ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ
“ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:21
1, 2. (ሀ) ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዘመናዊ ናብራ ዝኸይድ ምዃኑ ዝጠራጠሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ንምርኣይ እንታይ ሰለስተ ሓባሪ መርትዖታት ክንጥቀም ንኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ድሮ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ምስ ዘለዉ ሰባት ዝኸይድ ድዩ፧ ገለ ሰባት ኣይከይድን ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ዶ/ር ኢሊ ኤስ. ቸስን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዘሕለፈ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ዝገበሮ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ “ንሓደ ብ1924 እተሓትመ ናይ ኬሚስትሪ መምሃሪ [መጽሓፍ] ኣብ ዘመናዊ ቤት ትምህርቲ ከገልግል ኣለዎ ኢሉ ዝጣበቕ ዋላ ሓደ ሰብ የለን: ምኽንያቱ ካብ ሽዑ ንነጀው ብዙሕ ፍልጠት ተረኺቡ ኢዩ” ይብል። እዚ ሓሳብ እዚ ከም ዘለዎ ክርአ ኸሎ: ትርጕም ዘለዎ ይመስል። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ዘሎ እዋን ሰባት ብዛዕባ ስነ-ፍልጠት: ኣእምሮኣዊ ጥዕና: ከምኡውን ሰብኣዊ ባህርያት ብዙሕ ተማሂሮም ኢዮም። በዚ እተላዕለ ድማ: ገሊኦም ሰባት ‘ሓደ ጥንታዊ መጽሓፍ ካብ ስነ-ፍልጠታዊ ጌጋታት ናጻ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ምስ ዘመናዊ ናብራ ዝኸይድ ተግባራዊ ምኽሪ ክህልዎ ዝኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ።
2 መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ መልሲ ይህብ ኢዩ። ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:21 እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነብያት ‘ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ከም እተዛረቡ’ ተነጊርና ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እምበኣር ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ምዃኑ ባዕሉ ይሕብር ኣሎ። ከምኡ ምዃኑ ንኻልኦት ሰባት ከነእምኖም እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዝሕብር ሰለስተ መርትዖታት ንርአ:- (1) ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ልክዕ ኢዩ: (2) ንዘመናዊ ናብራ ተግባራዊ ዝዀነ ግዜ ዘይሓጽሮ ስርዓታት ዝሓዘ ኢዩ: ከምኡውን (3) ብታሪኻዊ ጭብጥታት እተረጋገጸ: ፍጻሜኡ ዝረኸበ ንጹር ትንቢታት ዝሓዘ ኢዩ።
ምስ ስነ-ፍልጠት ዝሰማማዕ መጽሓፍ
3. መጽሓፍ ቅዱስ ብውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ዘይሰግእ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ-ፍልጠት መጽሓፍ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓቂ ዝሓዘ መጽሓፍ ኢዩ: ሓቂ ድማ ብግዜ ዝሕጸር ኣይኰነን። (ዮሃንስ 17:17) መጽሓፍ ቅዱስ ብውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ኣይሰግእን ኢዩ። ንስነ-ፍልጠት ዝምልከት ነገራት ክጠቅስ ከሎ ድማ: ካብቲ ደሓር ጽውጽዋይ ኰይኑ እተረኽበ ናይ ጥንቲ “ስነ-ፍልጠታዊ” ክልሰ-ሓሳባት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኢዩ። አረ: ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ልክዕ ጥራይ ዘይኰነስ: ምስቲ ሽዑ ተቐባልነት ዝነበሮ ኣረኣእያታት ብቐጥታ ዝጋጮ ሓሳባት ዝሓዘ እውን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ መጽሓፍ ቅዱስን ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠትን ዘሎ ስምምዕ ርአ።
