“ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከኣ ጊዜ አለዎ”
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ሰባት ነዘን ቃላት ኣብ መቓን ኣእትዮም ኣብ ገዛኦም የንጠልጥልወን እዮም። እወ፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ንመንነት እቲ ዅለንትናኡ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ዚገልጻ ባህ ዜብላ ቓላት እየን።
ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ሰባት፡ እተን ቃላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተወስዳ ኣይፈልጡን እዮም። “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ዮሃንስ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል፡ ኣምላኽ ነቶም በጃ እተኸፍለሎም ደቂ ሰብ ከም ዜፍቅሮም ገሊጹ ኣሎ።—ዮሃንስ 3:16።
ገሊኣቶም ነዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እንገብሮ ነገራት ወትሩ ዕሽሽ ዚብሎ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ሓያሎ ሰባት፡ ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ኣምላኽ ብተግባራቶም ዚጸባጸቦም ኰይኑ ኸም ዘይስምዖም ብናብራኦም የርእዩ ኣለዉ። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧ ኣምላኽ፡ ጻድቃን ይኹኑ እኩያት ብዘየገድስ፡ ንዅሎም ሰባት ድዩ ዜፍቅሮም፧ ዚጸልኣሉ ግዜኸ ኣሎዶ፧
እቲ ፈቃር ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት
እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ። . . . ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከኣ ጊዜ አለዎ” በለ። (መክብብ 3:1, 8) ብመሰረት እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ሽሕኳ ኣምላኽ ኣዝዩ ፈቃርን ለዋህን እንተ ዀነ፡ ዚጸልኣሉ ግዜያት እውን ኣሎ።
ብመጀመርታ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ “ጽልኢ” እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ መወከሲ ኸምዚ ብምባል ይምልስ፦ “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ ‘ጽልኢ’ እትብል ቃል፡ እተፈላለየ ትርጕም እዩ ዘለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክፍኣት ንዝሓዘለ ሓያል ጽልኢ እያ እተመልክት። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚጽላእ ኣካል ጕድኣት ንምውራድ ዜለዓዕል ብርቱዕ ስምዒት ኪኸውን ይኽእል እዩ።” እዚ ንጽልኢ እተዋህቦ ትርጕም ንዅላትና ሓድሽ ኣይኰነን፣ ሳዕቤን ናይዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ንርእዮ ኣሎና። እቲ መወከሲ ኣስዒቡ ኸም ዝገለጾ ግና፡ “‘ጽልኢ፡’ ነቲ ዚጽላእ ዘሎ ኣካል ንምጕዳእ ዚብል ድራኸ ፈጺሙ ዘይብሉ ሓያል ጽልኣት እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።”
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኻልኣይ ትርጕም ጽልኢ ኢና ኽንምርምር። እዚ ድማ፡ ኣጸቢቕካ ምጽያፍ ወይ ምፍንፋን ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ተንኰል ኰነ ኽፍኣት ዘይብሉ፡ ወይ ንምጕዳእ ዘይተለዓዓለ ዓይነት ጽልኢ እዩ። ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ጽልኢ ኣለዎ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ምሳሌ 6:16-19 ዘሎ ሓሳባት ኣቕልበሉ። እታ ጥቕሲ፡ “እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር እየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ” ትብል።
ኣብዚ ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣምላኽ ዚጸልኦ ተግባራት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዚገብር ሰብ ግድን ይጸልኦ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ናብቲ ተግባራት እቲ ኺመርሕ ዚኽእል ኵነታት፡ ማለት ስጋዊ ድኽመት፡ ከባቢ፡ ኣተዓባብያ፡ ትምህርቲ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 5:12) እቲ ንመጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ሰብ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብጽቡቕ ኣብነት ኬብርሆ ኸሎ፡ “ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ” በለ። (ምሳሌ 3:12) እቲ ሓደ ቘልዓ ብዘይምእዛዝ ዚገብሮ ተግባራት፡ ዚጽላእ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ወላዲ ንውሉዱ ስለ ዜፍቅሮ፡ ብዝከኣሎ መጠን ካብቲ ክፉእ ተግባራቱ ምእንቲ ኺመልሶ ዜድሊ መቕጻዕቲ ይህቦ እዩ። የሆዋ እውን እቲ ሓጥእ ንኺምለስ ተስፋ እንተ ኣልይዎ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ስጕምቲ እዩ ዚወስድ።
ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ዚጸልኦ መዓስ እዩ፧
ሓደ ሰብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ዘይነብር እንተ ዀነኸ፧ ኣምላኽ ነዚ ሰብ እዚ ኼፍቅሮ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ብየሆዋ ይጽላእ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፡ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ይብል። (መዝሙር 11:5) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይንሳሕ ሓጥእ፡ ይቕረ ኣይብሃለሉን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” ብምባል ብዛዕባ እዚ ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 10:26, 27) እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ኸምዚ ዓይነት ስጕምቲ ዚወስድ ስለምንታይ እዩ፧
ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ኸቢድ ሓጢኣት ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ እቲ እከይ ኣብኡ ሱር ዚሰድድ፡ ኪቕየረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ኺበጽሕ ይኽእል እዩ። ፈጺሙ ዘይዕረ ጽዩቕ ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ፡ ምስቲ ዕሮርባይ ምዃኑ ኺልውጥ ዘይክእል ነብሪ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ኤርምያስ 13:23) እዚ ሰብ እዚ ኺንሳሕ ስለ ዘይክእል፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕድገት ዘይብሉ ‘ዘለኣለማዊ ሓጢኣት’ ዚብሎ ዓይነት ሓጢኣት እዩ ዚፍጽም።—ማርቆስ 3:29።
ኣዳምን ሄዋንን ኰኑ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ እዩ ነይርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም፣ እቲ እተዋህቦም ትእዛዝ ኣምላኽ ከኣ ንጹር እዩ ነይሩ፣ ክልቲኦም ድማ ይርድእዎ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ እቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ብፍታውን ደይመደይ ኢልካን እተገብረ ብምዃኑ፡ ይቕረ ዘይብሃሎ ዓይነት ሓጢኣት እዩ ነይሩ። እቲ ኣምላኽ ጸኒሑ እተዛረቦም ቃላት፡ ንኺንስሑ ዚዕድም ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 3:16-24) ይሁዳ እውን ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ወዲ ኣምላኽ ሓቢሩ እዩ ዚነብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ከዳዕ ኰነ። የሱስ ንይሁዳ፡ “ወዲ ጥፍኣት” ብምባል ጠቒስዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:12) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድያብሎስ ንጥፍኣት ጥራይ እተመጠወ ዝወጸሉ ሓጥእ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:8፣ ራእይ 12:12) ኣምላኽ ንዅሎም እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ይጸልኦም እዩ።
ይኹን እምበር፡ ሓጥእ ዘበለ ዅሉ ኺዕረ ኣይክእልን እዩ ማለት ኣይኰነን። እዚ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። የሆዋ ኣዝዩ ዕጉስ እዩ፣ ነቶም ብዘይፍላጥ ዚሓጥኡ ሰባት ኪቐጽዖም ድማ ባህ ኣይብሎን እዩ። (ህዝቅኤል 33:11) ይቕረ ምእንቲ ኺብሃለሎም ንኺንስሑ ይዕድሞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ፡ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ” ይብል።—ኢሳይያስ 55:7።
ብዛዕባ ፍቕርን ጽልእን ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ይሃሉኻ
ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ንኣምላኽ ኪመስልዎ ስለ ዘለዎም፡ “ንምፍቓር ጊዜ አለዎ” እተባህለ መዓስ ምዃኑ፡ “ንምጽላእ ከኣ ጊዜ አለዎ” እተባህለ እውን መዓስ ምዃኑ ኺርድኡ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ስምዒታዊ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብዛዕባ ፍቕርን ምሕረትን ዘለዎ ኣረኣእያ ኺዛባዕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ቃላት ወደ መዝሙር ይሁዳ ሚዛንና ሓሊና ምሕረት ከነርእን ሓጢኣት ክንጸልእን ይሕግዘና እዩ። ይሁዳ፡ “ንገሊኦም . . . ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም” በለ። (ይሁዳ 22, 23) ስለዚ እምበኣር፡ እከይ ክንጸልእ ኣሎና። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ነቲ እከይ ዚገብር ሰብ ክንጸልኦ ኣሎና ማለት ኣይኰነን።
ክርስትያናት፡ ሰናይ ብምግባር ንጸላእቶም ፍቕሮም ኪገልጹሎም እውን ተኣዚዞም እዮም። የሱስ፡ “ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ” በለ። (ማቴዎስ 5:44) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዋላ እኳ ገሊኣቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዘይህቡ እንተ ዀኑ፡ ንሰባት ወትሩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩሎም። (ማቴዎስ 24:14) ንነገራት ብኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርኣይ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዚመጽእ ፍቕርን ምሕረትን የሆዋ ኺረክብ ከም ዚከኣል ገይሮም እዮም ዚምልከትዎ። ሰባት ዕሽሽ ኪብልዎም ወይ ኪነጽግዎም ወይ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም መስጐጕቲ ኼውርዱሎም ከለዉ፡ ነቲ “ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። . . . ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ዚብል ምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ እዮም ዚስዕቡ። (ሮሜ 12:14, 17) ብየሆዋ ኺፍቶ ወይ ኪጽላእ ዘለዎ ሰብ መን ምዃኑ ዚውስን፡ የሆዋ ባዕሉ ምዃኑ ይዝክሩ እዮም። ከመይሲ፡ ንህይወትን ሞትን ብዚምልከት ዚፈርድ ዳኛ፡ የሆዋ እዩ።—እብራውያን 10:30።
እወ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” ብወገንና፡ ንፍቕሩ ኸነማስወሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ክንጽዕር ኣሎና። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥካ፡ ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሕግዙኻ ፍቓደኛታት እዮም። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ኣምላኽ ኬፍቅረካ ደኣ እምበር ኣይኪጸልኣካን እዩ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር እየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።”—ምሳሌ 6:16-19
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።”—እብራውያን 10:26, 27
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ፡ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ።” —ኢሳይያስ 55:7
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ፈቃር ወላዲ ንውሉዱ ምእንቲ ኺሕግዞ ይቐጽዖ እዩ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ሓያሎ እሱራት ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ረኺቦም እዮም