ወፈያን ናይ ምርጫ ናጽነትን
“ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ: ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ።” —ገላትያ 5:1
1.እተን “ወፈያ:” “ጽምብል:” ወይ “ባርኾት” ዝብል ትርጕም ተዋሂብወን ዘሎ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ኣውራ ኣብ እንታይ ኢየን ዝውዕላ፧
ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ቅዱስ ዕላማ ንምግልጋል እተፈለኻ ምዃን: ወይ ንዕኡ ጥራይ እተመደብካ ምዃን ዝብል ሓሳብ ንምትሕልላፍ እተፈላለየ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ኢዮም ዝጥቀሙ። ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱሳት እዘን ቃላት እዚኣተን ከም “ወፈያ” (ዴዲኬሽን): “ጽምብል” (ኢናጉሬሽን): ወይ “ባርኾት” (ኮንሰክሬሽን) ዝኣመሰለ ትርጕም ኢዩ ተዋሂብወን ዘሎ። ሓድሓደ ግዜ እዚ ስያመታት እዚ ምስ ህንጻታት—ብሓፈሻ ድማ ምስታ ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ኣምላኽን ኣብ ውሽጣ ዝካየድ ዝነበረ ኣምልኾን—ብምትሕሓዝ ይዝውተራ ኢየን። እዘን ቃላት እዚኣተን ሃይማኖታዊ ምስ ዘይኰነ ነገራት ብምትሕሓዝ ዝዝውተራ ሳሕቲ ኢየን።
ናብ “ኣምላኽ እስራኤል” ዝግበር ወፈያ
2. የሆዋ “ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጽኦም። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ምስኡ ኪዳን ከም ዝተኣታተዉ ብምግባር: ሕሩያት ህዝቡ ክዀኑ ፈለዮም። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ተነግሮም:- “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም።” (ዘጸኣት 19:5፣ መዝሙር 135:4) የሆዋ ንእስራኤላውያን ፍሉያት ጥሪቱ ከም ዝዀኑ ስለ ዝገበሮም: “ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝግብኦ ኢዩ።—እያሱ 24:23
3. የሆዋ ንእስራኤላውያን ህዝቡ ክዀኑ ብምሕራይ ኣድልዎ ዘየርኣየ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 የሆዋ ንእስራኤላውያን ንዕኡ እተወፈዩ ህዝቢ ከም ዝዀኑ ብምግባሩ ኣድልዎ ኣየርኣየን: ከመይሲ ነቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ እውን ብፍቕራዊ መገዲ ሓልዮት ኣርእይዎም ኢዩ። ንህዝቡ ከምዚ ብምባል ኣዘዞም:- “ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ: ኣይትግፍዕዎ። ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ: እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።” (ዘሌዋውያን 19:33, 34) ዘበናት ጸኒሑ ድማ: ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ ኣብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብርቱዕ ጽልዋ ነበሮ: ንሱ ድማ ከምዚ ብምባል ኣፍልጦ ሃበ:- “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
4. እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን እስራኤላውያንን ዝነበረ ርክብ ኣብ እንታይ ኵነት እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ: ንሳቶምከ ምስዚ ብምስምማዕ ተመላሊሶምዶ፧
4 ንኣምላኽ እተወፈኻ ህዝቢ ምዃን ኣብ ኵነት እተመርኰሰ ምንባሩ እውን ኣስተብህል። ‘ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘቡ’ ክዀኑ ዝኽእሉ ንቓል ኣምላኽ ጸኒዖም እንተድኣ ተኣዚዞምን ኪዳኑ ድማ እንተ ሓልዮምን ጥራይ ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ግን: እስራኤላውያን ነዚ ብቕዓታት እዚ ከማልኡ ኣይከኣሉን። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ነቲ ብኣምላኽ እተላእከ መሲሕ ምስ ነጸግዎ ድማ: ነቲ ዝነበሮም ፍሉይ መሰል ኣጥፍእዎ። ድሕሪ ደጊም የሆዋ “ኣምላኽ እስራኤል” ካብ ምዃን ኣቋረጸ። ስጋውያን እስራኤል ድማ እተወፈዩ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣቋረጹ።—ምስ ማቴዎስ 23:23 ኣረኣእዮ።
በቶም ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ እተገብረ ወፈያ