4, 5. (ሀ) ናይ ጥንቲ ሓካይም ብዛዕባ ሕማም እንታይ ዘይተረድእዎ ነገር ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ሙሴ ምስ ሕክምናዊ ሞያታት ናይቶም ግብጻውያን ፈዋሶ ሌላ ከም ዝነበሮ ዘየጠራጥር ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ናይ ጥንቲ ሓካይም ሕማም ብኸመይ ከም ዝመሓላለፍ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን: ጽሬት ኣብ ምክልኻል ሕማም ዘለዎ ኣድላይነት ድማ ኣይግንዘብዎን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ብዙሕ ናይ ሕክምና ሞያታት ብዘመናዊ መለክዒታት ክርአ ከሎ ዘይስልጡን ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ሕክምናዊ ነገራት ዝዛረብ ናይ ጥንቲ ጽሑፍ: ኣብ መበል 1550 ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ናይ ኤብርስ ፓፒረስ: ናይ ግብጻውያን ሕክምናዊ ፍልጠት ዝሓዘ ሰነድ ኢዩ። እዚ ድማ “ካብ መንከስቲ ሓርገጽ ክሳዕ ቃንዛ ጽፍሪ እግሪ” ንዘሎ እተፈላለየ ሕማማት ዝኸውን 700 መድሃኒታት ዝሓዘ ኢዩ። መብዛሕትኡ ካብቲ መድሃኒታት ጥቕሚ ዘይብሉ: አረ ገለ ካብኡስ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ። ቁስሊ ንምሕካም ሓደ ካብቲ ዝእዘዝ መድሃኒት: ካብ ናይ ሰብ ቀልቀልን ካልእ ነገራትን ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ፈውሲ ምልካይ ኢዩ ዝእዝዝ ነይሩ።
5 እዚ ናይ ግብጻውያን ሕክምናዊ መድሃኒታት ዝሓዘ ጽሑፍ ዳርጋ ኣብቲ ሕጊ ሙሴ እውን ሓዊስካ እተን ናይ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ እተጻሕፋሉ እዋን ኢዩ ተጻሒፉ። እቲ ብ1593 ቅ.ኣ.ዘ. እተወልደ ሙሴ: ኣብ ግብጺ ኢዩ ዓብዩ። (ዘጸኣት 2:1-10) ኣባል ስድራቤት ፈርኦን ከም ምንባሩ መጠን: “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:22) ምስቶም ናይ ግብጺ “ፈዋሶ” ይፋለጥ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 50:1-3) እቲ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ውጽኢት ዘይነበሮ ወይ ድማ ሓደገኛ ዝዀነ ሕክምናዊ ሞያታት ነቲ ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ጸልይዎዶ ኢዩ፧
6. ሕጊ ሙሴ ብዓይኒ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ሕክምና ክርአ ኸሎ ምኽንያታዊ ገይርካ ክውሰድ ዝከኣል እንታይ ዓይነት ናይ ጽሬት ስርዓታት ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ፧
6 ብኣንጻሩ: ሕጊ ሙሴ ብዓይኒ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ሕክምና ክርአ ከሎ ምኽንያታዊ ገይርካ ክውሰድ ዝከኣል ናይ ጽሬት ስርዓታት ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ንወተሃደራዊ መዓስከራት ዝምልከት ሓደ ሕጊ: ውጽኣት ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ተዃዒቱ ክቕበር ይእዝዝ ነበረ። (ዘዳግም 23:13) እዚ ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ናይ ምክልኻል መገዲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ንምንጭታት ማይ ካብ ብከላ ናጻ ዝገብር ከምኡውን ካብቲ ገና ዝበዝሕ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሚልዮናት ህይወት ዝቐትል ዘሎ: ሃመማ ብዝስከምዎ ባክተርያ ዝመጽእን ካልእ ናይ ውጽኣት ሕማማትን ዝከላኸል ኢዩ ነይሩ።
7. ኣብ ሕጊ ሙሴ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንኸየስፋሕፍሕ ንምክልኻል ዝሕግዝ እንታይ ናይ ጽሬት ስርዓታት ኢዩ ዝነበረ፧
7 ሕጊ ሙሴ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንኸየስፋሕፍሕ ዝከላኸል ካልእ ናይ ጽሬት ስርዓታት እውን ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ተመሓላላፊ ሕማም ምስ ዝህልዎ ወይ ከም ዘለዎ ምስ ዝጥርጠር ንበይኑ ይዕጾ ነበረ። (ዘሌዋውያን 13:1-5) ንሓደ ሕሉቕ እንስሳ (ምናልባት ብሕማም) ዝተንከፈ ክዳን ወይ ድማ ኣቕሓ እንደገና ኣብ ጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሉ ክሕጸብ ወይ ድማ ክጐሓፍ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 11:27, 28, 32, 33) ምዉት ዝተንከፈ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ርኹስ ይቝጸር ነበረ: ክዳውንቱን ኣካላቱን ምሕጻብ ዘጠቓለለ ናይ ምንጻህ መስርሕ ድማ ክከታተል ነበሮ። ኣብተን ርኹስ ዝዀነለን ሸውዓተ መዓልትታት: ምስ ካልኦት ሰባት ብኣካል ክተናኸፍ ኣይነበሮን።—ዘሁልቍ 19:1-13
