ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35
“ንሓድሕድኩም . . . ተሃናነጹ”
“ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን።”—1 ተሰ. 5:11።
መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ
መላለዪa
1. ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 5:11፡ ኵላትና ኣብ ምንታይ ዓይነት ዕዮ ኢና እንሳተፍ፧
ጉባኤኻ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሃኒጻ ወይ ሓዲሳዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ገይራ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኣዳራሽ እቲ ዝገበርኩምዎ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ኸም እትዝክሮ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ልብኻ ንየሆዋ ብዘሎካ ምስጋና መሊኡ ነይሩ እዩ። ስምዒትካ ምቍጽጻር ስለ ዝሰኣንካ እውን ነታ ናይ መኽፈቲ መዝሙር ምዝማር ከቢዱካ ነይሩ። እቲ ብጽቡቕ እተሃንጸ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ካልእ ዓይነት ዕዮ ህንጸት ክንሳተፍ ከለና ዝዓበየ ውዳሰ ነምጽኣሉ ኢና። እቲ ዕዮ እቲ ኻብቲ ቓል ብቓሉ ንህንጸት ዜድሊ ናውቲ ዚበልጽ ነገራት እዩ ዜጠቓልል። ነቶም ናብ ቦታ ኣምልኾ ዚመጹ ሰባት ምህናጽ እዩ ዜጠቓልል። ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብዛ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር ዝዀነት 1 ተሰሎንቄ 5:11 ዚርከብ ቃላት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ምሳልያዊ ህንጸት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ኣንብብ።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ብምህናጽ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንዓታቶም ድንጋጽ ነይርዎ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን (1) ፈተናታት ኪጻወሩ፡ (2) ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ብሰላም ኪነብሩ፡ (3) ኣብ የሆዋ ዘላቶም እምነት ኬደልድሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክንርኢ ኢና። እምበኣር ብኸመይ ንዕኡ ኽንመስሎ ከም እንኽእል፡ በዚ ኸምዚ እውን ሎሚ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብኸመይ ክንሃንጾም ከም እንኽእል ንርአ።—1 ቈረ. 11:1።
ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ፈተናታት ኪጻወሩ ሓጊዝዎም
3. ጳውሎስ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧
3 ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ኣዝዩ እዩ ዜፍቅሮም ነይሩ። ንጸገማቶም እውን ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ ክርስትያናት ብጾቱ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኪርሕርሓሎምን ኪድንግጸሎምን ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ጳውሎስ ገንዘብ ስለ እተወድኦ፡ ንገዛእ ርእሱን ንብጾቱን ዜድሊ ንምምላእ ስራሕ ኪረክብ ነይርዎ። (ግብ. 20:34) ዕዮኡ ድማ ምስፋይ ድንኳን እዩ ነይሩ። ኣብ ቈረንቶስ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ፈለማ ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስ ዚብሃሉ ሰፈይቲ ድንኳን ኪዓዪ ጀመረ። “ሰንበት ሰንበት” ግና ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ይሰብከሎም ነበረ። ድሕሪኡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ምስ መጹ፡ “ኣብ ስብከት እቲ ቓል ኣጸቢቑ ተጸምደ።” (ግብ. 18:2-5) ጳውሎስ ቀንዲ ዕላማ ህይወቱ ንየሆዋ ምግልጋል ምዃኑ ፈጺሙ ኣይሰሓቶን። ብትግሃት ይዓዪ ብምንባሩ ድማ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ኬተባብዖም ይኽእል ነይሩ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥም ጸቕጥታት፡ ከምኡ እውን ብሰንኪ እቲ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ምምእራር ዜስዕቦ ሃለኽለኽ፡ ነቲ “ዚሓይሽ” ተባሂሉ ዘሎ ዅሉ መዳያት ኣምልኾ የሆዋ ዕሽሽ ኪብልዎ ኸም ዘይብሎም ኣዘኻኺርዎም እዩ።—ፊል. 1:10።
4. ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ንክርስትያናት ብጾቶም መስጐጕቲ ኺጻወሩ ዝሓገዝዎም ብኸመይ እዮም፧
4 ኣብ ተሰሎንቄ ሓዳስ ጉባኤ ድሕሪ ምቛማ ነዊሕ ከይጸንሐ ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኸቢድ ተቓውሞ ኣጋጠሞም። ሕሱማት ተጻረርቲ ንጳውሎስን ንሲላስን ምስ ሰኣንዎም፡ “ንገለ ኣሕዋት . . . ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወጢጦም ወሲዶም፡ . . . ‘ምስ ትእዛዝ ቄሳር ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ’” ኢሎም ከሰስዎም። (ግብ. 17:6, 7) እቶም ሓደስቲ ክርስትያናት ካብ ሰብ እታ ኸተማ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰምበዱስ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ብሰንኪ እዚ ነገር እዚ፡ እቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ምተዳኸመ ነይሩ። ጳውሎስ ግና ከምኡ ኪኸውን ኣይደለየን። ንሱን ሲላስን ካብታ ኸተማ ኪኸዱ እኳ እንተ ነበሮም፡ ፈለማ ግና እታ እግሪ ተኽሊ ጉባኤ ጽቡቕ ክንክን ከም ዚግበረላ ኣረጋገጸ። ንሰብ ተሰሎንቄ ድማ ከምዚ ዚብል መዘኻኸሪ ሃቦም፦ “ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውና . . . ዝዀነ ጢሞቴዎስ ልኢኽናዮ ኢና፣ ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ ኢልና ኢና።” (1 ተሰ. 3:2, 3) ጢሞቴዎስ ኣብ ዓዱ ልስጥራ፡ መስጐጕቲ ጥዒሙ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ እውን፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ኣሕዋት ብኸመይ ከም ዘበርተዖም ርእዩ ነይሩ እዩ። ነቲ የሆዋ ዘፍረዮ ፍረ ርእዩ ብምንባሩ፡ ነቶም ሓደስቲ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዚረኽቡ ኼረጋግጸሎም ይኽእል ነይሩ እዩ።—ግብ. 14:8, 19-22፣ እብ. 12:2።
5. ብራያንት ዝስሙ ሓው ካብ ሓገዝ ሓደ ሽማግለ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧
5 ብምንታይ ካልእ መገዲኸ እዩ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ዘበርተዖም፧ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ኣንጾክያን ተመሊሶም ምስ ከዱ፡ “ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት . . . ሸሙሎም።” (ግብ. 14:21-23) እቶም እተሸሙ ሽማግለታት መሸም ኣብ ገጉባኤኦም ምንጪ ምጽንናዕ ኰይኖም ኪዀኑ ኣለዎም። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ከምኡ እዮም ዚዀኑ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ብራያንት ዝስሙ ሓው ዝሃቦ ሓሳባት እስከ ንርአ፦ “ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣቦይ ሓዲጉና ኸደ፣ ኣደይ ድማ ተወገደት። ብሰንኪ እዚ፡ እተሓደግኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ፡ ተስፋ እውን ቈረጽኩ።” እሞ ደኣ ብራያንት ነዚ ኣጸጋሚ ግዜ ኺጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦ “ቶኒ ዚብሃል ሽማግለ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ካልእ ግዜያትን የዘራርበኒ ነበረ። ብዛዕባ እቶም ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ሕጉሳት ዝነበሩ ሰባት ነገረኒ። መዝሙር 27:10 ኣንበበለይ፣ ብዙሕ ግዜ እውን ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ሕማቕ ኣብነት ክነሱ ብተኣማንነት ዘገልገለ ህዝቅያስ ይዛረበኒ ነበረ።” እሞ ደኣ እዚ ግብራዊ ሓገዝ እዚ ኣብ ብራያንት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ብራያንት፡ “ብምትብባዕ ቶኒ፡ ውዒለ ሓዲረ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምእታው፡ ዜዕግብ ዕዮ ኽጅምር ክኢለ” ይብል። ኣቱም ሽማግለታት፡ ነቶም ከም ብራያንት ዝኣመሰሉ ዜተባብዕ “ጽቡቕ ቃል” ዜድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ንቑሓት ኩኑ።—ምሳ. 12:25።
6. ጳውሎስ ብታሪኽ ህይወት እሙናት ኣምለኽቲ ገይሩ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዘተባብዖም ብኸመይ እዩ፧
