ትምህርቲ 47
ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧
ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ነገር ተማሂርካ ኢኻ። ነቲ እተምሃርካዮ ንምትግባር እውን ለውጥታት ጌርካ ትኸውን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኸይትውፍን ከይትጥመቕን ዚዓግተካ ነገር ይህሉ ይኸውን። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ ገለ ኻብቲ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ኣብ እትገብሮ ጕዕዞ ዜጋጥም ዕንቅፋታትን ነዚ ብኸመይ ከም እትስግሮን ኪግለጽ እዩ።
1. ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ክንደይ ፍልጠት እዩ ዜድልየካ፧
ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኺህልወካ ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ቅድሚ ምጥማቕካ፡ መልሲ ዅሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ክትፈልጥ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ካብ ዚጥመቑ ነዊሕ ዝገበሩ ክርስትያናት እኳ ብቐጻሊ ይምሃሩ እዮም። (ቈሎሴ 1:9, 10) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሰረታዊ ፍልጠት ኪህልወካ ኣለዎ። ሽማግለታት ጉባኤ ኸኣ እኹል ፍልጠት እንተ ኣልዩካ ኣብ ምግምጋም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
2. ገለ ኻብቲ ቕድሚ ጥምቀት ክትወስዶ ዘሎካ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧
ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ‘ክትንሳሕን ክትምለስን’ ኣሎካ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።) እዚ ድማ በቲ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ኣጸቢቕካ ትጕህን ንየሆዋ ይቕረ ኺብለልካ ትሓትቶን ማለት እዩ። ሕማቕ ኣካይዳ ጠሪስካ ሓዲግካ ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ኽትመላለስ ትቘርጽ እውን ማለት እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዄንካ ብምስባኽን፡ ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ምስታፍ ትጅምር ኢኻ።
3. ፍርሂ ኺዓግተካ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
ገሊኦም ንየሆዋ እተመባጽዑሉ ምፍጻም ከይስእኑ ይፈርሁ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ጌጋ ኽትገብር ኢኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እውን ከምኡ ገይሮም እዮም። የሆዋ ግና ንኣምለኽቱ፡ ፍጹማት ኪዀኑ ኣይጽበዮምን እዩ። (መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።) ዚከኣለካ እንተ ጌርካ፡ በዚ ባህ ይብሎ እዩ! ኪሕግዘካ እውን እዩ። ዋላ ሓደ ‘ኻብ ፍቕሩ ኺፈልየና ኸም ዘይክእል’ እውን መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—ሮሜ 8:38, 39 ኣንብብ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ንየሆዋ ብዝያዳ ብምፍላጥን ሓገዙ ብምቕባልን፡ ከይትጥመቕ ንዜጋጥመካ ዝዀነ ዕንቅፋት ብኸመይ ክትሰግር ከም እትኽእል ርአ።
4. ንየሆዋ ብዝያዳ ፍለጦ
ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኽትፈልጦ ዘሎካ፧ ንዕኡ ፍቕሪ ክሳዕ እተሕድርን ንምሕጓሱ ድሌት ክሳዕ ዚሓድረካን ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኣሎካ። ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዘለዉ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሮም ከምኡ ኸም ዝገበሩ ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ገሊኦም ሰባት ንጥምቀት ኪዳለዉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
ሮሜ 12:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብዛዕባ ሓቅነት እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምህርዎ ትምህርቲ ገለ ጥርጣረታት ኣሎካዶ፧
እንተ ኣልዩካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
5. ነቲ ንጥምቀት ዕንቅፋት ዚዀነካ ነገራት ስገሮ
ርእስና ንየሆዋ ኽንውፍን ክንጥመቕን ምስ ወሰንና፡ ኵላትና ጸገማት የጋጥመና እዩ። ሓደ ኣብነት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ናራንገረል ንየሆዋ ኸተገልግል ምስ በለት እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዋ፧
ንየሆዋ ዘላታ ፍቕሪ ነቲ ዕንቅፋታት ክትሰግር ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧
ምሳሌ 29:25ን 2 ጢሞቴዎስ 1:7ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ዕንቅፋታት ንምስጋር ትብዓት ዚህበና እንታይ እዩ፧
6. ኣብቲ የሆዋ ዚህበካ ሓገዝ ተወከል
የሆዋ ኣብቲ ንዕኡ ንምሕጓስ እትገብሮ ጻዕሪ ኺሕግዘካ እዩ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከይጥመቕ ድሕር ምሕር ዚብል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልቲ ኼሐይል ዝሓገዞ እንታይ ነገር እዩ ፈሊጡ፧
ኢሳይያስ 41:10, 13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ነቲ ኣብ ወፈያኻ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ ኸም እትፍጽም ርግጸኛ እትኸውን ስለምንታይ ኢኻ፧
7. ንፍቕሪ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኣዕዝዝ
የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካ ብዝያዳ ብዝሓሰብካ መጠን፡ ብዝያዳ ኸተመስግኖ ኢኻ፡ ንዘለኣለም ከተገልግሎ እውን ድሌት ኪሓድረካ እዩ። መዝሙር 40:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ካብ የሆዋ ንዝረኸብካዮ እንታይ በረኸት ኢኻ ብፍላይ እተማስወሉ፧
ነብዪ ኤርምያስ ንየሆዋን ንቓሉን ፍቕሪ ነይርዎ እዩ፣ ብስም የሆዋ ዚጽዋዕ ምዃኑ እውን ከም ዓብዪ ኽብሪ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ስለዚ፡ “ብስምካ ተጸዊዐ እየ እሞ፡ ቃልካ ፍስሃን ሓጐስ ልበይን ኰይኑኒ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ኤርምያስ 15:16) ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ፍሉይ ክብሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ኽትጥመቕ ትደሊዶ፧
ከምኡ ኻብ ምግባር ዚዓግተካ ነገር ኣሎዶ፧
ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እንታይ ክትገብር ዘሎካ ይመስለካ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ነቲ ምስ ጥምቀት ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሓላፍነት ክስከሞ ዝኽእል ኣይመስለንን።”
ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧
ጽማቝ
ብሓገዝ የሆዋ፡ ከይትጥመቕ ዚዓግት ዝዀነ ዕንቅፋት ክትሰግር ትኽእል ኢኻ።
ክለሳ
ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ፡ ክንደይ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ የድልየካ፧
ቅድሚ ምጥማቕካ፡ እንታይ ለውጥታት ክትገብር የድልየካ፧
ፍርሂ ኺዓግተካ ኽትፈቅድ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧
ዳህስስ
ንጥምቀትካ መሰረት ኪኸውን ዚግባእ እንታይ ምዃኑ ርአ።
ኪጐትተካ ዚኽእል ጸገማት ብኸመይ ክትሰግር ከም እትኽእል ፍለጥ።
ሓደ ሰብኣይ ንዘጋጥሞ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ብኸመይ ሰጊሩ ኸም እተጠምቀ ርአ።
ኣብ ፈለማ፡ ዓጣ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ከይጥመቕ ኣድሓርሒሩ ነይሩ። ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኺወስድ እንታይ ከም ዘእመኖ ርአ።