5, 6. (ሀ) የሱስ ነተን ኣብ ማቴዎስ 21:42, 43 ተመዝጊበን ዘለዋ ቃላት ክዛረበን ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኣብ ህላወ ዝመጸ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧
5 እዚ ግን የሆዋ ሽዑ ብዘይ ውፉያት ህዝቢ ተሪፉ ማለት ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ: ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ: እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ: ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ: ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ: እብለኩም አሎኹ።”—ማቴዎስ 21:42, 43
6 እቲ ‘ፍረ ዝፈሪ ህዝቢ’ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኰይና ተረኽበት። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን: ነቶም ናይ መጀመርታ ሕጹያት ኣባላታ ሓረዮም። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ግን: ኣብ ልዕሊ እቶም 120 ዝዀኑ ናይ መጀመርታ ኣባላታ መንፈስ ቅዱሱ ብምፍሳስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመስረታ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:1-4) ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸኒሑ ዝጸሓፎ: እዛ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ” ኰነት። እተሓርየትሉ ዕላማ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ‘ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓ ምእንቲ ኽትነግር።’ (1 ጴጥሮስ 2:9) ብመንፈስ ኣምላኽ እተቐብኡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ሕጂ ውፉያት ህዝቢ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኰኑ።—ገላትያ 6:16
7. ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኢዮም ከስተማቕሩ ዝነበሮም: እንታይ ከርሕቑኸ ኢዩ እተነግሮም፧
7 ኣባላት ናይቲ ቕዱስ ህዝቢ “ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ” እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ባርነት ክኣትዉ ነይርዎም ማለት ግን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ: ካብቲ ናይቶም ውፉያት ህዝቢ ዝነበሩ ስጋውያን እስራኤል ዝዓቢ ናጽነት ከስተማቕሩ ነበሮም። የሱስ ነቶም ሕጹያት ኣባላት ናይዚ ሓድሽ ህዝቢ “እታ ሓቂ . . . ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል ተማባጺዕሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 8:32) ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ካብቲ ሕጊ ኪዳን ዝሓቶ ዝነበረ ብቕዓታት ናጻ ምውጽኦም ሓቢሩ ኢዩ። በዚ ዝመጸ: ነቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ “ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ: ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ: ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ” ብምባል ይምዕዶም።—ገላትያ 5:1
8. ስርዓት ክርስትና ካብቲ ውልቀ-ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ዝረኽብዎ ዝነበሩ ዝዓቢ ናጽነት ዝህቦም በየናይ መዳይ ኢዩ፧
8 ከምቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ስጋውያን እስራኤል ዘይኰነስ: እዚ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ነቲ ካብ ወፈያኡ ዝሕተት ብቕዓታት ብጽኑዕ ተኣዚዙ ኢዩ። እዚ ድማ ከገርመና የብሉን: ምኽንያቱ ኣባላቱ ንኽእዘዙ ብፍታው ኢዮም መሪጾም። ኣባላት ስጋውያን እስራኤል ብምኽንያት ትውልዶም ውፉያት ክዀኑ ከለዉ: ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ግን ብምርጫ ኢዮም ውፉያት ኰይኖም። ስለዚ ስርዓት ክርስትና ምስቲ ውልቀ-ሰባት ነቲ ናይ ምርጫ ናጽነቶም ክጥቀምሉ ከየፍቀደ ውፉያት ዝገብሮም ዝነበረ ሕጊ ኪዳን ኣይሁድ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ።
