ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 49 ኤፌሶን
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ሮሜ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 60–61 ድ.ክ.
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትኣሲርካ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ከም ክርስትያን ሚስዮናዊ መጠን ብቕንኣት ስለ ዝዓየኻ ኢኻ ተኣሲርካ ዘለኻ። ንጉባኤታት ንምትብባዕ ክትበጽሐን ስለ ዘይትኽእል: እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ነቶም ብዕዮ ስብከትካ ክርስትያናት ዝዀኑ ሰባት ደብዳበታትዶ ኣይምጸሓፍካሎምን፧ ከመይ ከም ዘለኻ ይሓስቡ ደዀን ይህልዉ፧ ምናልባት እውን ምትብባዕ የድልዮም ደዀን ይኸውን፧ እወ: ብርግጽ የድልዮም እዩ። ስለዚ: ክትጽሕፍ ትጅምር። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 59-61 ድ.ክ. ንፈለማ ግዜ ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ: ልክዕ ከምኡ እዩ ገይሩ። ናብ ቄሳር ይግባይ በለ: ጕዳዩ ዚረኣየሉ እዋን ይጽበን ብዘብዐኛ ይሕሎን እኳ እንተ ነበረ: እተወሰነ ንጥፈታት ኪገብር ናጽነት ነበሮ። ጳውሎስ ብ60 ወይ 61 ድ.ክ. ኣቢሉ ነታ “ናብ ሰብ ኤፌሶን” ዝለኣኻ መልእኽቱ ኣብ ሮሜ እዩ ጽሒፍዋ፣ ብትኪቆስ (ጥኪቆስ) ኣቢሉ ኸኣ ለኣኻ: ምስኡ ድማ ኦኔሲሞስ ነበረ።—ኤፌ. 6:21፣ ቈሎ. 4:7-9
2 ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኸም ዝጸሓፋ: ኣብታ ናይ መጀመርታ ቓል ሓቢሩ እዩ፣ “እሱር ብጐይታ” ምዃኑ ድማ ኣርባዕተ ሳዕ ጠቒሱ ወይ ኣሚቱ ኣሎ። (ኤፌ. 1:1፣ 3:1, 13፣ 4:1፣ 6:20) ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ጳውሎስ ከም ዘይጸሓፋ ዝቐረበ መጐተ ብላሽ ኰይኑ እዩ። እቲ ኣብ 200 ድ.ክ. ከም ዝነበረ ዚእመነሉ ፓፒሩስ ቸስተር ቢቲ ቍ. 2 (P46): መልእኽትታት ጳውሎስ ዝሓዘ 86 ኣቝጽልቲ ኮዴክስ ኣለዎ። ኣብ መንጎ እዚ ኮዴክስ እዚ: ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ ኣላ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ መልእኽትታቱ ትቝጸር ምንባራ ይሕብር።
3 ቀዳሞት ኣቕላስያውያን ጸሓፍቲ ማለት ጸሓፍቲ ቤተ-ክርስትያን: ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኸም ዝጸሓፋ: “ናብ ሰብ ኤፌሶን” ድማ ከም እተጻሕፈት የረጋግጹ እዮም። ንኣብነት: ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኢሪንየስ: ካብ ኤፌሶን 5:30 ጠቒሱ: “ከምቲ እቲ ብሩኽ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝበሎ: ኣካላት ስጋኡ ኢና” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብር ዝነበረ ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያ: ካብ ኤፌሶን 5:21 ብምጥቃስ: “ስለዚ ድማ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ: ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ኣምላኽ እዙዛት ኩኑ: ኢሉ ጸሓፈ” በለ። ኦሪጀን ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ኪጽሕፍ ከሎ: ካብ ኤፌሶን 1:4 ብምጥቃስ: “ግናኸ እቲ ሃዋርያ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ: ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝሓረየና: ኪብል ከሎ ሕደ ቛንቋ እዩ ተጠቒሙ” በለ።a ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ክርስትና ደራሲ ዝነበረ ዩሲቤስ (ከባቢ 260-342 ድ.ክ.): ንኤፌሶን ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ኣጠቓሊልዋ ኣሎ፣ መብዛሕትኦም ጥንታውያን ኣቕላስያውያን ጸሓፍቲ እውን ንመጽሓፍ ኤፌሶን ከም ክፍሊ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ጠቒሶምዋ ኣለዉ።b
