱን ክብሪ ኺወሃቦም ከሎ፡ ኵሉ እቲ እተማረኸ ነገራትን ኵሎም እሱራትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቐርቡ፡ ኣብዑር ከኣ ንመስዋእቲ ይዅብከቡ ነበሩ። እቲ ዓጀባ ኺዛዘም ከሎ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረዱ፡ መብዛሕትኦም እሱራት ከኣ ይቕተሉ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ብመሰረት ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ እቲ ንገሊኦም ህይወት ንገሊኦም ከኣ ሞት ዜመልክት “መኣዛ ክርስቶስ” ዚብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ “ካብቲ ሮማውያን ዓጀባ ኺገብሩ ኸለዉ ብልምዲ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ዕጣን ናይ ምንዳድ ተግባር እተወሰደ ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ብዘይካዚ፡ “እቲ ንዓወት እቶም ሰዓርቲ ዜመልክት መኣዛ፡ ነቶም ምሩኻት ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮም ሞት የዘኻኽሮም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”a
-
-
ትፈልጥዶ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2010 | 1 ነሓሰ
-
-
a እቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ እንታይ መንፈሳዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ንኽትርዳእ፡ ናይ 15 ሕዳር 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 27 ርአ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ሮማውያን ናይ ዓወት ዓጀባ ኺገብሩ ኸለዉ ብኸፊል ዜርኢ ቕርጺ፡ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Photograph taken by courtesy of the British Museum
-