ፍቕሪ ሕውነትኩም ትጽናዕ!
“ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ።”—እብራውያን 13:1
1. ኣብ ሓንቲ ቍሪ ዝመልኣ ለይቲ ሓዊ ብቐጻሊ ምእንቲ ክነድድ እንታይ ምገበርካ፧ ኵልናኸ እንታይ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና፧
ኣብ ሓደ ዓቐን ሙቐቱ ንታሕቲ ዝወረደ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ቍሪ ዘለዎ ከባቢ ትነብር ኣሎኻ ንበል። እቲ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ሓደ ምንጪ ናይ ሙቐት ኣብ እቶን ዝነድድ ጠራዕራዕ ዝብል ሓዊ ጥራይ ኢዩ። ህይወት: ነቲ ሓዊ ቀጻሊ ከም ዝነድድ ኣብ ምግባርካ እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ሃልሃልታ ክጠፍእ ከሎ: እቲ ጓህሪ ኸኣ እናቐሃመ ናብ ሓሙዅሽቲ ክቕየር ከሎ ኢድካ ኣጣሚርካ ኰፍ ኢልካ ጥራይ ምጠመትካዮዶ፧ ብርግጽ ከምኡ ኣይምገበርካን። ምንዳድ ምእንቲ ክቕጽል ከይሰልኬኻ እቲ ዘድልዮ ነገር ምወሰኽካሉ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ብዛዕባ ሓደ ኣብ ልብና ክነድድ ዘለዎ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ “ሓዊ” ማለት ንፍቕሪ ዝምልከት ነፍሲ ወከፍና ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ኣሎና።
2. (ሀ) ፍቕሪ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝሒላ ኢያ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፍቕሪ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ኢያ ኣገዳሲት፧
2 ከምቲ የሱስ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት ይገብር እተዛረቦ ፍቕሪ ኣብቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ክርስትያን ኢና ዝብሉ ሰባት ኣብ እትዝሕለሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። (ማቴዎስ 24:12) የሱስ ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዓይነት ፍቕሪ ማለት ፍቕሪ ንየሆዋ ኣምላኽን ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እቲ ካልእ ዓይነት ፍቕሪ እውን እንተዀነ ይዝሕል ኢዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዙሓት “ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም” (NW ) ከም ዝዀኑ ይዛረብ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢዩ! ስድራቤት ቦታ ናይ ባህርያዊ ፍቕሪ ክትከውን ኣለዋ: እንተዀነ ግን ኣብኡ እውን ከይተረፈ ዓመጽን ማህሰይትን ሓድሓደ ግዜውን ዘስካሕክሕ ጭከና ክርአ ኣብ ኵሉ ቦታ ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ገና ግን ክርስትያናት ኣብዛ ዝሑል ሃዋሁ ዘለዋ ዓለም: ኣብ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ናይ ምርኣይ ርእሰ -መስዋእታዊት ፍቕሪ ክትህልዎም እውን ተኣዚዞም ኢዮም። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ናይታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ መለለዪት ብምዃና: ብዅሎም ሰባት ከም እትርአ ገይርና ኣነጺርና ከነንጸባርቓ ኣሎና።—ዮሃንስ 13:34, 35
