ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ሞሳኻ ምርኣይ
“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።”—እብራውያን 10:24, 25
1, 2. (ሀ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዝእከብዎ ኣኼባ ምክፋል መሰል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ በየናይ መገዲ ኢዩ ኣብ ናይ ሰዓብቱ ኣኼባታት ዝህሉ፧
የሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” ስለ ዝበለ: ካብ ዓሰርተ ዝውሕዱ ወይ ከኣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ይረኸብዎ ብዘየገድስ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ምእካብ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! (ማቴዎስ 18:20) የሱስ እዚ መብጽዓ እዚ ክህብ ከሎ: በቶም ኣብታ ጉባኤ መሪሕነት ወሲዶም ዘለዉ ሰባት ብግቡእ ክእለ ዘድልዮ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ኣመልኪቱ ይዛረብ ከም ዝነበረ ዘይከሓድ ኢዩ። (ማቴዎስ 18:15-19) ይኹን እምበር: ቃላት የሱስ: ንዅሉ እቲ ብስሙ ቐሪብካ ብጸሎት ዝኽፈትን ዝዕጾን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምምልካት ከም ስርዓት ገይርካ ክትጥቀመሉ ይከኣል ድዩ፧ እወ። የሱስ ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ክፍጽሙ ክእዝዞም ከሎ “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ከም እተማባጽዐ ኣይትረስዕ።—ማቴዎስ 28:20
2 እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ: እቶም እሙናት ሰዓብቱ ኣብ ዝገብርዎ ኵሉ ኣኼባታት ኣጸቢቑ ከም ዝግደስ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብዘይዚውን: ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኣቢሉ ምስኣቶም ከም ዝህሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 2:33፣ ራእይ 5:6) የሆዋ ኣምላኽውን እንተዀነ ኣብቲ ሓቢርና እንእከበሉ ኣኼባ ይግደስ ኢዩ። ናይዚ ኣኼባታት እዚ ቀንዲ ዕላማ ኸአ ንኣምላኽ ዓው ኢልካ “ኣብ ማሕበራት” ንምውዳስ ኢዩ። (መዝሙር 26:12) ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምእካብና እምበኣር ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ዘረጋግጽ ኢዩ።
3. ንክርስትያናዊ ኣኼባታት በየናይ ኣገዳሲ ምኽንያታት ኢና እነማስወሉ፧
3 ንክርስትያናዊ ኣኼባታት እነማስወሉ ካልእ ቅቡል ምኽንያታት እውን ኣሎና። የሱስ ክርስቶስ ካብ ምድሪ ቅድሚ ምኻዱ ንቕቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ናይ እምነት ስድራቤት ምግቦም ኣብ ግዜኡ ዝህብ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኰይኖም ክዓዩ ሸሞም። (ማቴዎስ 24:45) እዚ መንፈሳዊ ምምጋብ እዚ ዝካየደሉ ዝበለጸ መገዲ ድማ ብክርስትያናዊ ኣኼባታት ከምኡውን ብኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣቢሉ ኢዩ። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ነዚ እሙን ባርያ ንዅሎም እቶም ካብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ድሒኖም ኣብታ ጽድቃዊት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ህይወት ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ጠቓሚ ሓበሬታ ከዳልወሎም ይመርሖ ኢዩ።
4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓደገኛ “ልማድ” ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ: ንኸነወግዶኸ እንታይ ኢዩ ዝሕግዘና፧
