ክትጽሊ ከሎኻ እሙናት ኣእዳው ኣልዕል
“ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት [“እሙናት: ” NW ] ኣእዳው ኣልዒሎም: ኣብ ኵሉ ስፍራ ኺጽልዩ: እደሊ አሎኹ።”—1 ጢሞቴዎስ 2:8
1, 2. (ሀ) ኣብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝምልከት ጸሎት 1 ጢሞቴዎስ 2:8 ክትውዕል እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንምርምር፧
የሆዋ ህዝቡ ንዕኡን ንሓድሕዶምን እሙናት ክዀኑ ኢዩ ትጽቢት ዝገብር። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት [“እሙናት:” NW ] ኣእዳው ኣልዒሎም: ኣብ ኵሉ ስፍራ ኺጽልዩ: እደሊ አሎኹ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ እሙን ምዃን ምስ ጸሎት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:8) ጳውሎስ “ኣብ ኵሉ” እቲ ክርስትያናት ዝእከቡሉ “ስፍራ” ክብል ከሎ: ንህዝቢ ወኪልካ ዝግበር ጸሎት ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንህዝቢ ኣምላኽ ብጸሎት ዝውክልዎም መን ኢዮም፧ እቶም ንዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታታት ዝሕልዉ ቅዱሳት: ጻድቃን: ከምኡውን ኣምልኾ ዘለዎም ሰባት ኢዮም። (መክብብ 12:13, 14) ብመንፈሳውን ስነ-ምግባራውን መገዲ ንጹሃት ክዀኑ ከም ዘለዎም ከምኡውን ንየሆዋ ኣምላኽ እተወፈዩ ክዀኑ ከም ዘለዎም ኣየጠራጥርን ኢዩ።
2 ብፍላይ ሽማግለታት ጉባኤ ‘እሙናት ኣእዳው ብጸሎት ከልዕሉ’ ይግብኦም። እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ዘቕርብዎ ልባዊ ጸሎት ንኣምላኽ ተኣማንነት ከም ዘለዎም ዘርእን ውልውል ከምኡውን ኵራ ንኸወግዱ ዝሕግዞምን ኢዩ። ብርግጽ እቲ ንክርስትያን ጉባኤ ወኪሉ ንኽጽሊ መሰል ዝረክብ ሰብ ቍጥዓ ዘይብሉ: ናይ ጽልኢ መንፈስ ዘይብሉ ከምኡውን ንየሆዋን ንማሕበሩን እሙን ክኸውን ይግባእ። (ያእቆብ 1:19, 20) ነቶም ኣብ ክንዲ ካልኦት ኰይኖም ጸሎት ከቕርቡ መሰል ዝረኽቡ ሰባት እንታይ ተወሳኺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ኢዩ ዘሎ፧ ገለ ካብቲ ኣብ ናይ ብሕትናን ኣብ ናይ ስድራቤትናን ጸሎት ከነውዕሎ ዝግብኣና ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንታይ ኢዩ፧
ንጸሎት ኣቐዲምካ ሕሰበሉ
3, 4. (ሀ) እቲ ንህዝቢ ወኪልካ ዝግበር ጸሎት ኣቐዲምካ ክሕሰበሉ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ንውሓት ጸሎት እንታይ የመልክት፧
3 ንህዝቢ ወኪልና ክንጽሊ እንተድኣ ተሓቲትና: እንተ ወሓደ ነቲ ጸሎትና ኣቐዲምና ክንሓስበሉ ከም እንኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ነዊሕን ዓጀውጀው ዝመልኦ ጸሎትን ከይገበርና: ግቡእ ዝዀነ ኣድላዪ ጕዳያት ንኽንሽፍን ክሕግዘና ኢዩ። ርግጽ ኢዩ እቲ ብብሕትና እነቕርቦ ጸሎት ዓው ብዝበለ ድምጺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዘይተወሰነ ንውሓት ዘለዎ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ቅድሚ ምምራጹ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ኢዩ ሓዲሩ። ይኹን እምበር: ናይ ዝኽሪ ሞቱ በዓል ክሰርዕ ከሎ: ነቲ እንጌራን ነቲ ወይንን ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ጸሎት ሓጺር ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። (ማርቆስ 14:22-24፣ ሉቃስ 6:12-16) እቲ ናይ የሱስ ሓጺር ጸሎት እውን ከይተረፈ ብኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና።
