ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 56 ቲቶስ
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- መቄዶንያ (፧)
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 61–64 ድ.ክ.
“ጳውሎስ: ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን: . . . ናብ ቲቶስ: ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ።” (ቲቶ. 1:1, 4) ጳውሎስ ናብቲ መዓይይቱን ንነዊሕ እዋን ብጻዩን ዝነበረ እሞ ንጉባኤታት ብዝሓሸ መገዲ ንኺውድብ ኢሉ ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝሓደጎ ቲቶስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ በዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት እዩ ጀሚርወን። ቲቶስ ዓብዪ ዕዮ እዩ ነይርዎ። እዛ ደሴት እዚኣ ጥንታዊት መንበሪ “ኣቦ ኣማልኽትን ሰባትን” እትበሃል ኰይና: እቲ “ንቅሬጥሳዊ ቅሬጥስ ምግባሩ:” ማለት “ንመታለሊ ምትላሉ” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ብሂል ካብኣ ዝመጸ እዩ።a እቶም ህዝቢ ሓሰውቲ ኻብ ምዃኖም እተላዕላ ምስላ ይምሰለሎም ነበረ: ስለዚ ድማ ጳውሎስ ናታቶም ነብዪ ዝበሎ ጠቒሱ: “ሰብ ቅሬጥስ ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ: እኩያት ኣራዊት: ሀካያት ኣኽብዲ እዮም” በለ። (1:12) ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰብ ቅሬጥስ በዚ ዚስዕብ መገዲ እውን ተገሊጾም ኣለዉ:- “እቶም ሰባት ዘይጽኑዓት: ዘይቅኑዓት: ተባኣስቲ ነበሩ፣ ምሒር ስሱዓት: ብዕሉጋት: ሓሰውቲ: ሰኽራማት ነበሩ፣ እቶም ኣብ መንጎኦም እተቐመጡ ኣይሁድ ድማ ብርኽሰቶም ካብቶም ደቀባት ሓለፍ ዝበሉ ዀኑ።”b ጉባኤ ቅሬጥስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው እያ ቘይማ፣ ስለዚ ድማ እቶም ኣመንቲ ኸምቲ ጳውሎስ ዝመዓዶም: ‘ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒዶም: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን ብኣምልኾን ኪነብሩ’ የድልዮም ነበረ።—2:12
2 መጽሓፍ ቲቶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ጳውሎስን ቲቶስን ዝነበረ ርክብ ብዙሕ ኣይትገልጽን እያ። ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ካልእ መልእኽትታቱ ንቲቶስ ዝጠቐሰሉ ቦታታት ግን: ብዙሕ ሓበሬታ ኽንእክብ ንኽእል ኢና። ቲቶስ ግሪኻዊ ዀይኑ: ብዙሕ ግዜ ንጳውሎስ የሰንዮ ነበረ: እንተ ወሓደ ሓንሳእ ድማ ምስኡ ናብ የሩሳሌም ደየበ። (ገላ. 2:1-5) ጳውሎስ ንዕኡ: “ንኣይ ብጻየይ: ኣባኻትኩምውን መዓይይተይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ኣብ ኤፌሶን ከሎ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ድሕሪ ምጽሓፉ እውን ንቲቶስ ናብ ቈረንቶስ ልኢኽዎ እዩ። ቲቶስ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋት ዚግበር ዝነበረ ውጽኢት ኣብ ምእካብ ተሳቲፉ: ድሕሪኡ ድማ ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ ነቲ ምእካብ ንምዝዛም ተመሊሱ ኸይዱ እዩ። ምስ ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ድሕሪ ምርኻቡ ናብ ቈረንቶስ ኪምለስ ከሎ: ነታ ኻልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ሒዙ ኸደ።—2 ቈረ. 8:16-24፣ 2:13፣ 7:5-7
3 ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንመጀመርታ ግዜ ኻብ እተኣስረሉ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ: ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ኣገልግሎቱ ምስ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ሓቢሩ ኣገልጊሉ እዩ። እቲ ኣገልግሎቶም ንቅሬጥስን ግሪኽን መቄዶንያን ዝሸፈነ እዩ ዚመስል። ኣብ መወዳእታ: ጳውሎስ ናብታ ኣብ ሰሜናዊት ምዕራብ ግሪኽ እትርከብ ኒቆጶሊስ ከም ዝኸደ እዩ ዚንገር: ኣብኡ ኸኣ ተታሒዙ ንናይ መወዳእታ ማእሰርቱን መቕተልቱን ናብ ሮሜ ተወሲዱ ኪኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ናብ ቅሬጥስ ድሕሪ ምብጻሑ: ንቲቶስ ምስቲ ዝሃቦ መምርሒታት ተሰማሚዑ ‘ዝተረፈ ምእንቲ ኺሰርዕ: ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ኪሸይም’ ኢሉ ኣብኡ ሓደጎ። ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ ምስ ሓደጎ ነዊሕ ከይጸንሐ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሓፋ ስለ ዚመስል: እተጻሕፈትሉ ቦታ ኣብ መቄዶንያ ኸይኰነ ኣተርፍን እዩ። (ቲቶ. 1:5፣ 3:12፣ 1 ጢሞ. 1:3፣ 2 ጢሞ. 4:13, 20) እዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ቀዳማይ ጢሞቴዎስ ዚመሳሰል ዕላማ ኣለዋ፣ እዚ ድማ ነቲ መዓይይቲ ጳውሎስ ንምትብባዕን ኣብ ዕዮኡ ደገፍ ንምሃብን እዩ።
