ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ጢሞቴዎስ
“ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን”
ጢሞቴዎስ በቲ ኻብ ቤቱ ዝወጸሉ መገዲ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት እናሓሰበ ብርግኣት ይስጕም ነበረ። እቶም መጓዕዝቱ ድማ በቲ ንሱ ጽቡቕ ገይሩ ዚፈልጦ ግራውቲ ሰንጢቖም ቀቅድሚኡ ሓለፉ። ቀስ ብቐስ ከኣ ካብታ ስንጭሮ ኣብ ዝነበሮ ኸባቢ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዅርባ እተደኰነት ልስጥራ እናረሓቑ ኸዱ። ጢሞቴዎስ ነቲ ኣዲኡን ዓባዩን እናፋነዋኦ፡ ብሓበን ዚኣክል ፍሽኽ ኪብላን ንንብዓተን ኪሓብኣኦ ኺፍትናን ከለዋ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዘኪሩ ፍሽኽ በለ። ንመወዳእታ ግዜ ንድሕሪት ግልጽ ብምባል ኢዱ የወዛውዝ ደዀን ይኸውን፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብተደጋጋሚ ይጥምቶን ዜተባብዕ ፍሽኽታ የርእዮን ነበረ። ጳውሎስ፡ ጢሞቴዎስ ገና ሓፋር ምንባሩን ነዚ ኼሰንፎ ኸም ዘለዎን ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ እዚ መንእሰይ እዚ ዝነበሮ ውዕዉዕ ስምዒት ሕጉስ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዅትትና ወይ ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል መንእሰይ፡ ንጳውሎስ ዓሚቝ ኣኽብሮትን ፍቕርን ነይርዎ እዩ። ካብ ቤቱ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ምስዚ ብርቱዕን እሙንን ሰብኣይ ኪጐዓዝ ድማ ተቐሪቡ ነበረ። ክልቲኦም ብዙሕ ሓደጋታት እናኣጋጠሞም ብእግሮምን ብመርከብን ኪጐዓዙ የድልዮም ነበረ። ጢሞቴዎስ ንቤቱ እንደገና ኺርእያ እንተ ዀይኑ እውን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።
እዚ መንእሰይ እዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣነባብራ ንኺስዕብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ብምግባር ዚርከብ ዓስቢ እንታይ እዩ፧ እምነት ጢሞቴዎስ ንእምነትና ኽትጸልዋ እትኽእልከ ብኸመይ እያ፧
‘ካብ ሕጻንነቱ’
ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና እስከ ንሕሰብ። ልስጥራ ጢሞቴዎስ እተወልደላ ዓዲ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ልሙዕ ስንጭሮ ዝነበራ እተገለለት ንእሽቶ ገጠር እያ ነይራ። እቶም ህዝቢ፡ ቋንቋ ግሪኽ ይርድኦም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ዝዀነ ሊቃኦንያ እውን ይዛረቡ ነይሮም እዮም። ሓደ መዓልቲ ግና እዛ ህድእቲ ኸተማ ተናዓበት። ክልተ ክርስትያን ሚስዮናውያን፡ ማለት ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ መገላግልቱ ዝነበረ በርናባስን፡ ኣብቲ ኸባቢ ኻብ እትርከብ ኢቆንዩም እትብሃል ዓባይ ከተማ መጹ። ነቶም ህዝቢ ኺሰብኩሎም ከለዉ፡ ጳውሎስ ሓደ ናይ ሓቂ እምነት ዝነበሮ ሓንካስ ሰብኣይ ረኣየ። ብተኣምራዊ መገዲ ድማ ኣሕወዮ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:5-10።
ብዙሓት ካብ ህዝቢ ልስጥራ፡ ኣማልኽቲ ኸም ሰብ መሲሎም ናብቲ ኸባቢ ይመጹ ኸም ዝነበሩ ኣብ ዚገልጽ ኣፈ ታሪኽ ይኣምኑ ነበሩ። በዚ ድማ እዮም እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ከም ‘ሄርሜስ፡’ ንበርናባስ ከኣ ከም ‘ድያ’ (‘ዙስ’) ገይሮም ዝረኣይዎም። እዞም ክልተ ትሑታት ክርስትያናት ግና እቶም ህዝቢ ንኸይስውኡሎም ብኽንደይ ገድሊ ኸልከልዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 14:11-18።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ልስጥራ ዝነበሩ ሒደት ሰባት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብናይ ጽውጽዋይ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዘይኰነስ፡ ዜደንቕ መልእኽቲ ሒዞም ብዝመጹ ተራ ሰባት እተገብረ ምብጻሕ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። ንኣብነት፡ እታ ንዘይኣማኒ ግሪኻዊ ሰብኣይa ተመርዕያ ዝነበረት ኤውንቄ ዝስማ ኣይሁዳዊት ሰበይትን ኣዲኣ ሎኢስን፡ ንጳውሎስን በርናባስን ተሃንጥየንን ተሓጕሰንን ይሰምዓኦም ከም ዝነበራ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ድማ እቲ መሲሕ ከም ዝመጸን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዙሕ ትንቢታት ከም ዝፈጸሞን ዚገልጽ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኣይሁዳዊ ኺሰምዖ ዚህንጠ ዝነበረ ብስራት እዩ ነይሩ።