4 ፓፒሩስ ቸስተር ቢቲ: ኢደ-ጽሑፍ ቫቲካን ቍ. 1209: ከምኡውን ኢደ-ጽሑፍ ሲና ነቲ ኣብ ምዕራፍ 1: ቍጽሪ 1 ዚርከብ “ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ” ዚብል ቃላት ኣይሓዘን: ስለዚ ድማ እታ መልእኽቲ ናብ መን ከም እተላእከት ኣይሕብርን እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ኸተማ ሰለስተ ዓመት ዓይዩ ኽነሱ: እታ መልእኽቲ ኣብ ኤፌሶን ንዘለዉ ውልቀ-ሰባት ሰላምታታት ዘይብላ ምዃና: ምስቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ነጥቢ ተደሚሩ: ገሊኦም ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ተጻሒፋ ኽትከውን ትኽእል እያ: ወይ ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት: ንኤፌሶን እውን ሓዊስካ ማለት እዩ: እትዘውር መልእኽቲ እያ ነይራ ኢሎም ንኺግምቱ ደሪኽዎም እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ኻልእ ኢደ-ጽሑፋት “ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ” ዚብል ቃላት ሒዙ ኣሎ፣ ኣብ ላዕሊ ኸም ዝረኣናዮ ድማ ቀዳሞት ኣቕላስያውያን ጸሓፍቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ከም እተጻሕፈት መልእኽቲ ገይሮም ተቐቢሎምዋ እዮም።
5 ዕላማ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንኺርድኣና: ገለ መሰረት ዚዀነና ሓበሬታ ኽንርኢ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ: ኤፌሶን ብኣስማት: ብሽሕር: ብቘጸራ ኸዋኽብቲ: ከምኡውን ብኣምልኾ እታ ኣምላኽ ፍርያምነት እትበሃል ኣርጤምስ ፍልጥቲ ነበረት።c ኣብ ዙርያ ሓወልቲ እታ ኣንስተይቲ ኣምላኽ: ሓንቲ ኻብቲ ሸውዓተ ድንቅታት ጥንታዊት ዓለም ዝዀነት ብልጽቲ ቤተ መቕደስ ትርከብ። እቲ ቦታ ኣብ መበል 19 ዘመን ምስ ተፋሕረ: እታ ቤተ መቕደስ ኣብ 73 ሜተር ዝምግፋሑን 127 ሜተር ዝምንዋሑን መሰረት ተሃኒጻ ምንባራ ተፈልጠ። እታ ቤተ መቕደስ ንባዕላ 50 ሜተር ዝምግፋሓን 105 ሜተር ዝምንዋሓን እያ። ነፍሲ ወከፉ 17 ሜተር ዝቝመቱ 100 ብእምነ-በረድ እተሰርሕ ኣዕኑድ ኣለዋ። እቲ ናሕሳ ብዓብዪ ጻዕዳ እምነ-በረድ እዩ ተሰሪሑ። ነቲ እምነ-በረድ ንምግጥጣም: ኣብ ክንዲ ጭቃ: ወርቂ ኸም እተጠቕሙ እዩ ዚዝረብ። ነታ ቤተ መቕድስ ካብ ብዘላ ምድሪ በጻሕቲ ይመጽዋ ነበሩ: ኣብ እዋን በዓላት ድማ እቶም ናብታ ኸተማ ዚመጹ በጻሕቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ይቝጸሩ ነበሩ። እቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣንጠረኛታት ብሩር ነቶም ንኣምልኾ ዝመጹ ሰባት ንእሽቶ ብብሩር እተሰርሐ መቕደስ ኣርጤምስ ብምሻጥ ብዙሕ መኽሰብ ይረኽቡ ነበሩ።
6 ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ንሓጺር ግዜ ንምስባኽ ናብ ኤፌሶን ኣላገሰ: ድሕሪኡ ንኣኪላስን ጵርስኪላን ነቲ ዕዮ ኪቕጽሉ ሓዲግዎም ከደ። (ግብ. 18:18-21) ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኸኣ ናብታ ኸተማ ተመሊሱ ብዛዕባ እታ “መገዲ” እናሰበኸን እናመሃረን ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ተቐመጠ። (ግብ. 19:8-10፣ 20:31) ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣበርቲዑ እዩ ዓይዩ። ኤ. ኢ. በይሊ ኣብታ ደይሊ ላይፍ ኢን ባይብል ታይምስ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጳውሎስ ጸሓይ ካብ እትበርቕ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ጢራኖስ ትምህርቱ ዚውድኣሉ ሰዓት 11 ቅ.