“ትሕትና ተዓጠቑ”
“ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም:ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።”—1 ጴጥሮስ 5 :5
1, 2. እቲ ኣብ ሰብኣዊ ጠባይ ዓሚቝ ሳዕቤን ዘለዎ ክልተ ንሓድሕዱ ዝጻረር ኣገባብ ኣተሓሳስባ እንታይ ኢዩ፧
ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዛረበሉ ኣገባብ ኣተሓሳስባታት ብዛዕባ ክልተ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጻረር ኣተሓሳስባ ነስተብህል። ክልቲኡ ኣብ ሰብኣዊ ጠባይ ዓሚቝ ሳዕቤን ኣለዎ። እቲ ሓደ “ትሕትና” ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:5) ሓደ መዝገበ ቃላት ነታ “ትሑት” እትብል ቃል “ብጠባይ ወይ ብመንፈስ ለጠቕ ምባል፣ ካብቲ ድርቅና እተሓወሶ ትዕቢት ናጻ ምዃን” ኢሉ ይገልጻ። ትሕትና ብኣረኣእያ ኣምላኽ ኣዝዩ ተፈታዊ ጠባይ ኢዩ።
2 ኣንጻር እዚ ድማ ትዕቢት ኢዩ። እዚ “ንኻልኦት ብምንዓቕ: ንርእስኻ ካብ መጠን ዝሓለፈ ግምት ምሃብ” ተባሂሉ ይግለጽ። እዚ ኣገባብ ኣተሓሳስባ እዚ ርእስኻ ምፍታው: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኦት ዝወርድ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብዘይምግዳስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንዋታውን ካልእ ረብሓታትን ከም እትደሊ ዝገብር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሳዕቤን ናይዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ።” ‘ሰብ ኣብ ብጻዩ ምቕንኡ’ ድማ “ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን” ምዃኑ ይነግር: ከመይሲ ሰብ ኣብ ግዜ ሞት ‘ካብቲ ዝጸዓረሉ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን’ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ትዕቢት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይፍቶ ኢዩ።—መክብብ 4:4፣ 5:15፣ 8:9
እቲ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ መንፈስ
3. እቲ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ መንፈስ እንታይ ኢዩ፧
3 ሎሚ ካብዚ ክልተ ዓይነት ኣገባብ ኣተሓሳስባ ኣብ ዓለም ዝርአ ኣየናይ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ መንፈስ እንታይ ኢዩ፧ ዎርልድ ሚሊታሪ ኤንድ ሶሺያል ኤክስፔንዲቸርስ 1996 ክገልጽ ከሎ “ጭከና ዝመልኦ . . . ዓመጽ ብምፍጻም ንመበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝወዳደር እተመዝገበ ግዜ የለን” ይብል። ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ: ንሃገራውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ቀቢላውን ምፍሕፋሕ ሓዊስካ እቲ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓይልታት ዝርአ ምውድዳር ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ ኢዩ። ናይ ርእስኻ ምፍታው ጠባይ ድማ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኢዩ ወሲኹ። ጋዜጣ ቺካጎ ትሪብዩን ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝርአ ሕማቕ ኵነታት ንጭከና: ምህሳይ ቈልዓ: ፍትሕ: ስኽራን: አይድስ: ኰተቴታት ዝፍጽምዎ ርእሰ-ቅትለት: ሓሽሽ: ዕውልና: ጾታዊ ምዕማጽ: ኣንጻር ሕጊ ምኻድ: ምንጻል ጥንሲ: ስእለ-ጽዩፍ: . . . ሓሶት: ምድንጋር: ፖለቲካዊ ብልሽውና ዘጣምር ኢዩ። . . . ቅኑዕን ጌጋን ዝብል ናይ ስነ-ምግባር ኣምር ፈጺሙ የለን።” ስለዚ ድማ መጽሔት ዩኤን ክሮኒክል “ሕብረተሰብ ይበታተን ኢዩ ዘሎ” ብምባል ተጠንቅቕ።
4, 5. መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብቲ ብዛዕባ ግዜና ዝዛረብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
