ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12
መዝሙር 77 ኣብ ጸልማት ዚበርህ ብርሃን
ካብ ጸልማት ርሓቕ፡ ብብርሃን እውን ተመላለስ
“ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና . . . ብርሃን ኢኹም።”—ኤፌ. 5:8።
ኣትኵሮ
ካብቲ ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 5 ዚርከብ ተምሳል ጸልማትን ብርሃንን እንታይ ከም እንምሃር።
1-2. (ሀ) እታ ናብ ሰብ ኤፌሶን እተላእከት ደብዳበ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እያ ተጻሒፋ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት ተኣሲሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ንክርስትያናት ብጾቱ ኼተባብዖም ደለየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብኣካል ኪበጽሖም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ደብዳበታት ጸሓፈሎም። ሓንቲ ኻብዚኣተን ከኣ፡ እታ ብ60 ወይ ብ61 ድ.ክ. ኣቢሉ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ ደብዳበ እያ ነይራ።—ኤፌ. 1:1፣ 4:1።
2 ካብዚ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናመሃረን እተወሰነ ግዜ ኣሕሊፉ ነይሩ እዩ። (ግብ. 19:1, 8-10፣ 20:20, 21) ስለዚ፡ ንኣሕዋቱ ኣዝዩ የፍቅሮም ብምንባሩ፡ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ ኺሕግዞም ደለየ። ስለምንታይ ደኣሉ ንቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ጸልማትን ብርሃንን ዝጸሓፈሎም፧ ኵሎም ክርስትያናትከ ኻብዚ ምኽሪ እዚ እንታይ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንርአ።
ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን
3. ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኻ ደብዳበ እንታይ ተምሳል እዩ ተጠቒሙ፧
3 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና . . . ብርሃን ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌ. 5:8) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣንጻር ንዝዀነ ዅነታት ንምግላጽ፡ ተምሳል ጸልማትን ብርሃንን ተጠቒሙ ኣሎ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን፡ “ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም” ዝበለሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።
4. ሰብ ኤፌሶን ኣብ ሃይማኖታዊ ጸልማት ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
4 ሃይማኖታዊ ጸልማት። እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ሰብ ኤፌሶን፡ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጦምን ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖምን፡ ባሮት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ማሪታዊ እምነታትን እዮም ነይሮም። እታ ስምይቲ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ኣብ ከተማ ኤፌሶን እያ እትርከብ ነይራ። ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ሓንቲ ኻብተን ሸውዓተ ድንቂ ነገራት ዓለም ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ዜምልኹ ሰባት፡ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት እተኣልኩ እዮም ነይሮም። ኣንጠረኛታት ከኣ ንእሽቶ መቕደስ ኣርጤምስ እናሰርሑ ብምሻጥ፡ ብዙሕ ኣታዊ ይረኽቡ ነበሩ። (ግብ. 19:23-27) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እታ ኸተማ ብስሒር እውን ትፍለጥ ነይራ እያ።—ግብ. 19:19።
5. ሰብ ኤፌሶን ኣብ ስነ ምግባራዊ ጸልማት ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
5 ስነ ምግባራዊ ጸልማት። ኤፌሶን ብምንዝርናን ብንውርምናን እውን ዕልልቲ እያ ነይራ። ኣብቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ትያትራትን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትን ጽዩፍ ዘረባ ይዝውተር ነይሩ እዩ። (ኤፌ. 5:3) መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ኸተማ፡ “ሕልናኦም ደንዚዙ” ወይ ዋላ ሓንቲ ዘይስምዖ ዀይኑ ነይሩ እዩ። (ኤፌ. 4:17-19) ሰብ ኤፌሶን ቅኑዕን ጌጋን ቅድሚ ምፍላጦም፡ ሕልናኦም ኣየሳቕዮምን እዩ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ምዃኖም እውን ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጳውሎስ፡ “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ከኣ ርሒቖም እዮም” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ።
6. ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ ኤፌሶን “ሕጂ . . . ብርሃን ኢኹም” ኪብል ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧
