ኣጵሎስ ክኢላ ኣዋጂ ናይቲ ክርስትያናዊ ሓቂ
ንብዙሕ ዓመታት ይኹን ንውሑድ በዘየገድስ: ኣባላት ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀኑ ኵሎም ኣወጅቲ መንግስቲ: ከም ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት መጠን ዕብየት ኣብ ምግባር ክግደሱ ኣለዎም። እዚ ድማ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠትን ንኻልኦት ንኽንምህር ዘሎና ክእለትን ምውሳኽ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ነገሊኣቶም ግድላት ምግጣም: ጸገማት ምስናፍ: ወይ ንዝዓበየ ንጥፈታት ቅሩባት ምዃን ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውፋያት ዝነበሩ: ብእተፈላለየ መገዲ ድማ ዓቢ መንፈሳዊ ዕቤት ኣብ ምግባር እተዓወቱ: ካብ ጻዕርታቶም ከኣ ዓስቢ ዝዓጸዱ ናይ ጥንቲ ሰብኡትን ኣንስትን ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ: ሓደ ካብኣቶም ኣጵሎስ ኢዩ ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምስኡ ከፋልጠና ኸሎ: ብዛዕባ ክረስትያናዊ ትመህርትታት ምሉእ ፍልጠት ዘይነበሮ ውልቀ-ሰብ ከም ዝነበረ ይገለጽ፣ ይኹን እምበር: ቍሩብ ዓመታት ጸኒሑ ገያሺ ወኪል ናይታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ጉባኤ ኰይኑ ዓየየ: ከምዚ ዝበለ ዕቤት ክገብር ዘኽኣሎ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ኵላትና ምስ እንቐድሖ ክጠቕመና ዝኽእል ባህርያት ነይርዎ ኢዩ።
‘ብቕዱሳት ጽሑፋት ስልጡን ነበረ’
ብመሰረት ሉቃስ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሓፊ ዝበሎ: ኣብ ከባቢ ናይ 52 ከ.ኣ.ዘ. “ሓደ ሊቅ [“ክኢላ ተዛራቢ:” ትሓዓ ] ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ: ብዓል እስክንድርያ: ብጽሑፋት [“ቅዱሳት ጽሑፋት:” ትሓዓ ] ከኣ ስልጡን ሰብኣይ: ናብ ኤፌሶን መጸ። መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ: ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ: ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ: ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26
ብድሕሪ ሮሜ ናይ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ናይ ግብጺ እስክንድርያ ነበረት: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ሓንቲ ካብተን ንኣይሁድን ግሪኻውያንን ናይ ባህሊ ማእከል ዝነበራ ከተማታት ኢያ ነይራ። ኣጵሎስ እቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ፍልጠት ናይ ጽሑፋት እብራይስጢ ከምኡውን ክእለት ዘረባ ምናልባት ኣብታ ከተማ እቲኣ ካብ ዝነበረ ዓቢ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ዝረኸቦ ትምህርቲ ከኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣጵሎስ ብዛዕባ የሱስ ኣበይ ከም እተማህረ ንምግማት ዝያዳ ኣጸጋሚ ኢዩ። ምሁር ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ “ብርግጽ ተጓዓዚ ኢዩ ነይሩ—ምናልባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ነጋዳይ ኢዩ ነይሩ: ከምኡውን ነቶም ክርስትያናት ሰበኽቲ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝበጽሐን ብዙሓት ከተማታት ረኺብዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ሓሳባት ይህብ። እቲ ኰይኑ እቲ ግን: ዋላ እኳ ብዛዕባ የሱስ ብልክዕ ይዛረብን ይምህርን እንተነበረ: ‘ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ እዩ ዘፈልጥ’ ስለ እተባህለ ቅድሚ 33 ከ.ኣ.ዘ አብ ዝነበረ እዋን እተመስከረሉ ኢዩ ዝመስል።