9, 10. (ሀ) ኤርምያስ ንዓይነት ወፈያ ዝምልከት ለውጢ ክህሉ ምዃኑ ዝሓበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ውፉያት ክርስትያናት ኵሎም ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣይኰኑን እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧
9 ነብዪ ኤርምያስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ኣብ ዓይነት ወፈያ ዘሎ ለውጢ ኣመልኪቱ ተነበየ:- “እንሆ: ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን: ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ: ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ: ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎ: ይብል እግዚኣብሄር። ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፤ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።”—ኤርምያስ 31:31-33
10 ሕጊ ኣምላኽ “ኣብ ውሽጦም:” ብምሳልያዊ መገዲ “ኣብ ልቦም” ስለ እተጻሕፈ: ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ተደሪኾም ኢዮም። ድራኸኦም ካብቲ ናይቶም ብምርጫ ዘይኰነስ ብትውልዲ ውፉያት ዝነበሩ ስጋውያን እስራኤል ዝሓየለ ኢዩ። ሎሚ: ከምቲ በቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል እተራእየ: እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዘሎ ሓያል ድራኸ: በቶም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ዘለዎም ብጾቶም ተራእዩ ኢዩ። ንሳቶም ፍቓድ የሆዋ ኣምላኽ ንምግባር ህይወቶም ንዕኡ ወፍዮም ኢዮም። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ልክዕ ከምቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣቚሞም ዘለዉ ናይ ሰማያዊ ህይወት ተስፋ እኳ እንተ ዘይብሎም: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ይሕጐስሉ ኢዮም። ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ሒደት ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ‘ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዘጸውዖም ንኽነግሩ’ እተዋህቦም መዝነት ኣብ ምፍጻም ንጡፋት ኰይኖም ብምሕጋዝ ንዓኣቶም ዘለዎም ሞሳ ይገልጹ።
ነቲ ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ናጽነት ብጥበብ ምዝውታሩ
11. ሰብ እንታይ ክእለት ሒዙ ኢዩ ተፈጢሩ: ነዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክጥቀመሉ ዘለዎ፧
11 ኣምላኽ ሰባት ንናጽነት ኣኽቢሮም ከም ዝርእይዎ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። ናጻ ድሌት ናይ ምጥቃም ክእለት ሂብዎም ኢዩ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ናይ ምርጫ ናጽነቶም ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ንዕኦምን ንዘርኦምን ናብ ጥፍኣት ዝመርሐ ጥበባውን ፍቕራውን ዘይኰነ ምርጫ ገበሩ። እንተዀነ ግን እዚ: የሆዋ ንመስተውዓልቲ ፍጡራት ኣንጻር እቲ ውሽጣዊ ድራኸታቶምን ባህግታቶምን ስጕምቲ ክወስዱ ፈጺሙ ከም ዘይግድዶም ኣነጺሩ ዘርኢ ኢዩ። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ . . . ዚፈቱ” ስለ ዝዀነ ድማ: እቲ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘለዎ እንኮ ወፈያ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ: ብሓጐስ ፈቲኻ ዝግበር: ከምኡውን ኣብ ናይ ምርጫ ናጽነት እተመርኰሰ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ካልእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ተቐባልነት የብሉን።