6 ገሊኦም ሰብ ኤፌሶን ግና ካብ ጸልማት ወጹ። ጳውሎስ ብዛዕባኦም፡ “ሕጂ ግና ምስ ጐይታ ብዘሎኩም ሓድነት ብርሃን ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 5:8) እዞም ሰብ ኤፌሶን እዚኦም፡ ነቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዚርከብ ብርሃን ተቐበሉ። (መዝ. 119:105) ነቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ልማዳት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ርኹስ ኣካይዳን እውን ሓደጉ። ‘ንኣምላኽ መሰልዎ፡’ ንየሆዋ ንምምላኽን ንዕኡ ባህ ንምባልን እውን ዚከኣሎም ገበሩ።—ኤፌ. 5:1።
7. ኵነታትና ምስ ኵነታት እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
7 ንሕና እውን ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና፡ ኣብ ሃይማኖታውን ስነ ምግባራውን ጸልማት ኢና ኔርና። ገሌና በዓላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነብዕል ኔርና፣ ገሌና ኸኣ ብርኽሰት ንመላለስ ኔርና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ምስ ፈለጥና ግና ለውጥታት ጌርና። ህይወትና ምስቲ መለክዒታት ጽድቁ ኸም ዚሰማማዕ ጌርና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺብና። (ኢሳ. 48:17) ሕጂ ግና ቀጻሊ ጸገማት የጓንፈና ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ካብቲ ሓዲግናዮ ዝመጻእና ጸልማት ክንርሕቕ፡ ‘ከም ደቂ ብርሃን ኴንና ድማ ክንመላለስ’ ኣሎና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧
ካብ ጸልማት ንርሓቕ
8. ብመሰረት ኤፌሶን 5:3-5፡ ሰብ ኤፌሶን ካብ ምንታይ እዮም ኪርሕቁ ዝነበሮም፧
8 ኤፌሶን 5:3-5 ኣንብብ። ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ካብ ስነ ምግባራዊ ጸልማት ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺርሕቁ፡ ኵሉ ሳዕ ነቲ ንየሆዋ ዜጕሂ ዘበለ ልምድታት ኪነጽግዎ ነበሮም። እዚ ድማ ካብ ምንዝርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ጽዩፍ ዘረባ እውን ኪርሕቁ ነይርዎም ማለት እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ” ኺህልዎም እንተ ደልዮም፡ ካብዚ ነገራት እዚ ኺርሕቁ ኸም ዘለዎም ኣዘኻኸሮም።
9. ናብ ርኽሰት ንዜቃልዓና ዝዀነ ይኹን ነገር ክንነጽጎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
9 ንሕና እውን “ኣብቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት” ምእንቲ ኸይንካፈል፡ ብቐጻሊ ኽንቃለስ ኣሎና። (ኤፌ. 5:11) ሓደ ሰብ ርኹስ ነገራት ዚርኢ፡ ዚሰምዕ፡ ወይ ብዛዕባኡ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ብቐሊሉ ብእኡ ኸም ዚወድቕ ብተደጋጋሚ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። (ዘፍ. 3:6፣ ያእ. 1:14, 15) ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብርክት ዝበሉ ኣሕዋት ብኦንላይን “ዕርክነት” ጀመሩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ መጀመርታ ዚጻሓሓፍዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ይጽሕፉ ነበሩ። እናሓደረ ግና እቲ መልእኽትታቶም ናብ ዘይጥዑይ ነገራት ተቐየረ። ኣብ ጾታዊ ነገራት ኬተኵሩ ጀመሩ። ገሊኦም ካባታቶም ድማ እዚ ርኹስ ዘረባ ናብ ምንዝርና ኸም ዝመርሖም ጸኒሖም ተኣመኑ።
10. ብኸመይ እዩ ሰይጣን ኬታልለና ዚጽዕር፧ (ኤፌሶን 5:6)
10 ናይ ሰይጣን ዓለም ከተታልለና እያ እትጽዕር፣ እቲ የሆዋ ርኹስ ዚብሎ ነገራት፡ ጌጋ ኸም ዘይብሉ እያ ኸተእምነና እትጽዕር። (2 ጴጥ. 2:19) እዚ ኼገርመና የብሉን። ሓደ ኻብቲ ድያብሎስ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዚጥቀመሉ ስልትታቱ፡ ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ከም ዘይፈልዩ ምግባር እዩ። (ኢሳ. 5:20፣ 2 ቈረ. 4:4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሓያሎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ወብሳይታትን ምስቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ዘይሰማማዕ ሓሳባት ዜስፋሕፍሕ። ሰይጣን ርኹስ ተግባራትን ኣነባብራን ቅቡል ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባህ ዜብልን ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ዘይብሉን ከም ዝዀነ ኼእምነና እዩ ዚጽዕር።—ኤፌሶን 5:6 ኣንብብ።
11. ኣንጀላ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:7 ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ኽንዓይየሉ ኸም ዚግባእ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