ቀ. ስራሑ ይሰርሕ (ግብ. 20:34, 35)፣ ድሕሪኡ ኻብ ሰዓት 11 ቅ.ቀ. ኽሳዕ ሰዓት 4 ድ.ቀ. ኣብቲ ኣደራሽ ይሰብኽ: ምስ ሓገዝቱ ዀይኑ ኣኼባ ይገብር: . . . ኣብ መወዳእታ: ካብ ሰዓት 4 ድ.ቀ. ኣትሒዙ ኽሳዕ ለይቲ ኣብ በቤት እናዞረ ወንጌል የብጽሕ። (ግብ. 20: 20, 21, 31) ንኺበልዕን ንኺድቅስን መዓስ ግዜ ኸም ዚረክብ እንድዒ።”—1943: ገጽ 308።
7 ጳውሎስ ኣብዚ ብቕንኣት ዚገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት: ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ከም ዘይግባእ ኣቃልዐ። እዚ ድማ ነቶም ከም እኒ ድሜጥሮስ ዝኣመሰሉ ምስልታት ሰሪሖም ዚሸጡ ኣንጠረኛታት ብሩር ኣቘጥዖም: ዕግርግር ስለ እተላዕለ ኸኣ ጳውሎስ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ነበሮ።—ግብ. 19:23–20:1
8 ጳውሎስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እታ ብኣረማውያን ኣምለኽቲ እተኸበትን ጥቓ እታ እትምስጥ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ እትርከብን ጉባኤ ኤፌሶን ብዛዕባ ዜጋጥማ ጸገማት ሓሰበ። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነታ የሆዋ ብመንፈሱ ዚነብረላ “ቕድስቲ ቤተ መቕደስ” ከም ዜቝሙ ጳውሎስ ዝሃቦም ብቑዕ ምሳሌ ብርግጽ ኣድልይዎም ነበረ። (ኤፌ. 2:21) ብዛዕባ እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ሓድነትን ሰላምን ዜምጽኣሉ ምምሕዳር ኣምላኽ (ንቤቱ ዜመሓድረሉ መገዲ) ዚገልጽ ቅዱስ “ምስጢር” ንሰብ ኤፌሶን ስለ እተገልጸሎም: ብዙሕ ኣተባቢዕዎምን ኣጸናኒዕዎምን ኪኸውን ኣለዎ። (1:9, 10) ኣይሁድን ኣህዛብን ብክርስቶስ ሓደ ምዃኖም ጳውሎስ ኣጕልሐ። ሓደ ኪዀኑ: ወይ ሓድነት ኪህልዎም ተማሕጸኖም። ስለዚ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ዕላማን ኣገዳስነትን ኪርድኣና ይኽእል እዩ: መንፈስ ዝነፈሳ ምዃና ድማ ክንቅበሎ ንኽእል ኢና።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
16 ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ: ዳርጋ ንዅሉ መዳያት ክርስትያናዊ ህይወት ትትንክፍ እያ። ነዚ ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዜጨንቕ ጸገማትን ጸይቅን ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ጥዑይን ግብራውን ምኽሪ ነቶም ህይወቶም ብኣምላኻዊ መገዲ ኺመርሑ ዚደልዩ ናይ ሓቂ ጠቓሚ እዩ። ውሉዳት ንወለዶም: ወለዲ ኸኣ ንውሉዳቶም ብኸመይ ኪርእይዎም ኣለዎም፧ ሰብኣይ ንሰበይቱ: ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ እንታይ ሓላፍነታት ኣለዎም፧ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ብፍቕሪ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎምን ኣብዛ እክይቲ ዓለም ንጽህናኦም ምእንቲ ኺሕልዉን እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ንዅሉ እዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ሃበሉ፣ ሓድሽ ክርስትያን ሰብ ምልባስ እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ሓበረ። ኵሉ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ኤፌሶን ብዚገብሮ መጽናዕቲ ኣቢሉ: ንኣምላኽ ዜሐጕስ ከምኡውን “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ” ዓይነት ሰብ ከመይ ምዃኑ ብሓቂ ኺርድኦ ይኽእል እዩ።—4:24-32፣ 6:1-4፣ 5:3-5, 15-20, 22-33