3. ፍቕሪ ሕውነት እንታይ ኢያ: ከም እትቕጽል ምግባራኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ” ኢሉ ኣዘዘ። (እብራውያን 13:1) ብመሰረት ሓደ ጽሑፍ: እታ ኣብዚ “ፍቕሪ ሕውነት” (ፊ.ላ.ደል.ፊ ΄ኣ ) ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ሕውነታዊ ፍቕሪ: ሕያውነት ምርኣይ: ድንጋጽ: ሓገዝ ምሃብ ኢያ እተመልከት።” ጳውሎስ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ከነጽንዓ ኣሎና ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ እቲ ጽሑፍ “ፈጺማ ክትዝሕል የብላን” ብምባል ይገልጽ። ንኣሕዋትና ክንድንግጸሎም ጥራይ እኹል ኣይኰነን፣ እቲ ድንጋጽ እቲ ብተግባር ክርአ ኣለዎ። ብተወሳኺ: ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ነባሪ ክንገብራ ድኣ እምበር ክትዝሕል ከነፍቅደላ የብልናን። ከምዚ ምግባርሲ ብድሆ ድዩ፧ እወ: መንፈስ የሆዋ ግን ሕውነታዊ ምፍታው ክንኵስኵስን ክንዕቅቦን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ነዚ ናይዛ ፍቕሪ እዚኣ ሓዊ ኣብ ኣልባብና ከነጐሃህረሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት ንመርምር።
ድንጋጽ ኣርእዩ
4. ምድንጋጽ እንታይ ኢዩ፧
4 ንክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሕትካን ብዙሕ ፍቕሪ ክህልወካ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: መጀመርታ ክትስገገሎም: ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ፈተናታትን ብድሆታትን ክትድንግጸሎም ከድልየካ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ” ክብል ከሎ ከምኡ ማለቱ ኢዩ ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) እታ ኣብዚ “እትዳናገጹ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ሓቢርካ ምስቓይ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ግሪኽ ሓሳብ ዝህብ ሓደ ምንጪ ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ከምዚ በለ:- “ናይ ካልኦት ስምዒታት ናይ ገዛእ ርእስና ከም ዝዀነ ገይርና ክንወስዶ ከሎና ዝስምዓና ስምዒት ኢያ እትገልጽ።” ስለዚ እምበኣር ድንጋጽ ተደላዪ ኢዩ። ሓደ ዝሸምገለ እሙን ናይ የሆዋ ኣገልጋሊ ሓደ ግዜ “ድንጋጽ ኣብ ልበይ ዘሎ ቃንዛኻ ኢዩ” በለ።
5. የሆዋ ድንጋጽ ከም ዘለዎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
5 የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንጋጽ ኣለዎዶ ኢዩ፧ እወ: ምሉእ ብምሉእ እኳ ድኣ። ንኣብነት ብዛዕባ ስቓይ ናይ ህዝቡ እስራኤል ከምዚ ነንብብ:- “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ።” (ኢሳይያስ 63:9) የሆዋ ጸበባኦም ይርእዮ ጥራይ ኣይነበረን። ነቶም ሰባት ይስገገሎም ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ ክንደይ ኣዕሚቑ ይስምዖ ከም ዝነበረ: በቲ የሆዋ ባዕሉ ኣብ ዘካርያስ 2:8 “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ: መርዓት ዓይኑ [“ዓይነይ:” NW ] እዩ ዚትንኪ” ብምባል ንህዝቡ ዝገለጾ ቃላት ብምሳሌ ቀሪቡ ኣሎ።a ሓደ ወሃብ ርእይቶ ብዛዕባ እዚ ቓላት እዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “ዓይኒ ኣብ ኣካላት ሰብ እታ ኣዝያ ተነቃፊትን ክብርትን ክፍሊ ኣካል ኢያ፣ እታ ምእንቲ ክትርኢ ብርሃን ዝኣትወላ መርዓት ዓይኒ ድማ ኣዝያ ተነቀፊትን ኣድላዪትን ክፍሊ ናይቲ ኣካል ኢያ። እቲ የሆዋ ፍቕሩ ንዝገልጸሎም ሰባት ዘርእዮ ፍጹም ዝዀነ ለዋህ ሓልዮት ካብዚ ንላዕሊ ገይሩ ብጽቡቕ ከመሓላልፎ ዝኽእል ሓሳባት የለን።”
6. የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ኢዩ ድንጋጽ ዘርኣየ፧
6 የሱስውን እንተዀነ ወትሩ ዓሚቝ ድንጋጽ የርኢ ነበረ። ብዅነታት ናይቶም ኣብ ሕማም ወይ ከኣ ኣብ ጸበባ ዝነበሩ ሰብኣውያን ብጾቱ ብተደጋጋሚ ‘ይድንግጽ’ ነበረ። (ማርቆስ 1:41፣ 6:34) ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ከምቲ ዝግባእ ገይሩ ካብ ምሕላይ እንተድኣ ሰኒፉ: እቲ ሓልዮት እቲ ንዕኡ ከም ዘይተገብረሉ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ኣመልኪቱ ኣሎ። (ማቴዎስ 25:41-46) ሎሚ ድማ ከም ዝለዓለ ‘ሊቀ ካህናትና’ መጠን “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ይኽእል ኢዩ።—እብራውያን 4:15
7. ሓደ ሓው ወይ ከኣ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ዘዀርዩና ድንጋጽ ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧
7 “ብድኻምና ኺድንግጸልና”—እዝስ ዘጸናንዕ ሓሳባትዶ ከይኰነ፧ ብርግጽ ንሕናውን ኣብ ንሓድሕድና ልክዕ ከምኡ ክንገብር ኢና እንደሊ። ንናይ ካልኦት ድኻማት ክትርኢ ዝቐለለ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:3-5) ድሕሪ ሕጂ ግን ሓደ ሓው ወይ ከኣ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ዘዀርየካ ነዚ ከተነጸባርቖ ዘይትፍትን፧ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ኵነታት ናይቲ ሰብ: ኣብ ኣተዓባብያኡ: ባህርያቱ: ኣብቲ ዝቃለሶ ዘሎ ብሕታዊ ጕድላታቱ ኣእትዋ። ተመሳሳሊ ምናልባትውን ዝገደደ ጌጋታት ክትገብር ከም ዘይትኽእል ርግጸኛ ክትከውን ምኸኣልካዶ፧ ካብ ካልኦት ካብ መጠን ንላዕሊ ክንዲ እንጽበ ልክዕ ከምቲ ‘ሓመድ ምዃንና ዝዝክር’ የሆዋ ደንገጽቲ ክንከውን ኢዩ ዝግብኣና: እዚ ባህሪ እዚ ድማ ምኽንያታውያን ክንከውን ይሕግዘና። (መዝሙር 103:14፣ ያእቆብ 3:17) ዓቕምና ይፈልጥ ኢዩ። ካብቲ ክንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ክንገብር ኣይጽበየናን ኢዩ። (ምስ 1 ነገስት 19:5-7 ኣረኣእዮ።) ሃየ እምበኣር ኵልና ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ድንጋጽ ኣብ ካልኦት ሰባት ነስፍሓዮ።
8. ሓደ ሓው ወይ ከኣ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ገለ ዓይነት ጸገማት ምስ ዝርከቡ ብኸመይ ኢና ስምዒትና ክንገልጽ ዘሎና፧
8 ጳውሎስ: እታ ጉባኤ ልክዕ ከም ሓደ ብሓድነት ክሰርሕ ዘለዎ እሞ ብእተፈላለየ ክፍልታት ከኣ ዝቘመ ኣካል ከም ዝዀነት ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ “ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ: ኵሉ ኣካላት ይስቀ” በለ። (1 ቈረንቶስ 12:12-26) ምስቶም ገለ ጸበባ ዘሕልፉ ዘለዉ ሰባት ኴንና ክንሳቐ ወይ ከኣ ክንድንግጸሎም የድልየና። ጳውሎስ “መን እዩ ዚደክም: ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ: ኣነ ኸኣ ዘይነድድ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 11:29) ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን በዚ መዳይ እዚ ንጳውሎስ ይመስልዎ ኢዮም። ኣብ ዝርርቦም: ኣብ ዕዮ ጕስነቶም: ከምኡውን ፍርዳዊ ጕዳይ ከካይዱ ከለዉ እውን ከይተረፈ: ድንጋጽ ከርእዩ ይጽዕሩ ኢዮም። ጳውሎስ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ብምባል ተማሕጸነ። (ሮሜ 12:15) እተን ኣባጊዕ: ብሓቂ ዝርሕርሑለን: ዓቕምታተን ዝርዱእለን: በቲ ዘጋጥመን ጸገማት ከኣ ዝድንግጹለን ጓሶት ከም ዘለዉ እንተድኣ ተሰሚዑወን: መብዛሕትኡ ግዜ ምኽሪ: መምርሒ: ከምኡውን ተግሳጽ ክቕበላ ዝያዳ ፍቓደኛታት ኢየን ዝዀና። ‘ንነፍሰን ዕረፍቲ’ ከም ዝረኽባ እምንቶ ብምግባር ኣኼባታት ብህንጥዮት ይእከባ።—ማቴዎስ 11:29
