ምዕራፍ 5
ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ “ሕያዋይ ጓሳ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 10:11) ብዛዕባኡ ኸኣ፡ ብሃንቀውታ ዝሰዓብዎ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም” ዚብል ነንብብ ኢና። (ማቴ. 9:36) ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣስተብሂሎምሉ እዮም። የሱስ ካብቶም ነተን መጓሰ ግዲ ዘይብሎም ካብ ምዃኖም እተላዕለ ፋሕ ከም ዚብላን ብመንፈሳዊ ዓጸባ ኸም ዚሳቐያን ዝገበሩ ናይ ሓሶት ጓሶት እስራኤል ኣዝዩ እተፈልየ ነይሩ። (ህዝ. 34:7, 8) እቶም ሃዋርያት ካብቲ የሱስ ነተን ኣባጊዕ ዝመሃረሉን ህይወቱ እውን ከይተረፈ ብምሕላፍ ሓልዮቱ ዘርኣየሉን ሰናይ ኣብነት፡ ነቶም እምነት ዝነበሮም ሰባት ናብቲ ‘ጓሳኦምን ሓላውን ነፍሳቶም’ ዝዀነ የሆዋ ኺምለሱ ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም ተማሂሮም እዮም።—1 ጴጥ. 2:25።
2 የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንጴጥሮስ ኪዛረቦ ኸሎ፡ ነተን ኣባጊዕ ምምጋብን ምጕሳይን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሑሉ እዩ። (ዮሃ. 21:15-17) ጴጥሮስ በዚ ልቡ ተተንክዩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ጸኒሑ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታት፡ “ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ሓለውቲ ዄንኩም እናኣገልገልኩም ጓስይዎ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፣ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ እውን ኣይኹን፣ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ እትጕይተቱ ኣይትኹኑ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (1 ጴጥ. 5:1-3) ቃላት ጴጥሮስ ነዞም ሎሚ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሓለውቲ እውን ይዓዪ እዩ። ሽማግለታት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ነተን መጓሰ ኣብነት እናዀንወን፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን እናመርሕወን፡ ብፍታውን ብሃንቀውታን የገልግሉ እዮም።—እብ. 13:7።
ሽማግለታት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ነተን መጓሰ ኣብነት እናዀንወን፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን እናመርሕወን፡ ብፍታውን ብሃንቀውታን የገልግሉ
3 ነቶም ኣብ ጉባኤ ብመንፈስ እተሸሙ ሓለውቲ ምስጋና ይግብኦም እዩ። ካብ ሓልዮቶም ብዙሕ ኢና እንጥቀም። ንኣብነት፡ ሓለውቲ ኣብ ጉባኤ ንዘሎ ዅሉ የተባብዑ፡ ብብሕቲ ድማ ኣቓልቦ ይገብሩ እዮም። ኣብ ሰሰሙን ነቲ ዅሎም ተኣከብቲ ብእምነት ዚድልድሉሉ ኣኼባታት ጉባኤ ብትግሃት ይመርሑ እዮም። (ሮሜ 12:8) እቲ ነተን መጓሰ ኻብ እኩያት ሰባትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ነገራትን ኬዕቍቡ ዚገብርዎ ጻዕርታት፡ ንዕቝባና ኣበርክቶ ይገብር እዩ። (ኢሳ. 32:2፣ ቲቶ. 1:9-11) እቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለዎም መሪሕ ተሳትፎ፡ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ኣብ ወወርሒ ብስሩዕ ብምስታፍ ንጡፋት ክንከውን የተባብዓና እዩ። (እብ. 13:15-17) የሆዋ በዞም “ውህበት ሰባት” ኣቢሉ፡ ንህንጸት እታ ጉባኤ ስርዓት ሰሪዑ ኣሎ።—ኤፌ. 4:8, 11, 12።
ሓለውቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት
4 ነታ ጉባኤ ግቡእ ክንክን ምእንቲ ኺግበረላ፡ እቶም ሓለውቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚሽየሙ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተሰሪዑ ዘሎ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። ነቲ ብቕዓታት እቲ እንተ ኣማሊኦም ጥራይ እዮም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተሸይሞም ኪብሃሉ ዚከኣሉ። (ግብ. 20:28) ክርስትያናት ሓለውቲ ኸቢድ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም፡ ኬማልእዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ መለክዒታት ልዑል እዩ። እቲ መለክዒታት ግና እምብዛ ልዑል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እቶም ንየሆዋ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘለዎምን ንሱ ኺጥቀመሎም ፍቓደኛ ዝዀኑን ክርስትያን ሰብኡት ኪበጽሕዎ ዘይክእሉ ኣይኰነን። እቶም ሓለውቲ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወቶም ዚዓይዩሉ ሰባት ምዃኖም፡ ንዅሉ ግሁድ ኪኸውን ኣለዎ።
ነታ ጉባኤ ግቡእ ክንክን ምእንቲ ኺግበረላ፡ እቶም ሓለውቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚሽየሙ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተሰሪዑ ዘሎ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱን ኣብታ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ መልእኽቱን ነቲ ሓለውቲ ኼማልእዎ ዘለዎም መሰረታዊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዘርዚሩ ኣሎ። ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7 ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። እምበኣር፡ እቲ ሓላዊ ዘይውቀስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ወረጃ፡ ለባም፡ ስርዓት ዚሕሉ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሃር ብቑዕ፡ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ልዙብ፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ፡ ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር፡ ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ ይኹን። (ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧) ብትዕቢት ተነፊሑ፡ ናብቲ ንድያብሎስ እተፈርዶ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን ኣብ መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሉ ኪኸውን ይግባእ።”
