-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ—1999 | 15 ሓምለ
-
-
“እምብኣርስ: ኣቱም ኣሕዋትና: ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር: ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትፍለዩ: . . . ንእዝዘኩም አሎና። ኣቱም አሕዋትና: ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ: ምእንቲ ኺሐፍርሲ: ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። ግናኸ ከም ሓው ደኣ ምዐድዎ እምበር: ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ።”—2 ተሰሎንቄ 3:6, 13-15
-
-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ—1999 | 15 ሓምለ
-
-
ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰለስተ ኵነታት እተፈልየ ድማ ከምቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ ተዘሪቡሉ ዘሎ ነቶም ‘ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ’ ዝምልከት ኢዩ። ጳውሎስ እዚኣቶም ክመዓዱን ከም ‘ኣሕዋት’ ክረኣዩን ከም ዘለዎም ኢዩ ጽሒፉ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ነዞም “ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ” ዝምልከት ግድል: ኣብ መንጎ ክርስትያናት ንዝለዓል ንኣሽቱ ብሕታዊ ጕዳያት ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ምስ ዘይስነ-ምግባራዊ ኵነታት እተተሓሓዘ እሞ ጳውሎስ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ዝኣመሰለ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክገብርዎ ዘለዎም ክብድ ዝበለ ናይ ምውጋድ ስጕምቲ ኣይኰነን። እቶም “ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ” ከምቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ እተወገደ ሰብኣይ ዝገበሮ ከቢድ ሓጢኣት ኣይፈጸሙን።
-
-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ—1999 | 15 ሓምለ
-
-
ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣባላት እታ ጉባኤ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ሰባት ‘ምልክት ክገብሩሎም’ ግቡእ ምዃኑ ኣፍሊጥዎም ኢዩ። እዚ ድማ እቶም ኣሕዋት በብውልቆም ነቶም እታ ጉባኤ ንኽትጥንቀቐሉ እተነግራ ግብሪ ዝገብሩ ሰባት ከስተብህሉሎም ከም ዘለዎም ዝሕብር ኢዩ። ጳውሎስ ካብቲ ‘ብዘይ ስርዓት ዝመላለስ ዘበለ ሓው ክፍለዩ’ ከም ዘለዎም ሓቢሩ ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ክጐስይዎ ማለት ክኸውን ከም ዘይክእል እተረጋገጸ ኢዩ። ከመይሲ ‘ከም ሓው ክምዕድዎ’ ተነጊርዎም ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ምናልባትውን ኣብ ኣገልግሎት ምስቲ ሰብ እቲ ክርስትያናዊ ርክቦም ክቕጽሉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እቲ ሓው ንእተዋህቦ ማዕዳ ተቐቢሉ ነቲ ሕማቕ መገድታቱ ክሓድግ ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።
-