ሞሳ ምርኣይ
9. የሆዋ ነቲ ዘሎና ሰናይ ባህርያት ከም ዘማስወሉ ብኸመይ ኢዩ ዘርኢ፧
9 ሕውነታዊ ፍቕሪ እነጐሃህረሉ ካልኣይ መገዲ ኸኣ ሞሳ ኢዩ። ንኻልኦት ምእንቲ ከነማስዎም ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶምን ጻዕርታቶምን ከነተኵረሉን ኣኽቢርና ክንርእዮን ኣሎና። ከምኡ እንተድኣ ገይርና ንየሆዋ ንመስሎ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:1) መዓልቲ-መዓልቲ ብዙሕ ንኣሽቱ ጌጋታት ይሓድገልና ኢዩ። ናይ ሓቂ ነስሓ እንተድኣ ተራእዩ ኸኣ ከቢድ ሓጢኣት ከይተረፈ እውን ይሓድግ ኢዩ። (ህዝቅኤል 33:14-16) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝሙር 130:3) የሆዋ ዘተኵረሉ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ሰናይ ነገራት ኢዩ።—እብራውያን 6:10
10. (ሀ) ናይ መርዓ ብጾት ኣብ ንሓድሕዶም ሞሳ ምስ ዘይገላለጹ ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ንናይ መርዓ ብጻዩ ሞሳ ዘየርኢ እንተድኣ ኰይኑ እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧
10 ነዚ ኣብነት እዚ ብፍላይ ኣብ ስድራቤት ክትስዕቦ ኣድላዪ ኢዩ። ወለዲ ኣብ ንሓድሕዶም ሞሳ ምስ ዝገላለጹ ነታ ስድራቤት መርኣያ ኢዮም ዝዀኑ። ኣብዚ መርዓ ስርሕ ፍንጥሕ ኰይኑሉ ዘሎ መዋእል: ንናይ መርዓ ብጻይካ ዕሽሽ ምባል ከምኡውን ንጕድለታት ኣዕቢኻ ንጽቡቕ ባህርያት ከኣ ኣትሒትካ ምርኣይ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንመርዓ ናብ ሓጐስ ዘይብሉ ጾር ብምልዋጥ የዳኽሞ ኢዩ። ንናይ መርዓ ብጻይካ ዘሎካ ሞሳ እናሃሰሰ ይኸይድ ከም ዘሎ እንተድኣ ተገንዚብካዮ: ንገዛእ ርእስኻ ‘ናይ መርዓ ብጻየይ ብሓቂዶ ጽቡቕ ባህርያት የብሉን ኢዩ፧’ ኢልካ ሕተታ። እተፋቐርካሉን እተመርዓኻሉን ምኽንያታት እንታይ ምዃኑ ተመሊስካ ሕሰብ። ዅሉ እቲ ነዚ ፍሉይ ሰብ እዚ ንኸተፍቅር ዘለዓዕለካ ምኽንያታትሲ ብሓቂ ጠፊኡ ድዩ፧ ብርግጽ ኣይጠፍአን፣ ስለዚ እምበኣር ነቲ ኣብ ናይ መርዓ ብጻይካ ዘሎ ሰናይ ነገራት ከተማስወሉ ጽዓር: ንሞሳኻ ኸኣ ብቓላት ገይርካ ግለጾ።—ምሳሌ 31:28
11. ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ ብዘይግብዝና ምእንቲ ክኸውን እንታይ ተግባራት ኢዩ ክውገድ ዘለዎ፧
11 ሞሳ ንናይ መርዓ ብጾት ፍቕሮም ግብዝና ዘይብላ ገይሮም ንኽሕዝዋ እውን ይሕግዞም ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 6:6፣ 1 ጴጥሮስ 1:22 ኣረኣእዮ።) እዚ ብልባዊ ሞሳ እተጐሃሃረ ፍቕሪ እዚ: ኣብ ብሕቲ ንዝግበር ጭከና ኣጋጣሚ ኣይህቦን ኢዩ: ንዝሃስን ዘሕስርን ቃላት ኣጋጣሚ ኣይህቦን ኢዩ: ንመዓልትታት ዝኣክል ናይ ሕያውነት ወይ ከኣ ልኡም ቃላት ብዘይምዝራብ ደይ መደይ ኢልካ ንናይ መርዓ ብጻይካ ምጕሳይ ኣጋጣሚ ኣይህቦን ኢዩ: ነቲ ብኣካላዊ መገዲ ምዕማጽ እውን ከይተረፈ ኣጋጣሚ ኣይህቦን ኢዩ። (ኤፌሶን 5:28, 29) ንሓድሕዶም ብሓቂ ገይሮም ሞሳኦም ዝገላለጹ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ይከባበሩ ኢዮም። ነዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክዀኑ ከለዉ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ዘለውሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ: ብኻልእ ኣዘራርባ ኵሉ ግዜ ኢዮም ዝገብርዎ።—ምሳሌ 5:21