ጢሞቴዎስ ብምብጻሕ ጳውሎስ ክሳዕ ክንደይ ከም እተጸልወ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኼፍቅሮ ‘ኻብ ሕጻንነቱ’ ኣትሒዙ ተማሂሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ጢሞቴዎስ ልክዕ ከም ኣዲኡን ዓባዩን፡ ጳውሎስን በርናባስን ብዛዕባ እቲ መሲሕ ሓቂ ይዛረቡ ኸም ዝነበሩ ኼስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዘሕወዮ ሓንካስ ሰብኣይ እውን እሞ ሕሰብ! ጢሞቴዎስ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ጐደናታት ልስጥራ ብዙሕ ግዜ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግና ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብእግሩ ኪኸይድ ዚርእዮ ዘሎ። ኤውንቄን ሎኢስን ጢሞቴዎስን ክርስትና እንተ ተቐበሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ሎሚ እውን እንተዀነ፡ ኣቦሓጎታትን እናሓጎታትን ወለድን ካብ ሎኢስን ኤውንቄን ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንስኻኸ ንመንእሰያት ጽቡቕ ጽልዋ ኸተሕድረሎም ትኽእልዶ፧
“ብብዙሕ ጸበባ”
እቶም ክርስትና እተቐበሉ ተቐማጦ ልስጥራ፡ ብዛዕባ እቲ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ተነቢሩሎም ዘሎ ተስፋ ምስ ተማህሩ ኣዝዮም ተሓጒሶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ወደ መዝሙር ምዃን መስዋእቲ ምኽፋል ከም ዚሓትት እውን ተማሂሮም እዮም። ተጻረርቲ ዝዀኑ ጥሩፋት ኣይሁድ ካብ ኢቆንዩምን ኣንጾክያን ናብታ ኸተማ ብምምጻእ ንተቐማጦኣ ኣንጻር ጳውሎስን በርናባስን ከም ዚለዓሉ ገበርዎም። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እተቘጥዑ ጭፍራ ደድሕሪ ጳውሎስ ብምስዓብ ኣእማን ኪድርብዩሉ ጀመሩ፣ ብተደጋጋሚ ምስ ሃረምዎ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ። ዝሞተ ስለ ዝመሰሎም ከኣ ጐቲቶም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጽእዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:19።
እቶም ኣብ ልስጥራ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ግና መጺኦም ንጳውሎስ ከበብዎ። ኪንቀሳቐስን ኪትንስእን ኪርእይዎ ኸለዉ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብትብዓት ናብ ልስጥራ ምስ ተመልሰ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ቀሲኖም ይዀኑ! ንጽብሒቱ፡ ንሱን በርናባስን ስብከቶም ኪቕጽሉ ናብ ከተማ ደርቤ ኸዱ። ኣብኡ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ ድማ ዋላ እኳ ናብ ልስጥራ ምምላስ ሓደገኛ እንተ ነበረ፡ ብትብዓት ተመልሱ። ንምንታይ ዕላማ፧ እቲ ጸብጻብ፡ “ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑ . . . ንነፍሳት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣበራትዑ” ይብለና። ጳውሎስን በርናባስን፡ ነዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ እቲ ኣብ መጻኢ ዚረኽብዎ ዜደንቕ ተስፋ ኻብቲ ሕጂ ዚኸፍልዎ መስዋእቲ ንላዕሊ ኣዝዩ ኸም ዚበልጽ ኪምህርዎም ከለዉ፡ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ተሃንጥዩ ኺሰምዕ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” ድማ በልዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 14:20-22።
ጢሞቴዎስ፡ ጳውሎስ ምስዘን ቃላት እዚአን ተሰማሚዑ ብምምልላስ፡ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ምእንቲ ኼካፍል ብትብዓት ጸበባ ኼሕልፍ ከሎ ርእዩ እዩ። ስለዚ፡ ጢሞቴዎስ ንኣብነት ጳውሎስ እንተ ስዒቡ፡ ህዝቢ ልስጥራ ኸም ዚጻረርዎ፡ ኣቦኡ እውን ኪጻረሮ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ኬገልግል ዚገብሮ ውሳነ ኺጸልዎ ኣይፈቐደን። ሎሚ እውን ከም ጢሞቴዎስ ዝኣመሰሉ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ። ምስቶም ኬተባብዕዎምን ኬበራትዕዎምን ዚኽእሉ ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ሰባት ብምትዕርራኽ ጥበባዊ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ። እቲ ዜጋጥሞም ምጽራር፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ምግልጋል ኬርሕቖም እውን ፈጺሞም ኣይፈቕዱን እዮም።