4 ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ነቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተጠቕሰ ሓደገኛ ዝዀነ ልማድ ምምዕባል ኣየዋጽኦን ኢዩ። ንሱ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25) ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብ ዝርከብ መሰልን ረብሓታትን ምስትንታን: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ንኽንድግፎ ክሕግዘና ኢዩ።
ዝሃንጽ ኣኼባታት
5. (ሀ) ዘረባና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንታይ ውጽኢት ኢዩ ክህልዎ ዘለዎ፧ (ለ) ተገደስቲ ሰባት ኣኼባታት ንኽካፈሉ ካብ ምዕዳም ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
5 ክርስትያናት ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክዓዪ ስለ ዝጽልዩ: ነፍሲ ወከፍ ተኣካቢ ምስቲ መንፈስ ተሰማሚዑ ክኸይድን ‘ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከየጕህዮን’ ዝከኣሎ ክገብር ኣለዎ። (ኤፌሶን 4:30) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ክጽሕፍ ከሎ: ብዛዕባ እቲ ግቡእ ኣገባብ ኣዘራርባ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። እንዛረቦ ዘበለ ዘረባ ኵሉ ግዜ “ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ” ክኸውን ኣለዎ። (ኤፌሶን 4:29) እዚ ብፍላይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣገዳሲ ኢዩ። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ: ኣኼባታት ሃናጽን ዝምህርን ዘተባብዕን ክኸውን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሕሎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:5, 12, 19, 26, 31) ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣሎ’ ኢሎም ክድምድሙ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሰባት እውን ሓዊስካ: ኵሎም ተኣከብቲ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ይጥቀሙ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 14:25) በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ንሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ምሳና ክእከቡ ካብ ምዕዳም ድሕር ክንብል የብልናን: ከመይሲ ምእካብ ንመንፈሳዊ ዕቤቶም ዘቀላጥፎ ኢዩ።
6. ሓደ ኣኼባ ዝሃንጽ ንምግባሩ ዝሕግዝ ገለ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧
6 እቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝርርብ: ቃለ-መጠይቕ: ወይ ከኣ መርኣያታት ከቕርቡ እተመደቡ ኵሎም: ዝርርቦም ሃናጺ ከምኡውን ምስቲ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከረጋግጹ ይደልዩ ኢዮም። ርጡብ ዘረባ ኣብ ርእሲ ምዝራብና: ምስቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ፈቃር ባህርያት ዝኸይድ ስምዒታት ከነንጸባርቕ ይግብኣና። እቶም ኣብ ናይ ኣኼባ ፕሮግራም ክፍልታት ዘቕርቡ ኵሎም: ከም እኒ ሓጐስ: ነዊሕ ተጻዋርነት: እምነት ዝኣመሰለ ‘ፍረ መንፈስ ኣምላኽ’ ንምንጽብራቕ ንቑሓት እንተድኣ ኰይኖም እቶም ተኣከብቲ ብምሉኦም እተሃንጹ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ፍሉጥ ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23
