ኣቱም ሰብኡት: ንርእስነት ክርስቶስ ኣፍልጦ ሃቡሉ
“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ [እዩ]።”—1 ቈረንቶስ 11:3
1, 2. (ሀ) ዓወት ሓደ ሰብኣይ ብኸመይ ኪዕቀን ይከኣል፧ (ለ) መስራቲ መርዓ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ዓወት ሓደ ሰብኣይ ብኸመይ ኢኻ እትዕቅኖ፧ ብኣእምሮኣዊ ወይ ብኣካላዊ ኽእለቱ ዲኻ፧ ብኣታዊኡ ዲኻ፧ ወይስ ብፍላይ በቲ ንሰበይቱን ደቁን ብፍቕርን ብሕያውነትን ዚሕዘሉ መገዲ፧ ብዙሓት ሰብኡት በዚ ናይ መወዳእታ መዐቀኒ ኺረኣዩ ኸለዉ: ጕድለታት ኣለዎም፣ ከመይሲ: ብመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣን ብመለክዒታት ሰብን እዮም ዚምርሑ። ስለምንታይ፧ ከምዚ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት: ንመምርሒታት እቲ ‘ኻብ ሰብኣይ ንዝወሰዳ መሰንገለ: ሰበይቱ ገይሩ ዝሰርሓ’ መስራቲ ሓዳር ኣፍልጦ ስለ ዘይህቡሉን ኣብ ግብሪ ስለ ዘየውዕልዎን እዮም።—ዘፍጥረት 2:21-24
2 የሱስ ክርስቶስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ነቐፍቲ ኺምልሰሎም ከሎ: “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ: ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ [ብመርዓ] ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” ብምባል ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ንሓዳር ከም ዝመስረተ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣረጋገጾ። (ማቴዎስ 19:4-6) መርዓ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመነጨን ዓወት ንምርካብ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም ዜድልን ኣፍልጦ ምሃብ: ዕዉት ሓዳር ንምስራት ኣገዳሲ እዩ።
ሰብኣይ ንኺዕወት ዜኽእሎ ወሳኒ ረቛሒ
3, 4. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ መርዓ ፈላጥ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እታ ምሳልያዊት ሰበይቲ የሱስ መን እያ፧ ሰብኡት ንኣንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ኣለዎም፧
3 ሰብኣይ ንኺዕወት ዚሕግዞ ነገር: የሱስ እንታይ ከም ዝበለን እንታይ ከም ዝገበረን ምጽናዕ እዩ። የሱስ እቶም ቀዳሞት መጻምድቲ ኺፍጠሩ ኸለዉን ኣብ መርዓኦምን ስለ ዝነበረ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ፍልጠት ዓሚቝ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዕኡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” በሎ። (ዘፍጥረት 1:26) እወ: ኣምላኽ ነቲ ቕድሚ ዅሉ ዝፈጠሮን ‘ሰራሕተኛ ዀይኑ ምስኡ ዝነበረን’ እዩ ዚዛረቦ ነይሩ። (ምሳሌ 8:22-30) ንሱ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዩ። ቅድሚ ፍጥረት እቲ ግኡዝ ዩኒቨርስ እውን ከይተረፈ ዝነበረ “መጀመርታ ፍጥረት” እዩ።—ቈሎሴ 1:15፣ ራእይ 3:14
4 የሱስ “ገንሸል ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ: ብምሳልያዊ መገዲ ኸም እተመርዓወ ሰብኣይ ጌርካ እውን ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ግዜ: ሓደ መልኣኽ “ነታ መርዓት: ሰበይቲ እቲ ገንሸል: ከርእየካስ ንዓ” ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃንስ 1:29፣ ራእይ 21:9) እታ መርዓት ወይ ሰበይቲ ደኣ መን እያ፧ እታ “ሰበይቲ እቲ ገንሸል” በቶም ኣብ ሰማያዊ ግዝኣቱ ምስኡ ዚካፈሉ ብመንፈስ እተቐብኡ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝቘመት እያ። (ራእይ 14:1, 3) ስለዚ: የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ: ሰብኡት ንኣንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ከም ዘለዎም ኣብነት ይዀኖም እዩ።
5. የሱስ ንመን እዩ ኣርኣያ ዚዀኖም፧