17 እታ መልእኽቲ: ዕላማ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚወሃብ ሽመታትን መዝነታትን እውን ትሕብር እያ። እዚ ድማ “እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ:” ማለት ናብ ብስለት ምእንቲ ኺበጽሑ ኢልካ እዩ። ሓደ ክርስትያን ምስ መሰናድዎታት ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር: ‘ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓበ: ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ኪዓቢ’ ይኽእል።—4:12, 15
18 እታ ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ ንኣባላት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ: እቲ ቕዱስ “ምስጢር ክርስቶስ” ንኺርድእዎ ብምሕጋዝ ብዙሕ ጠቒማቶም እያ። “ኣህዛብ” ምስቶም ኣመንቲ ኣይሁድ ብሓባር: “መዋርስቲ: ሓደ ስጋ: ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ” ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኸም መከፋፈሊ መንደቕ ንኣህዛብ ምስ ኣይሁድ ከይሕወሱ ዝኸልከሎም “ሕጊ ትእዛዝ” ተሳዒሩ: ኵላቶም ብደም ክርስቶስ ክፍሊ እቶም ከም ቅዱሳን ዚቝጸሩ ዜጋታትን ኣባላት ቤት ኣምላኽን ኰይኖም እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብታ ናይ ኣረማውያን ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ኣዝዩ ብእተፈልየ መገዲ: ምስ ክርስቶስ የሱስ ብሓባር ኰይኖም ተሃኒጾምስ: ኣምላኽ ብመንፈሱ ዚሓድረላ “ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ” ኰኑ።—3:4, 6፣ 2:15, 21
19 ጳውሎስ ነቲ ቕዱስ “ምስጢር” ብዚምልከት: “ኣብ ሰማይ ዘሎን [እቶም ኣብታ ሰማያዊ መንግስቲ ኪዀኑ እተሓርዩ] ኣብ ምድሪ ዘሎን [እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ]: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ብዛዕባ ዚኽእለሉ ሓደ “ምምሕዳር” (NW) ተዛሪቡ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ሰላምን ሓድነትን ናይ ምስፋን ዓብዪ ዕላማ ኣምላኽ ጐሊሑ ኣሎ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ: ጳውሎስ ነቶም ኣዒንቲ ልቦም ዝበርሃሎም ሰብ ኤፌሶን: ነቲ ተስፋ ጽውዓ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ: “ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ” ኺፈልጡ ጸልዩሎም እዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ተስፋኦም ብዙሕ ኣተባቢዐናኦም ኪዀና ኣለወን። ሕጂ እውን እታ ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ: ‘ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንመልእ:’ ነዛ ሎሚ ዘላ ጉባኤ ምህናጽ ትቕጽል እያ።—1:9-11, 18፣ 3:19
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኦሪጀን ኤንድ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ቡክስ ኦቭ ዘ ባይብል: 1868: ሲ. ኢ. ስቶው: ገጽ 357።
b ኒው ባይብል ዲክሸነሪ: ካልኣይ ሕታም: 1986: ብጀይ. ዲ. ዶግላስ እተሰናደወ: ገጽ 175።
c ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 182።