8, 9. እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ናይ ጽሬት ስርዓታት ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ዝማዕበለ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
8 እዚ ናይ ጽሬት ሕጊ እዚ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ እዋን ዝማዕበለ ጥበብ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ሕክምና ንዝርጋሐን ምክልኻልን ሕማም ዝምልከት ብዙሕ ትምህርቲ ረኺቡ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ሕክምናዊ ምዕባለታት ጸረ-ረኽሲ—ምትሕልላፍ ሕማማት ንምንካይ ጽሬት ምዝውታር—ናብ ዝበሃል ሕክምናዊ ሞያ መርሐ። ርኡይ ዝዀነ ምንካይ ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኣብ ዘይግዜኻ ሙማትን ድማ ኣምጽአ። ብ1900 ኣብ ብዙሓት ናይ ኣውሮጳ ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝነበረ ንውሓት ዕድመ ሰብ ካብ 50 ዓመት ዝውሕድ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ንድሓር ብዘገርም መገዲ እቲ ንውሓት ዕድመ ሰብ ወሲኹ ኢዩ: እዚ ድማ ሕማማት ኣብ ምክልኻል ሕክምናዊ ምዕባለ ስለ እተራእየ ጥራይ ዘይኰነስ: ብምኽንያት ዝሓሸ ናይ ጽሬትን መነባብሮን ኵነታት ኢዩ።
9 እንተዀነ ግን: ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት ሕማማት ከመይ ኢሉ ከም ዝመሓላለፍ ከይፈለጠ ከሎ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሕማም ክከላኸል ዝኽእል ምኽንያታዊ ዝዀነ ስጕምትታት ይእዝዝ ነበረ። ሙሴ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብሓፈሻ 70 ወይ 80 ዓመታት ይነብሩ ምንባሮም ምዝራቡ ዘገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 90:10) ሙሴ ንኸምዚ ዝበለ ናይ ጽሬት ስርዓታት ክፈልጦ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ: እቲ ሕጊ “ብመላእኽቲ ተሐገገ” ብምባል ይገልጽ። (ገላትያ 3:19) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣዊ ጥበብ ዘንጸባርቕ መጽሓፍ ኣይኰነን፣ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ኢዩ።
ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍ
10. መጽሓፍ ቅዱስ 2,000 ዓመታት ይገብር ተጻሒፉ እተወድአ እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ምኽሪ ግን እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
10 ምኽሪ ዝህቡ መጻሕፍቲ ግዜኦም ዘሕለፉ ይዀኑ እሞ: ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ ምሕዳስ ወይ ምልዋጥ የድልዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብሓቂ ፍሉይ ኢዩ። መዝሙር 93:5 “ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ” ትብል። መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር ተጻሒፉ እተወድአ እኳ እንተዀነ: ቃላቱ ግን ገና ተግባራዊ ኢዩ። ሕብሪ ቈርበትና ወይ እንነብረሉ ሃገር ብዘየገድስ ማዕረ ጽልዋ ኣለዎ። ንገለ ኣብነታት ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ግዜ ዘይሓጽሮ “ኣዝዩ እሙን” ምኽሪ ርአ።
11. ሓያለይ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር: ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባ ንቘልዑ ምቕጻዕ ዝመጸ እንታይ ዝብል እምነት ከም ዝሓድሮም ኢዩ ተገይሩ፧
