-
ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ተመላለስንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
3. ብቕንዕና ምምልላስ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧
ቅኑዓት ዚብል ስም እንተ ኣጥሪና፡ ካልኦት ይኣምኑና እዮም። ኣብ ጉባኤና ኸም ናይ ስድራ ቤት ዝበለ ውሑስ ሃዋህው ኪሰፍን ኣበርክቶ ንገብር ኢና። ንጹህ ሕልና ይህልወና እዩ። ብዘይካዚ፡ ቅንዕናና “ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ [ይስልሞ፡]” ነቶም ኣብ ወጻኢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እውን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስሕቦም እዩ።—ቲቶስ 2:10።
-
-
ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
3. ትርኢትና ንሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺስሕቦም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ግቡእ ኣከዳድና ኺህልወና ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ ምናዳ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎትን ግና ንኣከዳድናና ፍሉይ ቈላሕታ ንገብር ኢና። ንሰባት ክንዛረቦም ከለና፡ ካብቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ናብ ካልእ ዜስግል ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትርኢትና ንሓቂ ማራኺት ኪገብራን ‘ንትምህርቲ መድሓኒና ኺስልሞን’ ኢና እንደሊ።—ቲቶስ 2:10።
-