5 ሓቂ እዩ: የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰዓብቱ ኣብነት ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ዚብል ነንብብ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ኰይኑ ግን: ብፍላይ ንሰብኡት ኣርኣያ ይዀኖም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 11:3) ክርስቶስ ርእሲ ሰብኣይ ስለ ዝዀነ: ሰብኡት ኣብነቱ ኪቐድሑ ኣለዎም። ስለዚ: ሓንቲ ስድራቤት ዓወትን ሓጐስን ክትረክብ እንተ ዀይና: ስርዓት ርእስነት ክትሕሉ ኣለዋ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: ሰብኡት ንኣንስቶም: ከምቲ የሱስ ነቶም ምሳልያዊት ሰበይቱ ጌርካ እተጠቕሱ ቕቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ዚሕዞም ገይሮም: ብፍቕራዊ መገዲ ኺሕዝወን ኣለዎም።
ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገማት እትዋጽኣሉ መገዲ
6. ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ብኸመይ እዮም ኪነብሩ ዘለዎም፧
6 ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም: ብፍላይ ሰብኡት ነቲ የሱስ ብትዕግስቱ: ብፍቕሩ: ከምኡውን ንጽድቃዊ ስርዓታት ብምድጋፍ ብዘርኣዮ ጽንዓቱ ኺመስልዎ ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ኣመልኪቱ: “ኣቱም ሰብኡት: . . . ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 3:7) እወ: ሰብኡት ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ነቲ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገማት ብኣእምሮ ወይ ብፍልጠት ኪሕዝዎ ኣለዎም። የሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ: እዚ ግን ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብዛ እክይቲ ዓለምን ከም ዚመጽእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ ኤፌሶን 6:12) የሱስ ዘጋጠሞ ፈተናታት ዘይተጸበዮ ነገር ኰይንዎ ኣይፈልጥን እዩ። ሰብ ሓዳር እውን “ብስጋ መከራ” እንተ ረኸቡ: ዘይተጸበይዎ ኪዀኖም የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ዚምርዓዉ ኸምዚ ዝኣመሰለ መከራ ኺረኽቡ ምዃኖም የጠንቅቕ እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:28
7, 8. (ሀ) ምስ ኣንስቲ ብኣእምሮ ምንባር እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ኣንስቲ ኣኽብሮት ዚግብአን ስለምንታይ እዩ፧
7 ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ‘ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት ገይሮም እናኽበርወን ብኣእምሮ’ ኺነብሩ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚነግሮም። (1 ጴጥሮስ 3:7) ስምረት ኣምላኽ ዚረክብ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መብዛሕትኦም ሰብኡት እተነበዮ: ብጭካነ ኣይመልካን እዩ: የግዳስ የኽብራ እዩ። (ዘፍጥረት 3:16) ከም ክብርቲ ነገር ገይሩ ስለ ዚርእያ ኸኣ: ጕልበቱ ንኺጐድኣ ኣይጥቀመሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ንስምዒታታ ኣብ ግምት የእቱ: ወትሩ ድማ ብኣኽብሮት ይሕዛ።
8 ሰብኡት ንኣንስቶም ኬኽብርወን ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: . . . ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም [ኣኽብርወን]” ብምባል መልሲ ይህብ። (1 ጴጥሮስ 3:7) የሆዋ ንሓደ ዜምልኾ ሰብኣይ ካብ ሓንቲ እተምልኾ ሰበይቲ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣብሊጹ ኸም ዘይርኢ: ሰብኡት ኪርድኡ ኣለዎም። እተን ስምረት ኣምላኽ ዝረኸባ ኣንስቲ: ማዕረ ሰብኡት ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽባ እየን። አረ ብዙሓት እሞ ኸኣ ኣብቲ “ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን” እተባህለሉ ሰማያዊ ህይወት ቦታ ኺህልወን እዩ። (ገላትያ 3:28) ስለዚ: ሰብኡት ንሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዚገብሮ ተኣማንነቱ ምዃኑ ኺዘክሩ ኣለዎም። እቲ ኣገዳሲ ነገር ተባዕታይ ወይስ ኣንስታይ: ሰብኣይ ወይስ ሰበይቲ: ወይ ድማ ቈልዓ ምዃን ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 4:2