11 ሓያለይ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር: ብዙሓት ወለዲ በቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ዝገልጽ “ሓድሽ ሓሳባት” ተለዓዒሎም “ምቕጻዕ ክልኩል ኢዩ” ዝብል እምነት ነበሮም። ንቘልዑ ሓጹር ምግባር ስምባድን ጭንቀትን የስዕበሎም ኢዩ ኢሎም ሰግኡ። ብዛዕባ ቈልዑ ምኽሪ ዝህቡ ጽቡቕ ሓሳብ ዝነበሮም ሰባት: ወለዲ ንደቆም ፍዅስ ዝበለ መኣረምታ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ካልእ ከይገብሩ ኣትሪሮም ይዛረቡ ነበሩ። ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከምዚኣቶም ዝበሉ ብዙሓት ክኢላታት ሕጂ “ወለዲ ቅሩብ ትርር ክብሉ: ከም ብሓድሽ ንደቆም ተግሳጽ ክህቡ ይምሕጸንዎም” ኣለዉ ብምባል ጸብጻብ ይህብ።
12. እታ ‘ተግሳጽ’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስም እንታይ ማለት ኢያ: ቈልዑ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ዘድልዮምከ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ንጹርን ምኽንያታውን ምኽሪ ይህብ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ይመክር:- “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌሶን 6:4) እታ ‘ተግሳጽ’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስም “ኣተዓባብያ: ምልምማድ: መምርሒ ምሃብ” ማለት ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ተግሳጽ ወይ መምርሒ ምሃብ ናይ ወለዲ ፍቕሪ ዘርኢ መርትዖ ኢዩ ይብል። (ምሳሌ 13:24) ቈልዑ ብሱል ዝዀነ ናይ ቅኑዕን ጌጋን ትርጕም ንምምዕባል ዝሕግዞም ንጹር ስነ-ምግባራዊ መምርሒታት ኣብ ዘለዎ ሃዋሁ ይዓብዩ። ብግቡእ እተዋህበ ተግሳጽ ዕቝባ ዘለዎም ኰይኑ ከም ዝስምዖም ይገብሮም፣ ወለዶም ብዛዕብኦምን ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሰባት ይዀኑ ምህላዎምን ከም ዝሓልዩ ይነግሮም።—ምስ ምሳሌ 4:10-13 ኣረኣእዮ።
13. (ሀ) ብተግሳጽ ዝመጸ: መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህብ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ተግሳጽ ክዋሃብ ኢዩ ዝምሕጸን፧
13 መጽሓፍ ቅዱስ ግን በዚ ናይ ተግሳጽ ጕዳይ ዝመጸ ንወለዲ የጠንቅቖም ኢዩ። ናይ ወለዲ ስልጣን ፈጺሙ ሃሳዪ ክኸውን ኣይግባእን። (ምሳሌ 22:15) ዝዀነ ይኹን ቈልዓ ኣደዳ ጭካነ ዘለዎ መቕጻዕቲ ክኸውን ይብሉን። ኣብ ሓንቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እትምራሕ ስድራቤት ኣብ ልዕሊ ኣካል ዝወርድ ማህሰይቲ ቦታ የብሉን። (መዝሙር 11:5) ከምኡውን ኣብ ስምዒት ዝወርድ ማህሰይቲ—ንመንፈስ ናይ ሓደ ቈልዓ ክደቍስ ዝኽእል ኵሉ ተሪር ቃላት: ዘየቋርጽ ነቐፌታ: ከምኡውን ዓጽሚ ዝሰብር ዘረባ—ቦታ የብሉን። (ምስ ምሳሌ 12:18 ኣረኣእዮ።) መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ንወለዲ ከምዚ ብምባል የጠንቅቖም:- “ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።” (ቈሎሴ 3:21) መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መከላኸሊ ስጕምትታት ክውሰድ ጽቡቕ ምዃኑ ይዛረብ ኢዩ። ኣብ ዘዳግም 11:19 ወለዲ ንዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ኣብ ደቆም ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ንምስራጽ ክጥቀምሉ ተተባቢዖም ኣለዉ። ንኣተዓባብያ ቈልዑ ዝምልከት ከምዚ ዝኣመሰለ ንጹርን ምኽንያታውን ምኽሪ: ከምቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ሎሚ እውን ብሓቂ ዝሰርሕ ኢዩ።
14, 15. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥበባዊ ምኽሪ ንላዕሊ ዝህብ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) ካብ እተፈላለየ ዓሌታትን ሃገራትን ዝመጹ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ማዕረ ገይሮም ንኽርኣኣዩ ዝሕግዞም ትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ፧
14 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥበባዊ ምኽሪ ንላዕሊ ኢዩ ዝህብ። መልእኽቱ ኣብ ልቢ ዝሰርጽ ኢዩ። እብራውያን 4:12 ከምዚ ትብል:- “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምልዕዓል ሓይሊ ከም ዘለዎ ዘርኢ ሓደ ኣብነት ርአ።