11 ሰይጣን ምስቶም ንመለክዒታት የሆዋ ምስዓብ ከም ዚኸብደና ዚገብሩ ሰባት ክንቃራረብ ይደልየና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ምስቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጌጋ ዚገብሩ ሰባት ከይቃራረቡ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ “መኻፍልቶም ኣይትኹኑ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ኣሎ። (ኤፌ. 5:7) እንተዀነ ግና፡ ቅርርብና ምስቶም ብኣካል እንረኽቦም ሰባት ጥራይ ከም ዘይኰነ ኽንዝክር ኣሎና። የግዳስ፡ ዘይከም እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ኤፌሶን፡ ምስቶም ብማሕበራዊ መራኸቢ እንረኽቦም ሰባት እውን ንቃራረብ ኢና። ኣብ እስያ እትነብር ኣንጀላ፡a ማሕበራዊ መራኸቢ ኽሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርእያ እያ። ንሳ ኸምዚ ኢላ ትእመን፦ “እዚ ነገር እዚ፡ ሰላሕ እናበለ ንሕልናኻ ዜደንዝዝ መጻወድያ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘየኽብሩ ‘ኣዕሩኽ’ ምሓዝ እኳ፡ ኣብ ዘይርብሸኒ ደረጃ በጺሐ ነይረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንየሆዋ ዜጕህዮ ህይወት ምምራሕ፡ ጌጋ ኸም ዘይኰነ ኽሓስብ ጀሚረ ነይረ።” ዝዀነ ዀይኑ፡ ፈቃራት ሽማግለታት ንኣንጀላ ዜድሊ ለውጥታት ክትገብር ሓገዝዋ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ሕጂ ንኣእምሮይ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዘይኰነስ፡ ብመንፈሳዊ ነገራት እየ ዝመልኦ” ትብል።
12. ናብቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ንምልጋብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
12 ምስቲ ርኹስ ኣካይዳ ቕቡል ከም ዝዀነ ጌርካ ዚርኣየሉ ኣተሓሳስባ ዓለም ክንቃለስ ኣሎና። ኣተሓሳስባኦም ጌጋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 4:19, 20) ስለዚ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘የሆዋ ንዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ምስ ዘየኽብሩ መሳርሕተይ፡ መማህርተይ፡ ወይ ካልኦት ሰባት ዘየድሊ ቕርርብ ከይህልወኒ እጥንቀቕ ድየ፧ ገሊኦም ከም ኣኽራሪ ገይሮም ኪርእዩኒ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ብትብዓት እድግፍ ድየ፧’ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:20-22 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ካብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኽንመርጽ ከለና እኳ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ገሊኦም ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ከም ዘይሕግዙና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።
“ከም ደቂ ብርሃን” ንመላለስ
13. “ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ኤፌሶን 5:7-9)
13 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ጸልማት ኪርሕቁ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” ኢሉ እውን ኣተባቢዕዎም እዩ። (ኤፌሶን 5:7-9 ኣንብብ።) ከምኡ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኵሉ ሳዕ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኴንና ኽንመላለስ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ሸቶ እዚ ኽንወቕዓሉ እንኽእል መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብትግሃት ብምንባብን ብምጽናዕን እዩ። ምናዳ ነቲ “ብርሃን ዓለም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝሓደጎ ኣብነትን ዝመሃሮ ትምህርትታትን ከነቕልበሉ ኣሎና።—ዮሃ. 8:12፣ ምሳ. 6:23።
14. ብኸመይ እዩ መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና ዚኽእል፧
14 ወትሩ “ኸም ደቂ ብርሃን” ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ርኽስቲ ዓለም ንጹህ ኴንካ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ተሰ. 4:3-5, 7, 8) መንፈስ ቅዱስ ምስ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ንምቅላስ፡ እንተላይ ምስቲ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይሳነ ፍልስፍናታትን ኣረኣእያታትን ንምቅላስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ “ኵሉ ሰናይን ጽድቅን” ከነፍሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 5:9።
15. ብኸመይ ኢና መንፈስ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል፧ (ኤፌሶን 5:19, 20)