12. ወለዲ ነቲ ኣብ ደቆም ዘሎ ሰናይ ባህርያት ሞሳኦም ክገልጹ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ቈልዑ እውን እንተዀኑ ብሞሳ ከም ዝርኣዩ ክስምዖም የድሊ። ወለዲ ሓቂ ዘይኰነ ናእዳ ከብዝሑሎም ኣለዎም ማለት ዘይኰነስ ነቲ ናይ ውሉዳቶም ዝምስገን ባህርያትን ነቲ ዝገብርዎ ናይ ሓቂ ሰናይ ተግባራትን ክንእድዎ ኣለዎም ማለት ኢዩ። የሆዋ ንየሱስ ስምረቱ ክገልጸሉ ከሎ ዘርኣዮ ኣብነት ዘክሮ። (ማርቆስ 1:11) ነቲ የሱስ ኣብ ሓደ ምሳልያዊ ዛንታ ከም ‘ጐይታ’ ኰይኑ ዘርኣዮ ኣብነት እውን ዘክሮ። እቲ እተዋህቦም ዕዮ እተፈላለየ: እቲ ነፍሲ ወከፎም ዘፍረይዎ እውን ብእኡ መጠን እተፈላለየ እኳ እንተነበረ ንኽልተ ‘ሕያዎትን እሙናትን ባሮት’ ማዕረ ገይሩ ነኣዶም። (ማቴዎስ 25:20-23፣ ምስ ማቴዎስ 13:23 ኣረኣእዮ።) ብተመሳሳሊ ጥበበኛታት ዝዀኑ ወለዲ እውን ነቲ ነፍሲ ወከፍ ውላድ ዘርእዮ ፍሉይ ባህርያትን ክእለታትን ዓወታትን ዘለዎም ሞሳ ዝገልጽሉ መገድታት ይደልዩ ኢዮም። ምስናይ እዚ ግን ደቆም ካብ ካልኦት ዝበለጽና ኢና ዝብል ስምዒት ምእንቲ ከይሓድሮም ንዓወታት ካብ መጠን ንላዕሊ ከየጋንኑሎም ይጥንቀቑ ኢዮም። ደቆም ቍጡዓት ወይ ጕሁያት ኰይኖም ክዓብዩ ኣይደልይዎምን ኢዮም።—ኤፌሶን 6:4፣ ቈሎሴ 3:21
13. ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ሞሳ ብምግላጽ ኣብነት ዝዀኑ መን ኢዮም፧
13 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ንነፍሲ ወከፍ ኣባል መጓሰ ኣምላኽ ሞሳ ኣብ ምግላጽ ኣብነት ይዀኑ ኢዮም። እቲ ዘለዎም ቦታ ኣሸጋሪ ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ ብጽድቂ ናይ ምግሳጽ: ነቶም ዝጋገዩ ብህዱእ መንፈስ ገይርካ ናይ ምቕናዕ: ከምኡውን ነቶም ዘድልዮም ጽኑዕ ምኽሪ ናይ ምሃብ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም። ነዚ እተፈላለየ ሓላፍነታት እዚ ብኸመይ ኢዮም ሚዛናዊ ዝገብርዎ፧—ገላትያ 6:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16
14, 15. (ሀ) ጳውሎስ ጽኑዕ ምኽሪ ብምሃብ ዝመጸ ሚዛን ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያን ሽማግለታት ጌጋታት ናይ ምእራም ኣድላይነት ምስቲ ናእዳ ናይ ምሃብ ኣድላይነት ከመጣጥንዎ ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም፧ ብኣብነት ግለጾ።
14 ናይ ጳውሎስ ኣብነት ዓቢ ሓገዝ ኢዩ ዝህብ። ሓለፍ ዝበለ መምህር: ሽማግለ: ከምኡውን ጓሳ ኢዩ ነይሩ። ምስተን ዝኸበደ ግድል ዝነበረን ጉባኤታት ክጋጠም ነበሮ: ከድሊ ኸሎ ድማ ጽኑዕ ምኽሪ ካብ ምሃብ ፈሪሁ ዝሕጥ ኣይበለን። (2 ቈረንቶስ 7:8-11) ብዛዕባ ኣገልግሎት ጳውሎስ ሓፈሻዊ መጽናዕቲ ምስ እንገብር መግናሕቲ ዝጥቀም ዝነበረ ሳሕቲ ማለት እቲ ኵነታት ዘገድድ ምስ ዝኸውን ወይ ከኣ ጥበባዊ ኰይኑ ምስ ዝረኽቦ ጥራይ ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል። በዚ መገዲ እዚ ኣምላኻዊ ጥብብ ኣርኣየ።