ዮሃንስ መጥምቕ ከም ጸራጊ መገዲ ናይ የሱስ መጠን: ንብምሉኡ ህዝቢ እስራኤል ጽቡቕ ምስክርነት ሂቡ ኢዩ: ከም ምልክት ነስሓ ድማ ብዙሓት ብእኡ ተጠሚቖም ኢዮም። (ማርቆስ 1:5፤ ሉቃስ 3:15, 16) ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዝበልዎ መሰረት: ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ: ብዛዕባ የሱስ ዝነበሮም ፍልጠት ኣብቲ ዮሃንስ ኣብ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ ኰይኑ ዝሰበኾ ጥራይ እተወሰነ ኢዩ ነይሩ። ዳብሊው. ጀይ . ካኒባር ከምኡውን ጀይ. ኤስ. ሃውሰን ከምዚ ይብሉ:- “ክርስትናኦም ልክዕ ከምቲ ጐይታና ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ ዝነበረ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ምሉእ ትርጕም ሞት ክርስቶስ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም፣ ምናልባት ምትንስኡ እውን ኣይፈልጡን ነይሮም ይዀኑ ኢዮም።” ኣጵሎስ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዘይፈልጥ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ የሱስ ገለ ልክዕ ዝዀነ ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ: ነዚ ድማ ንገዛእ ርእሱ ሒዝዎ ስቕ ኣይበለን። አረ: ነቲ ዝፈልጦ ምስ ካልኦት ንኽዛረበሉ ብትብዓት ኣጋጣሚታት ይደሊ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ቅንኡን ውዕዉዕ መንፈሱን ኣብ ርጡብ ፍልጠት እተመስረተ ኣይነበረን።
ቀናእ ግን ትሑት
ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ: ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:26) ኣኪላስን ጵሪስኪላን ናይ ኣጵሎስ እምነት ምስናቶም ብዙሕ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ተገንዚቦም ክዀኑ ኣለዎም: ይኹን እምበር: ነቲ ዝነበሮ ዘይምሉእ ፍልጠት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክእርምዎ ኣይፈተኑን። ክሕግዝዎ ብምባል ምስ ኣጵሎስ ብዙሕ ብሕታዊ ዝርርባት ገይሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክንግምት ንኽእል ኢና። እቲ “ብቕዱሳት ጽሑፋት . . . ሓያል” ዝነበረ ኣጵሎስ ብኸመይ መለሰ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 18:24: ኪንግደም ኢንተርሊንያር [እንግሊዝኛ]) ኣጵሎስ ንኣኪላስን ጵርስኪላን ቅድሚ ምርካቡ: ነቲ ዝነበሮ ዘይምሉእ መልእኽቲ ኣብ ዝረኸቦ ኵሉ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ይሰብኮ ነይሩ ኢዩ። ሓደ ዕቡይ ሰብ: ብቐሊሉ ዝዀነ ይኹን እርማት ምቕባል የጸግሞ ኢዩ: ኣጵሎስ ግን ፍልጠቱ ክምልእ ብምኽኣሉ ትሑትን ኣመስጋንን ኢዩ ነይሩ።
ኣጵሎስ ዘይጀሃር ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ዘርኢ ድማ: ካብቶም ናይ ኤፌሶን ኣሕዋት ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ እተላእከ ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ ክቐበል ፍቓደኛ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ: እቶም ኣሕዋት . . . ነቶም ደቀ መዛሙርቲ . . . ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:27፣ 19:1) ኣጵሎስ በቲ ዝነበሮ ክእለት ክቕበልዎ ኣይሓተተን: ብትሕትና ግን ነቲ ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስርዓት ሰዓበ።
ኣብ ቈረንቶስ
እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ፍረ አገልግሎት ኣጵሎስ ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከምዚ ኢላ ጸብጻብ ትህብ:- “ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ: ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት [“ብቕዱሳት ጽሑፋት:” ትሓዓ ] እናኣርአየ: ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግሁዶ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 18:27, 28