‘በቶም ኣሕዋት ጽቡቕ እተመስከረሉ ነበረ’
ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ጳውሎስ ድሕሪ ኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ እዩ እንገደና በጺሕዎም። ጳውሎስ ብሲላስ ተሰንዩ ምስ መጸ፡ ኣብ ስድራ ቤት ጢሞቴዎስ እተፈጥረ ሓጐስ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጳውሎስ እውን እንተዀነ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ኣብ ልስጥራ ዚዘርኦ ዘርኢ ሓቂ እንታይ ፍረ ኸም ዘፍረየ ብዓይኑ ኺርኢ ይኽእል ነበረ። ሎኢስን ጓላ ኤውንቄን ‘ግብዝና ዘይብላ እምነት’ ዝመልአን እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ ዀይነን ጸንሓኦ፣ ነዚ ድማ ኣዝዩ ኣድነቖ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5) እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስከ፧
ጳውሎስ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ ምብጻሕ፡ እዚ መንእሰይ እዚ ዝያዳ ብስለት ኣጥርዩ ኸም ዝጸንሐ ረኣየ። ጢሞቴዎስ በቶም ኣብ ልስጥራ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ በቶም ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ከባቢ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ‘ኣሕዋት እውን ጽቡቕ እተመስከረሉ’ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:2) ከምዚ ዝኣመሰለ ስም ኬጥሪ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
እቲ ጢሞቴዎስ ‘ካብ ሕጻንነቱ’ ኣትሒዙ ኻብ ኣዲኡን ዓባዩን እተማህሮ “ቕዱሳት ጽሑፋት፡” ንመንእሰያት ዚኸውን ጥበባውን ግብራውን ምኽሪ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ሓደ ኻብዚ ምኽሪ እዚ፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዚብል እዩ። (መክብብ 12:1) ጢሞቴዎስ ክርስትና ምስ ተቐበለ፡ እዘን ቃላት እዚአን ዓሚቝ ትርጉም ከም ዘለወን ተገንዚቡ እዩ። ንፈጣሪኡ ኺዝክሮ ዚኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ ድማ ነቲ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ዚገልጽ ብስራት ንኻልኦት ምክፋል ከም ዜጠቓልል ኣስተውዓለ። ቀስ ብቐስ፡ ጢሞቴዎስ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል ዝነበረ ናይ ምሕፋር ባህርዩ ኼሰንፎን ንኻልኦት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምንጋር ተባዕ ኪኸውንን ከኣለ።
እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሰብኡት ነቲ ጢሞቴዎስ ዚገብሮ ዝነበረ ዕቤት ኣስተብሂሎምሉ እዮም። እቲ መንእሰይ ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪሃንጾምን ኬተባብዖምን ኪርእይዎ ኸለዉ ልቦም ከም እተተንከፈ ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ዝያዳ ዜገድስ ግና የሆዋ ንጢሞቴዎስ ዘስተብሃለሉ ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ብድራኸ መንፈሱ ብዛዕባኡ ትንቢታት ከም ዚንገር ገይሩ እዩ፣ እዚ ምናልባት ነቲ ጢሞቴዎስ ኣብ መጻኢ ንሓያሎ ጉባኤታት ዜቕርቦ ኣገልግሎት ዚገልጽ ትንቢታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ኪበጽሕ ምስ መጸ፡ ጢሞቴዎስ፡ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ዚድግፎ ንፉዕ መገላግልቲ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣስተውዓለ። ኣብ ልስጥራ ዝነበሩ ኣሕዋት እውን ነዚ ተሰማምዑሉ። ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሉ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣምላኽ ንፍሉይ መሰል ከም እተሸመ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:18፣ 4:14።
ጢሞቴዎስ፡ በቲ ኣብኡ እተገብረ ዓብዪ ትውክልትን እተዋህቦ ረዚን ሓላፍነትን፡ ከም እተገረመን ዘይበቅዕ ኰይኑ ኸም እተሰምዖን ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኪኸይድ ድሉው እዩ ነይሩ።b ይኹን እምበር፡ እቲ ዘይኣማኒ ዝነበረ ኣቦኡ፡ ነቲ ወዱ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዘ ዜገልግል ክርስትያን ኪኸውን እተገብረሉ ጻውዒት ብኸመይ እዩ ኺርእዮ፧ ንመጻኢ ወዱ ብዚምልከት ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ ኣረኣእያ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣዲኡን ዓባዩንከ፧ ብዛዕባ ድሕንነት እዚ መንእሰይ እዚ ዘለወን ስክፍታ ኺሓብኣ እናፈተና ብሓበን ፍሽኽ ኢለንዶ ይዀና፧ ከምኡ ኺገብራ ንቡር እዩ።