15 ሓደ ሽማግለ ኣብታ ጉባኤ ዘለዎ ሓላፍነት ምስ ሓንቲ ሙዚቃ እንተድኣ ኣመሳሲልናዮ: መግናሕትን ተግሳጽን ምስታ ኣብ ምሉእ ሙዚቃ እትወሃሃድ ሓንቲ ቃና ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እታ ቃና እቲኣ ኣብ ቦትኣ ክትውዕል ከላ ትሰማማዕ ኢያ። (ሉቃስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2) መመሊሳ እትደጋገም ሓንቲ ቃና ጥራይ ዝሓዘት መዝሙር እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ኣምጽእ። ነእዛንና ባህ ዘየብል ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ሽማግለታት እውን ንትምህርትታቶም ምሉእ ክገብርዎን ብእተፈለለየ መልክዓት ገይሮም ከኣ ከማዕብልዎን ይፍትኑ ኢዮም። ጸገማት ኣብ ምእራም ጥራይ ኣይድርትዎን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ እቲ ሓፈሻዊ ኣገባብ ኣመሃህራኦም ኣወንታዊ ኢዩ። ልክዕ ከም የሱስ ክርስቶስ ፈቃራት ጓሶት መጀመርታ ነቲ ዝነቕፍዎ ጕድለት ዘይኰነስ ነቲ ዝንእድዎ ሰናይ ነገር ኢዮም ዝጥምቱ። ነቲ ክርስትያን ብጾቶም ዝገብርዎ ጻዕሪ የማስውሉ ኢዮም። ብሓፈሻ ነፍሲ ወከፍ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝከኣሎ ይገብር ከም ዘሎ ይተኣማመኑ ኢዮም። ሽማግለታት ከኣ ነዚ ስምዒታት እዚ ብቓላት ክገልጽዎ ድሉዋት ኢዮም።—ምስ 2 ተሰሎንቄ 3:4 ኣረኣእዮ።
16. እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ሞሳ ናይ ምግላጽን ናይ ምድንጋጽን ባህርያት ኣብ ብጾቱ ክርስትያናት እንታይ ውጽኢት ኢዩ ነይርዎ፧
16 ብዘይጥርጥር መብዛሕትኦም እቶም ጳውሎስ ዘገልግሎም ዝነበረ ክርስትያናት የማስዎምን ይድንግጸሎምን ከም ዝነበረ ተሰሚዕዎም ኢዩ። ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ ብዛዕባ ጳውሎስ ከመይ ከም እተሰምዖም ተመልከት። ዓቢ ሓላፍነት እኳ እንተ ነበሮ: ኣይፈርህዎን። ፈቃርን ተቐራብን ኢዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኢዩ: ካብ ሓደ ከባቢ ክብገስ ከሎ እቶም ሽማግለታት ‘ብኽሳዱ ሓኒቖም ዝሰዓምዎ’! (ግብሪ ሃዋርያት 20:17, 37) ሽማግለታትን ካልኦት ኵልናን ክንቀድሖ እንኽእል ናይ ጳውሎስ ኣብነት ስለ ዘሎናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ክንከውን ዝግብኣና! እወ: ኣብ ንሓድሕድና ሞሳ ንገላለጽ።
ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት ተግባራት
17. ኣብታ ጉባኤ ብዝግበር ናይ ሕያውነት ተግባራት ዝርከብ ገለ ጽቡቕ ውጽኢታት እንታይ ኢዩ፧
17 ሓደ ካብቲ ንፍቕሪ ሕውነት ዝኸውን ዝበርትዐ ነዳዲ ናይ ሕያውነት ተግባር ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ: ወይ ከኣ ካብ ግዜናን ሓይልናን ክንህብ ከሎና ንኻልኦት ጥራይ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእስና እውን ሕጕሳት ንገብራ ኢና። ኣብታ ጉባኤ ሕያውነት ተመሓላላፊ ኢዩ። ሓደ ናይ ሕያውነት ተግባር: ካልእ ተመሳሳሊ ተግባራት ኢዩ ዘምጽእ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ሕውነታዊ ፍቕሪ ይዕምብብ!—ሉቃስ 6:38
18. እታ ኣብ ሚክያስ 6:8 ተዘሪቡላ ዘሎ “ሕያውነት” ትርጕማ እንታይ ኢዩ፧
18 የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ሕያውነት ከንጸባርቑ ተላብዩዎም ኢዩ። ኣብ ሚክያስ 6:8 “ኣታ ሰብ: ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፤ እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት [“ሕያውነት:” NW ] ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ዝብል ነንብብ። ‘ሕያውነት ምፍታው’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እታ ኣብዚ “ሕያውነት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል (ቸ ʹሰድ) ብእንግሊዝኛ “መርሲ” (ምሕረት) ተባሂላውን ተተርጒማ ኣላ። ብመሰረት ዘ ሶንቺኖ ቡክስ ኦቭ ዘ ባይብል እዛ ቓል እዚኣ “ካብታ መርሲ [ምሕረት] እትበሃል ረቃቕ ናይ እንግሊዝኛ ቓል ንላዕሊ ዝያዳ ንጡፍ ዝዀነ ነገር ኢያ እተመልክት። ‘ናብ ተግባር እተተርጐመ ምሕረት’ ማለት ኢያ: እዚ ድማ ንድኻታትን ንእተሸገሩን ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ብጾትካ ካብ ፍቕራዊ ሕያውነት እተለዓዓለ ብሕታዊ ተግባር ምፍጻም ማለት ኢዩ።” ስለዚ ድማ ካልእ ምሁር እታ ቸ ʹሰድ “ናብ ተግባር እተተርጐመት ፍቕሪ” ማለት ኢያ ይብል።
19. (ሀ) ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ሕያውነትና ንኽንገልጸሎም ተበግሶ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ካልኦት ፍቕሪ ሕውነት ብኸመይ ከም ዝገለጹልካ ኣብነት ሃብ፧
19 ፍቕሪ ሕውነትና ክልሰ-ሓሳባዊት ወይ ከኣ ረቃቕ ኣይኰነትን። ህያው ነገር ኢያ። ስለዚ እምበኣር ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ናይ ሕያውነት ነገራት ክትገብረሎም እትኽእለሉ መገድታት ሃሰስ በል። ነቲ ሰባት ሓገዝ ደልዮም ክቐርብዎ ጥራይ ዘይጽበ ዝነበረ ኣብ ክንድኡ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሉ ተበግሶ ወሲዱ ዝሕግዞም ዝነበረ የሱስ ምሰሎ። (ሉቃስ 7:12-16) ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሕሰብ። ሓደ ዝሸምገለ ወይ ከኣ ዝሰንከለ ሰብ ምብጻሕ ወይ ከኣ ምልእኣኽ የድልዮ ድዩ፧ ሓደ ‘ዘኽታም’ ምስኡ ኴንካ እተሕልፎ ግዜን ቈላሕታን ይደሊ ድዩ፧ እተጨነቐት ነፍሲ ገለ ሰማዒት እዝኒ ወይ ከኣ ገለ ዘጸናንዕ ቃላት ትደሊ ድያ፧ ክንክእል ከሎና: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕያውነት ተግባራት ንተዓወተሉ። (እዮብ 29:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14፣ ያእቆብ 1:27) ኣብ ሓንቲ ብዘይፍጹማት ሰባት ዝመልአት ጉባኤ: ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ናይ ሕያውነት ተግባር ይቕረ ምባል ምዃኑ ፈጺምካ ኣይትረስዕ: እዚ ማለት ከኣ ሽሕ’ኳ ንኽትቅየም ቅቡል ምኽንያት እንተሎካ ብኸምኡ ምርሳዕ ማለት ኢዩ። (ቈሎሴ 3:13) ይቕረ ንምባል ድልው ምዃን ኣብታ ጉባኤ እቲኣ ከም እኒ ምክፍፋል: ቂም: ብርቱዕ ጽልኢ ዝኣመሰለ ነቲ ናይ ፍቕሪ ሕውነት ሓዊ: ዘጥፍእ ባህርያት ከይህሉ ይሕግዝ ኢዩ።
20. ኵልና ነብስና ክንምርምር ዘሎና ብኸመይ ኢና፧
20 ኵልና ነዚ ናይ ፍቕሪ ሕውነት ኣድላዪ ሓዊ: ኣብ ልብና ብዘይምቍራጽ ከም ዝነድድ ክንገብሮ ቈራጽነት ንግበር። ርእስና ምምርማር ኣይነቋርጽ። ንኻልኦት ድንጋጽ ነርኢ ዲና፧ ንኻልኦት ሞሳና ንገልጽ ዲና፧ ንኻልኦት ናይ ሕያውነት ተግባር ንፍጽም ዲና፧ ከምዚ እንተድኣ ገይርና እዛ ዓለም እዚኣ ዘኸርድድ ቍሪ ዘለዋን ድንጋጽ ዘይብላን ትኹን ብዘየገድስ እቲ ናይ ፍቕሪ ሓዊ ንሕውነትና ምዉቕ ክገብሮ ኢዩ። ሃየ እምበኣር ሕጅን ንዘለኣለምን “ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ”!—እብራውያን 13:1