7. ኵሎም ተኣከብቲ ዝሃንጽ ኣኼባ ንኽህሉ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
7 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ፕሮግራም ክፍልታት ዘለዎም ሒደት ጥራይ እኳ እንተዀኑ ኵሎም ግን ዝሃንጽ ኣኼባ ንኽህሉ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሰማዕቲ ሕቶታት ንምምላስ ኣጋጣሚታት ይዋሃቦም ኢዩ። እዚ ድማ እምነትና ኣብ ቅድሚ ሰባት እንገልጸሉ ኣጋጣሚታት ኢዩ። (ሮሜ 10:9) ነዚ ብሕታዊ ርእይቶታትና ንምስፍሕፋሕ: በቲ ዝበጻሕናዮ ብሕታዊ ሸቶታት ንምጅሃር: ወይ ከኣ ንኣማኒ ብጻይና ንምንቃፍ ፈጺምና ክንጥቀመሉ የብልናን። ከምኡ ምግባርሲ ንመንፈስ ኣምላኽ ዘጕሂዶ ኸይኰነ፧ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዘሎ ዘይምስምማዕ ኣብ ብሕቲ ብናይ ፍቕሪ መንፈስ ምስ ዝእለ ኢዩ ዝበለጸ ዝኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢዩ ዝብል። (ኤፌሶን 4:32) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ነዚ ሰናይ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኰን ኢዩ ዝህበና! እዚ ንምግባር: መብዛሕትኦም ኣብቲ ኣኼባታት ቀልጢፎም ይመጹ: ምስ ተወድአ ኸኣ ደንጕዮም ይኸዱ። እዚ ብፍላይ ነቶም ጽቡቕ ኣቀባብላ ከም እተገብረሎም ክስምዖም እንደልዮም ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት እውን ዝሕግዝ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኵሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ንሓድሕዶም ብምስትብሃል’ ነቲ ኣኼባታት ዝሃንጽ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም።
ጽቡቕ ገይርካ ተዳሎ
8. (ሀ) ገሊኣቶም ኣብ ኣኼባታት ንኽካፈሉ እንታይ ዝንኣድ መስዋእትታት ኢዮም ዝገብሩ፧ (ለ) የሆዋ ከም ጓሳ መጠን እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝሰርዓልና፧
8 ንገሊኣቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ብተዛማዲ ቀሊል እኳ እንተዀነ ንኻልኦት ግን ቀጻሊ መስዋእቲ ምግባር ዝሓቶም ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ንስድራቤታ ዘድሊ ነገራት ክትቅርብ ዓለማዊ ስራሕ ክትሰርሕ ዘለዋ ክርስትያን ኣደ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ስራሕ ንቤታ ደኺማ ኢያ እትኣቱ። ሽዑ መግቢ ከተዳሉ ንደቃ ኸኣ ንኣኼባ ከተቀራርቦም የድልያ ይኸውን። ካልኦት ክርስትያናት ከኣ ኣብ ኣኼባ ንኽርከቡ ነዊሕ ክጓዓዙ የድልዮም ይኸውን: ወይ ከኣ ብድኻም ወይ ብእርጋን ዓቕሞም ይውሰን ይኸውን። ከምቲ ሓደ ፈቃር ጓሳ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ መጓሲኡ ዘላ በጊዕ ዘድልያ ዘበለ ዝርድኣላ: የሆዋ ኣምላኽ እውን ንዅነታት ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኼባ ብዘይምቍራጽ ዝእከብ ሰብ ይርድኣሉ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “[የሆዋ] ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር: ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም: ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ” ብምባል ይገልጽ።—ኢሳይያስ 40:11
