መጽናዕቲ 40
ልክዕነት ዘረባ
ሓደ ክርስትያን ሓቂ ዘይኰነ ነገር ኪዛረብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ዝሰምዖ ነገር ሓቂ ምዃኑ ኸየረጋገጸ ኺደግሞ ኸሎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ነቲ ምንጪ ሓበሬታኡ ኸይፈለጠ ብጌጋ ስለ እተረድኦ: ኬጋንን ይኽእል እዩ። ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን ከይተረፈ ንልክዕነት እቲ እንብሎ ነገር ተጠንቂቕና ቘላሕታ ምስ እንገብር: ሰማዕትና ንሓቅነት እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ መዳያት መልእኽትና ኺተኣማመኑሉ ኸም ዚኽእሉ ኺግንዘቡ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ። ብዙሓት ሰባት ብዙሕ ኪመሃርዎ ዘለዎም ነገር ከም ዘሎ ስለ ዚፈልጡ: ኣገልግሎት ወፍሪ ምጅማር የፍርሆም እዩ። ኰይኑ ግን: ብሓደ መሰረታዊ ፍልጠት ሓቂ ጥራይ እኳ: ውጽኢታዊ ምስክርነት ኪህቡ ኸም ዚኽእሉ ነዊሕ ከይጸንሑ ይፈልጡ እዮም። ብኸመይ፧ እቲ ቐንዲ ረቛሒ ምድላው እዩ።
ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቕድሚ ምኻድካ: ነቲ ኽትመያየጠሉ እትደሊ ርእሰ ነገር ኣጸቢቕካ ፍለጦ። ሰማዕትኻ ኼበግስዎ ዚኽእሉ ሕቶታት ክትግምት ፈትን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዜዕግብ መልስታት ኣናዲ። እዚ ኸኣ ከይተረበሽካ ቕኑዕ መልስታት ንኽትህብ ኬዳልወካ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ዲኻ፧ ነቲ ዚጽናዕ ትምህርቲ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ንመልሲ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት መሰረት ዚኸውን ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተረድኣካ ኣረጋግጽ።
ሓደ ብዓል ቤት ወይ መሳርሕቲ ዘይተዳለኻሉ ሕቶ እንተ ሓቲቱካኸ፧ መልሱ ብልክዕ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ: ብግምት ኣይትመልስ። “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ።” (ምሳ. 15:28) እቲ ዜድልየካ ሓገዝ ኣብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ወይ ኣብታ ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኽልቲኡ እንተ ዘይብልካ: ምርምር ጌርካ ኻልእ ግዜ ኽትምለሶ ኸም እትኽእል ንገሮ። እቲ ሕቶ ዘቕረበልካ ሰብ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ: ቅኑዕ መልሲ ንምርካብ ምጽባይ ኣይከብዶን እዩ። ምናልባት እውን ንትሕትናኻ ኼድንቖ ይኽእል እዩ።
ምስ ምኩራት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምዕያይ: ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ንምምቓል ወይ ንምክፋል ዘሎካ ኽእለት ንኸተማዕብል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣየናይ ጥቕስታት ከም ዚጥቀሙን ብእኡ ገይሮም ብኸመይ ከም ዜረድኡን ተዓዘብ። ነቲ ዚህቡኻ ሓሳባት ወይ መአረምታ ብትሕትና ተቐበል። እቲ ቐናእ ወደ መዝሙር ዝነበረ ኣጵሎስ: በቲ ኻብ ካልኦት እተዋህቦ ሓገዝ ተጠቒሙ እዩ። ሉቃስ ንኣጵሎስ “ሊቅ:” “ስልጡን:” ከምኡውን “ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ኰይኑ ግን: ኣብ ምርዳኡ እተወሰነ ጕድለት ነበሮ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ነዚ ምስ ፈለጡ: “ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።”—ግብ. 18:24-28
‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ምጽናዕ።’ ኣብ ኣኼባታት እነቕርቦ ትምህርቲ: ነታ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ዝዀነት ጉባኤ ልዑል ኣኽብሮት ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:15) ነቲ ሓቂ ምእንቲ ኽንድግፍ: እቲ ኣብ መደረታትና ኽንጥቀመሉ ዝመደብና ጥቕስታት ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ኪርድኣና ኣለዎ። ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባትን ዕላማኡን ኣብ ግምት ኣእቱ።
እቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እትዛረቦ ነገር: ካልእ ሰብ ይደግሞ ይኸውን። ልክዕ እዩ: “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና።” (ያእ. 3:2) ኰይኑ ግን: ቅኑዕ ዘረባ ንኽትዛረብ ኣበርክቶ ዚገብር ልማዳት ብምምዕባል ክትጥቀም ኢኻ። ብዙሓት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እተመዝገቡ ኣሕዋት: ጸኒሖም ሽማግለታት ይዀኑ እዮም። ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዚስከሙ: “ብዙሕ” ትጽቢት እዩ ዚግበረሎም። (ሉቃ. 12:48) ሓደ ሽማግለ ንኣባላት እታ ጉባኤ ኸቢድ ጸገማት ዜምጽእ ማዕዳ ብሸለልትነት እንተ ሂቡ: ንኣምላኽ ኬጕህዮ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 12:36, 37) ስለዚ: ሓደ ሽማግለ ዝዀነ ሓው: ‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ብምጽናዕ’ ኪፍለጥ ኣለዎ።—ቲቶ. 1:9
