የሆዋ ንኽንድሕን ይሕልወና
“ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም።”—1 ጴጥ. 1:5።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
የሆዋ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሰሓበና ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ፡ ብምኽሩ ንኺመርሓና ኽንፈቕደሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
የሆዋ ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧
1, 2. (ሀ) ኣምላኽ፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ኸም ዚሕግዘና እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧ (ለ) የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ንነፍሲ ወከፍና ዚፈልጠና፧
“እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ . . . ኪድሕን እዩ።” (ማቴ. 24:13) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍርዱ ኼውርድ ከሎ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ንጽህናና ኽሳዕ መወዳእታ ኽንሕሉ ኸም ዘሎና ኣነጺሩልና ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ የሆዋ ብጥበብና ወይ ብብርታዐና ኽንዕገስ ወይ ከኣ ክንጸንዕ ከም ዚጽበየና ዚሕብር ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (1 ቈረ. 10:13) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧
2 ካብ ዓቕምና ንንየው ምእንቲ ኸይንፍተን፡ የሆዋ ብዛዕባና ዅሉ ነገር፡ እንተላይ ዜጋጥመና ብድሆታትን እንታይነትናን ዓቕምናን ኪፈልጥ ኣለዎ። እሞኸ ኣምላኽ ብሓቂ ይፈልጠና ድዩ፧ እወ፡ ይፈልጠና እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ይገልጽ እዩ። ነቲ መዓልታዊ እንገብሮ ነገራትን ንልምድታትናን ይፈልጦ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓሳብ ልብና የድህበሉ እዩ።—መዝሙር 139:1-6 ኣንብብ።
3, 4. (ሀ) ዳዊት ዘሕለፎ ተመክሮ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እውን ከም ዚግደሰልና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ የሆዋ እንታይ ዜደንቕ ዕዮ እዩ ዚዓዪ ዘሎ፧
3 ኣምላኽ ነቶም ለጠቕ ዝበሉ ደቂ ሰብ ዚግደሰሎም ምዃኑ፡ ፈጺሙ ዘይመስል ድዩ፧ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓሲቡላ ነበረ፣ ንየሆዋ ኸኣ፡ “ንሰማያትካ፡ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፡ ንስኻ ዘቘምካዮም፡ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፡ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ . . . እንታይ እዩ፧” በሎ። (መዝ. 8:3, 4) ምናልባት ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ተበጊሱ ሓቲትዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝነኣሰ ወዲ እሴይ ዝነበረ ዳዊት፡ ንየሆዋ “ኸም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ” እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል መስፍን ምእንቲ ኪኸውን፡ ካብ ምጕሳይ ወሰዶ።’ (1 ሳሙ. 13:14፣ 2 ሳሙ. 7:8) ዳዊት፡ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ንውልቃዊ ሓሳባቱን ስምዒቱን ከም ዚፈልጦ ምስ ተገንዘበ ንእተሰምዖ ስምዒት እሞ ገምቶ!