15 ሰባት ሎሚ ብዓሌት: ብሃገር: ከምኡውን ብቐቢላዊ ሓጹራት ተፈላልዮም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ሓጹራት ኣብቲ ኣብ ምልእቲ ዓለም እተገብረ ውግኣት ንጹሃት ሰባት ብጃምላ ንኽሕረዱ ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተፈላለየ ዓሌታትን ሃገራትን ዝመጹ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ከም ማዕረ ክረኣኣዩ ዝሕግዞም ትምህርትታት ዝሓዘ ኢዩ። ንኣብነት: ግብሪ ሃዋርያት 17:26 ኣምላኽ “ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” ትብል። እዚ ኸኣ ብሓቂ ሓደ ዓሌት ጥራይ—ንሱ ድማ ዓሌት ሰብ—ከም ዘሎ ኢዩ ዘርኢ! ኣብ ርእሲ እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ብምባል ዝዛረበሉ ‘ኣምላኽ ሰዓብቱ ክንከውን’ የተባብዓና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ኤፌሶን 5:1) እዚ ፍልጠት እዚ ነቶም ብሓቂ ብትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ሕብረት ከም ዝህልዎም ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ። ነቲ ንህዝብታት ዝፈላሊ ሰብ ዘምጽኦ ሓጹራት ከም ዝጠፍእ ብምግባር ኣብ ሰብኣዊ ልቢ ኣዕሚቑ ኢዩ ዝዓዪ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብሓቂ ይሰርሕ ድዩ፧
16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ኣህጉራዊ ሕውነት ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሓደ ተመክሮ ኣዘንቱ።
16 ብርግጽ ይሰርሕ ኢዩ! ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ነቶም እተፈላለየ መበቈላት ዘለዎም ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ ንሓድሕዶም ሰላም ዘይነበሮም ሰባት ዘሕብር ኣህጉራዊ ሕውነቶም ኣዝዮም እተፈልጡ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ እዋን ናይቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝነበረ ዓሌታዊ ግርጭት: ካብ ክልቲኡ ዓሌት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ካብቲ ካልእ ዓሌት ንዝዀኑ ክርስትያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ተኸላኺሎምሎም ኢዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ሁቱ ምስክር ካብ ጉባኤኡ ሽዱሽተ ዝኣባላታ ሓንቲ ናይ ዓሌት ቱትሲ ስድራቤት ኣብ ገዝኡ ሓብአ። እቲ ዘሕዝን ግን: እቶም ዓሌት ቱትሲ ዝዀኑ ስድራቤት ኣብ መወዳእትኡ ተረኺቦም ተቐትሉ። እቲ ካብ ሁቱ ዝዀነ ሓውን ስድራቤቱን ነቶም ቀተልቲ ስለ ዘሕረቕዎም ናብ ታንዛንያ ክሃድሙ ተገደዱ። ብዙሕ ተመሳሳሊ ኣብነታት ዝገልጽ ጸብጻባት ተዋሂቡ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝበለ ሕብረት ክርከብ እተኻእለ ኣልባቦም በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ሒዝዎ ዘሎ ደራኺ ሓይሊ ኣዝዩ ብምትንካፉ ምዃኑ ኣጸቢቖም ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ጽልኢ መሊኣ ዘላ ዓለም ንሰባት ከሕብር ምኽኣሉ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ዝገልጽ ሓያል መርትዖ ኢዩ።
ናይ ሓቂ ትንቢት ዝሓዘ መጽሓፍ
17. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ናይ ሰብ ትንቢታት ዘይኰነ ብኸመይ ኢዩ፧
17 “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጕሙ ኻብ ርእሱ [ኣይኰነን]” ብምባል 2 ጴጥሮስ 1:20 ትገልጽ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነብያት ንኣንፈት ኵነታት ናይታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብምምርማር ነቲ ምዕባለታት እቲ ኣብ ናይ ብሕቶም ትርጕም እተመርኰሰ ናይ ምሁራት ግምት ብምሃብ ኣይኰኑን ተነብዮም። ምስቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝህሉ ዝዀነ ይኹን ፍጻመታት ክሰማማዕ ዝኽእል ዘይንጹር ትንቢታት እውን ኣይሃቡን። ከም ኣብነት: ንሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ከምኡውን ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኣንጻር ትጽቢቶም ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ንርአ።