4 እዚ ዅነታት እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ ኢዩ። ከምቲ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና ኣቐዲሙ እተዛረቦ ኢዩ: ከምዚ ድማ ይብል:- ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዝመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክዀኑ ኢዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዝህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ ክዀኑ ኢዮም።’—2 ጢሞቴዎስ 3:1-4
5 እዚ ነቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ መንፈስ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። እዚ መንፈስ እዚ ስስዐን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣረኣእያን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ውድድር በቲ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዝርአ ውድድር ኢዩ ዝንጸባረቕ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘለዎ ስፖርት ብዙሓት ስፖርታውያን ንኻልኦት ብስምዒትን ብኣካልን ዝጐድእ እኳ እንተዀነ ቀዳሞት ክዀኑ ኢዮም ዝብህጉ። እዚ መንፈስ ርእስኻ ምፍታው እዚ ኣብ እዋን ቍልዕነት ይጅምር እሞ: ኣብ ብዙሕ መዳያት ናይ ብጽሕና ብምንጽብራቕውን ይቕጽል። “ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ” ድማ የስዕብ።—ገላትያ 5:19-21
6. ስስዐ ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብር መን ኢዩ: የሆዋኸ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እንታይ ይስምዖ፧
6 መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ናይ ርእስኻ ምፍታው መንፈስ ካብቲ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል” እተወስደ ምዃኑ የርኢ። ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝነብሩ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ይነግር:- ‘ምድሪ ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱ አሎ እሞ: ወይለኺ።’ (ራእይ 12:9-12) ስለዚ ንሱን እቶም መተሓባብርቱ ኣጋንንትን ኣብ ሰብኣዊ ስድራቤት ስሱዕ ኣተሓሳስባ ንምስፍሕፋሕ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኣለዉ። የሆዋኸ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እንታይ ይስምዖ፧ ቃሉ “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ይብል።—ምሳሌ 16:5
የሆዋ ምስቶም ትሑታት ኢዩ
7. የሆዋ ንትሑታት ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም: እንታይ ኢዩኸ ዝምህሮም፧
7 በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ የሆዋ ነቶም ትሑት ዝልቦም ይባርኾም ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ናብ የሆዋ ክዝምር ከሎ “ንጥቑዕ [“ንትሑት:” NW ] ህዝቢ ድማ ተድሕኖ ኢኻ: ነቶም ዕቡያት ግና ከተዋርዶም: ኣዒንትኻ ናባታቶም እየን” በለ። (2 ሳሙኤል 22:1, 28) ስለዚ ቃል ኣምላኽ “ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ” ብምባል ይመኽረና። (ጸፎንያስ 2:3) እቶም ብትሕትና ንየሆዋ ዝደልይዎ ሰባት: ካብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ እተፈልየ መንፈስ ክዅስኩሱ ኢዩ ዝምህሮም። ‘ንትሑታት መገዱ ከስተምህሮም ኢዩ።’ (መዝሙር 25:9፣ ኢሳይያስ 54:13) እዚ መገዲ ፍቕሪ ኢዩ። ብመሰረት መዐቀኒታት ኣምላኽ ቅኑዕ ኣብ ምግባር እተመስረተ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ እዛ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ እዚኣ “ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን: . . . ናታ ኣይትደልን” ኢያ። (1 ቈረንቶስ 13:1-8) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ትሕትና ኢያ እተርኢ።
