ምዕራፍ 4
የሱስ ክርስቶስ—ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእቱ መፍትሕ
1, 2. እዘን ናይ ዓለም ሃይማኖታት ከመይ ገይረን ኢየን ምስቲ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእቱ መፍትሕ ዘይተሰማምዓ፧
ማዕጾ ከፊትካ ገዛኻ ክትኣቱ መፋትሕ እናቐያየርካ ክትከፍት ትፍትን ኣሎኻ። ቍርን ጸልማትን ኢዩ: ናብ ውሽጢ ክትኣቱ ኸኣ ሃንቀው ኢልካ ኢኻ ዘሎኻ: እንተዀነ ግን: እቲ መፍትሕ ክኸፍተልካ ኣይከኣለን። እቲ መፍትሕ ንሱ ኢዩ ዝመስል: እቲ ሰጋጥ ግን ምንቕ ኣይበለን። ኣየ እዝስ ክንደይ ዘበሳጩ ኢዩ! መሊስካ ኸኣ ነቲ መፋትሕካ ትጥምት። ንምዃኑ: እቲ ናቱ መፍትሕ ዲኻ ሒዝካ ዘሎኻ፧ ገለ ሰብ ዶኾን ነቲ መፍትሕ ኣበላሽይዎ ይኸውን፧
2 እዚ: ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሃይማኖታዊ ምድንጋር ኣብ ልዕሊ ፍልጠት ኣምላኽ ኣስዒብዎ ዘሎ ኵነታት ዝገልጽ ግሩም ዝዀነ መረድኢ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ብዙሓት ምስቲ ናይዚ ፍልጠት እዚ ምስትውዓል ክንረክብ ክኸፍተልና ዝኽእል መፍትሕ—የሱስ ክርስቶስ—ኣይሰማምዑን ኢዮም ዘለዉ። ገለ ሃይማኖታት ንየሱስ ፈጺሞም ካብ ልቦም ብምውጻእ ነዚ መፍትሕ እዚ ኣልጊሶሞ ኢዮም። ካልኦት ከኣ ከም ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ገይሮም ብምምላኽ ነቲ ናይ የሱስ ግደ ጠውዮሞ ኢዮም። ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት: ርጡብ ምርዳእ ናይዚ ቀንዲ ኣካል ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ዘይምህላው እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ንዓና ዕጽው ኢዩ።
3. የሱስ መፍትሕ ናይ ፍልጠት ኣምላኽ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
3 የሱስ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ከም ዝበለ ትዝክር ትኸውን። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ይጀሃር ኣይኰነን ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ክርስቶስ ርጡብ ፍልጠት ክህልወካ ክሳዕ ከንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ብተደጋጋሚ የጕልሕ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:13፣ ቈሎሴ 2:2፣ 2 ጴጥሮስ 1:8፣ 2:20) ሃዋርያ ጴጥሮስ “[ንየሱስ ክርስቶስ] ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:43) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን [ኣብ የሱስ] ተሰዊሩ ኣሎ” በለ። (ቈሎሴ 2:3) ጳውሎስ: ብምኽንያት የሱስ ኵሉ ናይ የሆዋ መብጽዓታት ሓቂ ኰይኑ ክፍጸም ምዃኑ ተዛረበ። (2 ቈረንቶስ 1:20) ስለዚ እቲ መፍትሕ ናይ ፍልጠት ኣምላኽ ብቐንዱ: የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። እቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎና ፍልጠት: እንታይነቱን ኣብቲ መደብ ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ዝምልከት: ካብ ጠዋይ ፍልጠት ናጻ ክኸውን ኣለዎ። ግን: ስለምንታይ ኢዮም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ንዕኡ ከም ቀንዲ ዝሓስብዎ፧
ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ
4, 5. እንታይ ተስፋታት ኢዩ ኣብ መሲህ ኣተኲሩ ዝነበረ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስከ ከመይ ገይሮም ረኣይዎ፧
