-
‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017 | ቍ. 1
-
-
‘ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ እዩ’
ሄኖክ ብኸመይ እዩ ሞይቱ፧ ካብ ህይወቱ ንላዕሊ ኣማውታኡ ብዙሕ ዘይፍለጥን መሳጥን እዩ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ሄኖክ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ፡ ኣይተራእየን” ጥራይ እዩ ዚብል። (ዘፍጥረት 5:24) ኣምላኽ ንሄኖክ ዝወሰዶ ብኸመይ እዩ፧ ድሕሪ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ” ብምባል ገለጸ። (እብራውያን 11:5) ጳውሎስ፡ ‘ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ እዩ’ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሄኖክ ናብ ሰማይ ከም ዝወሰዶ እዩ ዚገልጽ። እዚ ግና ኪኸውን ዘይክእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈለማ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ዝኸደ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና።—ዮሃንስ 3:13።
ሄኖክ ብኸመይ እዩ “ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ”፧ የሆዋ ንሄኖክ ብኢድ ጸላእቱ ኻብ ሙማት ኣናጊፉ፡ ብዘይ ስቓይ ካብ ህይወት ናብ ሞት ኣግዒዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ፈለማ ግና ሄኖክ “ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ።” ብኸመይ፧ ምናልባት ሄኖክ ቀቀድሚ ሙማቱ፡ ምድሪ ገነት ኰይና ዜርኢ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ራእይ ርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ ስምረት የሆዋ ዜርኢ ንጹር ምልክት ድማ ሄኖክ ሞተ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሄኖክን ካልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኵሎም እዚኣቶም . . . ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም” በለ። (እብራውያን 11:13) ድሕርዚ፡ ጸላእቱ ሬሳኡ ንምርካብ ኣናድዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ የሆዋ ንሬሳ ሄኖክ ምእንቲ ኸየርክስዎ ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምስፍሕፋሕ ምእንቲ ኸይጥቀሙሉ ኢሉ ሰዊርዎ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ግና፡ ሬሳኡ “ኣይተረኽበን”።b
ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ህይወት ሄኖክ ብኸመይ ኣብቂዓ ኽትከውን ከም እትኽእል ብኣእምሮና ኽንስእሎ እስከ ንፈትን። እዚ ሓደ ኣብነት ጥራይ ምዃኑ ብምዝካር፡ ነዚ ኣጋጢሙ ኪኸውን ዚኽእል ፍጻመ እሞ ብሓሳብካ ስኣሎ። ሄኖክ ይሃድም እዩ ነይሩ፣ ሓይሉ ኸኣ እናተጸንቀቐ ይመጽእ ነበረ። ሰጐጕቱ፡ በቲ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብቝጥዓ ነዲዶም ይስዕብዎ ነበሩ። ሄኖክ ንግዜኡ ኺሕብኣሉን ኬዕርፈሉን ዚኽእል ቦታ ረኸበ፣ ከምኡ ኢሉ ንነዊሕ እዋን ኪሕባእ ከም ዘይክእል ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዚቕተለሉ እዋን ኣዝዩ እናቐረበ እዩ ዚመጽእ ነይሩ። ኣብቲ ዘዕረፈሉ ቦታ ዀይኑ፡ ናብ ኣምላኹ ጸለየ፣ ውሽጣዊ ሰላም ከኣ ረኸበ። ኣዝዩ ህያው ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብኡ ዘሎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ዝገበረ ራእይ ድማ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ወሰዶ።
ካብታ ዚፈልጣ ዓለም ምሉእ ብምሉእ እተፈልየት ዓለም ብራእይ ኪርኢ ኸሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ጽባቐኣ ልክዕ ከም ገነት ኤደን ኰይና እያ ተራእያቶ፣ ሰባት ናብኣ ኸይኣትዉ ዚኽልክሉ ኪሩቤል ግና ኣይነበርዋን። ምሉእ ጥዕና ዘለዎምን ድልዱላትን፡ ሰብኡትን ኣንስትን ብዙሓት እዮም ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ከኣ ሰላም ሰፊኑ ነበረ። እቲ ሄኖክ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ጽልእን ሃይማኖታዊ መስጐጕትን፡ ኣሰሩ እኳ ኣይነበረን። ሄኖክ፡ ፍቕርን ስምረትን የሆዋ ኸም ዝረኸበ ተገንዘበ፣ በቲ የሆዋ ዝሃቦ መረጋገጺ ኸኣ ተኣማመነ። እዚ ቦታ እዚ ናቱ ኸም ዚኸውን፡ ኣብኡ እውን ከም ዚነብር ምሉእ ምትእምማን ነበሮ። ሄኖክ በብቝሩብ ዝያዳ ሰላም እናተሰምዖ ምስ ከደ፡ ኣዒንቱ ዓመተ፣ ዓሚቝን ሕልሚ ዘይብሉን ጥዑም ድቃስ ከኣ ወሰዶ።
ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ዝኽሪ የሆዋ ኣምላኽ ተዓቂቡ ሞይቱ ኣሎ። ከምቲ የሱስ ጸኒሑ ዝሃቦ ተስፋ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ድምጺ የሱስ ዚሰምዑላን ካብ መቓብር ዚወጹላን መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ ሽዑ ኣዒንቶም ምስ ከፈቱ፡ ጽብቕትን ሰላም ዝሰፈናን ሓዳስ ዓለም ኪርእዩ እዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29።
-
-
‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017 | ቍ. 1
-
-
b ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ንሬሳ ሙሴን የሱስን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይግቡእ መገዲ ምእንቲ ኸይጥቀሙሉ፡ ኣምላኽ ንሬሳኦም ሰዊርዎ እዩ።—ዘዳግም 34:5, 6፣ ሉቃስ 24:3-6፣ ይሁዳ 9።
-