9, 10. ካብ ኣኼባታት ብዝበለጸ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 እቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣኼባታት ንኽርከቡ ዓቢ መስዋእትታት ክገብሩ ዘድልዮም ሰባት ነቲ ዝጽናዕ ትምህርቲ ንምድላው ዘሕልፍዎ ግዜ ውሱን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መደብ ስርዓታዊ ኴንካ ምስዓቡ: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክትእከብ ከሎኻ ዝያዳ ጥቕሚ ከም እትረክብ ይገብረካ። ብተመሳሳሊ: ከም ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣኼባታት ኣቐዲምካ ምድላው እውን ነዚ ኣኼባታት እዚ ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ ዝገብሮ። እቶም ግዜ ዝሓትት ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት: ነዚ ዝጽናዕ ጽሑፍ ኣቐዲሞም ብምንባብን እንተወሓደ ንገለ ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብምምርማርን: ኣብዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ክገብሩ ክኽእሉ ኢዮም።
10 እቶም ኵነታቶም ዘፍቅደሎም ካልኦት ከኣ: ናይ ኣኼባ ምድላው ንኽገብሩ ዝያዳ ግዜ ከጥፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብቲ ምዕራፉን ቍጽሩን ተጠቒሱ ሓሳቡ ግን ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ዝያዳ ምርምር ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ኸምዚ እምበኣር ካብቲ ኣኼባ ዝያዳ ምእንቲ ክጥቀሙ: ነታ ጉባኤ ኸኣ ብዝርርብን ሓሳባት ብምሃብን ንኽሃንጽዋ ጽቡቕ ተሳትፎ ምእንቲ ክገብሩ ኵሎም ክዳለዉ ይኽእሉ ኢዮም። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ጽቡቕ ገይሮም ተዳልዮም ሓጺርን ብሩህን መልሲ ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ክሰርዑ ኢዮም። እቶም ተኣከብቲ: ነቲ ናይ የሆዋ ምድላዋት ክብሪ ብምሃብ እቲ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ዝዀነ ይኹን ዝዓናቕፍ ነገራት ካብ ምግባር ክቝጠቡ ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 5:3
11. ንኣኼባታት ንምድላው ነፍስኻ ምቕጻዕ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ንመንፈሳዊ ጥዕናና ጠቐምቲ ዘይኰኑ ንጥፈታትን መዘናግዒታትን ካብ ግዜና ብዙሕ ክሰርቁ ይኽእሉ ኢዮም። ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ብኣጠቓቕማ ግዜና ዝመጸ ነፍስና ክንምርምር የድልየና: ‘ዓያሱ ኣይንኹን።’ (ኤፌሶን 5:17) ዕላማና ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ መጽናዕትን ናይ ኣኼባ ምድላውን ናይታ መንግስቲ ኣገልግሎትን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ከነጥፍእ ካብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ‘ግዜ ንምዕዳግ’ ክኸውን ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:16) እዚ ቀሊል ዝኸውን ኵሉ ግዜ ከም ዘይኰነን ነፍስኻ ምቕጻዕ ከም ዝሓትትን ፍሉጥ ኢዩ። ነዚ ነገር እዚ ጥንቁቕ ቈላሕታ ዝገብሩሉ መንእሰያት: ኣብ ዝመጽእ ግዜ ወሰኽ ንምግባር ጽቡቕ መሰረት ኢዮም ዘንብሩ ዘለዉ። ጳውሎስ ነቲ ዝነኣሰ መገላግልቱ ጢሞቴዎስ “እዚ [ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ] ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ብምባል ጸሓፈሉ።—1 ጢሞቴዎስ 4:15
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ኣብነታት
12. ስድራቤት ሳሙኤል ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኢዮም ዝገደፉ፧