6 ጳውሎስ ንቲቶስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉሉ እዩ፦ “ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፣ ማለት ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብዝርጋን ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ እንተሎ። ከመይሲ፡ ሓላዊ ብኣምላኽ እተሸመ ኣመሓዳሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዘይምካሕ፡ ዘይቍጡዕ፡ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፍ፡ የግዳስ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ጻድቕ፡ እሙን፡ ርእሱ ዚገትእ፡ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኼተባብዕን ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።”—ቲቶ. 1:5-9።
7 እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ፈለማ ኽትርእዮ ኸለኻ እምብዛ ኸቢድ እኳ እንተ መሰለ፡ ክርስትያን ሰብኡት ንምምጥጣር ኪሰንፉ የብሎምን። ሓለውቲ ነቲ ኻባታቶም ዚድለ ሰናይ ክርስትያናዊ ባህርያት ምስ ዜርእዩ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪገብሩ የተባብዕዎም እዮም። ጳውሎስ፡ እቶም “ውህበት ሰባት” ንምንታይ ዕላማ ኸም እተዋህቡ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቶም ቅዱሳት ንግብሪ ኣገልግሎት፡ ንምህናጽ ሰብነት ክርስቶስ ምእንቲ ኪቐንዑ እዩ፣ እዚ እውን ኵላትና ናብ ሓድነት እምነትን ናብ ልክዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽን፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ኤፌ. 4:8, 12, 13።
8 ሓላዊ ዀይኑ ዚሽየም ሰብ ብዕድመ ንእሽቶ ወይ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኪኸውን ኣይግባእን። የግዳስ፡ ሓለውቲ ሰፊሕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ዓሚቝ ግንዛበ ቕዱሳት ጽሑፋትን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ጉባኤን ዘለዎም ኣብ ክርስትያናዊ ህይወቶም ምኩራት ዝዀኑ ሰባት እዮም። ንኣበስቲ ንምዝራብን ንምእራምን ትብዓት ዘለዎም ሰባት ኪዀኑ ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነተን ኣባጊዕ ኪምዝምዘን ካብ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ የዕቍብወን። (ኢሳ. 32:2) ሓለውቲ ብመንፈሳዊ ብሱላት ከም ዝዀኑን ነተን መጓሰ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘለዎምን፡ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ዅሉ ሰብ ብንጹር ኪርእዮ ኣለዎ።
9 እቶም ሓለውቲ ዀይኖም ኪሽየሙ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት፡ ኣብ ህይወቶም ግብራዊ ጥበብ ኬርእዩ ኣለዎም። ሓደ ሓላዊ፡ ምርዑው እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ንሓዳር ብዚምልከት እተዋህበ ክርስትያናዊ መለክዒ ኼማልእ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር ኪኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ሓላዊ፡ ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ፡ ብዝርጋን ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት እንተ ኣልዮምዎ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ምስ ናብራ ስድራ ቤትን ክርስትያናዊ ህይወትን ኣብ ዚተሓሓዝ ምኽርን ማዕዳን ደልዮም ብምትእምማን ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም። ሓላዊ ዘይውቀስ፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ እተመስከረሉ ኪኸውን ይግባእ። ብሕማቕ ኣካይዳኡ ንስም እታ ጉባኤ ኣበላሽዩ ተባሂሉ ዜኽስሶ መሰረት ዘለዎ ኽሲ ኺህልዎ የብሉን። ብኸቢድ ኣበሳ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገሰጸ ኪኸውን የብሉን። በዚ ኸምዚ፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ኻልኦት ሰባት ሰናይ ኣብነቱ ኺስዕቡን ንመንፈሳዊ ህይወቶም ተሓጒሶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ኼማዕቍብዋን ይድረኹ እዮም።—1 ቈረ. 11:1፣ 16:15, 16።
10 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ከምቶም “ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ምኩራትን” ተባሂሎም እተገልጹ ዓበይቲ እስራኤል ኰይኖም ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኼገልግሉ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳ. 1:13) ክርስትያን ሽማግለታት፡ ሓጢኣት ዘይብሎም ኣይኰኑን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀነ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምስ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ከም ዚነብሩ ዘመስከሩ ቕኑዓትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎምን ሰብኡት ኪዀኑ ኣለዎም። መንቅብ ዘይብሎም ምዃኖም፡ ነታ ጉባኤ ብትብዓት ኪዛረቡ የኽእሎም።—ሮሜ 3:23።