18. ጥንታውያን ተቐማጦ ባቢሎን ብዘይጥርጥር ኣዝዩ ዕቝባ እተሰምዖም ስለምንታይ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኢሳይያስ ብዛዕባ ባቢሎን እንታይ ኢሉ ኢዩ እተነበየ፧
18 ኣብ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ባቢሎናዊ ሃጸይ ዘይትሰዓር ከተማ ኢያ ትመስል ነይራ። እታ ኸተማ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ኣሳፊሓ ነበረት: ናይቲ ርባ ማይ ድማ ገፊሕን ዓሚቝን ናይ ማይ ድፋዓት ከምኡውን ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ መትረባት ንምስራሕ ኣገልጊሉ ነበረ። እታ ኸተማ ብዙሕ ናይ መከላኸሊ ግምብታት ዘለዎ ኣዝዩ ገዚፍ ብዝዀነ ድርብ ቀጽርታት እውን እተሓጽረት ኢያ ነይራ። ተቐማጦ ባቢሎን ኣዝዩ ዕቝባ ከም እተሰምዖም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ሻምናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ናብቲ ዝለዓለ ክብራ ከይበጽሐት ከላ: ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ነበረ:- “ባቢሎን . . . ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ። ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ: ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም።” (ኢሳይያስ 13:19, 20) እቲ ትንቢት ባቢሎን ክትጠፍእ ምዃና ጥራይ ዘይኰነስ ንሓዋሩ ሰብ ዘይነብረላ ክትከውን ምዃና እውን ከም ዝዛረብ ኣስተብህል። ንኽትዛረበሉ ድፍረት ዝሓትት ከመይ ዝበለ ትንቢት ኰን ኢዩ! ኢሳይያስ ንዝባደመት ባቢሎን ምስ ረኣየ ደዀን ይኸውን ንትንቢቱ ጽሒፍዎ፧ ታሪኽ ኣይፋሉን ዝብል መልሲ ኢዩ ዝህብ!
19. ናይ ኢሳይያስ ትንቢት: 5 ጥቅምቲ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ምሉእ ብምሉእ ዘይተፈጸመ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ኣብታ 5 ጥቅምቲ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረት ምሸት: ባቢሎን ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቂሮስ ዓቢ ዝነበሩ ሰራዊት ሜዶ ፋርስ ወደቐት። ይኹን እምበር: ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ኣብቲ ግዜ እቲ ምሉእ ብምሉእ ኣይተፈጸመን። ብቂሮስ ምስ ተሳዕረት: ሽሕ’ኳ ብዝተሓተ ደረጃ እንተ ነበረ ሰብ ዝነብረላ ባቢሎን ንዘበናት ዝኣክል ጸኒሓ ኢያ። ኣብ መበል ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: ዳርጋ እቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል ናይ ኢሳይያስ ኣብ እተቐድሓሉ እዋን: ጳርታውያን ንባቢሎን ተቘጻጸርዋ: እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብተን ሽዑ ዝዋግኣ ዝነበራ ሃገራት ከም ዓቢ ዓወት ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ “ብዙሕ ዝቝጽሮም” ኣይሁድ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብቲ ቦታ ይቕመጡ ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ይህብ። ብመሰረት ዘ ካምብሪጅ ኤንሸንት ሂስትሪ: ናይ ፐልመሪን ነጋዶ ብ24 ከ.ኣ.ዘ ኣብ ባቢሎን ዕሙር ናይ ንግዲ ቦታ ኣቚሞም ነበሩ። ስለዚ: ክሳዕ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣቢላ ባቢሎን ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይባደመትን፣ መጽሓፍ ኢሳይያስ ግን ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ተጻሒፋ ተወዲኣ ነበረት።—1 ጴጥሮስ 5:13
20. ባቢሎን ኣብ መወዳእታ ‘ኵምራ ኣእማን’ ከም ዝዀነት ዝሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