4 ቅድሚ መግቢ ንሓንቲ ስድራቤት ወኪልና ክንጽሊ መሰል ንረክብ ንኸውን። ከምዚ ዝበለ ጸሎት ሓጺር ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ዝተባህለ ይበሃል ግን ነቲ መግቢ ዝምልከት ናይ ምስጋና መግለጺ ዘጠቓለለ ክኸውን ይግባእ። ክርስትያናዊ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ወይ ድሕሪ ምውድኡ ንህዝቢ ወኪልና ንጽሊ እንተድኣ ኣሊና: ብዙሕ ነጥብታት ዝሽፍን ነዊሕ ጸሎት ከነቕርብ ኣየድልየናን ኢዩ። የሱስ ነቶም ‘ንምኽንያት ጸሎት ዘንውሑ’ ጸሓፍቲ ወቒስዎም ኢዩ። (ሉቃስ 20:46, 47) ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ከምኡ ክገብር ፈጺሙ ኣይደልን ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን ነዊሕ ህዝባዊ ጸሎት ግቡእ ይኸውን ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ኣብ ኣሰምብሊ ናይ መዕጸዊ ጸሎት ንኸቕርብ እተሓተ ሽማግለ ኣቐዲሙ ክሓስበሉ ይግብኦ: ምናልባት እውን ብዙሕ ነጥብታት ክጠቅስ ይደሊ ይኸውን። እንተዀነ ግን: እዚ ከምዚ ዝበለ ጸሎት እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ነዊሕ ክኸውን ኣይግባእን ኢዩ።
ንኣምላኽ ብኣኽብሮት ቅረቦ
5. (ሀ) ንህዝቢ ወኪልና ክንጽሊ ከሎና ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዝግባእ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ንህዝቢ ወኪልና ክንጽሊ ከሎና ናብ ሰባት ንቐርብ ከም ዘየለና ክንዝክር ይግብኣና። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ እንልምን ሓጢኣተኛታት ፍጥረታት ኢና። (መዝሙር 8:3-5, 9፣ 73:28) ስለዚ እምብኣር: በቲ እንብሎን በቲ ኣበሃህላናን ከይነጕህዮ ኣኽብሮት ዘለዎ ፍርሂ ከነርኢ ይግብኣና። (ምሳሌ 1:7) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት “ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ: ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 5:7) ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ እንተድኣ ኣልዩና: ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንጽሊ ድማ እንተድኣ ተሓቲትና ብኸመይ ኢና እንጽሊ፧ ንሓደ ሰብኣዊ ንጉስ ንዛረብ እንተድኣ ኣሊና ብኣኽብሮት ኢና እንዛረቦ። ናብቲ “ንጉስ ኣህዛብ” ዝዀነ የሆዋ እነቕርቦ ጸሎትከ ድኣ ዝያዳ ኣኽብሮት ዘለዎ ክኸውን ኣይግባእንዶ፧ (ራእይ 15:3) ስለዚ ክንጽሊ ከሎና “የሆዋ ከመይ ሓዲርካ:” “ምዉቕ ሰላምታና ይብጻሕካ” ወይ “ደሓን ወዓል” ዝብል ኣዘራርባታት ነወግድ ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ: ነቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ፈጺሙ በዚ መገዲ እዚ ቀሪብዎ ከም ዘይፈልጥ የርእየና።
6. ‘ናብቲ ዝፋን ጸጋ ክንቀርብ’ ከሎና ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዝግባእ እንታይ ኢዩ፧
6 ጳውሎስ “ብትብዓት [“ናጻ ዄንና ብምዝራብ:” NW ] ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ” በለ። (እብራውያን 4:16) ሓጥእ ኵነታት እኳ እንተሃለወና: ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ስለ እንኣምን ንየሆዋ “ናጻ ዄንና ብምዝራብ” ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42, 43፣ 20:20, 21) ይኹን እምበር: ‘ናጻ ዄንካ ምዝራብ’ ማለት ምስ ኣምላኽ ንዋዘ ኣሎና ማለት ኣይኰነን፣ ወይ ኣኽብሮት ዘይብሉ ነገራት ክንዛረቦ ኣይግባእን ኢዩ። እቲ ንህዝቢ ወኪልና እነቕርቦ ጸሎት: ንየሆዋ ባህ ዘብል ምእንቲ ኽኸውን ብግቡእ ኣኽብሮት ክቐርብ ኣለዎ: ከምኡውን ምልክታታት ንምንጋር: ወይ ውልቀ-ሰባት ንምምዓድ: ወይ ነቲ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝቢ ንምግሳጽ ተባሂሉ ክቐርብ ግቡእ ኣይኰነን።
ብትሑት ልቢ ጸሊ
7. ሰሎሞን ኣብ ምውፋይ ቤት መቕደስ የሆዋ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ንህዝቢ ወኪልና ወይ ብብሕትና ንጸሊ ብዘየገድስ: ኣብ ጸሎትና ናይ ትሕትና ኣመለኻኽታ ከነንጸባርቕ ዝግብኣና ምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዘሎና ኣገዳሲ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 7:13, 14) ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ የሆዋ ክውፊ ኸሎ: ኣብቲ ንህዝቢ ወኪሉ ዘቕረቦ ጸሎት ትሕትና ኣርእዩ ኢዩ። ሰሎሞን ሓደ ካብቲ ኣብ ምድሪ እተሃንጸ ኣዝዩ ዘደንቕ ህንጻታት ሰሪሑ ምስ ወድአ ኢዩ ነቲ ጸሎት ዘቕረቦ። እንተዀነ ግን ብትሕትና “ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፧ እንሆ: ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን: እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ፧” ኢሉ ጸለየ።—1 ነገስት 8:27