12, 13. ነቲ ግቡእ ናይ ቈልዓ ምልምማድ ጢሞቴዎስ መርኣያ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ: ኣብነቱኸ ንብዙሓት መንእሰያት እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝመርሖም፧
12 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ብቕዓት እዚ ምሉእ ኣፍልጦ ብምሃብ: ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ይድግፉ ኢዮም: ግናኸ ንዝዀነ ይኹን ሰብ: ንደቆም እውን ከይተረፈ ከምዚ ዝበለ ወፈያ ኽገብሩ ፈጺሞም ኣይግድድዎምን ኢዮም። ያኢ ንብሕታዊ ምርጫ ኣብ ግምት ከየእተኻ ንኽውፈዩ ምግዳድ ከም ዝከኣልሲ: ከምቲ መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያን ዝገብርኦ: መሰኻኽር ንሕጻናት ደቆም ኣየጠምቑን ኢዮም። እቲ ክሰዓብ ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርኣያ: ከምቲ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ዝገበሮ ኢዩ። በጽሒ ምስ ኰነ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በሎ:- “ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ: ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ: በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15
13 ጢሞቴዎስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ስለ እተማህሮ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈልጦ ምንባሩ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። ነቲ ካብ ኣዲኡን ዓባዩን ዝረኸቦ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንኽኣምኖ ተረዲኡ ደኣምበር ኣይተገደደን። (2 ጢሞቴዎስ 1:5) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ጢሞቴዎስ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን ጥበባዊ ስጕምቲ ምንባሩ ስለ እተረድአ ንክርስትያናዊ ወፈያ ዝምልከት ብሕታዊ ምርጫ ገበረ። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ወለዶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣጕባዝን ጐራዙትን ነዚ ኣብነት እዚ ስዒቦም ኢዮም። (መዝሙር 110:3) ካልኦት ግን ኣይሰዓቡን። እዚ ናይ ብሕታዊ ምርጫ ጕዳይ ኢዩ።
ባርያ መን ክትከውን ኢኻ እትመርጽ፧
14. ሮሜ 6:16 ብዛዕባ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ምዃን እንታይ ኢያ እትብለና፧
14 ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዝዀነ ሰብ የለን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቲ ኸም ድሌትካ ብምኻድ ዕሽሽ ክትብሎ ዘይከኣል ሕጊ ስሕበት ዝኣመሰለ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ናጽነቱ እተቐየደ ኢዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ እውን: ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዝዀነ ሰብ የለን። ጳውሎስ ከምዚ ዝብል መረድኢ ይህብ:- “ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ: ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት: ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ: ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧”—ሮሜ 6:16
15. (ሀ)ሰባት ብዛዕባ ባርያ ምዃን እንታይ ኢዩ ዝስምዖም: መወዳእትኡ ክርአ ኸሎ ግን መብዛሕትኦም እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞም፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ግቡእ ሕቶታት ኢና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ እንኽእል፧
