ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ኣብቲ ምሕድግ ዝበለ ምድረ-በዳ ግብጺ ንምንባር ንብረቶም: ኣዝማዶም: ከምኡውን ናብርኦም ጠንጢኖም ከዱ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣንኮራይትስ (ባሕታውያን)—ካብታ ኣ·ና·ክሆ·ሬʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት—ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ: እዛ ቓል እዚኣ ድማ “እፍለ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ካብቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ሰባት ተገሊሎም ይነብሩ ምንባሮም ይገልጽ። እቶም ባሕታውያን ካብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ስለ እተፈልዩ: ነቲ ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ዝብል ክርስትያናዊ ብቕዓት ዝእዘዝዎ ዘለዉ ይመስሎም ነበረ።—ዮሃንስ 15:19
መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት “ኻብ ርኽሰት ዓለም” ክሕለዉ ይምዕዶም ኢዩ። (ያእቆብ 1:27) ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ብምባል ብንጹር የጠንቅቕ:- “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምብኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።” (ያእቆብ 4:4) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ክርስትያናት ቃል ብቓሉ ካብ ካልኦት ብምፍላይ ባሕታውያን ክዀኑ ትጽቢት ይግበረሎም ማለት ድዩ፧ ካብቶም ከምቲ ናቶም ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሎም ሰባት ክርሕቁ ይግብኦም ድዩ፧
ክርስትያናት ጸረ-ሕብረተሰብ ኣይኰኑን
እቲ ካብ ዓለም ዘይምዃን ዝብል ኣምር ኣብ ሓያሎ ጸብጸባት መጽሓፍ ቅዱስ ተዘሪብሉ ኣሎ። እዚ ድማ ክርስትያናት ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ዝበዝሐ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክፍለዩ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 6:14-17፣ ኤፌሶን 4:18፣ 2 ጴጥሮስ 2:20 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ኸኣ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ምስ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ዝጋጮ ከም ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ: ተፈላጥነት ምርካብ: ከምኡውን ሓለፍ ዝበለ ባህታኻ ምርዋይ ዝኣመሰለ ዓለም እተርእዮ ህርፋን ዘንጸባርቕ ኣረኣእያን ኣዘራርባን ጠባይን ብምንጻጐም ጥበብ የርእዩ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ኣብ ውግእን ፖለቲካዊ ጕዳያትን ገለልትነቶም ብምሕላው እውን ካብ ዓለም ይፍለዩ ኢዮም።
የሱስ ክርስቶስ: ደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ’ ተዛሪቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ” ኢሉውን ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:14-16) የሱስ ምስቶም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ዘለዎም ኵሉ ርክብ ብምቍራጽ ንደቀ መዛሙርቱ ጸረ-ሕብረተሰብ ክዀኑ ከም ዘይደለየ ርዱእ ኢዩ። ብሓቂ ክንርእዮ እንተድኣ ዄንና ሓደ ክርስትያን ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ፈጺሙ ክፍለ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ “ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት” ክሰብኽን ክምህርን ዘለዎ መዝነት ክፍጽም ኣይክእልን ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20፣ ማቴዎስ 5:16፣ 1 ቈረንቶስ 5:9, 10
እቲ ካብ ርኽሰት ዓለም ንኽሕለዉ እተዋህበ ምኽሪ: ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ከም ዝበልጹ ገይሮም ንኽርእይዋ ሰበብ ኣይኰኖምን ኢዩ። እቶም ንየሆዋ ዝፈርሁ ሰባት ‘ትዕቢት’ ይጸልኡ ኢዮም። (ምሳሌ 8:13) ገላትያ 6:3 “ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ንርእሱ ይጥብር አሎ” ብምባል ትገልጽ። እቶም ካብ ካልኦት ዝበልጹ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ገዛእ ርእሶም ኢዮም ዘታልሉ ምኽንያቱ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢዮም።—ሮሜ 3:23
‘ንሓደ እኳ ዘይምጽራፍ’
ኣብ ግዜ የሱስ ንዅሎም እቶም ካብቲ ናቶም ሃይማኖታዊ ጕጅለ ዘይኰኑ ህዝቢ ዝንዕቁ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ፈሪሳውያን ካብ እዚኣቶም ኢዮም ነይሮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ደቂቕ ናይ ኣይሁድ ባህሊ ብዙሕ ፍልጠት ነበሮም። (ማቴዎስ 15:1, 2፣ 23:2) ንሓያሎ ሃይማኖታዊ ወግዕታት ጠቢቖም ብምስዓብ ይምክሑ ነበሩ። ሓለፍ ዝበለ ነገራት ብምፍጻሞምን በቲ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ማዕርግን ጥራይ ካብ ካልኦት ከም ዝበልጹ ዀይኖም ይመላለሱ ነበሩ። “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” ብምባል ዝነበሮም ናይ ግብዝናን ንዕቀትን ዝንባለ ይገልጹ ነበሩ።—ዮሃንስ 7:49