15 ሓደ ኻብቲ መንፈስ ቅዱስ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ ኪውሃበና ብምጽላይ እዩ። የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሉቃ. 11:13) ብተወሳኺ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ ብሓባር ክንውድሶ ኸለና፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ ኢና። (ኤፌሶን 5:19, 20 ኣንብብ።) እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድሮ ጽቡቕ ጽልዋ፡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽንነብር ይሕግዘና እዩ።
16. ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ኤፌሶን 5:10, 17)
16 ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ” ኸነስተውዕል እሞ ምስኡ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:10, 17 ኣንብብ።) ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ ኸለና፡ ኣምላኽ ኣብቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኢና ኽንፈልጥ እንጽዕር ዘለና። ድሕሪኡ፡ ስርዓታቱ እንተ ተግቢርናዮ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል።
17. ከመይ ጌርና ኢና ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ (ኤፌሶን 5:15, 16) (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ንግዜኦም ብጥበብ ኪጥቀሙሉ እውን መኺርዎም እዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።) እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ ጸላኢና ሰይጣን ብዓለማዊ ንጥፈታት ክንተሓዝ እሞ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ግዜ ኽንስእን እዩ ዚደልየና። (1 ዮሃ. 5:19) ሓደ ክርስትያን ንስጋዊ ጥሪት፡ ንዓለማዊ ትምህርቲ፡ ወይ ንስራሕ ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ኬቐድም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ እዚ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ይጽሎ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ልክዕ እዩ፡ እዚ ነገራት እዚ ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺሕዝ የብሉን። “ከም ደቂ ብርሃን” ክንመላለስ እንተ ዄንና፡ ነቲ “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ዚብል ምኽሪ ኽንዓይየሉ፡ ኣብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ድማ ከነተኵር ኣሎና።
18. ዶናልድ ንግዜኡ ብዝበለጸ ምእንቲ ኺጥቀመሉ ኢሉ እንታይ ስጕምትታት እዩ ወሲዱ፧
18 እምበኣር፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ዶናልድ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኵነታተይ ድሕሪ ምምርማር፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ፍረ ምእንቲ ኽረክብ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለሚነ። ንስብከት ዝያዳ ግዜ ዚህበኒ ስራሕ ምእንቲ ኽረክብ ጸልየ። ብሓገዝ የሆዋ ድማ ዚዀነኒ ስራሕ ረኺበ። ድሕርዚ፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ብሓባር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀሚርና።”
19. ከመይ ጌርና ኢና ብቐጻሊ “ኸም ደቂ ብርሃን” ኴንና ኽንመላለስ እንኽእል፧
19 እታ ጳውሎስ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ክርስትያናዊ ህይወቶም ብዙሕ ሓጊዛቶም ክትከውን ኣለዋ። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዋህበ ምኽሪ ንዓና እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣቐድም ኣቢልና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ናይ መዘናግዕን ናይ ኣዕሩኽን ምርጫና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ቀጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር፡ ብብርሃን ሓቂ ኽንመላለስ ኬለዓዕለና ይኽእል እዩ። ኣገዳስነት እቲ ሰናይ ባህርያት ከነፍሪ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስ እውን የጕልሓልና እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ እንተ ተግቢርናዮ፡ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዚሰማማዕ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና ኸኣ፡ ካብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ጸልማት ርሒቕና፡ ብብርሃን ክንመላለስ ኢና!
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ኣብ ኤፌሶን 5:8 ተጠቒሱ ዚርከብ “ጸልማት”ን “ብርሃን”ን ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧
ብኸመይ ኢና ኻብ “ጸልማት” ክንርሕቕ እንኽእል፧
ከመይ ጌርና ኢና ‘ኸም ደቂ ብርሃን ኴንና ኽንመላለስ’ እንኽእል፧
መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b መግለጺ ስእሊ፦ ናይ ጥንቲ ቕዳሕ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኻ ደብዳበ።