-
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
4. ንፈተና ኽትጻረሮ ትኽእል ኢኻ
ምንዝርና ኽትፍጽም ንዜጋጥመካ ፈተና ምጽራር ኣጸጋሚ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
እቲ ኣብታ ቪድዮ ዘሎ ሓው ሓሳባቱን ተግባራቱን ንሰበይቱ ዘይእሙን ከም ዚኸውን ኪገብሮ ኸም ዚኽእል ምስ ፈለጠ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧
እሙናት ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓሳባቶም ንጹህ ገይሮም ምሕላው ይኸብዶም እዩ። ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ብቐጻሊ ኸይትሓስብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ፊልጲ 4:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትሓስብ ዘሎካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ምዃንን ነቲ ኽንሓጥእ ዜጋጥመና ፈተና ኽንጻረር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
-
-
ከመይ ጌርካ ኢኻ ብዘረባኻ ንየሆዋ ባህ ከተብሎ እትኽእል፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
3. ሃናጺ ዘረባ ንምዝራብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ኣብ ልብና ወይ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ኢና እንዛረብ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት፡ ማለት ኣብ ጽድቂ ዘበለን ንጹህ ዘበለን ተፈታዊ ዘበለን ዚንኣድ ዘበለን ንምትኳር፡ ገዛእ ርእስና ኸነሰልጥን ኣሎና። (ፊልጲ 4:8) ኣብዚ ነገራት እዚ ምእንቲ ኸነተኵር፡ መዘናግዒናን ኣዕሩኽናን ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና። (ምሳሌ 13:20) ብዛዕባ እቲ እንዛረቦ ነገር፡ ግዜ ወሲድና ምሕሳብ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቃላትካ ንሰባት ብኸመይ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ይብል።—ምሳሌ 12:18።
-