9. (ሀ) ብመሰረት እቲ ጴጥሮስ ዝበሎ: ሰብኡት ንኣንስቶም ኬኽብርወን ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) የሱስ ንኣንስቲ ኣኽብሮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
9 ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኽብሪ ምሓዝ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ: በቲ “ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት” ዚብል ቃላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ጐሊሑ ኣሎ። ጸሎት ምስ ዚዕገት ኣዝዩ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ! ከምቲ ንገሊኦም ግዲ ዘይነበሮም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ዘጋጠሞም: ጸሎት ሰብኣይ ምሉእ ብምሉእ ኪዕገት ይከኣል እዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:43, 44) እተመርዓዉ ዀኑ ኺምርዓዉ ዚሓስቡ ዘለዉ ክርስትያን ሰብኡት: ነቲ የሱስ ንኣንስቲ ዝሓዘሉ ኣኽብሮት ዘለዎ መገዲ የጽንዕዎ እዮም። ምስኡ ናብ ኣገልግሎት ኪኸዳ ብሓጐስ ይቕበለን ነበረ: ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ድማ ይሕዘን ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እሞ ኸኣ የሱስ ንኣንስቲ ኣዝዩ ዜደንጹ ሓቂ ገሊጹለን: ንሰብኡት ኪነግራኦም ድማ ልኢኽወን እዩ።—ማቴዎስ 28:1, 8-10፣ ሉቃስ 8:1-3
ምናዳ ንሰብኡት ዚኸውን ኣብነት
10, 11. (ሀ) ምናዳ ሰብኡት ንኣብነት የሱስ ኬጽንዕዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሰብኡት ንኣንስቶም ብኸመይ እዮም ፍቕሪ ኼርእዩ ዘለዎም፧
10 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ዘለዎ ርክብ: ምስቲ ክርስቶስ ምስ “መርዓቱ:” ማለት ምስታ ጉባኤ ቕቡኣት ሰዓብቱ ዘለዎ ርክብ የወዳድሮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:23) እዘን ቃላት እዚኣተን: ንሰብኡት ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቱ ዝነበሮ ርእስነት ወይ መሪሕነት ንኺምርምሩ ኼተባብዓኦም ኣለወን። ሰብኡት ነዚ ምስ ዚምርምሩ ጥራይ እዮም ኣብነት የሱስ ብግቡእ ኪስዕቡ: ከምቲ የሱስ ንጉባኤኡ ዝገበረላ ድማ ንኣንስቶም መምርሕን ፍቕርን ሓልዮትን ኪህቡ ዚኽእሉ።
11 መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት: “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ ይምሕጸን። (ኤፌሶን 5:25) ኣብታ ኣብ ኤፌሶን እትርከብ ኣቐዲማ ዘላ ምዕራፍ: እታ “ማሕበር” እቲኣ “ስጋ ክርስቶስ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። እዚ ምሳልያዊ ስጋ እዚ ኻብ ክልቲኡ ጾታ ብዙሓት ኣባላት ይርከብዎ እዮም: ኵላቶም ከኣ ነቲ ስጋ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺዓዪ ኣበርክቶ ይገብሩ። የሱስ ድማ “ነቲ ስጋኡ . . . ርእሱ እዩ: ማለት ንማሕበር።”—ኤፌሶን 4:12፣ ቈሎሴ 1:18፣ 1 ቈረንቶስ 12:12, 13, 27
12. የሱስ ንምሳልያዊ ስጋኡ ብኸመይ እዩ ፍቕሩ ዘርኣየ፧
12 የሱስ ነታ ምሳልያዊ ስጋኡ ዝዀነት “ማሕበሩ” ዘለዎ ፍቕሪ: ብፍላይ በቲ ንኣባላቱ ብሓልዮት ዝገበረሎም ኣገልግሎት ኣቢሉ ኣርእይዎ እዩ። ንኣብነት: ደቀ መዛሙርቱ ምስ ደኸሙ: “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም: ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ” በሎም። (ማርቆስ 6:31) ሓደ ኻብቶም ሃዋርያቱ ነቲ የሱስ ካብቲ ዝሞተሉ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ ዝገበሮ ነገር ኪገልጽ ከሎ: “የሱስ: . . . ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ [ማለት: ነቶም ኣባላት እቲ ምሳልያዊ ስጋኡ] ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃንስ 13:1) ሰብኡት ንኣንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ከም ዚግብኦም ብዚምልከት: የሱስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዝሓደገ!