ጢሞቴዎስ ከም ዝኸደ ግና እተረጋገጸ እዩ። ኣብታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ንግሆ፡ ነቲ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ እናተጓዕዘ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት ጀመሮ። ንልስጥራ ብድሕሪኡ ሓዲግዋ ኪኸይድ ከሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ስጕሚ ኻብ ቤቱ ተርሕቖን ናብ ዘይፈልጦ ርሑቕ ቦታ ትወስዶን ነበረት። ድሕሪ ናይ ምሉእ መዓልቲ ጕዕዞ፡ እዞም ሰለስተ ሰብኡት ኣብ ኢቆንዩም በጽሑ። ጢሞቴዎስ፡ ጳውሎስን ሲላስን እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ንዘውጸኦ መምርሒታት ናብቶም ኣሕዋት ኬመሓላልፍዎን ንእምነት እቶም ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ኣመንቲ ንምህናጽ ኪጽዕሩን ከለዉ ኺዕዘብ ከኣለ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5) እዚ ግና መጀመርታ ስልጠናኡ ጥራይ እዩ ነይሩ።
እዞም ሚስዮናውያን፡ ነተን ኣብ ገላትያ ዝነበራ ጉባኤታት ድሕሪ ምብጻሖም፡ ነቲ ሰፊሕን እተጸርገን ጐደናታት ሮሜ ብምሕዳግ፡ ብከበሳታት ፍርግያ ሓሊፎም ፈለማ ንሸነኽ ሰሜን ድሕሪኡ ድማ ንሸነኽ ምዕራብ ኣቢሎም ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ተጓዕዙ። ንመምርሒ መንፈስ ኣምላኽ ብምስዓብ፡ ናብ ጥሮኣስ ከዱ፣ ካብኡ መርከብ ተሰቒሎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኸዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:6-12) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጳውሎስ፡ ጢሞቴዎስ ክሳዕ ክንደይ ሓጋዚ ኸም ዝነበረ ኺርኢ ኽኢሉ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ምስ ሲላስ ኣብ ቤርያ ሓዲግዎ ኪኸይድ ዝኸኣለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:14) ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ናብ ተሰሎንቄ ንበይኑ ኪኸይድ ለኣኾ። ጢሞቴዎስ ነቲ ብንቕሓት እተዓዘቦ ኣብነታት ብምቕዳሕ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ብመንፈስ ሃነጾም።—1 ተሰሎንቄ 3:1-3።
ጸኒሑ ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ፡ “ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን” ብምባል ጸሓፈ። (ፊልጲ 2:20) እዚ ጽቡቕ ስም እዚ ብኣጋጣሚ ኣይተረኽበን። ጢሞቴዎስ፡ ብጻዕርን ብትሕትና ብምግልጋልን ኣብ ትሕቲ ጽንኩር እዋናት ብተኣማንነት ብምዕጋስን እዩ ኸምዚ ዝበለ ስም ኬጥሪ ዝኸኣለ። ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣብነት ኰን እዩ! ንገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብምሃብ፡ ንኻልኦት ድማ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ብምሓዝ ንገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ስም ናይ ምጥራይ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኣሎካ።
“ናባይ ክትመጽእ ጽዓር”
ጢሞቴዎስ ምስቲ ፈታዊኡ ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ንልዕሊ 14 ዓመት ዓይዩ እዩ። ምስ ጳውሎስ ኰይኑ፡ እተፈላለየ ሓደጋታትን ዜሐጕስ ኣጋጣሚታትን ኣሕሊፉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:24-27) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እውን ብእምነቱ ተኣሲሩ ነይሩ እዩ። (እብራውያን 13:23) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ልክዕ ከም ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ልባዊ ፍቕርን ተገዳስነትን ነይርዎ እዩ። በዚ ድማ፡ ‘ንብዓትካ ዘከርኩ’ ብምባል ጸሓፈሉ። (2 ጢሞቴዎስ 1:4) ልክዕ ከም ጳውሎስ፡ ጢሞቴዎስ እውን ንኣሕዋቱ ብዝበለጸ ምእንቲ ኼተባብዖምን ኬጸናንዖምን ‘ምስቶም ዚበኽዩ ዚበኪ’ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ሮሜ 12:15) ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ኸምዚ ንምግባር ንጽዓር!