8, 9. (ሀ) ምንጪ ናይታ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ መን ኢዩ፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕርን ትሕትናን ምቕዳሕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧
8 ጳውሎስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናትን ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ካብ ትምህርትታት የሱስ ኢዮም ተማሂሮማ። የሱስ ድማ ካብ የሆዋ ኣቡኡ ኢዩ ተማሂርዋ: ብዛዕባ የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:8) የሱስ ብሕጊ ፍቕሪ ክነብር ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ስለ ዝዀነ ኸኣ ምስኡ ተሰማሚዑ ተመላለሰ። (ዮሃንስ 6:38) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ጭቁናትን ድኻታትን ሓጥኣንን ይድንግጸሎም ነበረ። (ማቴዎስ 9:36) ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ማቴዎስ 11:28, 29
9 የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ንሱ ዘንጸባረቖ ፍቕርን ትሕትናን ክቐድሕዎ ኣድላዪ ምዃኑ ንኸርእዮም “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:35) ካብዛ ርእስኻ ምፍታው እተንጸባርቕ ዓለም ፍሉያት ኰይኖም ክርኣዩ ነበሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ክብል ዝኸኣለ። (ዮሃንስ 17:14) ነቲ ዕቡይን ስሱዕን መንፈስ ናይዛ ሰይጣን ዝኣምላኻ ዓለም ፈጺሞም ኣይቀድሑን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ነቲ የሱስ ዘርኣዮ መንፈስ ፍቕርን ትሕትናን ኢዮም ዝቐድሑ።
10. የሆዋ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ትሑታት እንታይ ኢዩ ዝገብረሎም ዘሎ፧
10 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቶም ትሑታት ኣብ ሓንቲ ኣብ ፍቕርን ትሕትናን እተመስረተት ዓለምለኻዊት ማሕበር ክእከቡ ምዃኖም ቃል ኣምላኽ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ማእከል እዛ መመሊሳ ትዕቢተኛ እትኸውን ዘላ ዓለም ህዝቢ ኣምላኽ እተፈልየ ዓይነት ጠባይ ማለት ትሕትና የርእዩ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምዚ ይብሉ:- “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: [እቲ ክብ ዝበለ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ] . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና።” (ኢሳይያስ 2:2, 3) ነዛ ብመገድታት ኣምላኽ እትመላለስ ማሕበር ዘቝሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። ንሳቶም ነቶም መመሊሶም ዝበዝሑ ዘለዉ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” እውን ዘጣምሩ ኢዮም። (ራእይ 7:9) ሎሚ እዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኰይኖም ኢዮም። ትሑታት ንኽዀኑ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝምህሮም ዘሎ፧
ትሑት ንምዃን ምምሃር
11, 12. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ትሕትና ዘንጸባርቑ፧
11 እቲ ኣብቶም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ህዝቡ ዝዓዪ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ እኩይ መንፈስ ዓለም ንኽስዕርዎ ከም ዝማሃሩ: ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ከም ዘንጸባርቑ ይገብሮም ኣሎ። እቲ ፍረ መንፈስ በቲ ከም “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዝበለ ባህርያት ኢዩ ዝግለጽ። (ገላትያ 5:22, 23) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚ ባህርያት እዚ ከማዕብሉ ምእንቲ ክሕገዙ ‘ንሓድሕዶም ብምትሕርራቕን ብምቅንናእን ውዳሴ ከንቱ ከይደልዩ’ ተማዒዶም ኢዮም። (ገላትያ 5:26) ብተመሳሳሊ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኣይሕሰብ’ ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ።—ሮሜ 12:3