4 ካብ መዓልትታት እቲ እሙን ኣቤል ጀሚሩ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብቲ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ዘርኢ ብሃንቀውታ ይጥምቱ ነበሩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 4:1-8፣ እብራውያን 11:4) እቲ ዘርኢ ከም መሲሕ ወይ “ቅቡእ” ኰይኑ ንዕላማ ኣምላኽ ከገልግል ምዃኑ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ነበረ። ‘ንሓጢኣት ክውድኦ’ ነበሮ: እቲ ግርማ መንግስቱ ኸኣ ኣብ መዝሙራት ተነጊሩ ነበረ። (ዳንኤል 9:24-26፣ መዝሙር 72:1-20) መሲሕ ንምዃን ዝበቅዕ ግን መን ኰን ይኸውን፧
5 እንድርያስ እተባህለ ኣይሁዳዊ መንእሰይ ንቓላት የሱስ በዓል ናዝሬት ምስ ሰምዐ እተሰምዖ ውዕዉዕ ስምዒት ሓጐስ እሞ ገምቶ። እንድርያስ ናብ ሓዉ ስምኦን ጴጥሮስ እናጐየየ ከይዱ ‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’ ኢሉ ነገሮ። (ዮሃንስ 1:41) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሱ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ከም ዝነበረ ምሉእ ምርዳእ ወሲዶም ነበሩ። (ማቴዎስ 16:16) ሓቀኛታት ክርስትያናት ከኣ: የሱስ ብሓቂ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ዝነበረ ብምእማኖም: ንሙማትውን ከይተረፈ ፍቓደኛታት ኢዮም ነይሮም። እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ነይርዎም፧ እስከ ሰለስተ መርትዖታት ቀጺልና ንርአ።
የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ
6. (ሀ) እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ካብ ከመይ ዝበለ ትውልዲ ኢዩ ክመጽእ ዝነበሮ: የሱስከ ካብ ትውልዲ ናይቲ ስድራቤት እቲ ከም ዝመጸ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ (ለ) ንዝዀነ ይኹን ድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ሰብ: ኣነ መሲህ ኢየ ክብል ዘይከኣል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ወለዶ የሱስ: እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ንሱ ምዃኑ ዝሕብር ቀዳማይ መሰረት ኢዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ኣገልጋሊኡ: እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ካብ ስድራቤቱ ከም ዝመጽእ ነጊርዎ ነበረ። ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም: ያእቆብ ወዲ ይስሃቅ: ከምኡውን ይሁዳ ወዲ ያእቆብ: ነፍሲ ወከፎም ተመሳሳሊ መብጽዓ ተዋሂቡዎም ነበረ። (ዘፍጥረት 22:18፣ 26:2-5፣ 28:12-15፣ 49:10) ዘበናት ጸኒሑ እቲ መሲሕ ካብ ስድራቤቱ ከም ዝመጽእ ንዳዊት ምስ ተነግረሉ: እቲ ትውልዲ ናይቲ መሲሕ እናቐረበ ከደ። (መዝሙር 132:11፣ ኢሳይያስ 11:1, 10) እቲ ናይ ማቴዎስን ሉቃስን ናይ ወንጌል ጸብጻባት: የሱስ ካብ ትውልዲ ናይዚ ስድራቤት እዚ ከም ዝመጸ የረጋግጸልና። (ማቴዎስ 1:1-16፣ ሉቃስ 3:23-38) የሱስ ሽሕ’ኳ ሕሱማት ጸላእቲ እንተነበርዎ: ዋላ ሓደ’ኳ ካባታቶም ነቲ ፍሉጥ ወለዶኡ ክከራኸሮ ዝኸኣለ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 21:9, 15) ብርግጽ እምበኣር: ወለዶኡስ ዘካትዕ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እቲ ናይ እስራኤላውያን ናይ ስድራቤት መዛግብቲ: የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ብሮማውያን ምስ ተበዝበዘት ጠፊኡ ኢዩ። ድሕርዚ ግዜ እዚ ኣነ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ኢየ ኢሉ ደፊሩ ክዛረብ ዝኽእል ዋላ ሓደ’ኳ ኣይነበረን።