4 ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሮሜ ንፈለማ ግዜ እተኣስረሉን ንኻልኣይ ግዜ እተኣስረሉን ዝነበረ እዋን: ማለት ካብ 61 ክሳዕ 64 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ንሓቅነት እታ ናብ ቲቶስ እተላእከት መልእኽቲ ዜረጋግጽ መርትዖታት: ማዕረ እተን ኣብቲ እዋን እቲ ናብ ጢሞቴዎስ እተላእካ መልእኽታት እዩ፣ እዘን ሰለስተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መጻሕፍቲ ብዙሕ ግዜ “ጕስነታዊ መልእኽትታት” ጳውሎስ ተባሂለን ይጽውዓ እየን። ኣገባብ ኣጸሓሕፋአን ተመሳሳሊ እዩ። ኢሪንየስን ኦሪጀንን ካብ ቲቶስ ጠቒሶም ኣለዉ: ብዙሕ ጥንታዊ ምንጭታት እውን ንቐኖናውነት እዛ መጽሓፍ እዚ ይምስክር እዩ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣብ ኢደ-ጽሑፋት ሲናን እስክንድርያን ትርከብ እያ። ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ጆን ራይላንድስ: P32 ተባሂሉ ዚፍለጥ ቍራጽ ፓፒሩስ ኣሎ: እዚ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቘጽሊ ኮዴክስ ኰይኑ: ቲቶስ 1:11-15 ከምኡውን 2:3-8 ሒዙ ኣሎ።c እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓቅነታ እተረጋገጸ ኽፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ምዃና ዜተሓታትት ኣይኰነን።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
8 ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ክርስትያናት ሓሶትን ብልሽውናን ስስዐን ኣብ ዝመልኦ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እሞኸ ምስቲ ሓፋሽ ኪጐዓዙዶ ይግባእ፧ ወይስ ንርእሶም ምሉእ ብምሉእ ፈልዮም ንየሆዋ ኣምላኽ እተቐደሰ ህዝቢ ንኪዀኑ ወሳኒ ስጕምቲ እዮም ኪወስዱ ዘለዎም፧ ጳውሎስ ብቲቶስ ኣቢሉ “ሰናይ ግብሪ ንምግባር . . . ኪቐንኡ” ነገሮም: “እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ” ድማ በሎም። ሎሚ ኣብዛ ኣብ ሓሶትን ምትላልን ጥሒላ ዘላ ዓለም እውን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እናኣፍረዩ ‘ሰናይ ግብሪ ምግባር እንተ ተማህሩ’ “ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ።” (3:8, 14) ኵሉ እቲ ነተን ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝነበራ ጉባኤታት ዜስግእ ዝነበረ ጳውሎስ ዝዀነኖ ርኽሰትን እከይን: ነዞም ሕጂ ዘለና ‘ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን ብኣምልኾን ክንነብር ብጸጋ ኣምላኽ እተመሃርና’ ዘበልና መጠንቀቕታ እዩ ዚዀነና። ክርስትያናት ንስልጣናት እዙዛት ብምዃንን ሰናይ ሕልናኦም ብምዕቃብን: “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ” ኣለዎም።—2:11, 12፣ 3:1
9 መንፈስ ቅዱስ ካብ ሓለውቲ ኺማላእ ዚጽበዮ ነገር ብዚምልከት: ኣብ ቲቶስ 1:5-9 ዘሎ ሓሳባት ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:2-7 ዚርከብ መመላእታ ይኸውን እዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት: ሓላዊ ‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ኺጸንዕን’ ኣብታ ጉባኤ ኺምህርን ከም ዘለዎ የጕልሕ። እዝስ ንዅሎም ናብ ብስለት ብምብጻሕ ዝመጸ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን እዩ! ቅኑዕ ትምህርቲ ምምሃር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብታ ናብ ቲቶስ እተላእከት መልእኽቲ ብተደጋጋሚ ጐሊሑ ንረኽቦ። ጳውሎስ ንቲቶስ: “ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር” ኢሉ መዓዶ። ኣረገውቲ ኣንስቲ “መሃርቲ ሰናይ ኪዀና:” ግዙኣት ከኣ “ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና . . . ኺስልምዎ” ተነግሮም። (ቲቶ. 1:9፣ 2:1, 3, 10) ጳውሎስ ንቲቶስ ከም ሓላዊ መጠን ኣብ ትምህርቱ ጽኑዕን ተባዕን ኪኸውን ከም ዜድልዮ ኺሕብሮ ኸሎ: “እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዐድን ግናሕን” በሎ። ነቶም ዘይእዘዙ ድማ: “ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ . . . ኣሕሚምካ ግንሓዮም” በሎ። ስለዚ: ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ መልእኽቲ: ብፍላይ “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ” ትጠቅም እያ።—ቲቶ. 2:15፣ 1:13፣ 2 ጢሞ. 3:16
10 እታ ናብ ቲቶስ እተላእከት መልእኽቲ ንጸጋ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ተነቓቕሖ: ነቲ “እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና” ኸኣ ካብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ክንርሕቕ ተተባብዓና። እቶም ብክርስቶስ የሱስ ዝጸደቑ ኸምዚ ምስ ዚገብሩ: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ “ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ” ኪዀኑ እዮም።—ቲቶ. 2:13፣ 3:7
[እግረ-ጽሑፋት]
a ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ: ብ1981 እንደገና እተሓትመ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 564፣ ዘ ኒው ስካፍ-ሄርዞግ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ: 1958: 3ይ ጥራዝ: ገጽ 306።
b ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ: ብ1981 እንደገና እተሓትመ: 5ይ ጥራዝ: ገጽ 442።
c ዘ ቴክስት ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት: ብኩርት ኣላንድን ባርባራ ኣላንድን: ብኢ. ኤፍ. ሮደስ እተተርጐመ: 1987: ገጽ 98።