ኣጵሎስ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምድላውን ዝነበሮ ቅንእን ነቶም ኣሕዋት ብምትብባዕ: ንገዛእ ርእሱ ንኣገልግሎት እታ ጉባኤ ወፈያ። ንኽዕወት ቀንዲ ምኽንያት ዝዀኖ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣጵሎስ ብርግጽ ተፈጥሮኣዊ ክእለት ነይርዎ ኢዩ: ምስ ኣይሁድ ኣብ ኣደባባይ ንምክታዕ ከኣ ደፋር ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ግን: ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ የረድእ ነበረ።
ኣጵሎስ ኣብቶም ናይ ቈረንቶስ ኣሕዋት ሓያል ጽልዋ እኳ እንተ ነበሮ: አጋጣሚ ኰይኑ ግን ስብከቱ ትጽቢት ዘይተገብሮ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣምጽአ። ከመይ ኢሉ፧ ክልቲኦም ጳውሎስን ኣጵሎስን ነቲ ናይታ መንግስቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ምትካልን ምስታይ ብዙሕ ሰናይ ገይሮም ኢዮም። ኣጵሎስ ኣብኡ ቅድሚ ምምጽኡ ከልተ ዓመት ኣቐዲሙ ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ጳውሎስ ኣብኡ ሰቢኹ ነይሩ ኢዩ። ጳውሎስ ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፍ ከሎ ምክፍፋል ዓብዩ ነበረ። ገሊኦም ንኣጵሎስ ከም መራሒኦም ገይሮም ክርእይዎ ከለዉ: ካልኦት ድማ ጳውሎስ ወይ ጴጥሮስ ወይ ንክርስቶስ ጥራይ ከም መራሒኦም ይርእዩ ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 1:10-12) ገሊኦም ‘ኣነ ናይ ኣጵሎስ ኢየ’ ይብሉ ነበሩ። ስለምንታይ፧
እቲ ብጳውሎስን ኣጵሎስን ዝስበኽ ዝነበረ መልእኽቲ ሕደ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን እተፈላለየ ባህርያት ነበሮም። ጳውሎስ ባዕሉ ከም እተኣመኖ ‘ክእለት ዘረባ ኣይነበሮን:’ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ አጵሎስ “ክኢላ ተዛራቢ” ነበረ። (2 ቈረንቶስ 10:10፣ 11:6፣ ትሓዓ) ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ገለ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ሰሚዒ እዝኒ ንኽረክብ ዝገበሮ ክእለት ነበሮ። “ንኣይሁድ ኣጸቢቑ ኣብ ምርታዕ’ ተዓዊቱ ኢዩ: ጳውሎስ ግን ቅድሚኡ ነዊሕ ኣብ ዘይገብር እዋን ነቲ ቤት ጸሎት ገዲፍዎ ከይዱ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:1, 4-6
ገሊኣቶም ኣብ ወገን ኣጵሎስ ንኽዀኑ ዝገበሮም ምኽንያት እዚዶ ክኸውን ይኽእል፧ እቲ ግሪኻውያን ብፍልስፍና ክመያየጡ ዝነበሮም ውሽጣዊ ፍቕሪ ነቲ ዝያዳ ኣለዓዓሊ ዝነበረ ናይ ኣጵሎስ ኣቀራርባ ከም ዝፈትዉ ገይርዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ሓሳባት ይህቡ ኢዮም። ጁዘፐ ሪቾቲ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “እቲ [ናይ ኣጵሎስ] ጽቡቕ ቋንቋ ከምኡውን ኣዘዩ እተዀሓሓለ ምሳልያዊ ኣዘራርብኡ ብዙሓት ከም ዘድንቕዎ: ካበቲ ዘይጃሃርን ዘረባ ክእለት ዘይነበሮን ጳውሎስ ድማ ዝያዳ ኣብሊጾም ከም ዝርእይዎ ገይርዎም አዩ።” ብርግጽ ገሊኣቶም ከምዚ ዝበለ ብሕታዊ ምርጫታት ብጌጋ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ምፍልላይ ክፍጠር ኣፍቂዶም እንተድአ ኰይኖም: ጳወሎስ “ጥበብ ጠቢባን” ልዕል ብምባሎም ስለምንታይ ኣምሪሩ ከም ዝወቐሶም ክንርዳእ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 1:17-25
ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ወቐሳ ኣብ መንጎ ጳውሎስን ኣጵሎስን ምስሕሓብ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኣይኰነን። ሽሕ’ኳ ገለ ሰባት ኣልዕል ኣቢሎም እዞም ክልተ ሰበኽቲ እዚኣቶም ናይቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ምፍታው ንኽረኸቡ ሓያላት ተጻረርቲ ኢዮም ነይሮም ኢሎም እንተሓሰቡ: ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ከምኡ ኣይብልን ኢዩ። ኣጵሎስ ንገዛአ ርእሱ ናይ ሓደ ጕጅለ መራሒ ገይሩ ኣብ ክንዲ ዘቝማ: ንቈረንቶስ ገዲፉ ናብ ኤፌሶን ተመልሰ: ጳውሎስ ናብታ እተኸፋፈለት ጉባኤ ናይ መጀመርያ ደብዳበኡ ክጽሕፍ ከሎ ድማ ምስኡ ነበረ።
እብ መንጎኦም ዘይምቅዳው ወይ ውድድር ኣይነበረን፣ ኣብ ክንድኡስ: ክልቲኦም ነቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ግድላት ብናይ ሓባር እምንቶ ንምፍታሕ ብርግጽ ተሓባቢሮም ኢዮም። ምናልባት ጳውሎስ ብዛዕባ ገለ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ጥርጠራ ነይርዎ ይኸውን ኢዩ: ብዛዕባ ኣጵሎስ ግን ጥርጠራ ኣይነበሮን። ዕዮ ናይዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም ፍጹም ሓድነት ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ፣ ትምህርትታቶም ዝደጋገፍ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ባዕሉ እተዛረቦ ንምጥቃስ “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ” በለ: ምኽንያቱ ክልቲኦም “መዓይይቲ ኣምላኽ” ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 3:6, 9, 21-23
ሰብ ቈረንቶስ: ከምቲ ንጳውሎስ ዘርኣይዎ ክብሪ ንኣጵሎስውን ዝለዓለ ክብሪ ሂቦምዎ ኢዮም: ካልኣይ ግዜ ክበጽሖም ድማ ይብህጉ ነበሩ። ጳውሎስ ንኣጵሎስ ናብ ቈረንቶስ ክምለስ ምስ ዓደሞ ግን: እቲ በዓል እስክንድርያ ዝነበረ ኣጵሎስ ኣበየ። ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና . . . ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ [“ለሚነዮ:” ትሓዓ ] እሞ: ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን: ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 16:12) ኣጵሎስ ንኽምለስ ዝሰግአ ምናልባት ካልእ ምክፍፋል ከየለዓዕል ፈሪዩ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ክኸይድ ስለ ዝነበሮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣጵሎስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንመወዳእታ ግዜ እተጠቐሰሉ ናብ ቅሬጤስ ወይ እውን ካብኡ ሓሊፋ ክኸይድ ከሎ ኢዩ። ኣብዚ እውን እንደገና ጳውሎስ ንኣጵሎስን ንመጋይሽቱ ዜናስን ንጕዕዞኦም ዘድልዮም ኵሉ ክቕርበሎም ንቲቶስ ብምሕታቱ: ነዚ ዓርኩን መተዓይይቱን ዝነበሮ ፍሉይ ተገደስነት ኣርእዩ ኢዩ። (ቲቶስ 3:13) ኣብዚ ግዜ እዚ: ድሕሪ ገለ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ክርስትያናዊ ልምምድ ኣጵሎስ ናይታ ጉባኤ ገያሺ ወኪል ክኸውን እኹል ዕቤት ገበረ።
መንፈሳዊ ዕቤት ዘቀላጥፍ ኣምላኻዊ ባህርያት
እቲ በዓል እስክንድርያ ሰባኺ ንዅሎም ሎሚ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት እወ: ንዅሎም እቶም መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ባህጊ ዘለዎም ዝኸውን ኣብነት ገዲፉ ኣሎ። ከምኡ ክኢላታት ተዛረብቲ ኣይንኸውንን ንኸውን: ይኹን እምበር: ከምቲ ናቱ ፍልጠትን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጠቓቕማ ክእለትን ንኽህልወና ብሓቂ ክንጽዕር ንኽእል ኢና: በዚ ድማ ነቶም ብቕንዕና ንሓቂ ዝደልዩ ንሕግዞም። እቲ ኣጵሎስ ዘርኣዮ ቅንኢ ዘለዎ ዕዮ ነቶም ‘ኣመንቲ ብዙሕ ጠቐሞም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 18:27) ኣጵሎስ ትሑት: ርእሱ ዝስውእ: ከምኡውን ንኻልኦት ንኸገልግል ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ኵላትና “መዓይይቲ ኣምላኽ” ስለ ዝዀንና: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ውድድርን ሕማቕ ምህንጣይን ቦታ ከም ዘይብሉ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ኢዩ።—1ቈረንቶስ 3:4-9፣ ሉቃስ 17:10
ንሕናውን ከም ኣጵሎስ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋን ማሕበሩን ኣጸቢቖም ንኽጥቀሙላ ነገዛእ ርእስና ብምድላው: ቅዱስ ኣገልግሎትና ንኸነዕቢ ወይ ንኸነስፍሕ ፍቓደኛታት ዲና፧ ከምዚ ብመግባር ናይቲ ክርስትያናዊ ሓቂ ቀናኣት ተማሃሮን ኣወጅትን ክንከውን ኢና።