11 እቶም ሓለውቲ ኪዀኑ ዚሽየሙ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ወራዙት ምዃኖም የርእዩ እዮም። ጥሩፋት ኣይኰኑን። የግዳስ፡ ኣብ ኣነባብራኦም ሚዛናውያንን ርእሶም ዚገትኡን እዮም። ኣብ ኣበላልዓኦምን ኣሰታትያኦምን መዘናግዒኦምን መሕለፍ ግዜኦምን ሚዛናውነቶም ይርአ እዩ። ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኸለዉ መጠኖም ስለ ዚሕልዉ፡ ዘይሰኽሩ ምዃኖም ንጹር እዩ፣ ስለዚ፡ ብስኽራን ኣይክሰሱን እዮም። ሓደ ብስኽራን ስምዒቱ ዝደንዘዘ ሰብ ርእሱ ኺገትእ ኰነ ንመንፈሳውነት ጉባኤ ኺሕሉ ኣይክእልን እዩ።
12 ንጉባኤ ብሓላፍነት ዚኣሊ ሰብ ስርዓት ዚሕሉ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ኣተሓሕዛ ቤቱን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱን ይርአ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ሎሚ ጽባሕ እናበለ ኣይደናጐን እዩ፣ የግዳስ፡ እንታይ ከም ዜድሊ ርእዩ፡ ብእኡ መደብ ይገብር እዩ። ንስርዓታት ኣምላኽ ከኣ ለጊቡ ይስዕብ እዩ።
13 ሓደ ሓላዊ ልዙብ ወይ ሚዛናዊ ኪኸውን ኣለዎ። ምስቶም ኣካል ሽማግለታት ብሓድነት ኪዓይን ኪተሓባበርን ኣለዎ። ብዛዕባ ርእሱ ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልዎ ይግባእ፣ ካልኦት ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ኺጽበዮም የብሉን። ልዙብ ወይ ሚዛናዊ ዝዀነ ሓላዊ፡ ደረቕ ኣተሓሳስባ ኺህልዎ የብሉን፣ ወይ ኣረኣእያኡ ኻብ ናይ ካልኦት ሽማግለታት ዚበልጽ ገይሩ ኺርኢ የብሉን። ብገሊኡ ባህርያት ወይ ክእለታት፡ ካልኦት ኪበልጽዎ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሽማግለ ዚበጽሖ መደምደምታታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምስ ዚኸውንን ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ኪስዕብ ምስ ዚጽዕርን፡ ልዙብ ወይ ሚዛናዊ ምዃኑ የርኢ እዩ። (ፊል. 2:2-8) ሓደ ሽማግለ ዘይብኣስ ወይ ዘይዋቓዕ ኪኸውን ይግባእ፣ ንኻልኦት ካብኡ ኸም ዚበልጹ ገይሩ እናረኣየ ድማ ግቡእ ኣኽብሮት ይህቦም እዩ። ብርእሱ ዘይምካሕ እዩ፡ ማለት ወትሩ መገዱ ወይ ኣረኣእያኡ ተቐባልነት ኪረክብ ጸቕጢ ኣይገብርን እዩ። ዘይቍጡዕ እዩ፡ ማለት ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ ሰላማዊ እዩ።
14 ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ኣብ ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ኼገልግል ዚሽየም ሰብ፡ ለባም ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ዜመዛዝን እምበር፡ ንፍርዲ ዚህወኽ ኪኸውን ከም ዘይብሉ የመልክት። መሰረታዊ ስርዓታት የሆዋን ኣወዓዕላኡን ብዚግባእ ዚርድኦ ኪኸውን ኣለዎ። ለባም ሰብ ምኽርን መምርሕን ይቕበል እዩ። ግቡዝ እውን ኣይኰነን።
15 ጳውሎስ ንቲቶስ፡ ሓደ ሓላዊ ሰናይ ዚፈቱ ኪኸውን ከም ዘለዎ እውን ኣዘኻኺርዎ እዩ። ጻድቕን እሙንን ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ባህርያት እዚ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብ ኰነ፡ ኣብቲ ንቕኑዕን ንሰናይን ዘለዎ ጽኑዕ መትከል ይንጸባረቕ እዩ። ንየሆዋ ኣብ ዘለዎ ተወፋይነት ተወላዋሊ ኣይኰነን፣ ንቕኑዕ ስርዓታት ከኣ ብጽኑዕ ይድግፍ እዩ። ምስጢር ኪሕሉ ዚኽእል እዩ። ብሓቂ እውን ተቐባል ጋሻ እዩ፣ እወ፡ ገዛእ ርእሱን ንብረቱን ንጥቕሚ ኻልኦት ብፍታው ይውፊ እዩ።—ግብ. 20:33-35።
16 ሓደ ሓላዊ ብግቡእ ምእንቲ ኼገልግል፡ ንምስትምሃር ብቑዕ ኪኸውን ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ንቲቶስ ዝጸሓፈሉ ቓላት ከኣ፡ ሓደ ሓላዊ “በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኼተባብዕን ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።” (ቲቶ. 1:9) ኬረድእ፡ መርትዖ ኬቕርብ፡ ተቓውሞ ኺሰግር፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት ብዜእምንን እምነቶም ብዜደልድልን መገዲ ኣወዓዕላ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪገልጽ ይኽእል እዩ። እቲ ሓላዊ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ነዚ ናይ ምምሃር ክእለቱ ይጥቀመሉ እዩ። (2 ጢሞ. 4:2) ንእተጋገየ ብልእመት ንምግሳጽ ወይ ንተጠራጣሪ ኣረዲኡ ኣብ እምነት እተመስረተ ሰናይ ዕዮ ኸም ዚዓዪ ንምግባር ትዕግስቲ ኺህልዎ ኣለዎ። ኣብ ቅድሚ ተኣከብቲ ዀነ ንውልቀ ሰብ ንምስትምሃር ብቑዕ ምዃኑ፡ ነዚ ኣገዳሲ ብቕዓት ከም ዜማልእ መርትዖ ዚህብ እዩ።
17 ሽማግለታት ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ዚሳተፉ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ ንስብከት ብስራት ቀዳምነት ዝሃቦ የሱስ ኪመስልዎ ኸም ዚጽዕሩ እውን ርኡይ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንፉዓት ወንጌላውያን ኪዀኑ ሓጊዝዎም እዩ። (ማር. 1:38፣ ሉቃ. 8:1) ሽማግለታት ብስራሕ ትሑዛት ክነሶም ንኣገልግሎት ግዜ ዚውስኑ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ንምልእቲ ጉባኤ ተመሳሳሊ ቕንኣት የሕድረላ እዩ። ሽማግለታት ምስ ኣባላት ስድራ ቤቶምን ኣብ ጉባኤኦም ምስ ዘለዉ ኻልኦትን ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ‘ንሓድሕዶም ይተባብዑ’ እዮም።—ሮሜ 1:11, 12።
18 ሓደ ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ሰብ ነዚ ዅሉ ብቕዓታት ኬማልእ ምጽባይ፡ ከቢድ ኪመስል ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪዑ ዚርከብ ልዑል መለክዒታት ብደረጃ ፍጽምና ዜማልእ ዋላ ሓደ ሓላዊ የልቦን፣ እንተዀነ ግና፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም ኣብታ ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት፡ ሓንቲ ኻብዘን ባህርያት እዚአን እውን እንተ ዀነ ኣመና እትጐድሎ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ዓብዪ እንታ ዘለዎ ኪኸውን የብሉን። ገሊኦም ሽማግለታት እተወሰነ ብሉጽ ባህርያት ኪህልዎም ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ሽማግለታት ድማ ብኻልእ መዳይ ብሉጻት ይዀኑ እዮም። ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣካል ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኣምላኽ ብግቡእ ብሓላፍነት ንምእላይ ዜድሊ እኹል ሰናይ ባህርያት ይህልዎ።