7. (ሀ) የሱስ መሲህ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ካልኣይ መርትዖ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሚክያስ 5:2 ንየሱስ ብዝምልከት ብኸመይ ኢያ ፍጻሜኣ ዝረኸበት፧
7 እተፈጸመ ትንቢት ካልኣይ መርትዖ ኢዩ። ብዓሰርተታት ዝቝጸር ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ ትንቢታት: እተፈላለየ መዳያት ናይቲ መሲሕ ጕዕዞ ህይወት ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ሻሙናይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ነብዪ ሚክያስ እዚ ዓቢ ገዛኢ እዚ ኣብታ ኣብ ግምት ዘይትኣቱ ከተማ ቤት-ልሄም ክውለድ ከም ዝነበሮ ተነበየ። ኣብ እስራኤል ክልተ ከተማታት ቤት-ልሄም ዝብል መጸውዒ ነይርወን ኢዩ: እዚ ትነቢታት እዚ ግን: ካብ ክልቲኤን ነታ ሓንቲ ፈልዩ ብምጥቃስ ኢዩ ተዛሪቡላ: ንሳ ኸኣ እታ ንጉስ ዳዊት እተወልደላ ቤት-ልሄም ናይ ኤፍራታ ነበረት። (ሚክያስ 5:2) ወለዱ ንየሱስ: ዮሴፍን ማርያምን: ካብ ቤት-ልሄም ብወገን ሰሜን 150 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ርሒቖም ኣብ ናዝሬት ኢዮም ዝቕመጡ ነይሮም። ይኹን እምበር: ማርያም ጥንስቲ ኸላ ቄሳር ኣውጉስጦስ ገዛኢ ናይ ሮማ ንዅሎም ሰባት ኣብ ዓዓዶም ከይዶም ክጸሓፉ ትእዛዝ ኣውጽኤ።a ስለዚ ዮሴፍ ነታ ጥንስቲ በዓልቲ ቤቱ ናብታ የሱስ እተወልደላ ናብ ቤት-ልሄም ክወስዳ ነበሮ።—ሉቃስ 2:1-7
8. (ሀ) እተን 69 “ሰሙናት” መኣስን ምስ ከመይ ዝበለ ፍጻሜን እየን እተጀመራ፧ (ለ) እተን 69 “ሰሙናት” ንውሓተን ክንደይ ነበረ: ምስ ተወድኣኸ እንታይ ተፈጸመ፧
8 ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: ነብዪ ዳንኤል “እቲ መሲሕ: መስፍን” ካብቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ዚወጽእ ጀሚሩ ድሕሪ 69 “ሰሙናት” ከም ዝቕልቀል ተነበየ። (ዳንኤል 9:24, 25) እዘን “ሰሙናት” እዚኣተን ነፍሲ ወከፈን ናይ ሸውዓተ ዓመታት ንውሓት ነበረን።b ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ዓለምን ታሪኽ: እቲ የሩሳሌም ክትህነጽ ዝብል ትእዛዝ ብ455 ቅ.አ.ዘ. ኢዩ ዝወጸ። (ነህምያ 2:1-8) ስለዚ እቲ መሲሕ ካብ 455 ቅ.ኣ.ዘ. 483 (69 ዝረብሐ ብ7) ዓመታት ጸኒሑ ክቕልቀል ነበሮ። እዚ ድማ ኣብታ የሆዋ ንየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝቐብኣላ ዓመት ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዘምጽኣና። በዚ ኸኣ የሱስ “ክርስቶስ” (“ቅቡእ” ዝትርጕሙ) ወይ መሲሕ ክኸውን ከኣለ።—ሉቃስ 3:15, 16, 21-22
9. (ሀ) መዝሙር 2:2 ብኸመይ ኢያ ፍጻሜኣ ዝረኸበት፧ (ለ) ካልእ ኣብ የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት እንታይ ኣሎ፧ (ሰሌዳ ተመልከት)
9 ልክዕ ኢዩ: ንየሱስ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ከም ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ እተቐበሎ: ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ብዛዕባ እዚ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መዝሙር 2:2 ተገሊጹ ከም ዘሎ: ንጉስ ዳዊት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ንኽንበ ብመለኮታዊ መንፈስ ተደሪኹ ኢዩ:- “ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ: መሳፍንቲ ኸኣ ሓቢሮም: . . . ኣብ እግዚአብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።” እዚ ትንቢት እዚ: ካብ ሓደ ሃገር ንላዕሊ እተዋጽኡ መራሕቲ ነቲ ናይ የሆዋ ቅቡእ ወይ መሲሕ ምእንቲ ከጥቅዑ ክሓብሩ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝሕብር። ከምኡ ኸኣ ኰነ። እቶም ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት: ንጉስ ሄሮድስ: ከምኡውን እቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጥዮስ ጲላጦስ: የሱስ ንኽቕተል ነፍሲ ወከፎም አእጃሞም ኣበርኪቶም ኢዮም። እቶም ቀደም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሄሮድስን ጲላጦስን ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሮም ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽ ኰኑ። (ማቴዎስ 27:1, 2፣ ሉቃስ 23:10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:25-28) የሱስ መሲሕ ከም ዝነበረ ተወሳኺ መረጋገጺ ንምርካብ: በጃኻ ነቲ “ገለ ጸብለል ዝበሉ መሲሓዊ ትንቢታት” ዝብል መሰነይታ ሰሌዳ ተመልከቶ።
10. የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ቅቡኡ ከም ዝነበረ የሆዋ በየናይ መገድታት ኢዩ ዝመስከረ፧
10 እቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ምስክርነት: ነቲ ናይ የሱስ መሲሓውነት ዘረጋግጽ ሳልሳይ መርትዖ ኢዩ። ሰባት የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ምእንቲ ክፈልጡ የሆዋ መላእኽቲ ለኣኸሎም። (ሉቃስ 2:10-14) አረ ብግዜ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ: የሆዋ ባዕሉ ካብ ሰማይ ብምዝራብ: ንየሱስ ከም ዝሰመሮ ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 3:16, 17፣ 17:1-5) የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ተኣምራት ክገብር ሓይሊ ሂቡዎ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ካብቲ ተኣምራት ድማ የሱስ መሲሕ ከም ዝነበረ ዝሕብር ተወሳኺ መለኮታዊ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ኣምላኽ ንሓደ መታለሊ ተኣምራት ክገብር ፈጺሙ ሓይሊ ኣይምሃበን። ከምኡውን የሆዋ: እቲ ናይ የሱስ ናይ መሲሓውነት መርትዖ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ብብዝሒ እተተርጐመን እተዘርግሐን መጽሓፍ ምእንቲ ክኸውን: እቲ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ንኽጽሓፍ መንፈስ ቅዱሱ ተጠቒሙ ኢዩ።—ዮሃንስ 4:25, 26
11. የሱስ እቲ መሲህ ከም ዝነበረ ክንደይ ዝኣክል መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ፧
11 እዚ ዅሉ ናይ መርትዖ ዝርዝራት ብሓባር: የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲህ ከም ዝነበረ ዘፍልጥ ካልእ ኣማእታት ሓቅታት ዝሓዘ ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር: ሓቀኛታት ክርስትያናት ንእኡ “ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ” ከም ዝነበሩን ንሱ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝመርሕ መፍትሕ ከም ዝዀነን ገይሮም ኢዮም ተመልኪቶሞ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:43) ይኹን እምበር: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝነበረ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ብዙሕ እንማሃሮ ክህሉ ኢዩ። መበቈሉ ካበይ ኢዩ፧ እንታይከ ይመስል ነበረ፧