8. ንህዝቢ ወኪልካ ክትጽሊ ከሎኻ ትሕትና ከተርእየሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
8 ንኻልኦት ወኪልና ክንጽሊ ከሎና ከም ሰሎሞን ትሑታት ክንከውን ይግብኣና። ናይ ግብዝና ጽድቂ ከነወግድ ዝግብኣና እኳ እንተዀነ: ብናይ ድምጽና ቃና ትሕትና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ትሕትና ዘለዎ ጸሎት ናይ ርኣዩለይ ወይ ኣምስሉ ኣይኰነን። ናብቲ ዝጽሊ ዘሎ ሰብ ዘይኰነስ ናብቲ ብጸሎት ዝቕረብ ዘሎ ኣምላኽ ቈላሕታ ከም እትገብር ኢዩ ዝገብር። (ማቴዎስ 6:5) ትሕትና በቲ ክንጽሊ ከሎና እንብሎ ነገራት እውን ይግለጽ ኢዩ። ብትሕትና ንጽሊ እንተድኣ ዄንና: ኣምላኽ ንገለ ነገራት ከምቲ ንሕና እንደልዮ ገይሩ ክፍጽመልና ከም እንደሊ ኣምሲልና ኣይነቕርቦን ኢና። ኣብ ክንድኡስ የሆዋ ምስቲ ቅዱስ ፍቓዱ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ገይሩ ተግባራቱ ክፍጽም ክንልምኖ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣድሕን ኰታ: ኣታ እግዚኣብሄር: ኣሰልጥን ኰታ” ኢሉ ክልምን ከሎ ናይ ግቡእ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ኣብነት ኣቕሪቡ ኢዩ።—መዝሙር 118:25፣ ሉቃስ 18:9-14
ካብ ልቢ ጸሊ
9. ኣብ ማቴዎስ 6:7 እንታይ ብየሱስ እተዋህበ ሰናይ ዝዀነ ምኽሪ ኢዩ ዘሎ: ብኸመይከ ኢዩ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝኽእል፧
9 እቲ ንህዝቢ ወኪልናን ብብሕትናን እነቕርቦ ጸሎት: ንየሆዋ ባህ ከብሎ እንተድኣ ዀይኑ: ካብ ልቢ ዝነቐለ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ንብሎ ዘሎና ከይሓሰብና ንሓደ ዘጽናዕናዮ ጸሎት ኣይክንደጋግምን ኢና። የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ [ብጌጋ] ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ” ብምባል መዓደ። ብኻልእ ኣዘራርባ የሱስ “ዓጀውጀው ኣይትበሉ፣ ትርጕም ዘይብሉ ምድግጋም ኣይትግበሩ” በለ።—ማቴዎስ 6:7 NW እግረ ጽሑፍ።
10. ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ምጽላይ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ርግጽ ኢዩ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ደጋጊምና ክንጽሊ ንደሊ ንኸውን። እዚ ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ የሱስ ከምዚ ብምባል ተላብዩ ኢዩ:- “ለምኑ: ይውሀበኩም። ድለዩ: ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ: ይኽፈተልኩም እዩ።” (ማቴዎስ 7:7) ምናልባት የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ዕዉት ከም ዝኸውን ስለ ዝገበሮ: ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ የድሊ ይኸውን። (ኢሳይያስ 60:22) ንብሕትና ወይ ኣብ ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋ ንኻልኦት ወኪልና ክንጽሊ ከሎና: ነዚ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ክንጠቅስ ግቡእ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ‘ትርጕም ዘይብሉ ምድግጋም’ ንገብር ኣሎና ማለት ኣይኰነን።
ምምስጋንን ውዳሰን ኣይትረስዕ
11. ፊልጲ 4:6, 7 ብብሕትኻን ንሰብ ወኪልካን ክትጸሊ ከሎኻ ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧
11 ብዙሓት ሰባት ገለ ነገር ክሓቱ ክደልዩ ከለዉ ጥራይ ኢዮም ዝጽልዩ: እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ግን ንብሕትና ይኹን ንህዝቢ ወኪልና ክንጽሊ ከሎና ንኸነመስግኖን ንኽንውድሶን ክደፋፍኣና ይግባእ። ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:6, 7) እወ: ኣብ ልዕሊ ጸሎትን ልመናን: ንየሆዋ በቲ ዝህበና መንፈሳውን ስጋውን በረኸታት እውን ከነመስግኖ ይግብኣና። (ምሳሌ 10:22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ክጽሊ ኸሎ “መስዋእቲ ምስጋና ንኣምላኽ ሰውኡሉ: መብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 50:14) እቲ ዳዊት ብዜማ ዘቕረቦ ጸሎት ከኣ “ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ: ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ” ዝብል ልቢ ዝትንክፍ ቃላት ዘጠቓለለ ኢዩ። (መዝሙር 69:30) ኣብቲ ምስ ሰብን ብብሕትናን እነቕርቦ ጸሎት ከምዚ ክንገብር ኣይግብኣናንዶ፧
12. ሎሚ መዝሙር 100:4, 5 ኣብ ተግባር እትውዕል ብኸመይ ኢያ: ስለዚ ንኣምላኽ ከነመስግነሉን ክንውድሰሉን እንኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧
12 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና: ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ: ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ: ጸጋኡ ንዘለኣለም: እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” (መዝሙር 100:4, 5) ሎሚ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ኣብ ኣጸድ ቤት መቕደስ የሆዋ ይኣትዉ ኣለዉ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንየሆዋ ክንውድሶን ከነመስግኖን ንኽእል ኢና። ንኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናይ ጉባኤኻ ኣደራሽ መንግስቲ ምስጋናኻ ትገልጸሉዶ: ምስቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ኣብኡ ስርዓታዊ ዄንካ ብምእካብከ ሞሳኻ ተርኢዶ፧ ኣብኡ ዄንካ ብናይ ውዳሴን ምስጋናን መዝሙር ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ድምጽኻ ዓው ኣቢልካ ትዝምርዶ፧
ንኽትጽሊ ፈጺምካ ኣይትሕፈር
13. በደል ስለ ዝፈጸምና ዘይንበቅዕ ኰይኑ ክስምዓና ከሎ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ክንልምን ከም ዝግብኣና ዘርኢ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኢዩ፧
13 ብምኽንያት ዝገበርናዮ ገበን ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰምዓና እውን ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ይግብኣና። ኣይሁድ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ምስ ሓጥኡ: እዝራ ተምበርኪኹ እሙናት ኣእዳዉ ናብ ኣምላኽ ዘርጊሑ ብትሕትና ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ዎ ኣምላኸይ: በደልና ኽሳዕ ልዕሊ ርእስና በዚሑ: ዓመጻና ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ዐብዩ እዩ እሞ: ዎ ኣምላኸይ: ገጸይ ናባኻ ኸየልዕልሲ የሕፍረንን የፍርሃንን። ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓብዪ ዓመጻ አሎና . . . ድሕሪ እቲ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ እቲ ዓብዪ ዓመጽናን ዝረኸበና ዅሉ ነገር: ንስኻ ድማ: ዎ ኣምላኽና: ከም በደልና ኻብ ዘይቀዘፍካና: ከምዚ ዝበለ ተረፍ ከኣ ዝሀብካናስ መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኣፍሪስና ምስ እዞም ጽያፍ ዚገብሩ ኣህዛብ ክንዋሰብ ኢና፧ ዚተርፍን ዚመልቝን ዜልቦ ኽሳዕ እንውዳእዶ እዩ ቝጥዓኻ ኣብ ልዕሌና ኣይምነደደን፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል: ንስኻ ጻድቕ ኢኻ: ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኰይንዎ ዘሎ: ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኔና: ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዐመጽና: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል የልቦን።”—እዝራ 9:1-15፣ ዘዳግም 7:3, 4