6 ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ እቶም “ደበና መሰኻኽር” ብብርታዐ የሆዋ ጸገማት ከም እተጻወሩ ኣዘኻኸሮም። (እብ. 12:1) ታሪኽ ህይወት እቶም ኣብ ሕሉፍ ኵሉ ዓይነት ጸገማት እተጻወሩ ኣምለኽቲ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ትብዓት ኪህቦም ከም ዚኽእል፡ ኣብታ “ኸተማ እቲ ህያው ኣምላኽ” ኬተኵሩ እውን ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። (እብ. 12:22) ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። የሆዋ ንእኒ ጊዴዎንን ባራቅን ዳዊትን ሳሙኤልን ንብዙሓት ካልኦትን ከም ዝሓገዞም ምስ ኣንበበ ብርታዐ ዘይረክብ እሞ መን እዩ፧ (እብ. 11:32-35) ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣብነታት እምነትከ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ታሪኽ ህይወት ሓደ ኣብዚ ግዜና ዚርከብ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ድሕሪ ምንባቦም፡ እዚ ንእምነቶም ከም ዘደልደላ ዚገልጽ ደብዳብ ናብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ይጽሕፉ እዮም።
ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ከመይ ገይሮም ብሰላም ከም ዚነብሩ ኣርእይዎም
7. ካብቲ ኣብ ሮሜ 14:19-21 እተመዝገበ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ እንታይ ትምሃር፧
7 ወትሩ ኣብ ጉባኤ ሰላም ነስፍን እንተ ዄንና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንሃንጾም ኢና። ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ኪኸፋፍለና ኣይንፈቅድን ኢና። ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ክሳዕ ዘይተጣሕሰ እውን፡ መሰልና ኺሕለወልና ግዲ ኣይንብልን ኢና። ብዛዕባ እዚ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እታ ኣብ ሮሜ እትርከብ ጉባኤ፡ ካብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ብዝመጹ ክርስትያናት እያ ቘይማ። ኣቐዲሙ ሕጊ ሙሴ ምስ ተሳዕረ፡ እቲ ኣብ ገሊኡ ምግብታት ዝነበረ ቐይድታት ተላዕለ። (ማር. 7:19) ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ከኣ፡ ገሊኦም ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ኵሉ ዓይነት ምግቢ ንምብላዕ ሓርነት ተሰምዖም። ገሊኦም ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ግና ከምኡ ምግባር ከበዶም። እታ ጉባኤ ድማ በዚ ጕዳይ እዚ ተኸፋፈለት። በዚ ምኽንያት እዚ ጳውሎስ፡ ሰላም ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነት ንምጕላሕ ከምዚ ዚስዕብ በሎም፦ “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ገለ እኳ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ዝሓሸ እዩ።” (ሮሜ 14:19-21 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ባእሲ ንውልቀ ሰባት ኰነ ንጉባኤ ብሓፈሻ ኽሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ኣረድኦም። ንኻልኦት ምእንቲ ኸይዕንቅፍ ኢሉ ናይ ውልቂ ልማዱ እኳ ንምቕያር ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 9:19-22) ንሕና እውን ብብሕታዊ ምርጫታትና ኣብ ምስሕሓብ ብዘይምእታው፡ ንኻልኦት ክንሃንጽን ሰላም ክንዕቅብን ንኽእል ኢና።
8. ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ንሰላም እታ ጉባኤ ዜስግእ ምስ ኰነ፡ ጳውሎስ እንታይ እዩ ገይሩ፧
8 ጳውሎስ ምስቶም ኣብ ኣገዳሲ ጕዳያት ምስኡ ዘይተሰማምዑ ሰባት ሰላም ብምሕላው ዝመጸ እውን ሰናይ ኣብነት ይኸውን እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ምናልባት በቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ኸይንቀፉ ኢሎም እዮም ዚዀኑ፡ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ክርስትያናት ኪግዘሩ ኸም ዘለዎም ተማጐቱ። (ገላ. 6:12) ጳውሎስ ምስዚ ኣረኣእያ እዚ ፈጺሙ ኣይሰማማዕን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ መገዱ ኺስዕቡ ኣብ ክንዲ ዚማጐት፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ብትሕትና ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚርከቡ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣቕረቦ። (ግብ. 15:1, 2) ከምዚ ስለ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቶም ክርስትያናት ኣብታ ጉባኤ ሓጐሶምን ሰላሞምን ዓቂቦም ኪመላለሱ ሓገዞም።—ግብ. 15:30, 31።
9. ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ጳውሎስ ክንስዕብ እንኽእል፧
9 ኣብ መንጎና ኸቢድ ክርክር እንተ ተላዒሉ፡ ካብቶም የሆዋ ንጉባኤኡ ኺሓልዩ ዝሸሞም ኣሕዋት መምርሒ ብምድላይ፡ ሰላም ክንዕቅብ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጽሑፋትና ወይ ኣብቲ ብውድብና እተዳለወ መምርሒታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ይርከብ እዩ። ናይ ርእስና ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ እነቐድም፡ ነዚ መምርሒታት እዚ ኣብ ምስዓብ እንተ ኣተኲርና፡ ነቲ ኣብ ጉባኤና ዚህሉ ሰላም ኣበርክቶ ንገብር ኢና።
10. ጳውሎስ ኣብ ጉባኤ ሰላም ንምስፋን እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ገይሩ፧
10 ጳውሎስ ኣብ ኣሉታዊ ባህርያት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ንኣወንታዊ ባህርያቶም ብምጕላሕ ሰላም ከም ዚሰፍን ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መደምደምታ እታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ ንብዙሓት ሰባት ብስሞም ረቚሕዎም ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ድማ፡ ብዛዕባኦም ሓደ ኣወንታዊ ሓሳብን ዝርዝር ነጥብን ጠቒሱ ኣሎ። ንሕና እውን ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይተሰከፍና ጽቡቕ ባህርያቶም ብምጥቃስ፡ ንጳውሎስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ተወሳኺ ምኽንያት ንህቦም ኢና። እዚ ድማ ነታ ጉባኤ ብፍቕሪ ይሃንጻ እዩ።
11. ዘይምርድዳኣት ኪፍጠር ከሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ሰላም ክንገብር እንኽእል፧
11 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ብሱላት ክርስትያናት እኳ ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ወይ ንሓድሕዶም ኪቋየቑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መንጎ ጳውሎስን እቲ ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ዝነበረ በርናባስን ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት እዚኦም፡ ንማርቆስ ናብቲ ዚቕጽል ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ብዛዕባ ምምላእ ወይ ዘይምምላእ ከቢድ ዘይምርድዳእ ተፈጥረ። በዚ ኸምዚ ኣብ መንጎኦም “ቈየቛ” ዀነ፣ ንሓድሕዶም እውን ተፈላለዩ። (ግብ. 15:37-39) ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን ግና፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም እተፈጥረ ሽግር ፈትሕዎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሰላምን ሓድነትን ጉባኤ ኣኽቢሮም ከም ዚርእዩ ኣርኣዩ። ጳውሎስ ጸኒሑ ብዛዕባ በርናባስን ማርቆስን ጽቡቕ ነገር ተዛሪቡ እዩ። (1 ቈረ. 9:6፣ ቈሎ. 4:10) ንሕና እውን ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚፍጠር ዘይምርድዳኣት ክንፈትሖ ኣሎና፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም ከነተኵር ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰላምን ሓድነትን ከም ዚሰፍን ንገብር።—ኤፌ. 4:3።
ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን እምነቶም ኣደልዲሉሎም
12. ገለ ኻብቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዜጋጥሞም ብድሆታት እንታይ እዩ፧
