እታ ዘላትኩም ዓይነት እምነት—ሕጂ ትፍተን
“ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ።”—ያእቆብ 1:2, 3
1. ክርስትያናት ንእምነቶም ፈተናታት ከጋጥማ ክጽበዩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስቓይ ከሕልፉ ባህጊ የብሎምን: ቃንዛ ወይ ውርደት ድማ ኣየሐጕሶምን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዘን ንየሱስ በዲኡ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ዝጸሓፈን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ይዝክርወን ኢዮም። ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ናይ ኣምላኽ መዐቀኒታት ብምስዓቦም መስጐጕትን ካልእ ሽግራትን ከጋጥሞም ክጽበዩ ከም ዝኽእሉ ንጹር ገይርሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 10:34፣ 24:9-13፣ ዮሃንስ 16:33) እንተዀነ ግን: ካብ ከምዚ ዝበለ ፈተናታት ሓጐስ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧
2. (ሀ) ናይ እምነትና ፈተናታት ሓጐስ ከምጽእ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ኵነታትና ምጽማም ምሉእ ዕዮኣ ክትውድእ እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
2 ብሰንኪ እምነትና ሽግራት ወይ ፈተናታት ምስ ዘጋጥመና ሓደ ካብቲ እንሕጐሰሉ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ፈተናታት እዚ ጽቡቕ ፍረ ክርከቦ ስለ ዝኽእል ኢዩ። ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ: ኣብ ትሕቲ ፈተናታት ወይ ሽግራት ምጽማም ‘ትዕግስቲ ይገብር’ ኢዩ። ነዚ ጠቓሚ ዝዀነ ክርስትያናዊ ባህሪ እዚ ብምምዕባል ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።” (ያእቆብ 1:4) ምጽማም እትዓዮ ዕዮ: ‘እትገብሮ’ ነገር ኣለዋ። ንሳ እትፍጽሞ መዝነት ከም ክርስትያናት መጠን ሚዛናውያንን ብሱላትን ክንከውን ብምሕጋዝ: ኣብ ኵሉ መዳያት ምሉኣት ምእንቲ ኽንከውን ንምዕጣቕና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገድታት ብምጥቃም እቲ ፈተና ቀልጢፉ ከም ዘቋርጽ ክንገብር ከይፈተንና ክሳዕ መወዳእታ እቲ ልሙድ ጕዕዞኡ ክቕጽል ብምሕዳግ እምነትና ከም እትፍተንን እትጸርን ንገብር። ኣብቲ ንዅነታት ዘሎና ኣመለኻኽታ ወይ ምስ ብጾትና ሰባት ዘሎና ርክብ ትዕግስቲ: ድንጋጽ: ሕያውነት: ወይ ከኣ ፍቕሪ ዝጐድለና እንተድኣ ዀይኑ: ምጽማም ዝያዳ ምሉኣት ከም እንኸውን ክትገብረና ትኽእል ኢያ። እወ: እቲ ተኸታቲሉ ዝመጽእ ውጽኢት እዚ ዝስዕብ ይኸውን:- ፈተናታት ምጽማም የፍሪ፣ ምጽማም ክርስትያናዊ ባህርያት ይውስኽ፣ እዚ ድማ ንሓጐስ ምኽንያት ይኸውን።—1 ጴጥሮስ 4:14፣ 2 ጴጥሮስ 1:5-8
3. ካብቲ ንእምነትና ዘጋጥማ ሽግራት ወይ ፈተናታት ከነድሓርሕር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
3 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ካብቲ ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ስለምንታይ ክንፈርህ ወይ ከነድሓርሕር ከም ዘይብልና ኣጕሊሑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ: እንተ ኣድለየስ: ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም: ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 1:6, 7) እዘን ቃላት እዚኣተን ሎሚ ብፍላይ ዘተባብዓ ኢየን: ምኽንያቱ እቲ “ዓቢ ጸበባ”—እቲ ግዜ ምስጋና: ስብሓት: ክብሪ ከምኡውን ግዜ ምድሓን—ካብቲ ገሊኣቶም ዝሓስብዎ ከምኡውን ካብቲ ዝኣመንናሉ ግዜ ንላዕሊ ዝያዳ ይቕርብ ኢዩ ዘሎ።—ማቴዎስ 24:21 NW፣ ሮሜ 13:11, 12
4. ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ንሱን ካልኦት ቅቡኣት ክርስትያናትን ዘሕለፍዎ ናይ እምነት ፈተናታት ከመይ ተሰምዖ፧