4 እቲ ኣብዚ እዋን እዚ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ተገዳስነት እውን፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ነቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይእክቦም ኣሎ፣ ንኣገልገልቱ ድማ፡ ንጽህናኦም ንኺሕልዉ ይሕግዞም ኣሎ። (ሃጌ 2:7) የሆዋ፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ብዝያዳ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ንሰባት ብኸመይ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚስሕቦም እስከ ንመርምር።
ብኣምላኽ ተሳሒብና
5. የሆዋ ንሰባት ናብ ወዱ ዚስሕቦም ብኸመይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
5 የሱስ፡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃ. 6:44) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ንምዃን፡ ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዜድሊ እየን ዚሕብራ። እሞኸ የሆዋ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናብ ወዱ ዚስሕቦም ብኸመይ እዩ፧ ብስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ብዕዮ መንፈስ ቅዱስን እዩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስን መገላግልቱን ኣብ ፊልጲ ኸለዉ፡ ምስ ሓንቲ ልድያ ዝስማ ሰበይቲ ተራኸቡ እሞ፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣካፈልዋ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ልድያ “ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ . . . እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ።” ልድያ ነቲ ዚንገራ ዝነበረ መልእኽቲ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ሓገዛ፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንሳን ቤታን ተጠምቁ።—ግብ. 16:13-15።
6. ኵልና ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኣምላኽ እተሰሓብና ብኸመይ ኢና፧
6 ንልድያ ጥራይ ድዩ ኸምኡ ኣጋጢምዋ፧ ኣይፋልን። ርእስኻ ዝወፈኻ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ንስኻ እውን ብኣምላኽ ኢኻ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተሳሒብካ። ከምቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ልቢ ልድያ ኽቡር ነገር ዝረኣየ፡ ኣባኻ እውን ክቡር ነገር ርእዩ እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰምዕ ምስ ጀመርካ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ፡ ንኽትርድኦ ሓጊዙካ እዩ። (1 ቈረ. 2:11, 12) ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ንኽትፍጽም ክትጽዕር ከለኻ፡ ባሪኹካ እዩ። ርእስኻ ንዕኡ ምስ ወፈኻ ድማ፡ ልቡ ተሓጒሱ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ናብ ህይወት ኣብ ዚመርሕ መገዲ ኽትጐዓዝ ካብ ዝጀመርካሉ እዋን ኣትሒዙ፡ የሆዋ ፈጺሙ ኻብ ጐድንኻ ኣይተፈልየን።
7. ኣምላኽ፡ እሙናት ንኽንከውን ከም ዚሕግዘና ብኸመይ ንፈልጥ፧
7 የሆዋ ምስኡ ኽንጐዓዝ ንኽንጅምር ካብ ሓገዘና፡ ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ምእንቲ ኽንከውን እውን ከም ዚሕግዘና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ናብ ሓቂ ባዕልና ዘይመጻእና፡ ኣብ ሓቂ እውን እንተ ዀነ ብዘይ ሓገዙ ኽንጸንዕ ከም ዘይንኽእል ይፈልጥ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም” በለ። (1 ጴጥ. 1:5) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኵሎም ክርስትያናት እውን ይውዕላ እየን፣ ነቶም ሎሚ ዘለና እውን ኬገድሳና ኣለወን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እሙናት ምእንቲ ኽንከውን፡ ሓገዝ ኣምላኽ የድልየና እዩ።
ኣምላኽ፡ ንኸይንስሕት ይኽልክለና
8. ንኸይንስሕት ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
8 ናብራ ዜምጽኦ ጸቕጥታትን ዘይፍጽምናናን፡ መንፈሳዊ ኣትኵሮና ኸም እንስሕትን ከይፈለጥና ኸም እንብድልን ኪገብረና ይኽእል እዩ። (ገላትያ 6:1 ኣንብብ።) እዚ ኣብ ህይወት ዳዊት ተራእዩ እዩ።
9, 10. የሆዋ ንዳዊት ንኸይስሕት ዝኸልከሎ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚኸ ንዓና እንታይ እዩ ዚገብረልና፧