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኦም ተርጐምቲ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ክትርጕምዋ ከለዉ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝትንኪ: ንዓይኒ ኣምላኽ ዘይኰነስ ንዓይኒ እስራኤል ወይ ከኣ ንናይ ገዛእ ርእሱ ዓይኒ እውን ከይተረፈ ዝትንኪ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝትርጕምዋ። እዚ ጌጋ እዚ ኣብ ማእከላይ ክፍለ-ዘበን ካብ ዝነበሩ ገለ ጸሓፍቲ ዝመጸ ክኸውን ከሎ: በቲ ብጌጋ ተመሪሖም ዝገብርዎ ጻዕርታቶም ነቲ ንሳቶም ክብሪ የብሉን ኢሎም ዝሓሰብዎ ጥቕስታት ክእርምዎ ክፍትኑ ከለዉ ነዚ ጥቕሲ እዚ ቀየርዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ ብሕታዊ ድንጋጽ: ዕምቈቱ ኣህሰስዎ።
እንታይ ምበልካ፧
◻ ቕሪ ሕውነት እንታይ ኢያ: ጽንዕቲ ክንገብራ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ደንገጽቲ ምዃን ፍቕሪ ሕውነትና ክንዕቅብ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሞሳ ኣብ ፍቕሪ ሕውነት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
◻ ናይ ሕያውነት ተግባራት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍቕሪ ሕውነት ከም ዝዕምብብ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]
ብተግባር እተራእየት ፍቕሪ
ገለ ዓመታት ይገብር: ሓደ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእተወሰነ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ዝነበረ ሰብ ገና ብዛዕባ ፍቕሪ ሕውነት ምጥርጣር ነበሮ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ከም ዝበለ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃንስ 13:35) ግናኸ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ኰይኑ ረኸቦ። ሓደ መዓልቲ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብተግባር ክርእያ ኸኣለ።
እዚ ሰብኣይ እዚ ሽሕ’ኳ ኣብ ብሽክለታ ስንኵላት ተወሲኑ እንተነበረ ካብ ገዛኡ ነዊሕ ርሒቑ ገሸ። ኣብ ቤተ-ልሄም: እስራኤል: ናይ ጉባኤ ኣኼባ ተኻፈለ። ኣብኡ ሓደ ዓረብ ናይ የሆዋ ምስክር ንኻልእ ቱሪስት ናይ የሆዋ ምስክርን ነዚ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ገዝኡ ክሓድሩ ዓደሞም። ቅድሚ ምድቃሶም ግን እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣአንጋዲኡ ንጽብሒቱ ንግሆ ኣብ በረንዳ ወጺኡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ክርኢ ከፍቅደሉ ሓተቶ። እቲ ኣአንጋዲኡ ግን ከምኡ ክገብር ከም ዘይብሉ ኣጸቢቑ ኣጠንቀቖ። ንጽብሒቱ እዚ ዓረብ ሓው እዚ ምኽንያቱ ገለጸሉ። ብኣስተርጓሚ ገይሩ ጐረባብቱ ኣብ ገዝኡ ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ኣጋይሽ—እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ—ከም ዘሕደረ እንተድኣ ፈሊጦም ንዕኡን ንስድራቤቱ ኣብ ቤቶም ከለዉ ከም ዘቃጽልዎም ነገሮም። ካብ ምድንጻው እተላዕለ እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ “ስለምንታይ ድኣ እሞ ባዕልኻ ኣብ ሓደጋ ትኣቱ፧” ብምባል ሓተቶ። እቲ ዓረብ ሓው ተኲሩ ጠመቶ እሞ ብዘይ ኣስተርጓሚ ብቐሊሉ “ዮሃንስ 13:35” በለ።
እቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ናይ ፍቕሪ ሕውነት ክውንነት ተመሰጠ። ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሑ ድማ ተጠምቀ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ናይ ምትዕርራኽን ናይ ምምሳውን ባህሪ ተቐራቢ ገይርዎ ኢዩ