ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 57 ፊልሞን
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ሮሜ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 60–61 ድ.ክ.
እዛ ጳውሎስ ብሜላን ብፍቕርን ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ብዙሕ ተገድሶም እያ። በቲ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” እተጻሕፈት ዝሓጸረት መልእኽቲ ጥራይ ዘይኰነትስ: ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ካብኣ ዝሓጸረ ጽሑፍ ሒዘን ዘለዋ ኻልኣይን ሳልሳይን ዮሃንስ ጥራይ እየን። እታ መልእኽቲ ብወግዒ ናብ ጉባኤ ወይ ናብ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሓላዊ ዘይኰነስ: ናብ ሓደ ውልቀ-ሰብ እተላእከት ኰይና: ጳውሎስ ንሓደ ክርስትያን ሓው ኪገልጸሉ ደልዩ ዘሎ ፍሉይ ጸገም ጥራይ ብዚምልከት ስለ እተጻሕፈት: ንሳ በይና ጥራይ እያ “ውልቃዊት” መልእኽቲ ጳውሎስ ክትበሃል እትከኣል። እቲ እዛ መልእኽቲ እተጻሕፈትሉ ክርስትያን ሓው: እቲ ሃብታም ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ ፊልሞን ዚበሃል ኣብቲ ኣብ ማእከል ንእሽቶ እስያ ኣብ ፍርግያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቈሎሴ ዚነብር ዝነበረ እዩ።—ሮሜ 11:13
2 ዕላማ እታ መልእኽቲ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ሮሜ ንፈለማ ግዜ እተኣስረሉ እዋን (59-61 ድ.ክ.) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኽ ብዙሕ ናጽነት ነበሮ። ሓደ ኻብቶም ነቲ ስብከቱ ዝሰምዑ: ኦኔሲሞስ ዝስሙ ኻብ ቤት ሓደ ፊልሞን ዚበሃል ፈታው ጳውሎስ ዝሃደመ ባርያ ይርከቦም። ከም ውጽኢቱ ኦኔሲሞስ ክርስትያን ኰነ: ጳውሎስ ድማ ንኦኔሲሞስ ኣፍትዩ ናብ ፊልሞን ኪልእኮ ወሰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ጳውሎስ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ቈሎሴን ዚርከባ ጉባኤታት መልእኽትታት ዝጸሓፈ። ኣብ ክልቲአን እዘን መልእኽትታት እዚኣተን: ክርስትያናት ዝዀኑ ግዙኣትን ጐይተቶምን ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ዘለዎም ርክብ ብኸመይ ብግቡእ ኪመላለሱ ኸም ዚግባእ ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ኤፌ. 6:5-9፣ ቈሎ. 3:22–4:1) ጳውሎስ ንፊልሞን መልእኽቲ ዝጸሓፈሉ ቐንዲ ምኽንያት ግን: ንኦኔሲሞስ ብብሕቱ ንኺልምነሉ ኢሉ እዩ። ነታ መልእኽቲ ብኢዱ እዩ ጽሒፍዋ፣ ኣብ ካልእ መልእኽትታቱ ከምኡ ኣይገበረን። (ፊሞ. 19) ከምዚ ምግባሩ ድማ ነቲ ለመናኡ ኽብደት ወሰኸሉ።
3 ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንኻልኦት ሃይማኖቶም ናብ ክርስትና ኽሳዕ ዚቕይሩ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኸም ዝሰበኸ ስለ እተገልጸ: እታ መልእኽቲ ኣብ ከባቢ 60-61 ድ.ክ. እያ ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል። ኣብ ቍጽሪ 22 ኪፍታሕ ተስፋ ኸም ዘለዎ ስለ ዝገለጸ: ንእተወሰነ ግዜ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሑ ኸም እተጻሕፈት ኣብ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና። እተን ናብ ፊልሞንን ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ቈሎሴን ዚርከባ ጉባኤታት እተጻሕፋ ሰለስተ መልእኽትታት: ብጥኪቆስን (ትኪቆስ) ኦኔሲሞስን እተላእካ እየን ዚመስላ።—ኤፌ. 6:21, 22፣ ቈሎ. 4:7-9
4 ጳውሎስ ነታ ናብ ፊልሞን እተላእከት መልእኽቲ ኸም ዝጸሓፋ ንምሕባር: ኣብታ ቐዳመይቲ ቝጽሪ ብስሙ ተጠቒሱ ኣሎ። ነዚ ድማ ኦሪጀንን ተርቱልያንን ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኣለዉ።a ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ከም ዝነበረ ኣብ ዚእመነሉ ቝርጽራጽ ሙራቶሪ ምስ ካልእ መልእኽትታት ጳውሎስ ተዘርዚራ እትርከብ ምዃና እውን ንሓቅነታ ዚድግፍ እዩ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