4 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ካብ 1914 ንነጀው ዘሕለፍዎ ፈተናታት ርኢና ኢና። እዚ ምኽንያት ሓጐሶም ነይሩዶ፧ ኤይ. ኤች. ማክሚላን ነቲ እዋን እቲ ብምዝካር ከምዚ በለ:- “ነታ ማሕበር ብርቱዕ ሽግራት ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ድማ ናይ እምነት ፈተናታት ክወርዶም ርእየ ኢየ። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ህላዌኣ ቀጸለትን ሰሰነትን። ብምኽንያት ሓድሽ ሓሳባት ኣብ ክንዲ ምርባሽ: ነቲ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነገራት ዘሎና ምርዳእ ምእንቲ ከነጽሮ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ምጽባይ ጥበብ ምዃኑ ተዓዚበ ኢየ። . . . ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ኣረኣእያና እንታይ ዓይነት ምትዕርራያት ክንገብር ከም ዘሎና ብዘየገድስ: እዚ ነቲ ሕያውነት ዝመልኦ ናይ በጅነት ምድላውን ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኣይልውጦን ኢዩ። ስለዚ ብምኽንያት ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ወይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥታት እምነትና ክትዳኸም ክንገድፋ ኣይግባእን ኢዩ።”—ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓሰ 1966 ገጽ 504
5. (ሀ) ካብቲ እቶም ተረፍ ዘሕለፍዎ ፈተናታት እንታይ ጥቕምታት ኢዩ እተረኽበ፧ (ለ) እዚ ንፈተና ዝምልከት ጕዳይ ሎሚ ንዓና ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 እቶም ነቲ ኣብ 1914 -19 ዝነበረ ናይ ፈተና እዋን ዝሓለፍዎ ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ ዓብላሊ ናይ ዓለም ጽልዋን ብዙሕ ናይ ባቢሎን ሃይማኖታዊ ተግባራትን ሓራ ወጺኦም ኢዮም። እቶም ተረፍ ንኣምላኽ መስዋእትታት ምስጋና ብምቕራብን ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ከም ዘለዎም ህዝቢ መጠን መረጋገጺ ብምርካብን: ዝጸረዩን እተዀልዑን ህዝቢ ብምዃን ንቕድሚት ቀጺሎም ኢዮም። (ኢሳይያስ 52:11፣ 2 ቈረንቶስ 6:14-18) ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ጀሚሩ ነበረ: ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን ዝውዳእ ግን ኣይነበረን። ምፍታንን ምምማይን ህዝቢ ኣምላኽ ቀጺሉ ኢዩ። እቶም ክፍሊ ናይቲ “ዓቢ ጭፍራ” ብምዃን ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ናይ ምድሓን ተስፋ ዘለዎም ሰባት እውን እምነቶም ትፍተን ኢያ ዘላ። (ራእይ 7:9, 14 NW ) እዚ ምስቲ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ዘሕለፍዎ ብዝመሳሰልን ብኻልእን መገድታት ኢዩ ዝግበር ዘሎ።
ብኸመይ ኢኻ ክትፍተን እትኽእል፧
6. ሓደ ካብቲ ብዙሓት ሰባት ዘሕለፍዎ ብርቱዕ ፈተና እንታይ ኢዩ፧
6 ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ እቲ ብመልክዕ ናይ ፊተ-ፊት መጥቃዕታት ዝመጽእ ፈተናታት ጸኒዕካ ደው ናይ ምባል ብድሆ ኢዮም ሓሲቦም። ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ድማ ይዝክርዎ ኢዮም:- “[ናይ ኣይሁድ መራሕቲ] ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም: ብስም የሱስ ከይዛረቡ አዚዞም ከኣ ሐደግዎም። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:40, 41) ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ እውን: ብፍላይ ኣብ እዋን እቲ ናይ ዓለም ውግኣት: ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢድ እቶም መሳጐጕቲ ቃል ብቓሉ መውቃዕትን ካብኡ ዝገደደን ከም ዘሕለፉ ኢዩ ዝገልጽ።