12 ማሕደር ኣምላኽ ኣብ ሺሎ ምስ ተተኽለ: ኣብቲ ምስ ኣመንቲ ብጾትካ ንምእካብ እተገብሩ ምድላዋት ስርዓታውያን ኰይኖም ዝሳተፉ ዝነበሩ ስድራቤት ሳሙኤል ዝገደፍዎ ሰናይ ኣብነት እስከ ንመርምር። በዓል ከብዕሉ ኣብ ዓዓመቱ ክበጽሑ ዝሕተቱ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ኣቦ ሳሙኤል: ኤልቃና: ግን ‘ኣብ ሺሎ ኽሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ክድይብ’ ከሎ ንምሉእ ስድራቤቱ ይወስድ ነበረ። (1 ሳሙኤል 1:3-5) ዓዲ ሳሙኤል: ራማታይም-ጾፊም: ምናልባት ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ናይዛ ሎሚ ረንቲስ እትበሃል ኣብ እግሪ “ከረን ኤፍሬም” እትርከብ ሃገር ኢያ እትኸውን። (1 ሳሙኤል 1:1) ስለዚ እምበኣር: ናብ ሺሎ ምጋሽ ናይ 30 ኪሎ ሜተር መገዲ ዝሓትት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣድካሚ ጕዕዞ ኢዩ ነይሩ። ስድራቤት ኤልቃና ‘ዓመት ንዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር [ኣብ] ዝድይቡላ ግዜ’ ከምዚ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም።—1 ሳሙኤል 1:7
13. እቶም የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዮም ዝገደፉ፧
13 የሱስ እውን ኣባል ናይ ሓደ ዓቢ ስድራቤት ኰይኑ ኢዩ ዓብዩ። እታ ስድራቤት ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝበዓል ዝነበረ በዓል ፋስጋ ንምክፋል ካብ ናዝሬት ንደቡብ ገጻ ዓመት ዓመት 100 ኪሎ ሜተር ትጓዓዝ ነበረት። ተጓዒዞምሉ ክዀኑ ዝኽእሉ ክልተ መገዲ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ቀጥ ዝበለ መገዲ ብስንጭሮ መጊዶ ወሪድካ: 600 ሜትሮ ዝኸውን ከኣ ብሃገር ሰማርያ ደይብካ ናብ የሩሳሌም ምኻድ ኢዩ። እቲ ኻልኣይ ፍሉጥ መገዲ ኸኣ: እቲ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም እተጓዕዘሉ መገዲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ “ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን” ክሳዕ ዝበጽሕ ብቝልቍል ስንጭሮ ዮርዳኖስ ገይሩ ናብ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ምጕዓዝ ዘጠቓልል ነበረ። (ማርቆስ 10:1) ካብዚ ቐጺልካ: ‘መገዲ የሩሳሌም’ 1,100 ሜትሮ ብራኸ ምድያብ ዘጠቓልል ናይ 30 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዘለዎ ኢዩ። (ማርቆስ 10:32) እቶም እሙናት በዓል ዘብዕሉ ጭፍራ: ወትሩ ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ዝወስድ ዘጸግም ጕዕዞ ይገብሩ ነበሩ። (ሉቃስ 2:44) እዝስ ነዞም ሎሚ ኣብ ብልጹጋት ሃገራት ዝነብሩ ኣገልገልቲ የሆዋ መብዛሕትኦም ድማ ሳላ ዘመናዊ መጓዓዝያ ብተዛማዲ ምቹእ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈሉ ዝኽእሉ: ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ!
14, 15. (ሀ) ሃና እንታይ ኣብነት ኢያ ዝገደፈት፧ (ለ) ካብቲ ገለ ሓደስቲ ተኻፈልቲ ኣኼባ ዘንጸባርቕዎ ሰናይ ኣመለኻኽታ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
14 ካልእ ኣብነት ከኣ ናይታ ጓል 84 ዓመት ዝዀነት መበለት ሃና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት [“ከየብኰረት:” NW ]” ብምባል ይገልጽ። (ሉቃስ 2:37) ብዘይዚውን ሃና ኣብ ካልኦት ፍቕራዊ ተገዳስነት ኣርእያ ኢያ። ንየሱስ ብህጻኑ ምስ ረኣየቶ እሞ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ምስ ፈለጠት: እንታይ ኢያ ዝገበረት፧ ንኣምላኽ ኣመስገነት “ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።” (ሉቃስ 2:38) እዝስ ነዞም ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት ኣብነት ዝኸውን ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣመለኻኽታ ኰን ኢዩ!
