“ትብዓት” ኣሎካዶ፧
ኣብ 235 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ትብዓት” ኢሉ ዚጽውዖ ነገር ኣለዎም። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ናይ ትግርኛ ትርጕም 1956 ኣብ ዚርከብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብዙሕ ሳዕ እያ እትርከብ። (ፊልጲ 1:20፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:13፣ እብራውያን 3:6፣ 1 ዮሃንስ 3:21) “ትብዓት” ንምንታይ የመልክት፧ ንኸነጥርዮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ እዚ ትብዓት እዚ ኣብ እንታይ መዳይ ናይ ምዝርራብ እዩኸ ኸይተሰከፍና ሓሳብና ንኽንገልጽ ዜኽእለና፧
ብመሰረት ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ አንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: እታ ኣብዚ “ትብዓት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ናይ ምዝራብ ናጽነት: ዘረባ ዘይምቝጣብ: . . . ብትብዓት ንምዝራብ ዘይምፍራህ፣ ናይ ግድን ምስ ዘረባ ንዘይተሓሓዝ ምትእምማን: ኣወንታዊ ድፍረት: ከምኡውን ትብዓት ተመልክት።” ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ብግሁድ ናይ ምዝራብ ባህሪ: ምስ ግዲ ዘይብሉ ምዃን ወይ ምስ ስድነት ኬደናግረና የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ “ዘረባኹም . . . ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ይብል። (ቈሎሴ 4:6) ትብዓት ኪበሃል ከሎ: ዜጨንቕ ኵነታት ወይ ፍርሂ ሰብ ንዘረባኻ ኺዓግቶ ኸይፈቐድካ: ብሜላ ምዝራብ ማለት እዩ።
ትብዓት እንወርሶ ነገር ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ እሞ ተመልከት። “ንኣይ: ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል: እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ: እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ” በለ። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ሳላ የሱስ ክርስቶስ “ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታውን ብእኡ አሎና” በለ። (ኤፌሶን 3:8-12) ስለዚ: ትብዓት እንወርሶ ነገር ዘይኰነስ: ካብቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ምሕዳር እተመስረተ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ ዚምንጭ። እምበኣር: ነዚ ትብዓት እዚ ንኸነጥሪ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ ምዃኑ: ከምኡውን ክንሰብኽን ክንምህርን ክንጽልን ከለና ብኸመይ ከም እነንጸባርቖ እስከ ንርአ።
ብትብዓት ንኽንሰብኽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
የሱስ ክርስቶስ ብትብዓት ብምዝራብ ዝመጸ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ኣብነት እዩ። ካብ ቅንኣቱ እተላዕለ ንኺሰብኽ ዚረኽቦ ኣጋጣሚታት ይጥቀመሉ ነበረ። ኣብ ዜዕርፈሉ: ኣብ መኣዲ ኣብ ዚቕመጠሉ: ወይ ኣብ መገዲ ኣብ ዚጐዓዘሉ እዋን: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራብ ዚረኽቦ ኣጋጣሚ ኣየሕልፎን እዩ ነይሩ። ላግጺ ዀነ ቐጥታዊ ምጽራር ንየሱስ ኣየፍረሆን: ስቕ እውን ኣየበሎን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ኣቃልዖም። (ማቴዎስ 23:13-36) ምስ ተታሕዘን ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረበን እውን: ከይፈርሀ ተዛረበ።—ዮሃንስ 18:6, 19, 20, 37