ናይ የሱስ ቅድመ-ሰብኣዊ ህላዌ
12, 13. (ሀ) የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ (ለ) “እቲ ቓል” መን ኢዩ: ሰብ ቅድሚ ምዃኑኸ እንታይ ገበረ፧
12 እቲ ናይ የሱስ ጉዕዞ ህይወት ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ክኽፈል ይኽእል ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ደረጃ: ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምውላዱ ነዊሕ ግዜ ይገብር ዝጀመረ ኢዩ። ሚክያስ 5:2 እቲ መበቈል ናይቲ መሲህ “ኻብ ጥንቲ ኻብ [ዘይተፈልጠ ግዜ ትሓዓ ]” ከም ዝዀነ ገለጸ። የሱስውን “ኻብ ላዕሊ” ማለት ካብ ሰማይ ከም ዝመጸ ኣነጺሩ ገሊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:23፣ 16:28) ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ተቐመጠ፧
13 የሆዋ ብቐጥታ ስለ ዝፈጠሮ የሱስ ‘ሓደ ወዲ’ ኣምላኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (ዮሃንስ 3:16) “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ከም ምዃኑ መጠን የሱስ ንዅሉ እቲ ካልእ ነገራት ክፈጥር ኣምላኽ ተጠቕመሉ። (ቈሎሴ 1:15፣ ራእይ 3:14) ዮሃንስ 1:1 “እቲ ቓል” (የሱስ ኣብ ቅድመ-ሰብኣዊ ህላዌኡ) “ብመጀመርታ” ምስ ኣምላኽ ነበረ ይብል። ስለዚ “ሰማይን ምድርን” ክፍጠር ከሎ እቲ ቓል ምስ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ “ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ክብል ከሎ ነቲ ቓል ኢዩ ዝዛረቦ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:1, 26) ከምኡውን እቲ ኣብ ምሳሌ 8:22-31 ከም ጥበብ ተመሲሉ ዘሎ ቓል: ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኰይኑ ኵሉ ነገር ንምግባር ዝጽዕር ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ፍቝር “ሰራሕተኛ” ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። የሆዋ ናብ ህላዌ ምስ ኣምጽኦ: እቲ ቓል ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ክጽብጸብ ዘይክእል መዋእላት ኢዩ ኣሕሊፉ።
14. ስለምንታይ ኢዩ የሱስ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፧
14 ስለዚ: ቈሎሴ 1:15 ንየሱስ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ኢሉ እንተ ጸውዖ ከገርመና ኣይግብኦን ኢዩ! እቲ እዙዝ ወዲ ምስ ኣቦኡ ቍጽሪ ዘይብሉ ዓመታት ዝጠበቐ ሕብረት ስለ ዝነበሮ: ልክዕ ነቦኡ የሆዋ ክመስል ከኣለ። እዚ ድማ: የሱስ መፍትሕ ናይቲ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ኣምላኽ ክኸውን ኣኽኢልዎ ዘሎ ካልእ ምኽንያት ኢዩ። ኵሉ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ ነገራት ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ነይሩ እንተ ዝኸውን ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ ነገራት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ንየሱስ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ: ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ፍልጠት ምወሳኽ ማለትውን ኢዩ። (ዮሃንስ 8:28፣ 14:8-10) ብርግጽ እምበኣር: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ምምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት
15. ከመይ ገይሩ ኢዩ የሱስ ከም ፍጹም ህጻን ኰይኑ ክውለድ ዝኸኣለ፧
15 እቲ ካልኣይ ደረጃ ጉዕዞ ህይወት ናይ የሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንህይወቱ ካብ ሰማይ ናብ ማህጸን ናይታ ማርያም ዝስማ እምንቲ ኣይሁዳዊት ድንግል ከመሓላልፎ ኸሎ ፍቓደኛ ኰይኑ ተኣዘዘ። እቲ ናይ የሆዋ ሓያል መንፈስ ቅዱስ: ወይ መስለጢ ሓይሊ: ንማርያም ‘ኣጽለላ’ እሞ ጠነሰት: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሓደ ፍጹም ህጻን ወለደት። (ሉቃስ 1:34, 35) ህይወቱ ካብ ፍጹም ምንጪ ስለ ዝመጸት: የሱስ ዘይፍጽምና ዝበሃል ኣይወረሰን። ከም ወዲ ዮሴፍ እቲ ጸራቢ ዀይኑ ኣብ ማእከል ትሑታት ስድራቤት ዓበየ: ካብቶም ኣብታ ስድራቤት ዝነበሩ ሓያለይ ቈልዑ ኸኣ ቦኽሪ ነበረ።—ኢሳይያስ 7:14፣ ማቴዎስ 1:22, 23፣ ማርቆስ 6:3
16, 17. (ሀ) የሱስ ተኣምራት ንምግባር ካበይ ኢዩ ሓይሊ ረኺቡ: ገለ ካብኣቶምከ እንታይ ነበሩ፧ (ለ) ገለ ካብቲ የሱስ ዘርኣዮ ባህርያት እንታይ ነበረ፧
16 የሱስ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ዓሚቝ ተወፋይነት ወዲ 12 ዓመት ከሎ ድሮ ተጋሂዱ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 2:41-49) ከምኡውን ምስ ዓበየን ኣብ 30 ዓመት ዕድሜኡ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረን ንብጾቱ ደቅሰብ ዓሚቝ ፍቕሩ ገሊጹ ኢዩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተኣምራት ንምግባር ምስ ኣሐየሎ: ብድንጋጽ ተደሪኹ ነቶም ሕሙማት: ሓንካሳት: ቆራያት: ዕዉራት: ጸማማት: ለምጻማት ኣሕወዮም። (ማቴዎስ 8:2-4፣ 15:30) የሱስ ንኣሽሓት ጥሙያት መገበ። (ማቴዎስ 15:35-38) ነቲ ንድሕነት ኣዕሩኹ ኣብ ስግኣት ዘእተወ ማዕበል ኣህድአ። (ማርቆስ 4:37-39) አረ ምዉታትውን ኣተንሲኡ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:43, 44) እዚ ተኣምራት እዚ ኣብ ታሪኽ ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ጭብጢ ኢዩ። ጸላእቲ የሱስ ከይተረፉ “ብዙሕ ተኣምራት” ከም ዝገበረ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም።—ዮሃንስ 11:47, 48
17 የሱስ ኣብ ምልእቲ ዓዱ እናኸደ: ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምህሮም ነበረ። (ማቴዎስ 4:17) ከምኡውን ብዛዕባ ዓቕልን ምስትውዓልን ሓደ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ገዲፉ። ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሰነፉውን ከይተረፈ: ብድንጋጽ ተደሪኹ “መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ:” በለ። (ማርቆስ 14:37, 38) ይኹን እምበር: የሱስ ምስቶም ንሓቂ ዝንዕቅዋን ንመሳኪን ዝጭቁንዎምን ሰባት ክራኸብ ከሎ ተባዕን ኣግሂዱ ዝዛረብን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:27-33) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ናይ ኣቦኡ ናይ ፍቕሪ ኣብነት ብልክዕ ቀዲሕዎ ኢዩ። የሱስ ዘይፍጹማት ደቅሰብ ንመጻኢ ግዜ ተስፋ ምእንቲ ክህልዎም ኢሉ ክመውትውን ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ንየሱስ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእቱ መፍትሕ ከም ዝዀነ እንተ ተዛረብናሉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን! እወ: ንሱ ህያው መፍትሕ ኢዩ! እንተዀነ ግን: ስለምንታይ ኢና ህያው መፍትሕ ዝበልናዮ፧ እዚ ናብቲ ሳልሳይ ደረጃ ናይ ጉዕዞ ህይወቱ ዘምጽኣና ኢዩ።