19 እቶም ኣካል ሽማግለታት ንሰብኡት ሓለውቲ ኪዀኑ ኺሓጽይዎም ከለዉ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ . . . እብሎ ኣለኹ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ግምት ኬእትውዎ ኣለዎም። (ሮሜ 12:3) ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ኣትሒቱ ኺሓስብ ኣለዎ። ብቕዓታት ካልኦት ኣብ ዚምርመረሉ እዋን፡ ዋላ ሓደ ሰብ “እምብዛ ጻድቕ” ኪኸውን የብሉን። (መክ. 7:16) እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሽማግለታት ኬማልእዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብንጹር ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም፡ ሓደ ሓው ነዚ መለክዒታት እዚ ብሚዛናዊ ደረጃ ዜማልእ እንተ ዀይኑ ይድምድሙ። ሽማግለታት ንሰብኣዊ ዘይፍጽምና ኣብ ግምት ብምእታውን ካብ ኣድልዎን ግብዝናን ናጻ ብምዃንን፡ ነቲ ቕኑዕ መለክዒታት የሆዋን ንጽቡቕ እታ ጉባኤን ግቡእ ኣኽብሮት ብዜርኢ መገዲ ይሓጽዩ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንሓላፍነት ዚሓጽይዎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብጸሎት ይሓስቡ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንዚህቦም መምርሒ ድማ ይስዕቡ እዮም። እዚ ሓደ ኻብቲ ዚስከምዎ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ፣ ነዚ ድማ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ እኳ ኣእዳውካ ኣይተንብር” ኢሉ ዝሃቦ ማዕዳ ተሰማሚዖም ኪፍጽምዎ ይግባእ።—1 ጢሞ. 5:21, 22።
ፍረ መንፈስ
20 መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዚምርሑን ፍረ መንፈስ ኣብ ህይወቶም ከም ዚፈርን የርእዩ እዮም። ጳውሎስ ነቲ ትሽዓተ መዳያት ፍረ መንፈስ፡ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት” ኢሉ ዘርዚርዎ ኣሎ። (ገላ. 5:22, 23) ነዚ ፍረ እዚ ዚፈርዩ ሓለውቲ ንመንፈስ ኣሕዋት የሐድሱ፡ እታ ጉባኤ ኣብ እተቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ድማ ሓድነት የስፍኑ እዮም። እቲ ኣካይዳኦምን ፍረ ጻዕሮምን ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተሸሙ የርኢ እዩ።—ግብ. 20:28።
ሓድነት ዜስፍኑ ሰብኡት
21 ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ሓድነት ንምስፋን፡ ብሓባር ኪዓይዩ ኣለዎም። ኣዝዩ እተፈላለየ ባህርያት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዚመያየጡሉ ጕዳያት እውን እንተ ዘይተሰማምዑ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ብኣኽብሮት ብምስማዕ፡ ሓድነት እቲ ኣካል ሽማግለታት ኪዕቅቡ ይኽእሉ። መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ እቶም ኣካል ሽማግለታት ኪግዛእን ኪድግፍን ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ሰብ እሺ በሃሊ ምስ ዚኸውን፡ በታ “ሰላማዊት፡ ልዝብቲ” ዝዀነት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ይምራሕ ከም ዘሎ የርኢ። (ያእ. 3:17, 18) ዋላ ሓደ ሽማግለ ኻብ ካልኦት ከም ዚበልጽ ገይሩ ኺሓስብ የብሉን፣ ዋላ ሓደ ሽማግለ እውን ንኻልኦት ኪዕብልል ኪፍትን የብሉን። ሽማግለታት ኣካላት ሓደ ሰብነት ከም ምዃኖም መጠን ንጽቡቕ እታ ጉባኤ ምስ ዚተሓባበሩ፡ ከም ሓቂ ምስ የሆዋ እዮም ዚተሓባበሩ።—1 ቈረ. ምዕ. 12፣ ቈሎ. 2:19።
ምምጥጣር
22 ብሱላት ክርስትያናት ሰብኡት ሓለውቲ ንምዃን ኪምነዩ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 3:1) እንተዀነ ግና፡ ሽማግለ ዄንካ ምግልጋል፡ ስራሕ ዚውስኽን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዚሓትትን እዩ። ነቲ ንኣሕዋት ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ንምምላእ ከተገልግል ገዛእ ርእስኻ ምቕራብ ማለት እዩ። ሓላዊ ንምዃን ምምጥጣር ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዘሎ ብቕዓታት ከተማልእ ምጽዓር ማለት እዩ።
ብሕታዊ ዅነታት ኪቕየር ይኽእል
23 ንነዊሕ እዋን ብተኣማንነት ዘገልገለ ሓው፡ ኪሓምም ወይ ኪደክም ይኽእል እዩ። ምናልባት ዕድመ ብምድፋኡ፡ ነቲ ሓላፍነታቱ ኺስከም ኣይክእልን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እተሸመ ኽሳዕ ዝዀነ፡ ከም ሽማግለ ጌርካ ኺርአን ኪኽበርን ኣለዎ። ዓቕሙ ድሩት ብምዃኑ ኻብ ሓላፍነቱ ኼልግስ ኣየድልን እዩ። ማዕረ እቶም ነቲ መጓሰ ኣብ ምጕሳይ ብዚከኣሎም ዘበለ ዜገልግሉ ዅሎም ህርኩታት ሽማግለታት፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦ እዩ።
24 እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሓው ብሕታዊ ዅነታቱ ስለ እተቐየረን ናይ ምግልጋል ክእለቱ ስለ እተደረተን፡ ካብ ሓላፍነቱ ኼልግስ ዝሓሸ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ከምኡ ኺውስን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 5:2) ኰይኑ ግና፡ ብኣኽብሮት ኪርአ ኣለዎ። ንሽማግለታት ዚውሃብ ዕዮ ዘይውሃቦ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ጽቡቕ ኪገብር ይኽእል እዩ።
ኣብ ጉባኤ ዘሎ ቦታታት ሓላፍነት
25 ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ እተፈላለየ ሓላፍነታት ኣለዎም። ገለ ኻብኡ፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት፡ ጸሓፊ፡ ሓላው ኣገልግሎት፡ መራሒ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኪጥቀስ ይከኣል። ብዙሓት ሽማግለታት፡ ሓለውቲ ጕጅለ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። ሽማግለታት ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ንዘይተወሰነ ግዜ እዮም ዜገልግሉ። ሓደ ሓው እንተ ግዒዙ፡ ብሰንኪ ጥዕና ነቲ ሓላፍነታቱ ኺስከም እንተ ዘይክኢሉ፡ ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብዘይምምላኡ እንተ ወሪዱ፡ ካልእ ሽማግለ ተመሪጹ ነቲ እተመደበ ስራሕ ይዓዪ። ኣብቲ እኹላት ሓለውቲ ዘይብሉ ጉባኤታት፡ ካልኦት ኣሕዋት ሽማግለታት ኰይኖም ኪሽየሙ ብቕዓት ክሳዕ ዚረኽቡ፡ ሓደ ሽማግለ ኻብ ሓደ ንላዕሊ ዕዮ ኺስከም የድሊ ይኸውን።