7 ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ኸም እንርእዮ: ጳውሎስ “ማሕበራዊ ወንጌል” ኣይኰነን ዚሰብኽ ነይሩ፣ ማለት ነቲ ኸም ባርነት ዝኣመሰለ ስርዓታት ኪቕይር ይጽዕር ኣይነበረን። ንክርስትያን ዝዀኑ ባሮት ብኢደ ወነኑ ሓራ ኣየውጸኦምን: የግዳስ ነቲ ሃዲሙ ዝመጸ ባርያ ዝነበረ ኦኔሲሞስ ካብ ሮሜ ልዕሊ 1,400 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ናብ ቈሎሴ: ማለት ናብ ጐይታኡ ፊልሞን ኪኸይድ ለኣኾ። በዚ ኸምዚ ጳውሎስ በቲ ኸም ሃዋርያ መጠን ‘መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንምምሃርን’ እተዋህቦ መለኮታዊ መዝነት ተቐዪዱ ብምምልላስ: እተጸውዓሉ ልዑል ጽውዓ ሰዓበ።—ግብ. 28:31፣ ፊሞ. 8, 9
8 እታ ናብ ፊልሞን እተላእከት መልእኽቲ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበረ ፍቕርን ሓድነትን ትገልጽ። ቀዳሞት ክርስትያናት “ሓው” ከምኡውን “ሓብቲ” እናተበሃሃሉ ይጸዋውዑ ምንባሮም ክንፈልጥ ንኽእል። (ፊሞ. 2, 20) ብተወሳኺ: ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣብ መንጎ ክርስትያን ኣሕዋት ግብራዊ ዚዀነሉ መገድታት ትገልጽ። ካብቲ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት: መግለጺ ሕውነታዊ ፍቕሪ: ንሲቭላዊ ርክባትን ንብረት ካልኦትን ኣኽብሮት: ውጽኢታዊ ዝዀነ ሜላ ዘለዎ ኣቀራርባ: ከምኡውን ዚነኣድ ትሕትና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ይቕረ ምእንቲ ኺብለሉ ኢሉ: ጳውሎስ በቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ሓላዊ መጠን ዘለዎ ስልጣን ጸቕጢ ኣብ ክንዲ ዚገብር: በታ ክርስትያናዊት ፍቕርን ብብሕታዊ ዕርክነቱን ገይሩ ብትሕትና ለመኖ። ሎሚ ዘለዉ ሓለውቲ ኻብቲ ጳውሎስ ንፊልሞን ብሜላ ዝቐረበሉ መገዲ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
9 ጳውሎስ ንፊልሞን ከምቲ ዝሓተቶ ኺገብረሉ ተጸብይዎ ኪኸውን ኣለዎ: ፊልሞን ከምኡ ምግባሩ ድማ ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:14 ዝበሎ: ጳውሎስ ከኣ ኣብ ኤፌሶን 4:32 ዝበሎ እዩ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉ። ሎሚ እውን ክርስትያናት ንዝበደሎም ሓው ሕያዎትን ይቕረ በሃልትን ኪዀኑ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ፊልሞን ንሓደ ብሕጊ ኼጋፍዖ ዚፍቀደሉ ዚውንኖ ባርያኡ ይቕረ ኺብል ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንሓደ ዝበደሎም ሓዎም ይቕረ ምባል ዝያዳ ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም።
10 ኣብዛ ናብ ፊልሞን እተላእከት መልእኽቲ: መንፈስ የሆዋ ኸም ዝዓየየ ኣዝዩ ንጹር እዩ። ኣብቲ ጳውሎስ ነቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ጸገም ብኽእለት ዝሓዘሉ መገዲ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ኣብቲ ንክርስትያን ብጻዩ ዘርኣዮ ድንጋጽን ለውሃትን እምነትን ጐሊሑ ኣሎ። እታ ናብ ፊልሞን እተላእከት መልእኽቲ ኸም ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት: ክርስትያናዊ ስርዓታት ብምምሃራ: ክርስትያናዊ ሓድነት ብምትብባዓ: ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ዚገብሩን ብኣካይዳኦም ሳህሊ የሆዋ ዜንጸባርቑን “ቅዱሳን” ዚንጸባርቕ ፍቕርን ሓድነትን ብምጕላሓ: መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘለዋ ተራእዩ እዩ።—ቍ. 5
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ: ብጂ. ዳብሊው. ብሮሚለይ: 3ይ ጥራዝ: 1986: ገጽ 831።