ድሕሪ ግዜ፡ ጢሞቴዎስ ንፉዕ ክርስትያን ሓላዊ ኸም ዝዀነ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ሓላፍነት፡ ጉባኤታት ብምብጻሕ ንኣሕዋት ኬበራትዕን ኬተባብዕን ጥራይ ዘይኰነስ ሽማግለታትን ኣገልገልትን ጉባኤ ዀይኖም ኪዓዩ ዚኽእሉ ብቑዓት ሰብኡት ኪሸይም እውን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:22።
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ግዜ ኣባታውን ጠቓምን ምኽሪ ይህቦ ነይሩ እዩ። ንመንፈሳዊ ውህበቱ ኣኽቢሩ ኺርእዮን ዕቤት ኪገብርን ከኣ ተማሕጺንዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15, 16) ንቕኑዕ ዘበለ ነገራት ጽኑዕ መርገጺ ኺሕዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ንእስነቱ ይኹን ጕድለት ርእሰ ምትእምማን፡ ዕንቅፋት ኪዀኖ ኸየፍቅደሉ ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:3፣ 4:6, 7, 11, 12) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ እቲ ዚመላለሶ ዝነበረ ምስ ከብዲ ዚተሓሓዝ ሕማም እውን ከይተረፈ ምኽሪ ሂብዎ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:23።
ጳውሎስ መወዳእታ ህይወቱ ኸም ዝቐረበ ፈለጠ፣ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ኸም ዚቕተል ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ሰደደሉ። “ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር” ንዚብል ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ዘጠቓለለት ድማ እያ ነይራ። (2 ጢሞቴዎስ 4:9) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣዝዩ እዩ ዜፍቅሮ ነይሩ፣ “ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን” ብምባል እውን ጸውዖ። (1 ቈረንቶስ 4:17) ኣብ ግዜ መወዳእታ ህይወቱ ፈታዊኡ ኣብ ጐድኑ ኪኸውን ምድላዩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ምንጪ ምጽናዕ ከም ዝዀንኩ ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ።
እሞ ደኣ ጢሞቴዎስ፡ ጳውሎስ ከይተቐትለ ኸሎ ኣርኪብዎ ድዩ፧ ብዛዕባዚ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ንጳውሎስ ኰነ ንኻልኦት፡ ንምጽንናዕን ንምትብባዕን ኩሉ ግዜ ዚከኣሎ ይጽዕር ከም ዝነበረ ግና ንፈልጥ ኢና። ጢሞቴዎስ ምስቲ “ንኣምላኽ ዜኽብር” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ስሙ ተሰማሚዑ እዩ ዚነብር ነይሩ። ጢሞቴዎስ፡ ንመንእሰያት ይኹን ንዓበይቲ፡ ኰታስ ንኹላትና ኽንቀድሖ ዚግብኣና ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።
b ጢሞቴዎስ፡ ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ዘቕረበሉ ምሕጽንታ፡ ኪግዘር እውን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዜድልዮም ብቕዓት ስለ ዝነበረ ዘይኰነስ፡ ጳውሎስ፡ ኣቦ ጢሞቴዎስ ካብ ኣህዛብ ብምዃኑ፡ እቶም ዚሰብኩሎም ኣይሁድ ነዚ መንእሰይ እዚ ኺቃወምሉ ዜኽእሎም ምኽንያት ኪረኽቡሉ ስለ ዘይደለየ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:3።