26 ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኣብ ኣኼባታት ኣካል ሽማግለታት ከም ኣቦ መንበር ኰይኑ የገልግል። ስለዚ ድማ፡ ብትሕትና ምስ ካልኦት ሽማግለታት ሓቢሩ ንመጓሰ ኣምላኽ ይከናኸን። (ሮሜ 12:10፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) ንፉዕ ወዳቢ ኪኸውን ኣለዎ፡ ብትግሃት ኬስተናብር ዚኽእል ድማ ኪኸውን ኣለዎ።—ሮሜ 12:8።
27 ጸሓፊ መዛግብቲ ጉባኤ ይሕዝ፡ ነቲ በብግዜኡ ዚለኣኣኾ ኣገዳሲ ሓበሬታታት ድማ ነቶም ሽማግለታት ይሕብሮም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ካልእ ሽማግለ ወይ ክኢላ ኣገልጋሊ ጉባኤ ምእንቲ ኺሕግዞ ኺምደበሉ ይከኣል እዩ።
28 ንንጥፈታት ወፍሪ ኣገልግሎት ዚግበር መሰናድዎን ካልእ ምስ ኣገልግሎት እተተሓሓዘ ጕዳያትን ኣብ ትሕቲ ሓላው ኣገልግሎት እዩ ዚካየድ። ንዅለን ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ስሩዕ መደብ ኣውጺኡ ድማ፡ ኣብ ወወርሒ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ነንሓንቲ ጕጅለ ይበጽሕ። ሒደት ጕጅለታት ኣገልግሎት ኣብ ዘለወን ንኣሽቱ ጉባኤታት ከኣ፡ ነንጕጅለ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ይበጽሕ። ኣብቲ ምብጻሑ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይመርሕ፡ ምስታ ጕጅለ ኣብ ኣገልግሎት ይዓዪ፡ ንኣስፋሕቲ እውን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ምግባር ይሕግዞም።
ሓለውቲ ጕጅለ
29 ሓደ ኻብቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዓብዪ መሰል ኣገልግሎት፡ ሓላው ጕጅለ ዄንካ ምግልጋል እዩ። እቲ ሓው ዘለዎ ሓላፍነታት ድማ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦ (1) ብመንፈሳውነት ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘሎ ሰብ ብሓቂ ግዱስ ምዃን፣ (2) ኣብታ ጕጅለ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ተሓጒሱ ስሩዕን ትርጉም ዘለዎን ተሳትፎ ኺገብር ምሕጋዝ፣ (3) ኣብታ ጕጅለ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ንምስካም ኪመጣጠሩን ኪበቕዑን ምሕጋዞምን ምስልጣኖምን። ኣካል ሽማግለታት፡ ኣየኖት ኣሕዋት ንዅሉ መዳያት እዚ ሓላፍነት እዚ ኺስከሙ ኸም ዚበቕዑ ይውስኑ።
30 ብምኽንያት እቲ ዚዕየ ዓይነት ዕዮ፡ ሓለውቲ ጕጅለ እንተ ተኻኢሉ ሽማግለታት ኪዀኑ ኣለዎም። ወይ ከኣ ነቲ ሓላፍነት ዚስከሞ ሓደ ሽማግለ ኽሳዕ ዚርከብ፡ ሓደ ኽኢላ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነዚ ተሰኪሙ ኼገልግል ይኽእል እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ተሰኪሙ ዚዓዪ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ኣብታ ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ስለ ዘየገልግል፡ ኣገልጋሊ ጕጅለ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓላፍነቱ ኣብ ዚስከመሉ መገዲ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቶም ሽማግለታት ይዓዪ።
31 ሓላው ጕጅለ ዚፍጽሞ ኻልእ ኣገዳሲ መዳይ ዕዮኡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ መሪሕ ምዃን እዩ። እቲ ዜርእዮ ስሩዕነትን ቅንኣትን ውዕዉዕ መንፈስን ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ ክርስትያናት የተባብዖም እዩ። እቶም ኣስፋሕቲ ብሓባር ብምውፋር ብዙሕ ምትብባዕን ሓገዝን ስለ ዚረኽቡ፡ ነቲ ብጕጅለ ዚግበር ምስክርነት ንምውዳብ ንመብዛሕትኦም ዚምሽእ ግዜ እንተ ተመደበ ይሓይሽ። (ሉቃ. 10:1-16) እቲ ሓላዊ ወትሩ እኹል ክሊ ኸም ዚህሉ ኼረጋግጽ ኣለዎ። ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይመርሕ፡ ነቲ ኣስፋሕቲ ኣብታ መዓልቲ ዘለዎም ንጥፈታት ድማ ይውድብ። ኣብቲ ኣኼባ ኺህሉ እንተ ዘይክኢሉ፡ እቶም ኣስፋሕቲ ዜድልዮም መምርሒ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ካልእ ሽማግለ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ወይ እዚኣቶም እንተ ዘይተረኺቦም ብቑዕ ኣስፋሒ ኸም ዚትክኦ ኺገብር ኣለዎ።
32 ሓላው ጕጅለ ንምብጻሕ እቲ ሓላው ኣገልግሎት ኣቐዲሙ መደብ ይገብር፡ ንጕጅለኡ ድማ ይሕብሮም፡ ካብኡ ኺጥቀሙ እውን ሃንቀውታ የሕድረሎም እዩ። ኵሎም እቶም ኣብታ ጕጅለ ዘለዉ ብዛዕባ እቲ መሰናድዎ ኣጸቢቖም ምስ ዚፈልጡ፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ኪድግፉ ይኽእሉ እዮም።
33 ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣገልግሎት ብዕላማ እያ ንእሽቶ ኸም እትኸውን ተገይራ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓላው ጕጅለ ንዅሎም እቶም እተመደቡሉ ኣጸቢቑ ኺፈልጦም የኽእሎ። ፈቃር ጓሳ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ንነፍሲ ወከፎም ኣጸቢቑ ይግደሰሎም እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺሳተፉን ንኣኼባታት ጉባኤ ደገፎም ኪህቡን ሓገዝን መተባብዕን ይህቦም እዩ። ነፍሲ ወከፎም ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ኰይኖም ምእንቲ ኺነብሩ ድማ ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ዚከኣሎ ይጽዕር እዩ። ዝሓመሙ ወይ ጭንቀት ዘሕደሩ ኻብቲ ብሕታዊ ምብጻሑ ይጥቀሙ እዮም። እቲ ንሱ ዚህቦም ዜተባብዕ ሓሳባት ወይ ምኽሪ ንገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ተወሳኺ ኣገልግሎታት ንምፍጻም ኪመጣጠሩ ይድርኾም ይኸውን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንኣሕዋቶም ብዝያዳ ይሕግዙ። ሓላው ጕጅለ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ እዩ ዜተኵረሎም። ይኹን እምበር፡ ሽማግለን ጓሳን ከም ምዃኑ መጠን፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብዛዕባ ዅሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ይግደስ እዩ፣ ሓገዝ ዜድልዮም ዘበለ ንምሕጋዝ እውን ድሉው እዩ።—ግብ. 20:17, 28።