13. ሰብኡት ንኣንስቶም ከመይ ገይሮም ኬፍቅርወን እዮም ተማዒዶም፧
13 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ንሰብኡት ዝሓደገሎም ኣብነት ብምጥቃም: “ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር: ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። . . . ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ” ኢሉ መዓዶም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ” በለ።—ኤፌሶን 5:28, 29, 33
14. ሓደ ሰብኣይ ነቲ ዘይፍጹም ኣካሉ ብኸመይ እዩ ዚሕዞ፧ እዚኸ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ ኸም ዚግባእ እዩ ዚሕብር፧
14 ብዛዕባ እዚ ቓላት ጳውሎስ እሞ ሕስብ ኣብል። ሓደ ጥዑይ ሰብኣይ ኰነ ኢሉ ንኣካሉ ይጐድኦ ድዩ፧ ሓደ ሰብኣይ ምስ ተዓንቀፈ: ዓባይቶኡ ስለ ዘዐንቀፈቶ ይወቕዓ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ኣዕሩኹ ንርእሱ የዋርድ ወይ ብዛዕባ ጕድለቱ ይሓሚ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ንሰበይቱ ጌጋ እንተ ገይራ ብልሳኑ ወይ ሕሉፍ ሓሊፉ ብኢዱ ዚወቕዓ፧ ሰብኡት ንጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ: ንጥቕሚ ኣንስቶም እውን ኪሓስቡ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 10:24፣ 13:5
15. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቱ ሰብኣዊ ድኽመት ዜርእዩሉ ዝነበሩ እዋን እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) ካብቲ ኣብነቱ እንታይ ትምህርትታት ኪርከብ ይከኣል፧
15 የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ ንደቀ መዛሙርቱ ሰብኣዊ ድኽመት ኬርእዩ ኸለዉ ብኸመይ ሓልዮት ከም ዘርኣዮም እስከ ንርአ። ኪጽልዩ ደጋጊሙ እኳ እንተ ነገሮም: ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ሰለስተ ሳዕ ድቃስ ወሰዶም። ብሃንደበት ዕጡቓት ሰብኡት ከበብዎም። የሱስ ነቶም ሰባት “ንመን ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። “ንየሱስ ናዝሬታዊ” ኢሎም ምስ መለሱሉ: “ኣነ እየ” በሎም። እታ ዚሞተላ ‘ሰዓት ከም ዝበጸሐት’ ፈሊጡ: “ንኣይ ትደልዩ እንተ አሊኹምሲ: ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” በሎም። የሱስ ነቶም ክፍሊ እታ ምሳልያዊት መርዓቱ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ምሕላይ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን: ስለዚ ድማ መውጽኢ ገበረሎም። ሰብኡት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዝሓዞም ብምጽናዕ: ንኣንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ከም ዘለዎም ዚሕብር ሓያሎ መሰረታዊ ስርዓታት ይረኽቡ እዮም።—ዮሃንስ 18:1-9፣ ማርቆስ 14:34-37, 41
ፍቕሪ የሱስ ኣብ ስምዒት ጥራይ እተመርኰሰት ኣይኰነትን
16. የሱስ ብዛዕባ ማርታ ኸመይ ይስምዖ ነበረ፧ ኰይኑ ግን ብኸመይ እዩ ዝኣረማ፧