14. ከምቲ ኣብ መዓልትታት እዝራ እተራእየ: ምሕረት ኣምላኽ ንምርካብ እንታይ የድሊ፧
14 ካብ ኣምላኽ ምሕረት ንኽንረክብ: እቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ናይ ምንዛዝ ጸሎት ጸጸት ከምኡውን “ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ” ዘጣመረ ክኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 3:8፣ እዮብ 42:1-6፣ ኢሳይያስ 66:2) ኣብ መዓልትታት እዝራ እቲ ህዝቢ ዝነበሮ ናይ ነስሓ ኣመለኻኽታ: ጓኖት ኣንስቲ ብምስጓጕ ጌጋ ንምእራም ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ ኢዩ። (እዝራ 10:44፣ ምስ 2 ቈረንቶስ 7:8-13 ኣረኣእዮ።) ብዝፈጸምናዮ ከቢድ ሓጢኣት ምሕረት ኣምላኽ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ትሕትና ብዘለዎ ጸሎት ንናዘዝ: ንነስሓ ዝበቅዕ ፍረ ኸኣ ነርኢ። ናይ ነስሓ መንፈስን ነቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋ ንምእራም ዘሎና ባህግን መንፈሳዊ ሓገዝ ናይ ክርስትያን ሽማግለታት ንኽንደሊ ክደፋፍኣና ኢዩ።—ያእቆብ 5:13-15
ካብ ጸሎት ምጽንናዕ ርኸብ
15. ናይ ሃና ተመክሮ: ብጸሎት ምጽንናዕ ክንረክብ ከም እንኽእል ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ልብና ብገለ ምኽንያት ይሳቐ እንተድኣ ኣልዩ: ብጸሎት ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 51:17፣ ምሳሌ 15:13) እታ እምንቲ ዝነበረት ሃና ተጸናኒዓ ኢያ። ኣብቲ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ቈልዑ ምውላድ ልሙድ ዝነበረሉ ግዜ ኢያ ትነብር ነይራ: ንሳ ግን ውሉድ ኣይነበራን። በዓል ቤታ ኤልቃና ካብታ ንሃና መኻን ብምዃና ተላግጸላ ዝነበረት ጵኒና እትብሃል ካልአይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ኣወዳትን ኣዋልድን ነበርዎ። ሃና ልባዊ ጸሎት ኣቕረበት: ወዲ እንተ ወሊዳ ኸኣ ‘ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር ክትውፍዮ’ ምዃና ተመባጽዐት። በቲ ዘቕረበቶ ጸሎትን በቲ ሊቀ ኻህናት ኤሊ እተዛረባ ቃላትን ስለ እተጸናንዐት ከኣ ሃና ካብ ሽዑ “ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።” ወዲ ወለደት ሳሙኤል ኢላ ኸኣ ጸውዓቶ። ጸኒሓ ኸኣ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ንኸገልግል ወፈየቶ። (1 ሳሙኤል 1:9-28) ነቲ ኣምላኽ ዘርኣያ ሕያውነት ስለ ዘማሰወትሉ ኸኣ የሆዋ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ምስጋና ጸሎት ኣቕረበት። (1 ሳሙኤል 2:1-10) ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ምስ ፍቓዱ ዝሰማማዕ ጸሎት ከም ዝሰምዖ ብምትእምማን ንሕና እውን ከም ሃና ካብ ጸሎት ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ልብና ከነፍስሰሉ ኸሎና ‘ጕሁያት መሲልና ኣይንርአ’ ከመይሲ ጾርና ከልግሰልና ወይ ንኽንስከሞ ከኽእለና ኢዩ።—መዝሙር 55:22
16. ከምቲ ኣብ ናይ ያእቆብ ኵነታት ዝበርሀ: ክንፈርህ ወይ ክንጭነቕ ከሎና ክንጽሊ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ሓደ ኵነታት ፍርሂ: ጓሂ: ወይ ጭንቀት ዝፈጥረልና እንተድኣ ዀይኑ: ኣምላኽ ከጸናንዓና ካብ ምጽላይ ኣይንስነፍ። (መዝሙር 55:1-4) ያእቆብን ኤሳው ሓዉን ብጽልኢ ተረሓሒቖም ኢዮም ነይሮም: እቲ ዝራኸቡሉ ግዜ ምስ ቀረበ ኸኣ ያእቆብ ፈሪሁ ኢዩ። ያእቆብ ከምዚ ብምባል ጸለየ:- “ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን: ዎ እግዚኣብሄር: ናብ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ: ጽቡቕ ክገብረልካ እየ: ዝበልካኒ: እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ: ሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ዀይነ አሎኹ። መጺኡ: ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ: እፈርሆ አሎኹ እሞ: በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ: ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ። ንስኻ ድማ: ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ: ንዘርእኻውን ካብ ብዝሑ እተላዕለ ኪቝጸር ዘይከአል: ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ: ኢልካ አሎኻ።” (ዘፍጥረት 32:9-12) ኤሳው ንያእቆብ ይኹን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኣየጥቅዖምን። በዚ ኸምዚ የሆዋ በታ መዓልቲ እቲኣ ንያእቆብ ‘ጽቡቕ ገበረሉ።’