እትበጽሖ መደምደምታታት ምስቲ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቂ ዚርአ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ከም ዚሰማማዕ ኣረጋግጽ። (2 ጢሞ. 1:13) እዚ ግን ኬፍርሃካ የብሉን። ምናልባት ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ኣይወዳእካን ትኸውን። ስለዚ: ነዚ ዕየየሉ። ዝዀነ ዀይኑ: እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ነቲ ኣብ እትምህሮ ትምህርቲ ኽትጥቀመሉ ዝሓሰብካዮ ጽሑፍ ንምምርማር ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ኣስተብህለሉ።
ፈለማ: ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዚ ሓሳባት እዚ ምስቲ ኣቐዲመ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ዚሰማማዕ ድዩ፧ ንሰማዕተይ ናብ የሆዋ የቕርቦም ድዩ ወይስ ብጥበብ ዓለም ንኺምርሑ እዩ ዜተባብዕ፧’ የሱስ “ቃልካ [ቃል የሆዋ] ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃ. 17:17፣ ዘዳ. 13:1-5፣ 1 ቈረ. 1:19-21) ቀጺልካ: ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ናውቲ ብዚግባእ ተጠቐመሉ። እዚ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብልክዕ ንኽትርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ: ብሚዛናውን ብርትዓውን መገዲ ኣወዓዕላኡ ንኽትገልጽ እውን ኪሕግዘካ እዩ። መደረኻ ኣብቲ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ እተመስረተ እንተ ዀይኑን ቅዱሳት ጽሑፋት ክትገልጽን ኣወዓዕላኡ ኽትሕብርን ከለኻ ኸኣ ኣብቲ የሆዋ ዚጥቀመሉ መትረብ እንተ ተመርኲስካ: ዘረባኻ ልክዕ ኪኸውን እዩ።
ልክዕነት ሓበሬታ ምርግጋጽ። እተወሰነ ነጥብታት ከተብርህን ኣወዓዕላኡ ኽትገልጽን ከለኻ: ካብ እዋናዊ ዜናን ካብ ካልእ ምንጪ እተረኽበ ጥቕስታትን ካብ ተመክሮታትን ሓጋዚ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኽትረክብ ከለኻ: ልክዕነቱ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ኻብ ዜተኣማምን ምንጪ ምርካብ እዩ። እቲ ሓበሬታ እዋናዊ ምዃኑ ምርግጋጽ ድማ ኣይትረስዕ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ግዜኡ ይሓልፎ እዩ፣ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበታት ብቕልጡፍ ብኻልእ ይትካእ እዩ፣ ወድሰብ ብዛዕባ ታሪኽን ጥንታዊ ቛንቋታትን ዘለዎ ምርዳእ እናሰፍሐ ምስ ከደ: እቲ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ፍልጠት ብምምርኳስ ዚብጻሕ መደምደምታ ኺእረም ኣለዎ። ካብ ጋዜጣ: ተለቪዥን: ረድዮ: ኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ: ወይ ካብ መርበብ ሓበሬታ እትረኽቦ ሓበሬታታት ክትጥቀም እንተ ደሊኻ: ዓብዪ ጥንቃቐ ግበር። ምሳሌ 14:15 “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ዚብል ምኽሪ ትህበና። ስለዚ: ‘እዚ ምንጪ ብልክዕነቱ ዚፍለጥ ድዩ፧ እቲ ሓበሬታ ብኻልእ መገዲ ኺረጋገጽ ይኽእል ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ሓቅነት ሓደ ሓበሬታ እንተ ተጠራጢርካ: ኣይትጠቐመሉ።
ንተኣማንነት እቲ ምንጪ ኣብ ልዕሊ ምርግጋጽካ: ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም ዝመደብካ እውን ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። ካብ ካልእ ዝወሰድካዮ ጥቕስታትን ኣሃዛዊ ጸብጻባትን ምስቲ ኣብ ምንጪ ሓበሬታ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሰማማዕ ኣረጋግጽ። ሓሳብካ ንኸተጕልሕ ክትብል: “ገለ ሰባት” ዚብል “መብዛሕትኦም ሰባት:” “ብዙሓት ሰባት” ዚብል “ኵሎም ሰባት:” “ኣብ ገሊኡ መዳያት” ዚብል ከኣ “ኵሉ ሳዕ” ኢልካ ኸይትቕይሮ ተጠንቀቕ። ንቝጽሪ: መጠን: ወይ ርዝነት ዚምልከት ነገራት ኣጋኒንካ ምዝራብ: ንተኣማንነትካ ኣብ ሕቶ እዩ ዜእትዎ።
እቲ እትብሎ ነገር ወትሩ ልክዕ ምስ ዚኸውን: ሓቂ እተኽብር ሰብ ብምዃን ክትፍለጥ ኢኻ። እዚ ኸኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ ጽቡቕ ስም ዜውህብ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ዜኽብሮ እዩ።—መዝ. 31:5