እቶም ፈሪሳውያን: ፈሪሳውያን ንዘይኰኑ ሰባት ዘናእስ ስያመ እውን ነይርዎም ኢዩ። እታ ʽኣምሃ·ʼሬትስ እትብል ናይ እብራይስጢ ስያመ ኣብቲ መጀመርታ ንኣባላት ሕብረተሰብ ብኣወንታዊ መገዲ ንምምልካት ኢያ ትውዕል ነይራ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን እቶም ዕቡያት መራሕቲ ሃይማኖት ይሁዳ ንመንፈስ ናይታ ʽኣምሃ·ʼሬትስ እትብል ስያመ ንሰባት ናብ ምንዓቕ ቀየርዎ። ነቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሓዊስካ ካልኦት ጕጅለታት ከም “ኣረማዊ” ከምኡውን “ሃይማኖት ኣልቦ” ዝኣመሰለ ስያመታት ነቶም ካብቲ ናቶም እተፈልየ ሃይማኖታዊ እምነታት ዘለዎም ሰባት ንምምልካት ብዘናእስ መገዲ ይጥቀሙሉ ነበሩ።
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ግን ነቶም ክርስትና ዘይተቐበሉ ሰባት ብኸመይ ይምልከትዎም ነበሩ፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስቶም ኣመንቲ ዘይኰኑ ሰባት “ብህድኣት” ከምኡውን ‘ብፍርሃት’ ክመላለሱ ተማዒዶም ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:25፣ 1 ጴጥሮስ 3:15) ሃዋርያ ጳውሎስ በዚ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። ተቐራቢ ድኣ እምበር ዕቡይ ኣይነበረን። ንገዛእ ርእሱ ካብ ካልኦት ክብ ዘብል ዘይኰነስ: ትሑትን መተባብዕን ኢዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 9:22, 23) ጳውሎስ ኣብታ ንቲቶስ ዝጸሓፈሉ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቲ “ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ: ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ” ዝብል ማዕዳ ሂቡ ኢዩ።—ቲቶስ 3:2
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ዘይኣማኒ” እትብል ስያመ ሓድሓደ ግዜ ክርስትያናት ንዘይኰኑ ሰባት ንምምልካት ውዒላ ኢያ። ይኹን እምበር: እታ “ዘይኣማኒ” እትብል ቃል ከም ወግዓዊ መለለዪ ወይ መጸውዒ ከም እተጠቕሙላ ዘርኢ መርትዖ የለን። ክርስትናያት ንዘይኰኑ ሰባት ንምንኣስ ወይ ንምቅላል ከም ዘይወዓለት እተረጋገጸ ኢዩ: ከምዚ ምግባር እውን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ኢዩ። (ምሳሌ 24:9) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመንቲ ንዘይኰኑ ሰባት ትዕንን ኣይብሉሎምን ወይ ኣይዕበዩሎምን ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ኣዝማዶም ወይ ጐረባብቶም ንዕቀት ብዘለዎ ስያመታት ምስማይ ነውሪ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ነቲ ‘ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ ክኸውን ይግብኦ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ።—2 ጢሞቴዎስ 2:24
‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ግበር’
ምስ ዓለም: ብፍላይ ከኣ ምስቶም ንኣምላኻዊ ስርዓታት ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል ክብሪ ዘየርእዩ ሰባት ጥብቂ ምሕዝነት ምምስራት ሓደገኛ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 15:33 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ግበር’ ብምባል ክመክር ከሎ እታ “ንዅሉ” እትብል ቃል ነቶም ንክርስትያናዊ እምነታት ዘይስዕቡ ሰባት እውን እተጠቓልል ኢያ። (ገላትያ 6:10) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ገለ ገለ እዋናት ምስቶም ዘይኣመንቲ ሓቢሮም ይበልዑ ከም ዝነበሩ መርትዖታት ይሕብር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:27) ስለዚ እምብኣር ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንዘይኣመንቲ ከም ብጾቶም ገይሮም ብምርኣይ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኢዮም ዝሕዝዎም።—ማቴዎስ 22:39
ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ስለ ዘይፈልጥ ጥራይ ነውራም ወይ ስነ-ምግባር ዘይብሉ ከም ዝዀነ ገይርካ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ። ኵነታት ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ኵሎም ሰባት እውን ሓደ ኣይኰኑን። ስለዚ ኸኣ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምስቶም ዘይኣመንቲ ንዝገብሮ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ክውስን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ከምቲ እቶም ኣንኮራይትስ ዝገበርዎ ካብ ሰባት ክፍለ ወይ ከምቲ እቶም ፈሪሳውያን ዝገበርዎ ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበለ ዀይኑ ክስምዖ ኣድላዪን ቅዱስ ጽሑፋውን ኣይኰነን።