15 ናይ ካልእ ሰብ ባርያ ምዃን ዝብል ሓሳብ ንብዙሓት ሰባት ስኽሕኽሕ ኢዩ ዘብሎም። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ዝርአ ክዉን ነገር: ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ በቲ መወዳእትኡ ከይፈተዉ ካልኦት ዝደልይዎ ናብ ምግባር ዝመርሖም መታለሊ ዝዀነ ብዙሕ መገድታት ምቍጽጻር ዝግበረሎምን ዝጽለዉን ምዃኖም ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ሬክላም ትካላትን መዘናግዒታትን ሰባት ክስዕብዎ ዘለዎም መዐቀኒታት ብምውጻእ: ሓደ ዓይነት ቅዲ ንኽስዕቡ ጸቕጢ ክገብረሎም ይጽዕር ኢዩ። ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ማሕበራት: ሰባት ንሓሳባተንን ሸቶታተንን ከም ዝድግፉ ንኽገብራኦም ኵሉ ግዜ ዘእምን ምጕት ጥራይ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምሕዝነት ወይ ተኣማንነት መንፈስ ዘለዓዕለሎም ነገር ኢየን ዝጥቀማ። ጳውሎስ ‘ነቲ እንእዘዞ ባሮቱ ከም ዝዀንና’ ስለ ዝገለጸ: ነፍሲ ወከፍና ‘ናይ መን ባርያ ኢየ፧ ኣብ ውሳነታተይን ናብራ ህይወተይን ዝዓበየ ጽልዋ ዝገብር መን ኢዩ፧ ናይ ሃይማኖት ኣቕሽሽቲ: ፖለቲካውያን መራሕቲ: ዓበይቲ ናይ ንግዲ ርእሰ-ማላውያን ድዮም: ወይስ ናይ መዘናግዒ ተዋሳእቲ፧ ንመን ኢየ ዝእዘዝ—ንሰባትዶ ወይስ ንኣምላኽ፧’ ኢሉ ክሓትት ሰናይ ኢዩ።
16. ክርስትያናት ባሮት ኣምላኽ ዝዀኑ በየናይ መገዲ ኢዮም: ናይ ከምዚ ዝበለ ባርነት ግቡእ ኣረኣእያኸ እንታይ ኢዩ፧
16 ክርስትያናት ንኣምላኽ ምእዛዝ: ንብሕታዊ ምርጫ ምግሃስ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም። ንብሕታዊ ባህግታትን ቀዳምነት ዝህብዎ ነገራትን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ: ነቲ ዘለዎም ናጽነት ከምቲ ኣብነቶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ብፍታው ኢዮም ዝጥቀምሉ። (ዮሃንስ 5:30፣ 6:38) ርእሲ ናይታ ጉባኤ ከም ምዃኑ መጠን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲኡ ብምግዛእ “ሓሳብ ክርስቶስ” ኢዮም ዘማዕብሉ። (1 ቈረንቶስ 2:14-16፣ ቈሎሴ 1:15-18) እዚ ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ እተፍቅሮ ሰብኣይ ፈትያ እትምርዓዎን ፍቓደኛ ኰይና ድማ እትተሓባበሮን ኢዩ። አረ: እቶም ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣካልሲ ንክርስቶስ ክምርዓዉ እተሓጽዩ ንጽህቲ ድንግል ከም ዝዀኑ ኢዩ ተዘሪብሎም ዘሎ።—2 ቈረንቶስ 11:2፣ ኤፌሶን 5:23, 24፣ ራእይ 19:7, 8
17. ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ንምዃን ኢዮም ዝመረጹ፧
17 ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ተስፋ ይሃልዎ ብዘየገድስ: ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባርን ከም ገዛኢ መጠን ድማ ንኽእዘዞን ብሕታዊ ወፈያ ገይሩ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ምስክር: ወፈያ ክበሃል ከሎ ባርያ ሰብ ካብ ምዃን ባርያ ኣምላኽ ንምዃን እተገብረ ብሕታዊ ምርጫ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም: ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።”—1 ቈረንቶስ 7:23
ገዛእ ርእስና ንምጥቃም ምምሃር
18. ሓደ ምስክር ክኸውን ተስፋ ዘለዎ ሰብ ንጥምቀት ብቑዕ ዝኸውን መዓስ ኢዩ፧
18 ሓደ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ከማልእ ኣለዎ። ሽማግለታት ሓደ ምስክር ክኸውን ዝደሊ ሰብ ነቲ ክርስትያናዊ ወፈያ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም እንታይ ምዃኑ ብሓቂ ተረዲእዎ እንተ ዀይኑን ዘይኰይኑን ንምውሳን ጥንቃቐ ይገብሩ ኢዮም። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃን ብሓቂ ይደሊ ድዩ፧ ምስቲ ምስክር ምዃን ዝሓቶ ነገራት ተሰማሚዑ ክነብርከ ፍቓደኛ ድዩ፧ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ንጥምቀት ብቑዕ ኣይኰነን።