9 ዳዊት ብንጉስ ሳኦል ኪህደን ከሎ፡ ነቲ ቐናእ ንጉስ ሕነ ብዘይምፍዳይ፡ ብዜደንቕ መገዲ ርእሱ ገትአ። (1 ሳሙ. 24:2-7) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ዳዊት በቲ ዘይፍጹም ድራኸታቱ ተዓብለለ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብኡት ዚኸውን ስንቂ ደልዩ፡ ነቲ ኸምኡ እስራኤላዊ ዝነበረ ላባን ብኣኽብሮት ለመኖ። ናባል ግና ጸረፎ፣ ዳዊት፡ ንንጹሃት ሰባት ምቕታል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብደም ገበነኛ ኸም ዚገብሮ ስለ ዝረስዐ፡ ብሓርቖት ንብምሉኡ ቤት ላባን ሕነ ኺፈድዮ ተላዕለ። ሳላ እቲ ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ኣብ ግቡእ እዋን ዝወሰደቶ ስጕምቲ ግና፡ ዳዊት ካብ ዜስካሕክሕ ጌጋ ተሰትረ። ዳዊት፡ የሆዋ ኣብቲ ፍጻመ ኢዱ ኸም ዘእተወ ስለ እተገንዘበ፡ ንኣቢጋይል፡ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ” በላ።—1 ሳሙ. 25:9-13, 21-23, 32, 33።
10 ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ የሆዋ ንዳዊት፡ ብኣቢጋይል ኣቢሉ ንኸይስሕት ከልከሎ። ሎሚ እውን ንዓና ኸምኡ ይገብረልና እዩ። ሓቂ እዩ፡ ጌጋ ኽንገብር ኣብ እንሓስበሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ ኣምላኽ ንኸይንጋገ ኢሉ ሰብ ኪልእከልና ኽንጽበ የብልናን። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ዅነታት እንታይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ወይ ከኣ ኣብቲ ንዕላማኡ ዚፍጽመሉ መገዲ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚፈቅድ ኣይንፈልጥን ኢና። (መክ. 11:5) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ወትሩ ንዅነታትና ኸም ዚፈልጦን እሙናት ንኽንከውን ከም ዚሕግዘናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሱ፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (መዝ. 32:8) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚመኽረና፧ ካብ ምኽሩ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖም ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብኸመይ ተመሊሰን ከም ዘለዋ እስከ ንርአ።
ኣምላኽ፡ ምኽሪ ብምሃብ ይሕልወና
11. የሆዋ ነቲ ኣብ ክርስትያን ጉባኤታት ዚካየድ ነገራት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚፈልጦ፧
11 እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 2ን 3ን ተመዝጊቡ ዘሎ ራእይ ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት መርመረን። እቲ ራእይ፡ ክርስቶስ ንሓፈሻዊ ዝንባለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዝርዝር ኵነታት እውን ከም ዚርእዮ ዚሕብር እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ንውልቀ ሰባት እውን እንተ ዀነ ጠቒሱ እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ፡ ግቡእ ናእዳ ወይ ምኽሪ ሂቡ እዩ። እዚ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ እተን ሸውዓተ ጉባኤታት ነቶም ድሕሪ 1914 ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እየን ዜመልክታ፣ እቲ ነተን ጉባኤታት እተዋህበን ምኽሪ ድማ፡ ብተዘዋዋሪ ኣብተን ሎሚ ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዋ ህዝቢ ኣምላኽ ዚርከቡለን ጉባኤታት ይውዕል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ንህዝቡ ይመርሖም ከም ዘሎ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ካብዚ መሪሕነት እዚ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12. የሆዋ ንስጕምትታትና ንኺመርሖ ኽንፈቕደሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ካብ ፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ እዩ። የሆዋ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዜዳልዎ ጽሑፋት ኣቢሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይህበና እዩ። (ማቴ. 24:45) ካብኡ ጥቕሚ ምእንቲ ኽንረክብ ግና፡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ኽንምድብን ነቲ እተመሃርናዮ ኽንትግብሮን ኣሎና። የሆዋ ብብሕታዊ መጽናዕቲ ኣቢሉ እዩ ‘ኻብ ውድቀት ዚሕልወና።’ (ይሁ. 24) ኣብ ጽሑፋትና፡ ንዓኻ እተጻሕፈ ዀይኑ እተሰምዓካ ሓሳብ ኣጽኒዕካዶ ትፈልጥ፧ ነቲ መአረምታ፡ ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ጌርካ ተቐበሎ። ልክዕ ከምቲ ፈታዊኻ፡ ናብ ሓደ ነገር ምእንቲ ኸተቕልብ ኣብ መንኵብካ ጠብ ዜብለካ፡ የሆዋ እውን ብመንፈሱ ገይሩ፡ ናብቲ ንስኻን ካልኦትን ከተመሓይሽዎ ዚግባእ ኣኻይዳ ወይ ባህርይ ከም እተቕልብ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምቕባል፡ የሆዋ ንስጕምትታትና ንኺመርሖ ንፈቕደሉ ኢና። (መዝሙር 139:23, 24 ኣንብብ።) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንልማድ መጽናዕትና ኽንምርምሮ ኣሎና።
13. ንልማድ መጽናዕትና ኽንምርምሮ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
13 ኣብ ምዝንጋዕ ነዊሕ እዋን ነሕልፍ እንተ ዄንና፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ኽንስእን ንኽእል ኢና። ሓደ ሓው፡ “ብሕታዊ መጽናዕቲ ብቐሊሉ ኼምልጠካ ይኽእል እዩ። መዘናግዒ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብቐሊሉ ኺርከብ ዚከኣልን ሕሱርን ኰይኑ ኣሎ። ብቲቪ፡ ብኮምፕዩተር፡ ብተሌፎን ክትዘናጋዕ ትኽእል ኢኻ። ብእኡ ኢና ተኸቢብና ዘለና” በለ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ንዓሚቝ ብሕታዊ መጽናዕቲ ዝሓሰብናዮ ግዜ ቐስ ብቐስ ኪንኪ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:15-17) ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘ኣብ ቓል ኣምላኽ ብዕምቈት ንምዅዓት ክንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ዝምድብ፧ መደረ ወይ ክፍሊ ኺህልወኒ ኸሎ ጥራይ ድየ ኸምኡ ዝገብር፧’ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና። ምናልባት ነቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ እንገብረሉ እዋን ብዝሓሸ መገዲ ብምጥቃም፡ ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ ካብቲ መጽናዕቲ ድማ፡ የሆዋ ንኽንድሕን ኢሉ ዘዳለወልና መንፈሳዊ ጥበብ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 2:1-5።
ምትብባዕ ንኽንጸንዕ ይሕግዘና
14. የሆዋ ንስምዒትና ኸም ዜስተብህለሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧
14 ዳዊት ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዜጨንቕ ነገራት ኣጋጢምዎ እዩ። (1 ሳሙ. 30:3-6) እቲ ዝጸሓፎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት፡ የሆዋ ንስምዒቱ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። (መዝሙር 34:18፣ 56:8 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንስምዒትና እውን ይፈልጦ እዩ። ነቶም “ስቡር ልቢ” ወይ “ቅጥቁጥ መንፈስ” ዘሎና ዘበልና፡ ቀረባና እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥና፡ ልክዕ ከምቲ ንዳዊት ዘጸናንዖ፡ ንዓና እውን ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ፣ ንሱ፡ “ንመከራይ ርኢኻዮ፡ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ . . . ኢኻ እሞ፡ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 31:7, 8) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ዜጕህየና ነገራት የስተብህለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምጽንናዕን ምትብባዕን ብምሃብ እውን ይሕብሕበና እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገድታት፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እዩ።
15. ካብ ተመክሮ ኣሳፍ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