12 ቃል ኣምላኽ ነቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ከምዚ ይብሎም:- “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ [ኣገልጋሊ ኣምላኽ] ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ አይጠምት።” (ፊልጲ 2:3, 4) “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።” (1 ቈረንቶስ 10:24) ብርግጽ እምበኣር: ‘ፍቕሪ’ ስስዐ ብዘይብሉ ቃላትን ተግባራትን ገይራ ንኻልኦት ‘ትሃንጽ’ ኢያ። (1 ቈረንቶስ 8:1) ምትሕብባር እምበር ምውድዳር ኣይተተባብዕን ኢያ። እቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ቦታ የብሉን።
13. ትሕትና ክትማሃሮ ዝግብኣካ ነገር ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ሓደ ሰብ ክማሃሮ ዝኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ይኹን እምበር: ብምኽንያት እቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ትሑታት ኴንና ኣይተወለድናን። (መዝሙር 51:5) እዚ ባህርይ እዚ ክንማሃሮ ዝግብኣና ኢዩ። እዚ ድማ ነቶም መገድታት የሆዋ ካብ ቍልዕነቶም ዘይኰነስ ምስ ዓበዩ እተማህርዎ ሰባት ክኸብዶም ይኽእል ኢዩ። ድሮ በቲ ቅድም ዝነበሮም ዓለማዊ ኣረኣእያ እተቐርጸ ባህርያት ሒዞም ኢዮም። ስለዚ ነቲ ‘ቐደም እተመላለሱሉ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጦም እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክለብሱ’ ክማሃሩ ኣለዎም። (ኤፌሶን 4:22, 24) ቅኑዓት ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ካብኦም ዝጽበዮ “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ” ብሓገዝ ኣምላኽ ‘ክለብሱ’ ይኽእሉ ኢዮም። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ቈሎሴ 3:12
14. የሱስ ኣንጻር ርእስኻ ክብ ምባል እተዛረበ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ ክማሃርዎ የድልዮም ነበረ። ምስ ዓበዩ ኢዮም ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም: ስለዚ ድማ ካብቲ ዓለማዊ ዝዀነ መንፈስ ውድድር ገለ ቍሩብ ነይርዎም ኢዩ። ኣደ ናይ ክልተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ: ደቃ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ቦታ ክረኽቡ ምስ ደለየት የሱስ ከምዚ በላ:- “ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም: ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም: ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን: እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ድኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን። ወዲ ሰብ [የሱስ] ድማ: ኼገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴዎስ 20:20-28) የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ንርእሶም ክብ ዘብል መጸውዒ መዓርጋት ከይጥቀሙ ክነግሮም ከሎ ወሲኹ “ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” በሎም።—ማቴዎስ 23:8
15. እቶም ናይ ተዓዛቢ መዝነት ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልዎም ዝግባእ፧