17. ምስ መዝሙር 119:52 ብምስምማዕ ብርቱዕ ፈተና ከጋጥመና ኸሎ ጸሎት ከጸናንዓና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
17 ክንጽሊ ኸሎና ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝበሃል ነገራት ብምዝካር ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ብሙዚቃ እተሰነየ ባህ ዘብል ጸሎት ዝሓዘ ዝነውሐ ክፍሊ ናይ መዝሙር እቲ “ጐይታየ: ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ: እጸናናዕ አሎኹ” ኢሉ ዝዘመረ ምናልባት መስፍን ህዝቅያስ ኢዩ ዝኸውን። (መዝሙር 119:52) ብርቱዕ ፈተና ክወርደና ኸሎ ብትሕትና ጸሎት ምግባርና: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ነሐጕሶ ከም ዘሎና ብምርግጋጽ ምጽንናዕ ዘምጽኣልና መገዲ ንኽንሕዝ ክሕግዘና ዝኽእል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ወይ ሕጊ ከዘክረና ይኽእል ኢዩ።
እቶም እሙናት ሰባት ጸሎት የዘውትሩ
18. ‘እሙን ዘበለ ዅሉ ናብ ኣምላኽ ይልምን’ ክብሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ‘ጸሎት የዘውትሩ’ ኢዮም። (ሮሜ 12:12) ኣብታ ዳዊት ምስ ባትሴባ ድሕሪ ምሕጥኡ ተዳልያ ክትከውን እትኽእል መበል 32 መዝሙር: ዳዊት ብዛዕባ እቲ ምሕረት ብዘይ ምድላዩ እተሳቐዮን: ናብ ኣምላኽ ብምንስሑን ብምንዛዙን ዝረኸቦ እፎይታን ኢዩ ገሊጹ ዘሎ። ብድሕርዚ ዳዊት “ስለዚ [ናይ የሆዋ ምሕረት ነቶም ናይ ሓቂ ተናሳሕቲ ድሉው ስለ ዝዀነ] ደጊ [“እሙን” NW ] ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ” ብምባል ዘመረ።—መዝሙር 32:6
19. እሙናት ኣእዳው ብጸሎት ከነልዕል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ክቡር ገይርና ንርእዮ እንተድኣ ዄንና: ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ምሕረት ክንረክብ ክንጽሊ ኢና። ምሕረትን እዋናዊ ሓገዝን ንምርካብ ናጻ ዄንና ብምዝራብ ናብ ዝፋን እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ክንቀርብ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 4:16) ንምጽላይ ግን ብዙሕ ምኽንያታት ኢዩ ዘሎ! ስለዚ እምብኣር ናብ ኣምላኽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ውዳሰን ምስጋናን ጌርና ‘ከየባተኽና ንጸሊ።’ (1 ተሰሎንቄ 5:17) መዓልትን ለይትን እሙናት ኣእዳው ብጸሎት ነልዕል።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ንህዝቢ ወኪልካ ክትጽሊ ከሎኻ ኣቐዲምካ ምሕሳብ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
◻ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ክንጽሊ ከሎና እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢና ከነርኢ ዘሎና፧
◻ ክንጽሊ ከሎና ምስጋናን ውዳሰን ክንዝክር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጸሎት ምጽንናዕ ክንረክብ ከም እንኽእል ዝሕብር ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ንጉስ ሰሎሞን ቤት መቕደስ የሆዋ ክውፈ ኸሎ ንህዝቢ ወኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ትሕትና ኣርኣየ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]
ንስኻውን ከም ሃና ካብ ጸሎት ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