-
ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 መስከረም
-
-
ለውሃት ክፍሊ ሰብኣዊ ባህርይ ስለ ዝዀነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣምላኽ እትፍቶ እውን ስለ ዝዀነት፡ ‘ንሓድሕድና ተላዋህቲ ኽንከውን’ ተነጊሩና ኣሎ። (ኤፌሶን 4:32) ብዘይካዚ፡ “ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ዚብል መዘኻኸሪ እውን ተዋሂቡና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዘይንፈልጦም ሰባት እውን ክንልውሃሎም ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ።—እብራውያን 13:2።
-
-
ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 መስከረም
-
-
እቲ ዜገርም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ምቕባል ኣጋይሽ ቅድሚ ምዝራቡ፡ “ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ” ኢሉ ነይሩ እዩ። ንመላእኽቲ ኸተአንግዶም እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ፡ “ከይፈለጡ” ኢሉ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ንዘይንፈልጦም ሰባት ንልውሃሎም እንተ ዄንና፡ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ኽንባረኽ ከም እንኽእል እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቓላት ጳውሎስ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 18ን 19ን ዚርከብ ብዛዕባ ኣብርሃምን ሎጥን ዚገልጽ ጸብጻባት የተሓሕዝዎ። ኣብ ክልቲኡ ጸብጻብ፡ መላእኽቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ሒዞም ናብ ኣብርሃምን ሎጥን ከም ዝመጹ ነንብብ ኢና። እቶም ናብ ኣብርሃም ዝመጹ መላእኽቲ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ወዲ ኸም ዚወልድ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም ኣረጋገጹሉ፣ እቶም ናብ ሎጥ ዝመጹ ኸኣ፡ ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ኬድሕንዎ እዮም መጺኦም።—ዘፍጥረት 18:1-10፣ 19:1-3, 15-17።
ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብካዮ፡ ኣብርሃምን ሎጥን ንዘይፈልጥዎም ሓለፍቲ መገዲ እዮም ለውሃት ኣርእዮምዎም። ሓቂ እዩ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፈተውትን ንኣዝማድን ንጓኖትን፡ ኰታስ ንዅሎም ተጓዓዝትን ሓለፍቲ መገድን ምእንጋድ፡ ባህልን ግዴታን እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ እስራኤላዊ ዘይኰነ ስደተኛ ኺሓልዩሉ ይእዝዞም ነበረ። (ዘዳግም 10:17-19) ኰይኑ ግና፡ ኣብርሃምን ሎጥን፡ ገና እቲ ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ፡ ካብቲ ኣብ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ንላዕሊ እዮም ገይሮም። ንዘይፈልጥዎም ሰባት ለውሃት ንምርኣይ ጽዒሮም እዮም፣ ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ተባሪኾም እዮም።
ኣብርሃም ለውሃት ስለ ዘርኣየ፡ ወዲ ብምውላድ ተባሪኹ እዩ፣ ንሕና እውን ሳላኡ ተባሪኽና ኢና። ብኸመይ፧ ኣብርሃምን ይስሃቅ ወዱን ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎም እዩ። ኣብቲ ናብቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ዚመርሕ መስመር ወለዶ፡ ቀንዲ ተራ ነበሮም። እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ከኣ፡ ነቲ ብፍቕርን ብጸጋን ኣምላኽ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ዚመጸሎም ድሕነት ጽላሎት ዚኸውን እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 22:1-18፣ ማቴዎስ 1:1, 2፣ ዮሃንስ 3:16።
-