12 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምነት ብምድልዳል ክንሃንጾም ንኽእል ኢና። ገሊኦም ብዘይኣማኒ ኣባል ስድራ ቤቶም፡ ወይ ብመሳርሕቶም፡ ወይ ብመማህርቶም ኣደዳ ላግጺ ይዀኑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ጾይሮም ይመላለሱ፡ ወይ ምስ እተጐድአ ስምዒቶም ይቃለሱ ኣለዉ። ገሊኦም ካብ ዚጥመቑ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ክርስትያናት ድማ ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ይጽበዩ ኣለዉ። እዚ ዅሉ ዅነታት እዚ፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ናይ እምነት ፈተና ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ኣባላት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ተመሳሳሊ ብድሆታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ንምብርታዕ እንታይ እዩ ገይሩ፧
13. ጳውሎስ ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ኣደዳ ላግጺ ዚዀኑ ክርስትያናት ብኸመይ ሓጊዝዎም፧
13 ጳውሎስ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ እምነት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ሃኒጹ እዩ። ንኣብነት፡ ኣይሁዳውያን ክርስትያናት፡ ኣይሁድነት ካብ ክርስትና ኸም ዚበልጽ ንዚማጐቶም ዘይኣማኒ ኣባል ስድራ ቤቶም እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ ይጠፍኦም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ ደብዳበ ነቶም ክርስትያናት እቲኦም ብዙሕ ኣበርቲዓቶም ክትከውን ኣለዋ። (እብ. 1:5, 6፣ 2:2, 3፣ 9:24, 25) በቲ ሓያል መረዳእታታቱ ገይሮም ንኸሰስቶም ኣፎም ኬትሕዝዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ሎሚ እውን ነቶም ኣደዳ ላግጺ ዚዀኑ ክርስትያናት ብጾትና፡ እምነቶም ንምግላጽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ኸመይ ገይሮም ከም ዚጥቀሙሉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ደቅና ኣብ ፍጥረት ብምእማኖም፡ ግዳያት ባጫ እንተ ዀይኖም፡ ኣብታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ኣብታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን፡ ህይወት ከም እተፈጥረ ዚገልጽ ሓበሬታ ምእንቲ ኺረኽቡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።
14. ጳውሎስ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧
14 ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ብ“ሰናይ ግብሪ” ኣቢሎም ፍቕሪ ኼርእዩ ኣተባቢዕዎም እዩ። (እብ. 10:24) ብዘረባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሩ እውን ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ጥሜት ምስ ኰነ፡ ረድኤት ኣብ ምዕዳል ሓጊዙ እዩ። (ግብ. 11:27-30) ጳውሎስ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ብስጋዊ መዳይ እተሸገሩ ንምሕጋዝ ግና ወትሩ መገድታት የናዲ ነይሩ እዩ። (ገላ. 2:10) ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ፡ ነቲ ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ሓልዮት የሆዋ ዝነበሮም እምንቶ ይሃንጾ ነይሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ዕዮ ረድኤት ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ክእለትናን ብፍቓድና እንተ ወፊና፡ እምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሃንጽ ኢና። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኣዘውቲርና ብምውፋይ እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዝን ብኻልእ መገድታትን ኣቢልና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንሳቶም እውን የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም።
15-16. ነቶም እምነቶም ዝደኸመት ክርስትያናት ብኸመይ ክንሕዞም ኣሎና፧
15 ጳውሎስ በቶም እምነቶም ዝደኸመት ክርስትያናት ተስፋ ኣይቈረጸን። የግዳስ፡ ርሕራሐ ኣርእይዎም፡ ብለውሃትን ብኣወንታዊ መገድን እውን ተዛሪብዎም እዩ። (እብ. 6:9፣ 10:39) ንኣብነት፡ ኣብ ብዘላ እታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ ደብዳበ፡ ብተደጋጋሚ “ንሕና” ዚብል ወይ ነዚ ዜንጸባርቕ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሱ እውን ነቲ ምኽሪ ኺትግብሮ ኸም ዜድልዮ ተኣሚኑ ኣሎ። (እብ. 2:1, 3) ንሕና እውን ከም ጳውሎስ በቶም እምነቶም ዝደኸመት ሰባት ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ብምርኣይ ንሃንጾም ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ፍቕርና ነረጋግጸሎም ኢና። ለውሃትን ልእመትን ዚንጸባረቐሉ ቓና ድምጺ ማዕረ እቲ እንዛረቦ ቓላት ሃናጺ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