34 ሓደ ኻብቲ ሓላው ጕጅለ ዘለዎ ሓላፍነት፡ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኻብቶም ኣብታ ጕጅለ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣብ ምእካብ ሓገዝ ምሃብ እዩ። ነቲ ዝኣከቦ ጸብጻባት ድማ ነቲ ጸሓፊ ይህቦ። ኣስፋሕቲ በብውልቆም ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቐልጢፎም ብምሃብ፡ ነቲ ሓላው ጕጅለ ኺሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጸብጻባቶም ብቐጥታ ነቲ ሓላው ጕጅለ ኺህብዎ፡ ወይ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ንጸብጻብ ኣገልግሎት ተባሂሉ እተዳለወ ሳጹን ኼእትውዎ ይኽእሉ እዮም።
ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ
35 ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ብኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታትን ብጸሓፍን ብሓላው ኣገልግሎትን ዝቘመ ዀይኑ፡ እተወሰነ ሓላፍነታት ይስከም። ንኣብነት፡ ኮሚተ ኣገልግሎት ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንመርዓ ወይ ንቐብሪ ንምጥቃም ዚቐርብ ሕቶ የጽድቕ፣ ንኣስፋሕቲ ናብ ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ናይ ምምዳብ ሓላፍነት እውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃንን ኣብ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ንምስታፍን ዝቐረበ መመልከቲ የጽድቕ። ኮሚተ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣካል ሽማግለታት እዩ ዚዓዪ።
36 እዞም ኣሕዋት እዚኦም ዘለዎም ዝርዝር ሓላፍነታት ኰነ፡ መራሒ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ ከምኡ እውን ካልኦት ኣባላት እቲ ኣካል ሽማግለታት ዘለዎም ዝርዝር ሓላፍነታት ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ዚውሃብ መምርሒ ይግለጽ እዩ።
37 እቶም ኣብ ገጉባኤ ዘለዉ ኣካል ሽማግለታት ንመንፈሳዊ ዕቤት እታ ጉባኤ ብዚምልከት በብእዋኑ ተኣኪቦም ይመያየጡ እዮም። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ዚህሉ ኣኼባ ሽማግለታት፡ ሓላው ወረዳ ድሕሪ ምብጻሑ ሰለስተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣኼባ ሽማግለታት ይግበር እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቶም ሽማግለታት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪእከቡ ይኽእሉ እዮም።
ተገዝኣዮም
38 ሓለውቲ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ስርዓት የሆዋ ዝሰርዖ ስለ ዝዀነ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ኪግዝእዎም ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሓለውቲ ብዛዕባ ተግባራቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጸብጻብ ይህቡ እዮም። ንየሆዋን ንቲኦክራስያዊ ግዝኣቱን እዮም ዚውክሉ። እብራውያን 13:17 ከምዚ ትብል፦ “ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ጸብጻብ ከም ዚህቡ ዀይኖም፡ ነቒሖም ይሕልውኹም ኣለዉ፣ ነዚ ብሓጐስ ኪገብርዎ እምበር፡ እህህ እናበሉ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንዓኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” ከምቲ የሆዋ ንሓደ ሰብ ንምሻም መንፈስ ቅዱስ ዚጥቀም፡ ነቲ ፍረ መንፈስ ዘይፈርን ኣነባብራኡ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዘየማልእን ሓላዊ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኻብ ቦታኡ የልግሶ እዩ።
39 ነቲ ሓለውቲ ጉባኤ ዚዓይይዎ ኸቢድ ዕዮን ዚገድፍዎ ሰናይ ኣብነትን ከነማስወሉዶ ኣይግባእን፧ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ነቶም ኣሕዋት፡ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣ ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (1 ተሰ. 5:12, 13) መብዛሕትኡ እቲ ሓለውቲ ጉባኤ ዚገብርዎ ኸቢድ ዕዮ፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዝቐለለን ብዝያዳ ባህ ዜብልን ይገብሮ እዩ። ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ እውን፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ንሓለውቲ ኺህልዎም ብዛዕባ ዘለዎ ኣረኣእያ ኺጠቅስ ከሎ፡ “ነቶም ብጽቡቕ ዚመርሑ ሽማግለታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ጢሞ. 5:17።
ኣብቲ ውድብ ዘሎ ኻልእ ቦታታት ሓላፍነት
40 ሓድሓደ ግዜ፡ እተመርጹ ሽማግለታት ኣባላት ጕጅለ ምብጻሕ ሕሙማት ኰይኖም ኬገልግሉ ይሽየሙ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ የገልግሉ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ደም ቀጻልን ሰፊሕን ሕክምና ኺግበረሎም ንሆስፒታላትን ንሓካይምን ይበጽሑ እዮም። ገሊኦም ሓለውቲ ኸኣ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ብምህናጽን ብምጽጋንን ወይ ኣብ ኮሚተታት ኣኼባ ዞባ ኣባላት ኰይኖም ብምግልጋል ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ የደንፍዑ እዮም። ኵሎም እቶም ኣብታ ውድብ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ዚዓይይዎ ኸቢድ ዕዮን ገዛእ ርእሶም ንምውፋይ ዜርእይዎ ፍቓደኛነትን ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። ብርግጽ፡ ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ነኽብሮም’ ኢና።—ፊል. 2:29።