16 መጽሓፍ ቅዱስ “የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ” ይብል: እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤቶም የአንግድዎ ነበሩ። (ዮሃንስ 11:5) ኰይኑ ግን: ማርታ ነቲ እተዳልዎ ዝነበረት ምግቢ ዘየድሊ ኣትኵሮ ምስ ገበረት እሞ ነቲ ኻብ የሱስ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንኽትረክብ ዝነበራ ግዜ ምስ ደረተቶ: የሱስ ካብ ምምካራ ድሕር ኣይበለን። “ማርታ: ማርታ: ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ” በላ። (ሉቃስ 10:41, 42) እቲ ንማርታ ዜርእያ ዝነበረ ፍቕሪ: ነቲ ምኽሪ ንኽትቅበል ቀሊል ከም ዝገበረላ ኣየጠራጥርን እዩ። ሰብኡት እውን ብተመሳሳሊ ንኣንስቶም ብሕያውነትን ብፍቕርን ብጥንቃቐ ብእተመርጸ ቓላትን ኪዛረብወን ኣለዎም። ኰይኑ ግን: መአረምታ ምስ ዜድልየን: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ብንጹር ኪነግርወን ኣለዎም።
17, 18. (ሀ) ጴጥሮስ ንየሱስ ዝገንሖ ብኸመይ እዩ፧ ኪእረም ዝነበሮኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሰብኡት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧
17 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ንሃዋርያቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ: “ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ: ኪቕተል: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ” ገለጸሎም። ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ: እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። ኣረኣእያ ጴጥሮስ ብስምዒት ከም እተሸፈነ ንጹር እዩ። መአረምታ ኺወሃቦ ኣድልዩ ነበረ። ስለዚ: የሱስ “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ: ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ።—ማቴዎስ 16:21-23
18 የሱስ ኣቐዲሙ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ: ማለት ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪቕተልን ከም ዘለዎ እዩ ገሊጹ ነይሩ። (መዝሙር 16:10፣ ኢሳይያስ 53:12) ስለዚ: ጴጥሮስ ንየሱስ ኪገንሖ ምጅማሩ ተጋግዩ እዩ። እወ: ጴጥሮስ ተሪር መአረምታ ኺወሃቦ የድልዮ ነበረ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ኵላትና ኸምኡ የድልየና እዩ። ሰብኣይ ርእሲ ስድራቤት ከም ምዃኑ መጠን: ንኣባላት ስድራቤቱ: እንተላይ ንሰበይቱ ናይ ምእራም ስልጣንን ሓላፍነትን ኣለዎ። ጽኑዕ ምዃን ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ: እቲ መአረምታ ግን ብሕያውነትን ብፍቕርን ኪወሃብ ኣለዎ። ስለዚ: ከምቲ የሱስ ንጴጥሮስ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልዎ ዝሓገዞ: ሓድሓደ ግዜ እውን ሰብኡት ንኣንስቶም ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ንኣብነት: ሓንቲ ሰበይቲ ኣከዳድናኣ: ስልማታ: ወይ ኵሕለ-ምሕላ ኻብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ትሕትና ዜንጸባርቕ ኣገባብ ውጽእ ኪብል እንተ ጀሚሩ: ሰብኣያ ብሕያውነት ስለምንታይ ገለ ምትዕርራይ ክትገብር ከም ዜድልያ ኺሕብራ ኣለዎ።—1 ጴጥሮስ 3:3-5
ሰብኡት ዕጉሳት ኪዀኑ ሰናይ እዩ
19, 20. (ሀ) ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት የሱስ እንታይ ጸገም ተፈጥረ፧ የሱስከ ነዚ ብኸመይ ሓዞ፧ (ለ) የሱስ ዝገበሮ ጻዕርታት ክሳዕ ክንደይ እዩ ተዓዊቱ፧
