-
4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022 | ቍ. 1
-
-
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
“እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።”—ገላትያ 5:22, 23።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ዓንኬል ጽልኢ ኺስበር ይከኣል እዩ። እቲ ቕዱስ መንፈሱ ብርእስና ኸነጥርዮ ዘይንኽእል ባህርያት ክንፈሪ የኽእለና እዩ። ስለዚ፡ ንጽልኢ ብናትና ብርታዐ ኸነሰንፎ ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሓገዝ እንተ ተወከልና ይሓይሽ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪስምዓና ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:13) እወ፡ ሽዑ፡ “ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ . . . እዩ ዚመጽእ” ክንብል ኢና።—መዝሙር 121:2።
-