15 እቲ ብሓቂ ሰዓብ የሱስ ዝዀነ ሰብ ኣገልጋሊ: እወ ባርያ ናይ ብጾቱ ክርስትያናት ኢዩ። (ገላትያ 5:13) ብፍላይ እቶም ናይ ጉባኤ ተዓዘብቲ ምዃን ዝደልዩ ሰባት ከምኡ ዝበለ ኣረኣእያ ክህልዎም ይግባእ። ተፈላጥነት ወይ ስልጣን ንምርካብ ፈጺሞም ክዋዳደሩ የብሎምን: ‘ኣርኣያ ክዀኑ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ክዀኑ’ ኣይግባእን። (1 ጴጥሮስ 5:3) ብርግጽ እምብኣር ናይ ርእስኻ ምፍታው መንፈስ እቲ ሰብ እቲ ተዓዛቢ ክኸውን ከም ዘይበቅዕ ኢዩ ዘመልክት። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ነታ ጉባኤ ጐዳኢ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ‘መዓርግ ኤጲስቆጶስ ምድላይ’ ግቡእ ኢዩ: እዚ ግን ንኻልኦት ክርስትያናት ምግልጋል ብዝብል ባህጊ ክለዓዓል ኣለዎ። እዚ ቦታ እዚ ተፈላጥነት ወይ ስልጣን እትረኽበሉ ቦታ ኣይኰነን: ከመይሲ እቶም ኣብ ናይ ምዕዛብ ዕዮ ዘለዉ ሰባት ኣብታ ጉባኤ እቶም ኣዝዮም ትሑታት ክዀኑ ይግባእ።—1 ጢሞቴዎስ 3:1, 6
16. ድዮትሬፌስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተዀነነ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ሃዋርያ ዮሃንስ “ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ አሎኹ: እቲ ኣዉራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ” ብምባል ናብ ሓደ ሰብ ከም እነቕልብ ገይሩና ኣሎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ክጕይተት ይደሊ ስለ ዝነበረ ንኻልኦት ዘዋርድ ኢዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን መንፈስ ኣምላኽ እቲ ድዮትሬፌስ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ብምርኣዩ ዝወረዶ ኵነኔ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክምዝገብ ንዮሃንስ ኣለዓዓሎ።—3 ዮሃንስ 9, 10
እቲ ቅኑዕ ኣረኣእያ
17. ጴጥሮስ: ጳውሎስ: ከምኡውን በርናባስ ብኸመይ ኢዮም ትሕትና ዘንጸባረቑ፧
17 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ናይ ቅኑዕ ኣረኣእያ ወይ ትሕትና ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ጴጥሮስ ኣብ ቤት ቆርኔሌዎስ ምስ ኣተወ ቆርኔሌዎስ ‘ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡ ሰገደሉ።’ ጴጥሮስ ግን ውዳሰ-ከንቱ ኣብ ክንዲ ዝቕበል “ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ: ተንስእ: ኢሉ ኣተንስኦ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26) ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ልስጥራ ከለዉ: ጳውሎስ ንሓደ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝለመሰ ሰብኣይ ፈወሶ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም ህዝቢ ነቶም ሃዋርያት ኣማልኽቲ ኢዮም በሉዎም። ይኹን እምበር ጳውሎስን ባርናባስን “ክዳውንቶም ቀደዱ: እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ: እናበሉ፤ ኣቱም ሰብ: ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና።” (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-15) እዞም ትሑታት ክርስትያናት እዚኣቶም ካብ ሰባት ክብሪ ኣይተቐበሉን።
18. ሓደ ሓያል መልኣኽ ብትሕትና ንዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝነገሮ፧
18 ሃዋርያ ዮሃንስ “ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ” ክቕበል ከሎ ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ ኢዩ ተመሓላሊፍሉ። (ራእይ 1:1) ዮሃንስ ብምኽንያት እቲ ሓደ መልኣኽ ዘለዎ ሓይሊ ከም ዝረዓደ ይርድኣና ኢዩ: ከመይሲ ሓደ መልኣኽ ኣብ ሓደ ለይቲ 185,000 ኣሶራውያን ቀቲሉ ነይሩ ኢዩ። (2 ነገስት 19:35) ዮሃንስ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ: ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርአየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። ንሱ ኸኣ፤ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን . . . ባርያ እየ: ንኣምላኽ ደኣ ስገድ: በለኒ።” (ራእይ 22:8, 9) እዚ ሓያል መልኣኽ እዚ ኣየ ከመይ ዝበለ ትሕትና ኢዩ ዘርኣየ!