የሱስ ሎሚ
18. ሎሚ ንየሱስ ክርስቶስ ከመይ ገይርና ክንርእዮ ኢዩ ዝግብኣና፧
18 ሽሕ’ኳ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት የሱስ ጸብጻብ ዘቕርብ እንተዀነ: ሕጂ ግን ህያው ኢዩ! እኳ ደኣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ህዝቢ ከም ዝተንስኤ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:3-8) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ብድሕርዚ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ: ኣብ ሰማይ ንጉሳዊ ስልጣኑ ክሳዕ ዝቕበል ከኣ ተጸበየ። (መዝሙር 110:1፣ እብራውያን 10:12, 13) ስለዚ: ሎሚ ንየሱስ ከመይ ገይርና ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧ ከም ሓደ ኣብ መብልዕ ማል ዘሎ ዓቕሚ ዘይብሉ ህጻን ገይርናዶ ክንሓስቦ ይግብኣና፧ ወይውን ክመውት ጻዕረ-ሞት ሒዝዎ ዘሎ ሰብኣይ ገይርና ዲና ክንሓስቦ ዘሎና፧ ኣይፋልናን: ንሱስ ሓያልን ዝገዝእ ዘሎ ንጉስን ኢዩ! ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ከኣ ንግዝኣቱ ኣብ ልዕሊ እዛ ተሸጊራ ዘላ ምድሪ ከግህዶ ኢዩ።
19. የሱስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ዝወስድ፧
19 ኣብ ራእይ 19:11-15 እቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ: ነቶም እኩያት ከጥፍእ ዓቢ ሓይሊ ሒዙ ይመጽእ ከም ዘሎ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ፈቃር ሰማያዊ ገዛኢ: ነዚ ንሚልዮናት ጐዲኡዎም ዘሎ ስቓይ መወዳእታ ክገብረሉስ ኣየ ክንደይ ኢዩ ተሃንጥዩ ዘሎ! ነቶም ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገደፎ ፍጹም ኣብነቱ ክቐድሑ ዝጽዕሩ ንምሕጋዝ ድማ ከምኡ ተሃንጥዩ ኢዩ ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ከም ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ: ንዘለኣለም ምእንቲ ክነብሩ ካብታ ኣርማጌዶን ተባሂላ እትጽዋዕ እናሸበበት ትመጽእ ዘላ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ከዕቍቦም ኢዩ ዝደሊ።—ራእይ 7:9, 14፣ 16:14, 16
20. የሱስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ንወድሰብ እንታይ ክገብረሉ ኢዩ፧
20 ኣብቲ ብትንቢት እተነግረሉ ሰላም ዝሰፈኖ ናይ የሱስ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ኣብ ክንዲ ኵሉ ወድሰብ ተኣምራት ክገብር ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:1-10፣ ራእይ 20:6) የሱስ ንዅሉ ሕማም ከሕውዮ: ንሞት ድማ መወዳእታ ኽገብረሉ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ኣጋጣሚ ምእንቲ ክረኽቡ ድማ: ንቢልዮናት ከተንስኦም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብቲ ዳሕራይ ምዕራፍ ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ዝያዳ ምስ ተማሃርካ ከም እትምሰጥ ርግጸኛታት ኢና። ሓደ ከነረጋግጸልካ እንደሊ ነገር ግን ኣሎ:- ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ: ህይወትና ክሳዕ ከንደይ ኣደናቒ ክኸውን ከም ዝዀነ እዚ ኢልና ክንግምቶውን ኣይንኽእልን ኢና። ምስ የሱስ ክርስቶስ ብዝበለጸ ምልላይሲ ኣየ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ! እወ: የሱስ ህያው መፍትሕ ናይቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ምጽሓፍ እዚ ነቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ግብሪ ንኽስልዕ ብዝበለጸ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ስለዚ ኣውጉስጦስ ከይተፈለጦ ነቲ ሓደ ገዛኢ ‘ኣብታ መንግስቲ ንመጨነቒ ኣሕሊፉ ኪሰዶ ኢዩ’ ዝብል ትንቢት ንኽፍጸም ሓጊዙ ኢዩ። ከምኡውን ኣብዚ ትንቢት እዚ “እቲ መስፍን ቃል ኪዳን” ወይ መሲሕ ብመዓልትታት ናይቲ ነዚ ገዛኢ እዚ ዝትክእ ‘ክስበር’ ምዃኑ ተነጊሩ ነበረ። የሱስ ብግዜ ግዝኣት ናይቲ ንኣውጉስጦስ ዝተክኦ ጢበርዮስ ተቐትለ።—ዳንኤል 11:20-22
b እቶም ቀዳሞት ኣይሁዳውያን ንዓመታት ከም ሰሙናት ገይርካ ናይ ምሕሳብ ልምዲ ነይርዎም ኢዩ። ንኣብነት ልክዕ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ሳብዓይቲ መዓልቲ: መዓልቲ ሰንበት ዝነበረት: ነፍሲ ወከፍ ሳብዓይቲ ዓመት ከኣ ዓመት ሰንበት ኢያ ነይራ።—ዘጸኣት 20:8-11፣ 23:10, 11
ፍልጠትካ ምዘን
ወለዶ የሱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንሱ እቲ መሲህ ምንባሩ መረጋገጺ ዝህብ፧
ገለ ካብቶም ኣብ የሱስ እተፈጸሙ መሲሓዊ ትንቢታት ኣየኖት ኢዮም፧
ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣምላኽ የሱስ ናቱ ቅቡእ ምዃኑ ብቐጥታ ዝገለጸ፧
የሱስ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእቱ ህያው መፍትሕ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 37 ዘሎ ሰሌዳ]
ገለ ጸብለል ዝበሉ መሲሓዊ ትንቢታት
ትንቢት ፍጻሜ መፈጸምታ ትንቢት
ናይ መጀመርያ ህይወቱ
ኢሳይያስ 7:14 ካብ ድንግል ተወልደ ማቴዎስ 1:18-23
ኤርምያስ 31:15 ድሕሪ ምውላዱ ህጻናት ተቐቲሎም ማቴዎስ 2:16-18
ኣገልግሎቱ
ኢሳይያስ 61:1, 2 ብኣምላኽ ምምዛዙ ሉቃስ 4:18-21
ኢሳይያስ 9:1, 2 ኣገልግሎቱ ንሰባት ማቴዎስ 4:13-16
ዓቢ ብርሃን ኪርእዩ ሓገዞም
መዝሙር 69:9 ንቤት የሆዋ ቀናእ ዮሃንስ 2:13-17
ኢሳይያስ 53:1 ኣይተኣምነን ዮሃንስ 12:37, 38
ዘካርያስ 9:9፣ ከም ንጉስን ማቴዎስ 21:1-9
መዝሙር 118:26 ብስም የሆዋ ዝመጽእን ኰይኑ
ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ
የሩሳሌም ከም ዝኣቱ
ከም ዝካሓድን ሞቱን
መዝሙር 41:9፣ 109:8 ሓደ ዘይእሙን ሃዋርያ ግብሪ ሃዋርያት 1:15-20
ንየሱስ ዝኽሕዶን ደሓር ከኣ
ብኻልእ ከም ዝትካእ
ዘካርያስ 11:12 ብ30 ብሩር ማቴዎስ 26:14, 15
ተኻሒዱ
መዝሙር 27:12 ሓሰውቲ መሰኻኽር ማቴዎስ 26:59-61
ኣተንስኡሉ
መዝሙር 22:18 ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውደቕሉ ዮሃንስ 19:23, 24
ኢሳይያስ 53:12 ምስ ሓጥኣን ተቘጽረ ማቴዎስ 27:38
መዝሙር 22:7, 8 ክመውት ቀሪቡ ኸሎ ጸረፍዎ ማርቆስ 15:29-32
መዝሙር 69:21 መጺጽ ተዋህቦ ማርቆስ 15:23, 36
ኢሳይያስ 53:5፣ ብዂናት ተወግአ ዮሃንስ 19:34, 37
ኢሳይያስ 53:9 ምሰ ሃብታማት ተቐብረ ማቴዎስ 27:57-60
መዝሙር 16:8-11፣ [ኣካላቱ ከይመሽመሸ ትሓዓ ] ግብሪ ሃዋርያት 2:25-32፣
ትሓዓ እግረ ጽሑፍ ተንስአ 13:34-37
[ኣብ ገጽ 35 ዘሎ ስእሊ]
ኣምላኽ ንየሱስ ንሕሙማት ከሕዊ ሓይሊ ሃቦ