15 እወ: ኣብ ኣኼባታትና ምእካብን ምስታፍን ዘሐጕስ ስለ ዝዀነ: ንሕናውን ከም ሃና ከነብኵር ኣይንደልን ኢና። ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ከምኡ ዝበለ ስምዒት ኢዩ ዘለዎም። ካብ ጸልማት ወጺኦም ናብቲ ዘገርም ብርሃን ኣምላኽ ስለ ዝኣተዉ: ብዝከኣሎም መጠን ብዙሕ ክማሃሩ ኢዮም ዝደልዩ: ብዙሓት ከኣ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ይገልጹ ኢዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: እቶም ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዝጸንሑ ‘ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም ከይሓድግዋ’ ክጥንቀቑ ኣለዎም። (ራእይ 2:4) ከቢድ ሕማም ወይ ከኣ ካልእ ካብ ዓቕሚ ሰብ ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ኣብ ኣኼባ ንኸይትርከብ ሓድሓደ ግዜ ክድርተካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ፍቕረ ንዋይ: ምዝንጋዕ: ወይ ከኣ ዘይምግዳስ ንኸይንዳሎ: ዝሑላት ንኽንከውን: ወይ ከኣ ኣብ ኣኼባታት ዘይስርዓታውያን ክገብረና ፈጺምና ከነፍቅደሉ የብልናን።—ሉቃስ 8:14
እቲ ዝበለጸ ኣብነት
16, 17. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣኼባ ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ኢዩ ነይርዎ፧ (ለ) ኵሎም ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ልማድ ንምስዓብ ኢዮም ክጽዕሩ ዘለዎም፧
16 የሱስ ንመንፈሳዊ ኣኼባታት ሞሳ ብምርኣይ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። ንእሽቶ ወዲ 12 ዓመት ከሎ: ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ገለጸ። ወለዱ ሰኣንዎ: ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ቤት መቕደስ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ምስ መማህራን እናተዛራረበ ከሎ ረኸብዎ። የሱስ ነቲ ናይ ወለዱ ምሽቓል ክምልሰሉ ኸሎ ክብሪ ብዘለዎ ኣዘራርባ “ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ብምባል ሓተተ። (ሉቃስ 2:49) እቲ ንእሽቶ ዝነበረ የሱስ ብተኣዛዝነት ምስ ወለዱ ናብ ናዝሬት ተመልሰ። ኣብቲ ኣብኡ ዝርከብ ቤት ጸሎት ስርዓታዊ ኰይኑ ብምእካብ ከኣ ንናይ ኣምልኾ ኣኼባታት ዘለዎ ፍቕሪ ምርኣይ ቀጸለ። በዚ ኸኣ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ “ናብታ ዝዐበየላ: ናብ ናዝሬት ድማ መጸ: ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት አተወ: ኬንብብውን ተንስኤ” ይብለና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:1, 2 ዘሎ ኣንቢቡ ምስ ገለጾ እቶም ህዝቢ ‘በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ክግረሙ’ ጀመሩ።—ሉቃስ 4:16, 22
17 ሎሚውን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ነዚ መሰረታዊ ኣገባብ እዚ ኢዩ ዝስዕብ። እቲ ኣኼባ ብናይ ምስጋና መዝሙርን ብጸሎትን ምስ ተኸፍተ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ (ወይ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣብ ዝሕግዝ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት) ተነቢቡ ይግለጽ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ጽቡቕ ልማድ ክቐድሕዎ ግዴታ ኣለዎም። ኵነታቶም ክሳዕ ዘፍቀደሎም: ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምክፋል ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም።
ዘመናዊ ኣብነታት
18, 19. እቶም ኣብተን ብዙሕ ዘይበልጸጋ ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት ንኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ዝምልከት ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዮም ገዲፎም ዘለዉ፧
18 ኣብቲ ብዙሕ ዘይበልጸገ ክፍልታት ምድሪ ዝነብሩ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምምሳው ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ ኢዮም። ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ ኦርላንዱ እተባህለ ናይ ኣውራጃ ተዓዛብን ሰበይቱ ኣመይልያን ኣሰምብሊ ንኸካይዱ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ ከረን 90 ኪሎ ሜተር ንምጕዓዝ 45 ሰዓታት ወሰደሎም። ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ኣሰምብሊ ንምክያድ ከኣ በቲ መገዲ እቲ ክምለሱ ነበሮም። ኦርላንዱ ብትሕትና ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ይህብ:- “ምስቶም ኣብ ጉባኤ ባዋ ዘለዉ ኣሕዋት ክንነጻጸር ከሎና ምንም ነገር ዝገበርና ኰይኑ ኣይተሰማዓናን። ናብቲ ኣሰምብሊ ንኽመጹን ናብ ኣባይቶም ክምለሱን 400 ኪሎ ሜተር ክጓዓዙ ብእግሮም ሽዱሽተ መዓልቲ ይወስደሎም: ኣብ ማእከሎም ከኣ ሓደ ወዲ 60 ዓመት ሓው ይርከቦም!”