19. ሓደ ውፉይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ክኸውን ዝወሰነ ሰብ ዝውቀሰሉ ምኽንያት ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ይኹን እምበር: ሓደ ውልቀ-ሰብ ንዅሉ እቲ ብቕዓታት እንተድኣ ኣማሊእዎ: ኣምላኽን እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉን ኣብ ርእሱ ጽልዋ ክገብር ብምፍቃድ ፈትዩ ብሕታዊ ወፈያ ስለ ዝገበረ ዝውቀስ ድኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ ካብ ብሰባት ብኣምላኽ ክትጽሎ ምፍቃድስ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይብሉ ድዩ፧ ወይስ ረብሓ ዘይብሉ ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ዝብል ሓሳብ የብሎምን። ምስቲ ብኢሳይያስ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ይሰማምዑ ኢዮም:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17
20. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት ናጻ ዝገብሮም በየናይ መዳያት ኢዩ፧
20 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት ከም ናይ ሲኦል ሓዊ ዘለኣለማዊ ስቓይ ዝኣመሰለ ሓሶት ዝዀነ ሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነታት ካብ ምእማን ናጻ ይገብሮም። (መክብብ 9:5, 10) ኣብ ክንድኡ: ኣልባቦም በቲ ንምዉታት እተዋህበ ናይ ሓቂ ተስፋ—ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ትንሳኤ—ብምስጋና ከም ዝመልእ ኢዩ ዝገብር። (ማቴዎስ 20:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ሮሜ 6:23) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት ካብቲ ወትሩ ኣብ ዝፈሽል ፖለቲካዊ ተስፋታት ምውካል ዘስዕቦ ጭንቀት ናጻ የውጽኦም። ኣብ ክንድኡ: መንግስቲ የሆዋ ድሮ ኣብ ሰማያት ትገዝእ ከም ዘላ: ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ድማ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ምድሪ ክትገዝእ ምዃና ብምፍላጥ ኣልባቦም ብሓጐስ ከም ዝጅርብብ ኢዩ ዝገብር። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት ካብቲ ንሓጥእ ስጋ ባህ ዘብል እኳ እንተዀነ: ንኣምላኽ ግን ዘየኽብሮ ከምኡውን ዘይዕዉት ርክባትን ሕማምን ቅድሚ ግዜ ሙማትን ዝኣመሰለ: ከቢድ ጕድኣት ዘስዕብ ተግባራት ናጻ ይገብሮም። ብሓጺሩ: ባርያ ኣምላኽ ምዃን ባርያ ሰብ ካብ ምዃን ዝያዳ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። አረ: ንኣምላኽ እተወፈኻ ምዃንሲ “ኣብዛ ዘመን እዚኣ” እተፈላለየ ጥቕምታት: “ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ተስፋ ኢዩ ዘለዎ።—ማርቆስ 10:29, 30
21. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናብ ኣምላኽ ዝግበር ወፈያ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ: ባህጎምከ እንታይ ኢዩ፧
21 ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ብትውልዲ ክፍሊ ናይ ሓደ እተወፈየ ህዝቢ ዝነበሩ ናይ ጥንቲ እስራኤላውያን ኣይኰኑን። መሰኻኽር ክፍሊ ናይታ ብውፉያት ክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ጥሙቕ ምስክር ወፈያ ኣብ ምግባር ብውልቁ ናይ ምርጫ ናጽነት ተጠቒሙ ኢዩ ክፍሊ ናታ ዝዀነ። ብርግጽ: ወፈያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍታው ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝመለለይኡ ምስ ኣምላኽ ዝግበር ምዉቕ ብሕታዊ ርክብ ኢዩ ዘፍርየሎም። ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦም ናጽነት ንዘለኣለም ኣጽኒዖም ብምሓዝ: ነዚ ዘሐጕስ ርክብ ብምሉእ ልቦም ክዕቅብዎ ኢዮም ዝብህጉ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ‘ሓለፋ ኵሎም ህዝብታት ገንዘቡ’ ክዀኑ ምምራጹ መዳለዊ ዘይነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ክርስትያናዊ ወፈያ ናጽነት ኣይገፍፍን ኢዩ ክትብል እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
◻ ንየሆዋ ኣምላኽ እተወፈኻ ምዃን ዘምጽኦ ጥቕምታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ባርያ ሰባት ካብ ምዃን ኣገልጋሊ የሆዋ ምዃን ዝበልጽ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ንኣምላኽ ምውፋይ ናይ ትውልዲ ጕዳይ ኢዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊ ወፈያ ናይ ምርጫ ጕዳይ ኢዩ