“ይመርመሩ”—ብኸመይ፧
1 ማሕበር የሆዋ ብቐጻሊ ትዓቢ ስለ ዘላ: ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ኣገልገልቲ ጉባኤ ኰይኖም ከገልግሉ ይድለ ኣሎ። ንኰተቴታት ሓዊስካ ዝበዝሑ መዝነት ዘይተዋህቦም ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ንኸገልግሉ ባህጊ ኣለዎም። ተወሳኺ ስራሕ ክወሃቦም ከሎ: ጠቐምቲ ምዃኖም ይርድኦም ከምኡውን ዕግበት ይስምዖም። እቲ ቀጻሊ ዕቤቶም ‘እተመርመሩ’ ኣብ ምዃን ኢዩ ዝምርኰስ። (1 ጢሞ. 3:10) እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧
2 ግደ ሽማግለታት:- ሽማግለታት ንሓደ ሓው በቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:8-13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣገልገልቲ ጉባኤ ክበጽሕዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ክልክዕዎ ስለ ዘለዎም: ሓላፍነት ክስከም ዝኽእል እንተድኣ ዀይኑ ይምርምርዎ። ምስ እኒ መጽሔታትን ጽሑፋትን ምክፍፋል: ማይክሮፎን ምሓዝ: ኣደራሽ መንግስቲ ምክንኻን: ከምኡውን ምስ ካልእ ዕዮታት ዝተሓሓዝ ጠቓሚ ኣገልግሎት ንኽህብ ክምዝዝዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ነቲ መዝነቱ ብኸመይ ከም ዝቕበሎን ከም ዝሕዞን ይዕዘቡ ኢዮም። ክሳዕ ክንደይ እሙን: ግዜኡ ዘኽብር: ትጉህ: ትሑት: ወለንተኛ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ዝረዳዳእ ምዃኑ ይርእዩ። (ፊል. 2:20) ብኣከዳድንኡን ኵለንትናዊ ኣቃውማኡን ኣብነት ዝኸውን ድዩ፧ ሓላፍነት ዝስምዖ ድዩ፧ ነቲ ‘ሰናይ ኣካይዳኡን ለውሃት ጥበቡን’ ክርእዩ ይደልዩ ኢዮም። (ያእ. 3:13) ኣብ ጉባኤ ንምሕጋዝ ብሓቂ ዝመጣጠር ድዩ፧ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብቕንኢ ብምክፋል ነቲ የሱስ ‘ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር’ ዝሃበና ትእዛዝ ይፍጽምዶ ኣሎ ኢዩ፧—ማቴ. 28:19፣ ግምቢ ዘብዐኛ 17/9/111 ገጽ 1-17 ርአ።
3 ሓደ ሰብ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ንኽምዘዝ እንተ ወሓደ ወዲ ኽንደይ ዓመት ክኸውን ከም ዘለዎ እተወሰነ እኳ እንተ ዘይኰነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም “ዘገልግሉ ሰብኡት ” (NW ) ኢልዎም ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ሰበይትን ቈልዑን ክህልዎም ከም ዝኽእል ስለ ዝጠቅስ: ኣብ መጀመርታ ወይ መፋርቕ ናይ ኰተቴ ዕድመ ክዀኑ ኣይንጽበን ኢና። (1 ጢሞ. 3:12, 13) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት “ትምኒት ጕብዝና” ዘርእዩ ክዀኑ የብሎምን: የግዳስ ገዛእ ርእሶም ብኣገባብ ዝመርሑ ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽቡቕ ኣቕዋምን ጽፉፍ ሕልናን ዘለዎም ክዀኑ ኣለዎም።—2 ጢሞ. 2:22
4 ናይ ሓደ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ክእለት ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ግን ኣረኣእያኡን መንፈሱን ኢዩ። ሓደ ሓው ብትሕትና ንየሆዋ ክውድስን ንኣሕዋቱ ከገልግልን ይደሊ ድዩ፧ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ንኽዓቢ ዝገብሮ ጻዕርታት የሆዋ ክባርኾ ኢዩ።