19, 20. ነቲ ሮማውያን ጀነራላት ክስዕሩ ከለዉ ዘርእይዎ ኩርዓት ምስቲ ናይ የሱስ ትሕትና ኣነጻጽሮ።
19 የሱስ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ናይ ትሕትና ነበረ። ንመጻኢ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ሓደ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ህዝቢ መንነቱ ክነግሮም ከሎ ግን ከምቶም ኣብ እዋን ግዝኣት ሮሜ እተዓወቱ ጀነራላት ዘርእይዎ ዝነበሩ ባህርያት ገይሩ ኣይኰነን ንገዛእ ርእሱ ኣቕሪቡዋ። ነቶም ሮማውያን ዓቢ ሰልፍን ዓጀባን ይግበረሎም ነበረ: እተን ሰረገላታቶም ብወርቅን ስኒ ሓርማዝን ዝስለማ: ከምኡውን ብጸዓዱ ኣፍራስ: ወይ ብሓራምዝ: ኣናብስ: ወይ ኣናብር እውን ከይተረፈ ዝሰሓባ ኢየን ነይረን። ኣብቲ ምዕጃብ ድማ ናይ ዓወት ደርፊ ዝደርፉ ሙዚቀኛታት ከምኡውን ምርኮን ናይ ውግእ ኵነታት ዘብርህ ትርኢታትን ዝሓዛ ካሮሳታት ነበራ። እተማረኹ ነገስታትን መሳፍንትን ጀነራላትን መምስ ስድራቤታቶም እውን ነይሮም ኢዮም: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምእንቲ ክዋረዱ ክዳውንቶም ይቕንጠጡ ነበሩ። እቲ ፍጻመታት ትዕቢትን ኩርዓትን ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ።
20 ነዚ ምስቲ የሱስ ገዛእ ርእሱ ዘቕረበሉ መገዲ ኣነጻጽሮ። ነቲ “እንሆ ንጉስኪ: ንሱ ጻድቕ: መድሓንን ትሑትን እዩ: ኣብ ኣድጊ: ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ” ዝብል ብዛዕብኡ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ንምፍጻም ገዛእ ርእሱ ብትሕትና ክህብ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ድንቂ ዝዀኑ እንስሳታት እተሰለፉሉ ሰረገላ ዘይኰነስ ብትሕትና ኣብ መጽዓኛ ኢዩ ተወጢሑ። (ዘካርያስ 9:9፣ ማቴዎስ 21:4, 5) የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ነቲ ብሓቂ ትሑት: ፈቃር: ደንጋጺ: ከምኡውን መሓሪ ዝዀነ የሱስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንጉስ ክኸውን ምቕብኡ ነቶም ትሑታት ሰባት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሶም!—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ፊልጲ 2:5-8
21. ትሕትና እንታይ ማለት ኣይኰነን፧
21 የሱስ: ጴጥሮስ: ጳውሎስ: ከምኡውን ካልኦት ኣብ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ትሑታት ምንባሮም: ነቲ ትሕትና ሕመቕ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ተባዓትን ቀናኣትን ብምንባሮም ትሕትና ኣብቲ ዝኣመንካሉ ነገር ምጽናዕ ማለት ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። ሓለፍ ዝበለ ናይ ኣተሓሳስባን ስነ-ምግባርን ጽንዓት ብምርኣይ ድማ ነቲ ከቢድ ፈተናታት ተጸመምዎ። (እብራውያን ምዕራፍ 11) ሎሚ ኸኣ ኣገልገልቲ የሆዋ ትሑታት ክዀኑ ከለዉ: ተመሳሳሊ ጽንዓት ኣለዎም: ምኽንያቱ የሆዋ ነቶም ትሑታት በቲ ብርቱዕ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ይድግፎም ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ ከምዚ ዝስዕብ ምሕጽንታ እተዋህበና:- “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።”—1 ጴጥሮስ 5:5, 6፣ 2 ቈረንቶስ 4:7
22. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧
22 እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከዘውትርዎ ዝግብኦም ትሕትና ካልእ ኣወንታዊ መዳይ እውን ኣለዎ። እዚ ኣወንታዊ መዳይ እዚ ድማ ኣብታ ጉባኤ መንፈስ ፍቕርን ምትሕብባርን ከም ዝህሉ ንምግባር ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ። አረ: ካብቶም ትሕትና ንምንጽብራቕ ቀሊል ዝገብሩ ክፋላት እቲ ቀንዲ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጥ ኢና።
ንድግማ
◻ ነቲ ኣብዛ ዓለም ገኒኑ ዘሎ መንፈስ ግለጾ።
◻ የሆዋ ነቶም ትሑታት ብኸመይ ኢዩ ዝድግፎም፧
◻ ትሕትና ትማሃሮ ነገር ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትሕትና ናይ ዘርኣዩ ሰባት ኣብነታት እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ‘ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻ ባርያ ኢየ’ በሎ