ሓላው ወረዳ
41 ኣመሓዳሪ ኣካል ብቑዓት ንዝዀኑ ሽማግለታት፡ ሓለውቲ ወረዳ ዀይኖም ኬገልግሉ ይሸይም እዩ። እዚኣቶም ከኣ ነተን ኣብ ወረዳኦም ዚርከባ ጉባኤታት ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ኪበጽሑ በቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይምደቡ እዮም። በብግዜኡ እውን ኣብ ግሉል ክልታት ንዜገልግሉ ፈለምቲ ይበጽሑ እዮም። ብእተኻእለ መጠን ካብቲ ምብጻሕ ብዙሕ ጥቕሚ ምእንቲ ኺርከብ፡ ዚበጽሑሉ መደብ ኣውጺኦም ነንጉባኤ ኣቐዲሞም የፍልጡ እዮም።
42 እቲ ምብጻሕ ንዅሉ ብመንፈስ ዜሐድስ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ነዚ ኣብ ምውዳብ መሪሕ ግደ ኣለዎ። (ሮሜ 1:11, 12) ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ዚገልጽ ምልክታን ብዛዕባ እቲ ነቲ ሓላው ወረዳን (ምርዑው እንተ ዀይኑ ኸኣ) ንሰበይቱን ዜድልዮም ነገራትን ዚገልጽ ሓበሬታ ምስ መጾ፡ ብእተፈላለዩ ኣሕዋት ኣቢሉ ንመሕደርን ንእንግዶትን ንኻልእ ነገራትን ዚምልከት መደባት ይገብር። ንዅሎም፡ እንተላይ ነቲ ሓላው ወረዳ፡ ብዛዕባ እዚ መደባት እዚ ይሕብሮም።
43 እቲ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ እቲ ንኣኼባታት ዚግበር መደባት፡ እንተላይ ብዛዕባ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ይዛራረብ። እዚ ድማ እቲ ሓላው ወረዳ ምስ ዚህቦ ሓሳባትን ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ዚውሃብ መምርሕን ተሳንዩ ይስራዕ። ኵሎም እቶም ዚምልከቶም ከኣ ሰዓትን ቦታን እቲ ምስ ጉባኤን ምስ ፈለምትን ምስ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚግበር ኣኼባታት፡ ከምኡ እውን ሰዓትን ቦታን ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኺሕበሮም ኣለዎ።
44 ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ነቲ መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤን መዝገብ ብዝሒ ተኣከብትን መዝገብ ክልታትን ሕሳብን ይምርምሮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነታ ጉባኤ እንታይ ከም ዜድልያን ነቶም ነቲ መዛግብቲ ኺሕዙ ሓላፍነት እተዋህቦም ብኸመይ ከም ዚሕግዞምን ኬስተውዕል ይኽእል። እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት፡ እቲ መዛግብቲ ነቲ ሓላው ወረዳ ኸም ዚበጽሖ ይገብር።
45 እቲ ሓላው ወረዳ ኣብ እዋን ምብጻሑ ዓቕሙ ብዚፈቕደሉ መጠን ንኣሕዋት ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣብ መኣድን ኣብ ካልእ እዋናትን ግዜ ወሲዱ በብውልቂ የዛራርቦም። ብተወሳኺ፡ ንሽማግለታትን ንኣገልገልቲ ጉባኤን፡ ነተን ምሳታቶም ዘለዋ መጓሰ ኪጓስዩ ዘለዎም ሓላፍነት ንምስካም ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ግቡእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽርን ሓሳባትን መተባብዕን ይህቦም። (ምሳ. 27:23፣ ግብ. 20:26-32፣ 1 ጢሞ. 4:11-16) ንፈለምቲ ንምትብባዕን ምስ ኣገልግሎቶም ብእተተሓሓዘ ንዜጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ጸገማት ብሕታዊ ሓገዝ ንምሃብን ምሳታቶም ኣኼባ ይገብር።
46 ኣብታ ሰሙን እቲኣ፡ ካልእ ኣቓልቦ ዜድልዮ ጕዳይ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ብእተኻእሎ መጠን ይሕግዝ። እዚ ጕዳይ ኣብቲ ግዜ እቲ ኺውዳእ እንተ ዘይተኻኢሉ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ነቶም ዚምልከቶም ሽማግለታት ወይ ውልቀ ሰባት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ንምርካብ ከመይ ገይሮም ምርምር ከም ዚገብሩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪከታተሎ ዘለዎ ነገራት እንተ ኣልዩ፡ ንሱን እቶም ሽማግለታትን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝርዝር ጸብጻብ ይጽሕፉ።
47 እቲ ሓላው ወረዳ ነታ ጉባኤ ኺበጽሓ ኸሎ፡ ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ጉባኤ ይካፈል። እዚ ድማ ብመሰረት እቲ በብግዜኡ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚለኣኽ መምርሒታት ኪተዓራረ ይኽእል እዩ። ነታ ጉባኤ ኼተባብዓን ኪምህራን ኬጽንዓን ኢሉ መደረታት ይህብ። ንየሆዋን ንየሱስን ነታ ውድብን ፍቕሪ ኸም ዚሓድሮም ድማ ኪገብር ይጽዕር።
48 ሓደ ኻብቲ ዕላማታት ምብጻሕ ሓላው ወረዳ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቕንኣት ዝመልኦ ተሳትፎ ምትብባዕን ግብራዊ ሓሳባት ምሃብን እዩ። ብዙሓት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ወፍሪ ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልዎም መደባቶም የተዓራርዩ ይዀኑ፣ ምናልባት ገሊኦም ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ይዀኑ። እቶም ምስኡ ወይ ምስ ሰበይቱ ኺዓይዩ ዚደልዩ፡ ቈጸራ ኺገብሩ ኣለዎም። ነቲ ሓላው ወረዳ ወይ ንብዓልቲ ቤቱ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምዕዳም፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ምብጻሕ ኣብ ዚግበረሉ ሰሙን ምሉእ ደገፍ ንምሃብ እትገብሮ ተወሳኺ ጻዕሪ፡ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ።—ምሳ. 27:17።
49 ኣብ ዓዓመት ነንወረዳ፡ ከክልተ ኣኼባ ወረዳ ይዳሎ እዩ። እቲ ሓላው ወረዳ ነቲ ኣጋጣሚታት ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ኣለዎ። ነቲ ኣኼባታት ወረዳ ብሓላፍነት ዚውድቡ ሓላው ኣኼባን ሓጋዚ ሓላው ኣኼባን ከኣ ይሸይም። ንሳቶም ድማ ምስቲ ሓላው ወረዳ ብቐረባ እናተሓባበሩ ነቲ ኣኼባታት ይውድብዎ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓላው ወረዳ ኣቓልቦኡ ብቐዳምነት ኣብቲ መደብ እቲ ኣኼባ ኺገብር የኽእሎ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሓላው ወረዳ እተፈላለየ ኽፍልታት ዜካይዱ ኻልኦት ክኢላታት ሰብኡት እውን ይሓሪ። ኣኼባ ወረዳ መምስ ተገብረ ኸኣ፡ ነቲ ሕሳብ ወረዳ የመርምሮ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሓደ ዓመት ዚግበር ኣኼባታት ወረዳ፡ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝዀነ በጻሒ ተዛራባይ የገልግል። እቲ መአከቢ ርሑቕ ብምዃኑ ወይ ንእሽቶ ብምዃኑ፡ ገሊኡ ወረዳታት ተኸፋፊሉ ኣኼባ ወረዳ ኺገብር ይኽእል እዩ።