20 ኢሳይያስ ባቢሎን ሰብ ዘይነብረላ ክሳዕ እትኸውን ብህይወት ኣይጸንሐን። ልክዕ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ግን: ባቢሎን ኣብ መወዳእታ ‘ኵምራ ኣእማን’ ኰነት። (ኤርምያስ 51:37) ብመሰረት እቲ (ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተወልደ) እብራዊ ምሁር: ጀሮም ዝበሎ: ኣብ ግዜኡ ባቢሎን “ዝዀነ ዓይነት ኣራዊት” ዝንቀሳቐሰላ ናይ ሃድን ቦታ ኰይና ነበረት: ክሳዕ እዚ ግዜ ድማ ባዲማ ኣላ። ንባቢሎን ናይ ቱሪስት መስሕብ ክትከውን ተባሂሉ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ምሕዳስ ንበጻሕቲ ይስሕቦም ይኸውን: እቲ ናይ ባቢሎን “ወድን ወዲ ወድን” ግን ንዘለኣለም ጠፊኡ ኢዩ።—ኢሳይያስ 14:22
21. እሙናት ነብያት ብዛዕባ መጻኢ ከይተጋገዩ ክንበዩ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
21 ነብዪ ኢሳይያስ ናይ ምሁራት ግምት ኣይኰነን ሂቡ። ወይ ድማ ንታሪኽ ትንቢት ከም ዝመስል ገይሩ እንደገና ኣይጸሓፎን። ኢሳይያስ ናይ ሓቂ ነብዪ ኢዩ ነይሩ። ኵሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ እሙናት ነብያት ድማ ከምኡ ኢዮም ነይሮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካልኦት ሰባት ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገር—ብዛዕባ መጻኢ ከይተጋገኻ ምንባይ—ክገብሩ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ። እቲ ትንቢታት ካብቲ ኣምላኽ ትንቢት ዝዀነ: ‘ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ዝነግር’ የሆዋ ዝመነጨ ኢዩ።—ኢሳይያስ 46:10
22. ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ባዕላቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክምርምርዎ ንምትብብዖም ክንጋደል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
22 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዝግብኦ መጽሓፍ ድዩ፧ ከምኡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና! ብዙሓት ሰባት ግን ከምዚ ዝበለ እምነት የብሎምን። ፈጺሞም ኣንቢቦምዎ ዘይፈልጡ እኳ እንተዀኑ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም። ነቲ ኣብ መእተዊ ናይታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ፕሮፌሰር ዘክሮ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማምዐ እሞ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቑ ድሕሪ ምምርማሩ ድማ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ በጽሐ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ተጠምቀ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ኣሎ! ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ባዕላቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክምርምሩ እሞ ብዛዕብኡ ድማ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ንምትብባዕ ንጋደል። ባዕላቶም እንተድኣ መርሚሮምዎ: እዚ ፍሉይ መጽሓፍ እዚ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ: ብሓቂ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ምዃኑ ከም ዝግንዘቡ ርግጸኛታት ኢና!
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጩ ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ ንምግላጽ ንሕጊ ሙሴ ብኸመይ ክትጥቀምሉ ምኸኣልካ፧
◻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ንዘመናዊ ናብራ ተግባራዊ ዝዀነ ግዜ ዘይሓጽሮ ስርዓታት እንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 13:19, 20 ዝርከብ ትንቢት ድሕሪ ምፍጻም ናይቲ ዅነታት ከም ዘይተጻሕፈ ከርኢ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት እንታይ ክገብሩ ኢና ከነተባብዖም ዘሎና: ስለምንታይከ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሙሴ ኣብቲ ግዜ ኣዝዩ ምዕቡል ዝነበረ ናይ ጽሬት ስርዓታት ኢዩ መዝጊቡ