ሃዋርያት የሱስ ተመሳሳሊ ብግሁድ ናይ ምዝራብ ባህሪ ኣማዕበሉ። ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ልዕሊ 3,000 ዝዀኑ እኩባት ሰባት ብትብዓት ተዛረበ። እቲ ዜገርም ከኣ: ቅድሚ እተወሰነ እዋን ሓንቲ ገረድ ምስ ኣለለየቶ ፈሪሁ ነይሩ። (ማርቆስ 14:66-71፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:14, 29, 41) ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ቀረቡ: ኣይረዓዱን። ብዛዕባ እቲ ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ: ከይተወላወሉ ብትብዓት መስከሩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ኼለልይዎም ዝኸኣሉ በቲ ትብዓቶም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:5-13) ብትብዓት ንኺዛረቡ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧
የሱስ ንሃዋርያቱ “ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ: እንታይ ከም እትዛረቡ: በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ: ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር: ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ” ብምባል ተመባጽዓሎም። (ማቴዎስ 10:19, 20) መንፈስ ቅዱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦትን ነቲ ብናጻ ንኸይዛረቡ ዕንቅፋት ዝዀኖም ሕፍረት ኰነ ፍርሂ ንኺዋጽኡሉ ሓገዞም። ብተመሳሳሊውን: እቲ መንፈስ እቲ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።
ብዘይካዚ: የሱስ ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ንኺገብሩ መዝነት ሃቦም። ንሱ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ስለ እተዋህቦ: ከምዚ ምግባሩ ግቡእ እዩ ነይሩ። ‘ምሳታቶም ድማ እዩ።’ (ማቴዎስ 28:18-20) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ደገፍ የሱስ ከም ዚረኽቡ ምፍላጦም: ነቶም ንስብከቶም ደው ኬብሉ ቘሪጾም እተላዕሉ ሰበ-ስልጣን ብምትእምማን ንኺጋጠምዎም ኣኽኣሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20፣ 5:28, 29) ንሕናውን ነዚ ምፍላጥና: ተመሳሳሊ ስምዒት ኬሕድረልና ይኽእል እዩ።
ጳውሎስ ብግህዶ ንምዝራብ ዚኸውን ካልእ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ: ንተስፋ ምስ “ብዙሕ ትብዓት” ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 3:12፣ ፊልጲ 1:20) እቲ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ክርስትያናት ንበይኖም ሒዞምዎ ኺነብሩ ስለ ዘይክእሉ: ንኻልኦት ብዛዕባኡ ኺነግሩ ኣለዎም። እወ: ተስፋና ብትብዓት ንኽንዛረብ ይድርኸና እዩ።—እብራውያን 3:6
ብትብዓት ምስባኽ
ኣብ ዜፍርህ ኵነታት ብኸመይ ኢና ብትብዓት ክንሰብኽ እንኽእል፧ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ እሞ ንርአ። ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ: ‘ኣፉ ምስ ከፈተ: ንኺነግር ቃል ኪውሃቦ: ከም ዚግብኦ ዀይኑውን ንምዝራብ ኪተብዕ’ ንኺጽልዩሉ ሓተቶም። (ኤፌሶን 6:19, 20) እቲ ዝጸለዩሉ ጸሎት ተመሊሱዶ፧ እወ! ጳውሎስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: “ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ: . . . ይምህር ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 28:30, 31
ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ክትጐዓዝ ከለኻ ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ተጠቒምካ ምስክርነት ምሃብ: ንትብዓትና ኺፍትኖ ይኽእል እዩ። ሕንኪ: እንታይ ኰን ይብሉኒ ዚብልዎ ፍርሂ: ወይ ኣብ ክእለትና ዘይምትእምማንና ስቕ ከም እንብል ኪገብረና ይኽእል እዩ። ኣብዚውን ሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። “ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰሎንቄ 2:2) ጳውሎስ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከለ: ነቲ ብውልቁ ኺገብሮ ዘይክእሎ ነገር ገበረ።