15 እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ኣሳፍ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደ ጥቕሚ እዩ ዚሕብረና። ኣሳፍ ብዛዕባ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንነዊሕ እዋን ምሕሳቡ፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ገበሮ። ተስፋ ድማ ቘረጸ። ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ ‘ልበይ መረረ፡ ኣብ ኰላሊተይ እውን ተወጋእኩ’ በለ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ተዓናቒፉ ነበረ። እሞኸ ሚዛኑ ንኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ‘ናብ መቕደስ ኣምላኽ ከም ዝኣተወ’ ገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ምስቶም ንየሆዋ ዜምልኽዎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ምስ ሓበረ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልዎ ኸኣለ። ብዘይካዚ፡ ዓወት እኩያት ግዜያዊ ምዃኑን የሆዋ ንዅሉ ነገራት ከም ዜተዓራርዮን ተገንዘበ። (መዝ. 73:2, 13-22) ንዓና እውን ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። እቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚርአ ዘይፍትሓውነት ኣባና ዜሕድሮ ጭንቀት፡ ኬድክመና ይኽእል እዩ። ምስ ኣሕዋትና ብሓባር እንተ ተኣኪብና ግና፡ መንፈስና ኺሕደስን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንረኽቦ ሓጐስ ንኽንዕቅቦ ኺሕግዘናን ይኽእል እዩ።
16. ካብ ኣብነት ሃና፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
16 ይኹን እምበር፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ዅነታት፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑኸ፧ ምናልባት እቲ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ስለ እተቛረጸ፡ ትሓፍር ትኸውን፣ ወይ ከኣ ምስ ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ፡ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ይህልወካ ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣብነት ሃና ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 1:4-8 ኣንብብ።) ሃና ምስታ መጻርርታ ዝነበረት ጵኒና ተተሓሒዙ ኣብታ ስድራ ቤት ብእተላዕለ ጸገም፡ ኣመና ትጕሂ ነበረት። እታ ስድራ ቤት በብዓመቱ ናብ ሺሎ እናኸደት ንየሆዋ መስዋእቲ ኣብ እተቕርበሉ እዋን እሞ ኸኣ፡ እቲ ዅነታት ዝኸፍአ እዩ ዚኸውን ነይሩ። ሃና ኣመና ስለ እትጕሂ፡ ‘ትበክን ምግቢ ድማ ኣይትበልዕን ነበረት።’ ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ እዚ፡ ናብቲ የሆዋ ዚምለኸሉ ቦታ ኻብ ምኻድ ኣየቋረጸትን። የሆዋ እውን ንተኣማንነታ ርእዩ ባሪኽዋ እዩ።—1 ሳሙ. 1:11, 20።
17, 18. (ሀ) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምትብባዕ እንረክብ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኽንድሕን ኢሉ ዜርእየና ፍቕራዊ ሓልዮት እንታይ ይስምዓካ፧
17 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ሃና ዝሓደገቶ ሰናይ ኣብነት ኪቐድሕዎ ኣለዎም። ኣብ ኣኼባታት ብተኣማንነት ክንእከብ ኣሎና። ከምቲ ዅልና እንፈልጦ፡ ኣኼባታት የተባብዓና እዩ። (እብ. 10:24, 25) እቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ ሕውነት ዘሎ ፍቕሪ፡ የጸናንዓና እዩ። ኣብ መደረ ዚቐርብ ወይ ካብ ተኣከብቲ ዚወሃብ ሓሳብ፡ ንልብና ኺትንክፎ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ እንገብሮ ዕላል፡ ሓደ ሓውና ወይ ሓብትና ጽን ኢሉ ይሰምዓና ወይ ዜጸናንዕ ቃላት የካፍለና ይኸውን። (ምሳ. 15:23፣ 17:17) ንየሆዋ ኽንዝምረሉ ኸለና እውን፡ መንፈስና ይለዓዓል እዩ። ብሕልፊ ‘ጓሂ ልቢ’ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ኣኼባታት ኢና ምትብባዕ ክንረክብ እንኽእል፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ኣብኡ እዩ ‘ዜጸናንዓናን’ ኣብቲ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዚድግፈናን።—መዝ. 94:18, 19።
18 ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ኣምላኽ ስለ እተዓቘብና፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ኣሳፍ እዩ ዚስምዓና፣ ንሱ ንየሆዋ፡ “ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፡ ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ . . . ኢኻ” ኢሉ ዘመረሉ። (መዝ. 73:23, 24) የሆዋ፡ ንኽንድሕን ዚሕልወና ብምዃኑ፡ ብዙሕ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ንስኻ እውን ብየሆዋ ኢኻ ተሳሒብካ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ንምኽሪ ኣምላኽ ምትግባር ይሕልወና
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
እቲ እንረኽቦ ምትብባዕ ንኽንጸንዕ ይሕግዘና