50 እቲ ሓላው ወረዳ ኣብ መመወዳእታ ወርሒ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይህብ እዩ። ንኸም መጕዓዝያን ምግብን መሕደርን ካልእ መተዓየይን ዜውጽኦ መሰረታዊ ወጻኢታት እንተ ኣልይዎ እሞ፡ እታ ዘገልገላ ጉባኤ እንተ ዘይሸፊናትሉ፡ ነዚ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ገየሽቲ ተወከልቲ ኸምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ረብሓታት መንግስቲ የሆዋ እንተ ደልዮም፡ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ከም ዚማልኣሎም ይተኣማመኑ እዮም። (ሉቃ. 12:31) እተን ጉባኤታት ነዞም ዜገልግልወን ውፉያት ሽማግለታት ናይ ምእንጋድ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኺጥቀማሉ ይደልያ እየን።—3 ዮሃ. 5-8።
ኮሚተ ጨንፈር
51 ኣብ ኵለን እተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰሰለስተ ወይ ዝያዳ ብመንፈስ ብቑዓት ዝዀኑ ብሱላት ኣሕዋት፡ ነቲ ኣብታ ኣብ ትሕቲ መዝነቶም ዘላ ሃገር ወይ ሃገራት ዚካየድ ዕዮ ስብከት ብሓላፍነት ንምምራሕ ኮሚተ ጨንፈር ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ሓደ ኻብቶም ኣባላት ኮሚተ ድማ፡ ኣተሓባባሪ እቲ ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ የገልግል እዩ።
52 እቶም ኣብቲ ኮሚተ ጨንፈር ዜገልግሉ፡ ነቲ ኣብ ክሊ እቲ ጨንፈር ዚርከባ ጉባኤታት ዚምልከት ጕዳያት ይሕዙ። እቲ ኮሚተ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይመርሕ፡ ጉባኤታትን ወረዳታትን ነቲ ኣብቲ ኽሊ ዜድሊ ንምምላእ ብግቡእ ከም እተወደበ ድማ ይከታተል። እቲ ኮሚተ ጨንፈር ንኣገልግሎት ሚስዮናውያን ኰነ ንንጥፈታት ፍሉያትን ስሩዓትን ሓገዝትን ፈለምቲ የተኵረሉ። ዓበይቲ ኣኼባታት ኪህሉ ኸሎ፡ ኵሉ “ብኣገባብን ብስርዓትን” ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ እቲ ኮሚተ መሰናድዎ ይገብር፡ ሓላፍነት ዚስከሙ እውን ይምድብ።—1 ቈረ. 14:40።
53 ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ካልእ ሃገር እትርከብ ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ዜገልግል ኮሚተ ሃገር ይሽየም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ እቲ ኮሚተ ሃገር ዜገልግለሉ ቦታ ዝቐረበ ኽትትል ኪግበር ይሕግዝ እዩ። እቲ ኮሚተ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል ንዘሎ ኣባይትን ቤት ጽሕፈትን ይኣሊ፡ ደብዳበታትን ጸብጻባትን ይልኣኣኽ፣ ኰታስ ንንጥፈታት እቲ ኽሊ ብሓፈሻ ይሓሊ እዩ። እቲ ኮሚተ ሃገር ምስቲ ኮሚተ ጨንፈር ብምትሕብባር ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ የደንፍዕ እዩ።
54 ኵሎም እቶም ኮሚተ ጨንፈርን ኮሚተ ሃገርን ኰይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ብኣመሓዳሪ ኣካል እዮም ዚሽየሙ።
ተወከልቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት
55 በብግዜኡ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከብ ጨናፍር ኪበጽሑ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል መሰናድዎ ይገብር እዩ። እቲ ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ዜገልግል ሓው፡ ተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ይብሃል። እቲ ቐንዲ ዕዮኡ፡ ንኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ምትብባዕ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኮሚተ ጨንፈር ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ዘጋጠሞ ጸገማት ወይ እተላዕሎ ሕቶታት ምሕጋዝ እዩ። እዚ ሓው እዚ ምስ ገለ ኻብቶም ሓለውቲ ወረዳ፡ ሓሓሊፉ እውን ምስ ሚስዮናውያን ወፍሪ ይራኸብ። ከምኡ ኺገብር ከሎ ድማ፡ ብዛዕባ ጸገማቶምን ዜድልዮም ነገራትን ምሳታቶም ይዛራረብ፣ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ንጥፈት፡ ማለት ብዛዕባ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዜድሊ ምትብባዕ ይህቦም።
56 ተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ምስ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ምስ ካልእ ንጥፈታት ጉባኤን ብዚተሓሓዝ ኣብቲ ኽሊ እተዓይየ ዕዮ የተኵረሉ። ግዜ እንተ ኣልይዎ ድማ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ይበጽሕ። ተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ንጨንፈር ኪበጽሕ ከሎ፡ ብእተኻእሎ መጠን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይካፈል እዩ።
ብሕጂ እውን ነቶም ነቲ መጓሰ ኺጓስዩ እተሸሙ ሓለውቲ ብእተገዛእናዮም መጠን፡ ምስቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ይህልወና
ፍቕራዊ ሓላፍነት
57 ካብቲ ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ዚፍጽምዎ ኸቢድ ዕዮን ዜርእዩና ፍቕራዊ ሓልዮትን ብርግጽ ብዙሕ ተጠቒምና ኢና። ብሕጂ እውን ነቶም ነቲ መጓሰ ኺጓስዩ እተሸሙ ሓለውቲ ብእተገዛእናዮም መጠን፡ ምስቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ይህልወና እዩ። (1 ቈረ. 16:15-18፣ ኤፌ. 1:22, 23) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ይሰርጽ፡ ቃል ኣምላኽ እውን ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ዕዮ ይመርሖ እዩ።—መዝ. 119:105።