-
“ነቲ ዘይርአ” ትርእዮ ዲኻ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2014 | 15 ሚያዝያ
-
-
10. (ሀ) የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ወርሒ ኒሳን 1513 ቅ.ክ. እንታይ መምርሒ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ሙሴ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ እተኣዘዞ ስለምንታይ እዩ፧
10 ኣብ ወርሒ ኒሳን 1513 ቅ.ክ. የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ እስራኤላውያን ከይዶም ፍሉይ መምርሒ ኺህብዎም ነገሮም። እቲ መመርሒ፡ ጥዑይ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ተባዕታይ ጤል መሪጾም፡ ኪሓርድዎ እሞ ንደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ኪነጽግዎ ዚእዝዝ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 12:3-7) ሙሴኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ፡ “እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይትንኪ፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዓለ” በለ። (እብ. 11:28) ሙሴ፡ የሆዋ እሙን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ የሆዋ ንዅሎም በዅሪ ግብጺ ንኪቐትል ዝኣተዎ መብጽዓ ይኣምኖ ነይሩ እዩ።
11. ሙሴ ንእስራኤላውያን ዘጠንቀቖም ስለምንታይ እዩ፧
11 ደቂ ሙሴ ኻብቲ “መጥፍኢ” ርሒቖም ኣብ ሚድያን ይነብሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።a (ዘጸ. 18:1-6) ይኹን እምበር፡ ሙሴ ትእዛዝ የሆዋ ብምሕላው ንዅሎም እቶም በዅራት ዝነበርዎም እስራኤላውያን ስድራ ቤት ነቲ መምርሒ እቲ ሂብዎም እዩ። ኣብ ህይወት እቶም በዅራት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ነበረ፣ ሙሴ ድማ ንብጻዩ ዜፍቅር ሰብ እዩ ነይሩ። “ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ . . . ፋስጋ ሕረዱ” ኸም ዝበሎም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ዘጸ. 12:21።
12. የሆዋ እንታይ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኸነመሓላልፍ እዩ መምርሒ ሂቡና፧
12 ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ዀይኖም፡ “እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ኣምልኽዎ” ዚብል ኣገዳሲ መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ። (ራእ. 14:7) ነቲ መልእኽቲ እቲ እንእውጀሉ እዋን ሕጂ እዩ። ንጐረባብትና፡ ‘ካብ መዓት ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ኸይካፈሉ፡’ ካብኣ ንኺወጹ ኸነጠንቅቖም ኣሎና። (ራእ. 18:4) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ነቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” እናበሉ ይልምንዎም ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16፣ 2 ቈረ. 5:20።
13. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽ ዘሎካ ድሌት ብኸመይ እዩ ኺጐሃሃር ዚኽእል፧
13 “እታ ዝፈርደላ ግዜ” ተባሂላ ዘላ መዓልቲ ኸም ዝመጸት ንኣምን ኢና። ብዘይካዚ፡ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ህጹጽ ምዃኑ ንኣምን ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ . . . ነቲ ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎ” ርእዩ እዩ። (ራእ. 7:1) እሞኸ፡ እዞም መላእኽቲ እዚኦም ነቲ ንኼጥፍእ እተዳለወ ንፋሳት እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኺፍንውዎ ተቐሪቦም ከም ዘለዉስ ብዓይኒ እምነትካ ትርእዮም ዲኻ፧ ትርእዮም እንተ ዄንካ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምትእምማን ክትሰብኽ ኢኻ።
-
-
“ነቲ ዘይርአ” ትርእዮ ዲኻ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2014 | 15 ሚያዝያ
-
-
a የሆዋ ኣብ ግብጻውያን ፍርዲ ዝፈጸመ፡ መላእኽቱ ብምልኣኽ ኪኸውን ኣለዎ።
-