‘ግዜ ትዕድግዶ’ ኣሎኻ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት “ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” በሎም። (ኤፌሶን 5:15, 16) እዚ ማዕዳ እዚ ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ነቶም ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጠሞም ኵነታት ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ።
ኤፌሶን በቲ ዝነበራ ሃብቲ: ጐሊሑ ዝርአ ዘይስነ-ምግባር: ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ገበን: ገኒኑ ዝነበረ ሰይጣናዊ ተግባራት ፍልጥቲ ነበረት። ብተወሳኺውን: ክርስትያናት ምስቲ ብዛዕባ ግዜ ዝነበረ ፍልስፍናዊ እምነታት ክቃለሱ ነበሮም። እቶም ክርስትያናት ዘይኰኑ ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ግሪኻውያን: ግዜ ንቕድሚት ገጹ ኸም ዝቕጽል ኣይኣምኑሉን ኢዮም ነይሮም። ናይ ግሪኽ ፈላስፋታት ህይወት መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ዑደት ኢያ እትዘውር ብምባል ምሂሮምዎም ነበሩ። ኣብ ሓደ ዑደት ናይ ህይወት ግዚኡ ብኸንቱ ዘባኸነ ሰብ ኣብ ካልእ ዑደት ተመሊሱ ኽረኽቦ ይኽእል ኢዩ ይብሉ ነበሩ። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸኣ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ የሆዋ ንመለኮታዊ ፍርዲ ዝመደቦ ግዜ ሓዊስካ ንፍጻመታት ዘውጽኦ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዕሽሽ ከም ዝብልዎ ገይርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ጳውሎስ ‘ግዜ ዓድጉ’ ብምባል ዝመዓዶም ማዕዳ እዋናዊ ኢዩ ነይሩ።
ጳውሎስ ብዛዕባ ግዜ ብሓፈሻዊ መገዲ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። እታ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ዝኸውን ምዱብ ግዜ ወይ ምቹእ ግዜ እተመልክት ኢያ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት መለኮታዊ ምሕረትን መገዲ ድሕነትን ዘብቅዓሉ ግዜ ቀቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ሽዑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ምቹእ ግዜ ወይ ስምረት ኣምላኽ ክረኽብሉ ዝኽእሉ እዋን ብጥበብ ክጥቀምሉ መዓዶም።—ሮሜ 13:11-13፣ 1 ተሰሎንቄ 5:6-11
ንሕናውን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ምቹእ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ክርስትያናት ነዚ እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ግዝያዊ ተድላ ብምስዓብ ነዚ ፈጺሙ ዘይድገም ስምረት ኣምላኽ ክረኽብሉ ዝኽእሉ እዋን ብኸንቱ ኣብ ክንዲ ዘጥፍእዎ: ‘ብፍርሃት እግዚኣብሄር’ ብምምልላስ ምስ ፈጣሪኦም የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንምድልዳል ክጥቀምሉ ጥበብ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:11፣ መዝሙር 73:28፣ ፊልጲ 1:10