19 ሰብኡት ቈላሕታ ዜድልዮ ጕድለት እንተ ረኺቦም: ብቕንዕና ንኺእርምዎ ምጽዓሮም ብኡንብኡ ነቲ ጸገም ከም ዚፈትሖ ገይሮም ኪጽበዩ የብሎምን። የሱስ ንኣረኣእያ ሃዋርያቱ ንምዕራይ ቀጻሊ ጻዕሪ እዩ ኣድልይዎ። ንኣብነት: ኣብ መንጎኦም መንፈስ ውድድር ነበረ: እዚ ድማ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎት የሱስ ተራእየ። ካብ መንጎኦም መን ከም ዚበልጽ ይከራኸሩ ነበሩ። (ማርቆስ 9:33-37፣ 10:35-45) የሱስ ድሕሪ እቲ ንኻልኣይ ግዜ በዚ እተኻትዑሉ እዋን ነዊሕ ከይጸንሐ: ምሳታቶም ብብሕቲ በዓል ፋስጋ ንመወዳእታ ግዜ ኼብዕል ተዳለወ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ብባህሊ ልሙድ ዝነበረ ዶራን ኣእጋር ካልኦት ናይ ምሕጻብ ትሑት ዕዮ ዚዓዮ ኣይነበረን። የሱስ ግን ኣእጋሮም ሓጸቦም። ድሕሪኡ “መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም።—ዮሃንስ 13:2-15
20 ከም የሱስ ትሕትና ዝለበሱ ሰብኡት: ምትሕብባርን ደገፍን ኣንስቶም ንምርካብ ዘለዎም ኣጋጣሚ ሰፊሕ እዩ። ትዕግስቲ ግን የድሊ። ኣብታ ፋስጋ ዜብዕሉላ ዝነበሩ ምሸት እቲኣ: እቶም ሃዋርያት መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርአ እንደገና ተኸራኸሩ። (ሉቃስ 22:24) ኣብ ኣረኣእያን ኣካይዳን ዚግበር ለውጢ: መብዛሕትኡ እዋን ግዜ ዚሓትትን ቀስ ኢሉ ዚመጽእን እዩ። እንተዀን ግን: ከምቲ ኣብቶም ሃዋርያት እተራእየ: ኣወንታዊ ፍረ ምስ ተረኽበ ኽሳዕ ከንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!
21. ሎሚ ብድሆታት ኬጋጥም ከሎ: ሰብኡት እንታይ ኪዝክሩን እንታይ ኪገብሩን እዩ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ዘሎ፧
21 ሎሚ: ሓዳር ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝዓበየ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ንቓል ኪዳኖም ኣኽቢሮም ኣይርእይዎን እዮም። ስለዚ: ኣቱም ሰብኡት: ብዛዕባ እቲ መስራቲ መርዓ ኣስተንትኑ። ንመርዓ ዝወጠኖን ዝተኸሎን እቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ኸም ዝዀነ: ካብኡ እውን ከም ዝመነጨ ዘክሩ። ንየሱስ ወዱ በጃ ወይ መድሓኒ ኪኸውን ጥራይ ዘይኰነስ: ሰብኡት ኪመስልዎ ዘለዎም ኣርኣያ ኪኸውን ኢሉ እዩ ሂቡና።—ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:29፣ 1 ጴጥሮስ 2:21
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ነቲ መስራቲ መርዓ ኣፍልጦ ምሃብና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• ሰብኡት ንኣንስቶም ኬፍቅሩ ዚተባብዑ በየናይ መገድታት እዮም፧
• ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ: ሓደ ሰብኣይ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ርእስነቱ ብኸመይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ዜብርህ ኣየናይ ኣብነታት እዩ፧
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ሰብኡት ነቲ የሱስ ንኣንስቲ ዝሓዘሉ መገዲ ኼጽንዕዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዚደኽሙሉ እዋን: ሓልዮት ኣርኣዮም
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሰብኡት ንኣንስቶም ብሕያውነትን ብጥንቃቐ ብእተመርጸ ቓላትን ኪመኽርወን ኣለዎም