16 ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን፡ የሆዋ ነቲ ሰናይ ግብሮም ከም ዚፈልጦ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (እብ. 10:32-34) ንሕና እውን እምነቱ ንዝደኸመት ክርስትያን ብጻይና ኽንሕግዝ ከለና፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብኸመይ ናብ ሓቂ ኸም ዝመጸ ኺትርኸልና ኽንሓትቶ፡ ወይ ድማ ደገፍ የሆዋ ዝረኸበሉ ኣጋጣሚታት ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከነተባብዖ ንኽእል ኢና። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒምና ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ተግባራት ከም ዘይረስዖን ኣብ መጻኢ ኸም ዘይሓድጎን ከነረጋግጸሉ ንኽእል ኢና። (እብ. 6:10፣ 13:5, 6) እዚ ዝርርባት እዚ ድማ ነቶም ፍቑራት ኣሕዋትና ኣብ ኣገልግሎቱ ንምቕጻል ድሌት ኬሕድረሎም ይኽእል እዩ።
“ንሓድሕድኩም ተተባብዑ”
17. እንታይ ክእለት ኢና ብቐጻሊ ኸነማዕብል እንኽእል፧
17 ከምቲ ሃናጺ እናሓደረ ኽእለቱ ዜመሓይሽ፡ ንሕና እውን ንሓድሕድና ኣብ ምትህንናጽ ብዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ብዛዕባ እቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ እተጻወሩ ብምንጋር፡ ፈተናታቶም ኪጻወሩ ኸነበርትዖም ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ካልኦት ዝረኣናዮ ሰናይ ብምጥቃስ ሰላም ከነስፍን፡ ንሰላም ዜስግእ ኵነታት ኪፍጠር ከሎ ሰላም ክንዕቅብ፡ ዘይምርድዳኣት ኪልዓል ከሎ ድማ ሰላም ክንገብር ንኽእል ኢና። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣገዳሲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምክፋል፡ ግብራዊ ሓገዝ ብምሃብ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንዝደኸሙ ድማ ብምድጋፍ፡ ንእምነቶም ክንሃንጻ ንኽእል ኢና።
18. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘራጽነት ጌርካ ዘለኻ፧
18 እቶም ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ዚዓይዩ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ እዮም። ንሕና እውን ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር መንፈሳዊ ዕዮ ህንጸት ምስ እንሕግዝ፡ ሓጐስን ዕግበትን ንረክብ ኢና። ቃል ብቓሉ ዚግበር ዕዮ ህንጸት ውዒሉ ሓዲሩ ምዕናዉ ኣይተርፎን እዩ። እዚ መንፈሳዊ ዕዮና ዜፍርዮ ፍረ ግና፡ ንዘለኣለም ዚቕጽል እዩ። እምበኣር፡ ‘ንሓድሕድና ንምትብባዕን ንምትህንናጽን’ ቈራጽነት ንግበር።—1 ተሰ. 5:11።
መዝሙር 100 ተቐበልቲ ጋሻ ንኹን
a ኣብዚ ስርዓት እዚ ህይወት ከቢድ እዩ። ክርስትያናት ብጾትና ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸቕጢ እዮም ዘለዉ። ንዓታቶም ንምትብባዕ መገድታት እንተ ኣናዲና፡ ናይ ሓቂ በረኸት ክንኰኖም ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ምምርማር፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ኣቦ ንጓሉ፡ በቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ ሓበሬታ ገይራ፡ ነቲ በዓል ልደተ ክርስቶስ ከተብዕል ዚወርዳ ጸቕጢ ብኸመይ ክትጻወር ከም እትኽእል የርእያ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ናብ ካልእ ክፋል ሃገሮም ከይዶም ኣብ ዕዮ ረድኤት ይሳተፉ።
d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ንሓደ እምነቱ ዝደኸመት ሓው ይበጽሖ። ነቲ ሓው ድማ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብሓባር ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ኣብ እተኻፈሉሉ እዋን እተሳእልዎ ስእልታት የርእዮ። እቲ ስእልታት ከኣ ዜሐጕስ ተዘክሮታት የምጽኣሉ። እቲ ሓው ነቲ ንየሆዋ ኣብ ዜገልግለሉ እዋን ዝነበሮ ሓጐስ ይናፍቕ። ጸኒሑ፡ ናብ ጉባኤ ይምለስ።