19 ንሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ሞሳ ብዛዕባ ምግላጽከ፧ ካሽዋሽዋ ንጃምባ: ኣብ ዕደመ 70ታት እትርከብ ኣካላዊ ድኻም ዘለዋ ሓብቲ ኢያ። ካብቲ ኣብ ሩንዱ: ናሚብያ: ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ 5 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ዘላ ኪሶሶሲ ኣብ እትበሃል ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ኢያ እትነብር። ኣብ ኣኼባታት ንኽትካፈል: ብማእከል በረኻ ክትከይድን ክትምለስን ብእግራ 10 ኪሎ ሜተር ትጓዓዝ። ካልኦት በዚ መገዲ እዚ ክጓዓዙ ከለዉ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኢዩ: ካሽዋሽዋ ግን ምእካብ ኣየቋረጸትን። መብዛሕትኡ እቲ ኣኼባታት በቲ ንሳ ዘይትፈልጦ ቋንቋ ኢዩ ዝካየድ። ኣብኡ ብምእካባ ድኣ ብኸመይ ኢያ እትጥቀም፧ ካሽዋሽዋ “ነቲ ጥቕስታት ብምክትታል እቲ ዝርርብ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ክፈልጥ እፍትን” ትብል። ምንባብን ምጽሓፍን ግን ኣይትኽእልን ኢያ: ብኸመይ ድኣ እያ እሞ ነቲ ጥቕስታት እተከታተሎ፧ “ነቲ ብልበይ ዝፈልጦ ጥቕስታት ጽን ኢለ እሰምዕ” ብምባል ትምልስ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕስታት በእምሮኣ ክትዝክሮ ከኣለት። ኣብ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ክእለት ንምምሕያሽ ኣብቲ ምንባብን ምጽሓፍን ንምምሃር በታ ጉባኤ እተዳለወ ክፍሊ ትሳተፍ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ደስ ኢዩ ዝብለኒ። ኵሉ ግዜ ዝማሃሮም ሓደስቲ ነገራት ኣለዉ። ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክሓብር ይፍተወኒ ኢዩ። ንዅሎም ክዛረቦም ዘይክእል እኳ እንተዀንኩ: ኵሉ ግዜ መጺኦም ሰላም ይብሉኒ። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ድማ: ኣብቲ ኣኼባታት ብምክፋለይ ንልቢ የሆዋ አሐጕሶ ከም ዘሎኹ እፈልጥ ኢየ።”
20. ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ክንሓድግ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
20 ልክዕ ከም ካሽዋሽዋ: ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ሞሳ የርእዩ ኣለዉ: በዚ ድማ ክንኣዱ ይግብኦም። ናይ ሰይጣን ዓለም ናብ ጥፍኣት ገጻ ትሕምበብ ስለ ዘላ: ሓቢርና ምእካብና ክንሓድግ ኣየዋጽኣናን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ብመንፈስ ንቑሓት ንኹን: ንኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከኣ ዓሚቝ ሞሳ ነርኢ። እዚ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ መለኮታዊ ትምህርቲ ብእተኻፈልና መጠን ኣጸቢቑ ክጠቕመና ኢዩ።—ምሳሌ 27:11፣ ኢሳይያስ 48:17, 18፣ ማርቆስ 13:35-37
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ መሰል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኵሎም ተኣከብቲ ዝሃንጽ ኣኼባ ንኽህሉ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ የሱስ ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧
◻ ካብቶም ብዙሕ ኣብ ዘይበልጸጋ ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]
ንሰሙናዊ ኣኼባታት የማስዉሉ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ከምዞም ኣብ ሩማንያ ዝነብሩ ዝኣመሰሉ መሰኻኽር ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ሞሳ ብምርኣይ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ ኣለዉ