ንሓድሕድኩም ተሃናነጹ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ ክርስትያን ብጾቱ እምነት ንምድልዳል ዚከኣሎ ዘበለ ገይሩ እዩ። (ግብ. 14:19-22) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ኣሕዋትና ኣሸጋሪ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ ንግደሰሎም ኢና: ክንሕግዞም እውን ንደሊ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰነስ ኵልና ኣብ ካልኦት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከነሕድር ይነግረና እዩ። (ሮሜ 15:1, 2) ነቲ “ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ” ዚብል ፍቕራዊ ማዕዳ ኽንስዕበሉ እንኽእል ክልተ መገድታት ንርአ።—1 ተሰ. 5:11
2 ድሌት ካልኦት ኣስተብህል:- ቃል ኣምላኽ: ዶርቃስ “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ከም ዝነበረት ይነግረና። (ግብ. 9:36, 39) ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ብምስትብሃል ንኽትሕግዞም ዝከኣላ ገበረት። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እያ ዝገደፈት! ንስኻ እውን ናብ ኣኼባታት ዚወስዶምን ዚመልሶምን ዚደልዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋት ትፈልጥ ትኸውን። ወይውን ኣብ ናይ ስራሕ መዓልትታት ድሕሪ ቐትሪ መገላግልቲ ዚስእን ፓይነር ይህሉ ይኸውን። ነቲ ዜድልዮ ነገር ኣስተብሂልካ ግብራዊ ሓገዝ እንተደኣ ጌርካሉ ኽሳዕ ክንደይ ኪተባባዕ ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ!
3 መንፈሳዊ ዕላል:- ንኻልኦት ብዘረባና እውን ክንሃንጾም ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:29) ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ: “ሃናጺ ኽትከውን እንተደኣ ደሊኻ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣዕልል። ሃናጺ ዝዀነ ዕላል ንምጅማር: ‘ሓቂ ብኸመይ ፈሊጥካ፧’ ዚብል ቀሊል ሕቶ ኽትጥቐም ትኽእል ኢኻ” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ። ኣብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። ነቶም ሓፋራትን ዝጓሃዩን ተገደሰሎም። (ምሳ. 12:25) ነቲ ምስ ክርስትያን ብጾትካ እትገብሮ መንፈሳዊ ዕላል: ብዛዕባ መዘናግዒታት እዛ ዓለም እዚኣ ዚምልከት ዕላላት ኪዕብልሎ ኣይተፍቅድ።—ሮሜ 1:11, 12
4 እሞኸ ደኣ ንኻልኦት ንምህናጽ እንታይ ክትብል ትኽእል፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ይኹን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ ዝረኸብካዮ እሞ ንየሆዋ ዘለካ ፍቕርን ሞሳን ዘዕበየልካ መሰረታዊ ስርዓት ኣሎዶ፧ ገለ ኣብ ህዝባዊ መደረ ወይ እውን ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ዝሰማዕካዮ ዜተባብዓካ ሓሳባት ኣሎዶ፧ ወይ እውን ልብኻ ዝተንከፈ እምነት ዜደልድል ተመክሮ ኣሎዶ፧ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ሃብቲ ኣኽቢርካ እንተደኣ ሒዝካዮ: ኵሉ ግዜ ንኻልኦት ከተካፍሎም እትኽእል ሃናጺ ዕላላት ኪህልወካ እዩ።—ምሳ. 2:1፣ ሉቃ. 6:45
5 ግብራዊ ሓገዝ ብምሃብን ንልሳንና ብጥበብ ብምጥቃምን ንሓድሕድና ንተሃናነጽ።—ምሳ. 12:18