ሸሪ እትበሃል ሓብቲ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት እትህበሉ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበት ንኽትጥቀመሉ ዝሓገዛ ጸሎት እዩ። ሓደ መዓልቲ ንሰብኣያ እናተጸበየቶ ኸላ: ካልእ ሰበይቲ እውን ክትጽበ ኸላ ረኣየት። ሸሪ “ኣዝየ ስለ ዝፈራህኩ: ትብዓት ኪህበኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ” በለት። ነታ ሰበይቲ ኽትቀርባ ኸላ: ሓደ ኣገልጋሊ ባፕቲስት መጸ። ሸሪ ቐሺ ኺመጽእ ኣይተጸበየትን ነይራ። ኰይኑ ግን: እንደገና ጸለየት: ምስክርነት ክትህብ ድማ ከኣለት። ነታ ሰበይቲ ጽሑፍ ኣበርከተትላ: ተመሊሳ ንኽትበጽሓ ድማ ምድላዋት ገበራ። ምስክርነት እንህበሉ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና ምስ እንጥቀመሉ: ኣብ የሆዋ ምጽጋዕና ተባዓት ንኽንከውን ከም ዚሕግዘና ንተኣማመን ኢና።
ክትምህር ከለኻ
ትብዓት ምስ ምምሃር ኣጸቢቑ ይተሓሓዝ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ’ ሰብኡት: “ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 3:13) ነቲ ንኻልኦት ዚምህርዎ ኣብ ህይወቶም ብምዕያይ: ትብዓት ይረኽቡ እዮም። ከምዚ ምግባሮም ንጉባኤታት የዕቍበንን የበርትዐንን እዩ።
በዚ ኸምዚ ትብዓት ምስ ዚህልወና: እንህቦ ምኽሪ ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን: ሰባት እውን ይስዕብዎ። ሰማዕትና ብሕማቕ ኣብነት ኣብ ክንዲ ዚርበሹ: ነቲ ዚመሃርዎ ብግብሪ ኺውዕል ከሎ ብምርኣይ ይተባብዑ። እዚ ትብዓት እዚ ኸኣ ነቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም: ጸገም ሓዎም ከይገደደ ኸሎ ‘ንኬቕንዕዎ’ ይሕግዞም። (ገላትያ 6:1) ብኣንጻሩ ግን: ሓደ ሕማቕ ኣብነት ዚሓድግ ሰብ ንኺዛረብ መሰል ከም ዘይብሉ ስለ ዚስምዖ: ንኺዛረብ ይፈርህ ይኸውን። ዜድሊ ምኽሪ ኻብ ምሃብ ምድንጓይ ከኣ: ዝኸፍአ ሕማቕ ሳዕቤን የፍሪ።
ብትብዓት ንዛረብ ኪበሃል ከሎ: ነቐፍቲ: ድርቕ ዝበልና: ወይ ዝበልናዮ ይኹን እንብል ምዃን ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ንፊልሞን “ምእንቲ ፍቕሪ” ኢሉ እዩ ለሚንዎ። (ፊልሞን 8, 9) እቲ ሃዋርያ እተዛረቦ ቓላት ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዝረኸበ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ: ሓደ ሽማግለ ንዚህቦ ማዕዳ ደራኺ ሓይሊ ኸም ዚህልዎ እትገብር ፍቕሪ ኽትከውን ኣለዋ!
ትብዓት: ምኽሪ ኣብ ዚወሃበሉ እዋን ኣድላዪ እዩ። ኣብ ካልእ እዋናት እውን ኣገዳሲ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ናብ ዝነበረት ጉባኤ: “ኣባኻትኩም ብዙሕ ትብዓት አሎኒ: ትምክሕተይ ብኣኻትኩም ዓብዪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 7:4) ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ኣብ ዚግብኦም እዋን ማዕዳ ኻብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን። ጕድለቶም እኳ ይፈልጥ እንተ ነበረ: ፍቕሪ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያት እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ንኼተኵር ደረኸቶ። ብተመሳሳሊውን: ሽማግለታት ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ኣብዚሖም ምስ ዚንእድዎምን ምስ ዜተባብዕዎምን: ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ትህነጽ።
ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ኣመሃህራኦም ንፉዓት ምእንቲ ኪዀኑ: ትብዓት ኪህልዎም ኣለዎ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሸሪ: ንደቃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኺምስክሩ ኸተተባብዖም ደለየት። ዝነበራ ሽግር ግን ከምዚ ብምባል ተኣመነት:- “ኣብ ሓቂ እኳ እንተ ዓበኹ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳሕቲ እየ ዝምስክር ነይረ። ንእግረ-መገደይ ከኣ ዳርጋ ኣይምስክርን እየ። ስለዚ: ንርእሰይ ‘ንደቀይ እንታይ ዓይነት ኣብነት እየ ዝሓድገሎም ዘለኹ፧’ ኢለ ሓተትኩ።” እዚ ንሸሪ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ብዝያዳ ንኽትጽዕር ደረኻ።
እወ: ካልኦት ሰባት ተግባራትና ይዕዘቡ: ነቲ እንምህሮ ዘይንገብሮ እንተ ዄንና እውን የስተብህሉ እዮም። እምበኣር: ግብርና ምስ ቃላትና ንኸነሰማምዕ ብምጽዓር: ትብዓት ነጥሪ።
ኣብ ጸሎት
ብፍላይ ኣብቲ ንየሆዋ እንጽልዮ ጸሎት: ትብዓት የድልየና እዩ። የሆዋ ኸም ዚሰምዓናን ንጸሎትና ኸም ዚምልሰልናን ብምትእምማን: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸይተሰከፍና ልብና ኸነፍስስ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ በቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ምዉቕ ናይ ማሕርሮ ርክብ ባህ ይብለና። እነገድስ ኣይኰንናን ካብ ዚብል ሓሳብ: ንየሆዋ ኻብ ምቕራብ ከነድሓርሕር የብልናን። ብዘሎና ጕድለት ወይ ብዝገበርናዮ ሓጢኣት ዚስምዓና ናይ ገበን ስምዒት: ሓሳባትና ኻብ ልብና ንኸይንገልጽ ዚዓግተና እንተ ዀይኑኸ፧ ነቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ኸይተሰከፍና ኽንቀርቦ ንኽእልዶ፧
የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዘለዎ ኽብ ዝበለ ቦታ: ብምትእምማን ንኽንጽሊ ተወሳኺ መሰረት ይዀነና እዩ። ኣብ እብራውያን 4:15, 16: “ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ: ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር: ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን . . . ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ: ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ” ዚብል ነንብብ። ሞት የሱስን ከም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዚፍጽሞ ዕዮን ከምዚ ዝኣመሰለ ዋጋ እዩ ዘለዎ።
ንየሆዋ ኽንእዘዞ ኻብ ልብና እንተ ጽዒርና: ብጽቡቕ ከም ዚሰምዓና ኽንጽበ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ: “ኣቱም ፍቁራተይ: ልብና እንተ ዘይነቐፈና: ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና: ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 3:21, 22
ንየሆዋ ኸይተቐየድና ብጸሎት ንቐርቦ ኺበሃል ከሎ: ዝዀነ ይኹን ነገር ክንነግሮ ንኽእል ኢና ማለት እዩ። ንጸሎትና ጸማም እዝኒ ኸም ዘይህቦ ብምትእምማን: ዝዀነ ይኹን ዜፍርሃና: ዜተሓሳስባና: ዜጨንቐና: ወይ ዜሻቕለና ነገር: ንየሆዋ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። ዋላ እውን ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና እሞ ናይ ብሓቂ እንተ ተነሲሕና: ናይ ገበን ስምዒት ንጸሎትና ኺዓግቶ የብሉን።
እቲ ዘይንበቕዖ ውህበት ትብዓት ብሓቂ ኽቡር እዩ። ብእኡ ኣቢልና ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ንጥፈታትና ንኣምላኽ ክብሪ ኽንህቦ: ከምኡውን ብጸሎት ብዝያዳ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና። እምበኣርሲ: ‘ነቲ ብዙሕ ዓስቢ:’ እወ: ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ‘ዘለዎ ትብዓትና ኣይንደርብዮ።’—እብራውያን 10:35
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ሃዋርያ ጳውሎስ ብትብዓት ተዛረበ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ብኣስላጢ መገዲ ንምምሃር ትብዓት የድሊ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ትብዓት ንጸሎት ኣድላዪ እዩ