-
ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
3. ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ግዜ ኽትምድብ ትኽእል፧
ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ትስእን ዲኻ፧ ብዙሓት ግዜ ይስእኑ እዮም። እምበኣር፡ ነቲ “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ዚብል ምኽሪ ዕየየሉ። (ኤፌሶን 5:16) ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ብምምዳብ፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ሰባት ንግሆ እዮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ። ገሊኦም ከኣ ምስ ቀተረ፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ምሳሕ እዮም ዜንብቡ። ገሊኦም ድማ ምሸት ቅድሚ ምድቃሶም እዮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ። ንዓኻኸ መዓስ እዩ ዚጥዕመካ፧
-
-
ጽቡቕ ውሳነታት ብኸመይ ትገብር፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
3. ብመጽሓፍ ቅዱስ ተመራሕ
ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪመርሓካ ይኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ እዩ፧
የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዝሃበና ስለምንታይ እዩ፧
ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ብዝበለጸ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ኢሉ እንታይ ሂቡና ኣሎ፧
ሓደ ኣብነት ዚዀነና ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርኣይ፡ ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ከመይ ጌርካ ‘ግዜኻ ብዝበለጸ ኸም እትጥቀመሉ’ ተመያየጡሉ፦
መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ምንባብ
ዝሓሽካ መጻምድቲ፡ ወላዲ፡ ወይ ውሉድ ምዃን
ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ
-
-
ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዘናግዒ ምረጽንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
2. ስለምንታይ ኢና ነቲ ኣብ መዘናግዒ እነሕልፎ ግዜ ኽንቈጻጸሮ ዜድሊ፧
ዋላ እውን ጥዑይ መዘናግዒ ድሕሪ ምምራጽና፡ ኣብኡ እምብዛ ብዙሕ ግዜ ኸይነሕልፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዝያዳ ኣገዳሲ ንዝዀነ ንጥፈታት እኹል ግዜ ኣይህልወናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ኢሉ የተባብዓና እዩ።—ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።
-