7. ዘመናውያን ክርስትያናት እምነት ኣብ ምርኣይ ክሳዕ ኣበይ ኢዮም ዝበጽሑ፧
7 ንክርስትያናት ኣደዳ መስጐጕቲ ብምግባር ዝመጸ: ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣት ተረፍን ናይቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዓቢ ጭፍራን ፍልልይ ኣይትገብርን ኢያ። (ዮሃንስ 10:16) ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣባላት ክልቲኡ ጕጅለታት ብምኽንያት እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ኣብኡ ዘለዎም እምነትን ብማእሰርትን ሰማእታዊ ሞት ብሙማትን ሕሱም ፈተናታት ከሕልፉ ጸኒሖም ኢዮም። ክልቲኦም ጕጅለታት ተስፍኦም ብዘየገድስ: ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኣድልይዎም ኢዩ። (ምስ ናይ 15 ሰነ 1996 ገጽ 31 ግምቢ ዘብዐኛ ኣረኣእዮ።) ኣብ እዋን 1930ታት ከምኡውን 1940ታት ኣብ ናዚ ጀርመን: ቈልዑ እውን ሓዊስካ: ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓለፍ ዝበለት እምነት ኣርእዮም ኢዮም: ክሳዕ ሞት እተፈተኑ ድማ ሒደት ኣይኰኑን። ኣብዚ ቐረባ እዋናት ከኣ: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ከም በዓል ብሩንዲ: ኤርትራ: ኢትዮጵያ: ማላዊ: ሞዛምቢክ: ሩዋንዳ: ሲንጋፖር ከምኡውን ዛየር ዝኣመሰላ ሃገራት ስደት ኣሕሊፎም ኢዮም። ከምዚ ዝዓይነቱ ፈተናታት ከኣ ገና ይቕጽል ኣሎ።
8. ሓደ ኣፍሪቃዊ ሓው ዝሃቦ ሓሳባት ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ካብቲ ብመልክዕ መውቃዕቲ ዝመጽእ መስጐግቲ እነርእዮ ምጽማም ንላዕሊ ከም ዘጠቓልል ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ይኹን እምበር: ከምቲ ድሮ እተገልጸ እምነትና ዝያዳ ረቂቕ ብዝዀነ መገድታት እውን ትፍተን ኣላ። ገለ ካብዚ ፈተናታት እዚ ቀጥታ ዝመጽእን ብቐሊሉ ክልለ ዝከኣልን ኣይኰነን። ንገለ ካብዚ ዝስዕብ ፈተናታት ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ርአ። ኣብ ኣንጎላ ዝርከብ ዓሰርተ ቈልዑ ዘለውዎ ሓደ ሓው ንገለ ግዜ ኣብ ሓንቲ ምስ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ርክባ እተቛረጸ ጉባኤ ነበረ። ጸኒሑ ካልኦት ኣሕዋት ነታ ጉባኤ ክበጽሕዋ ኸኣሉ። ስድራቤቱ ንምዕንጋል ከመይ ይገብር ከም ዝነበረ ተሓተ። ንኽምልሶ ቀሊል ሕቶ ኣይነበረን: እቲ ኵነታት ከቢድ ምንባሩ ጥራይ ኢዩ ክዛረብ ክኢሉ። እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ንደቁ ክምግቦም ይኽእልዶ ነይሩ፧ ክምልስ ከሎ “ዳርጋ። በቲ ዘለና ምንባር ተማሂርና ኢና” በለ። ብድሕርዚ ተኣማንነት ብዝመልኦ ኣዘራርባ “ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እንጽበዮ ግን እዚዶ ኸይኰነ፧” በለ። ኣብ ዓለም ከምዚኣ ዝበለት እምነት ብርቂ ኢያ: ኣብቶም እቲ ናይታ መንግስቲ ተስፋታት ከም ዝፍጸም ምሉእ እምንቶ ዘለዎም እሙናት ክርስትያናት ግን ሓዳስ ነገር ኣይኰነትን።
9. ምስ 1 ቈረንቶስ 11:3 ብምትሕሓዝ ብኸመይ ኢና እንፍተን ዘሎና፧
9 እቶም ዓቢ ጭፍራ ምስ ቲኦክራሲያዊ ኣገባባት እተተሓሓዘ ፈተናታት እውን የጋጥሞም ኢዩ። እታ ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘላ ክርስትያናዊት ማሕበር ብመለኮታዊ ስርዓታትን ቲኦክራሲያዊ መዐቀኒታትን ኢያ እትምራሕ። እዚ ክበሃል ከሎ ድማ ቅድም ቀዳድም ንየሱስ ከም መራሒ: ርእሲ ናይታ ማሕበር ክኸውን ከም እተሾመ ኣካል መጠን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ነቡኡን ንዕኡን ብወለንታ ምእዛዝና: ኣብቲ ሓቢርና ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ምግባር እተተሓሓዘ ቲኦክራሲያዊ መዝነታትን ውሳነታትን እነርእዮ እምነት ኢዩ ዝንጸባረቕ። ብተወሳኺ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ከባቢ ጉባኤ: መሪሕነት ንምውሳድ እተሸሙ ሰብኡት ኣለዉ። ጕድለታቶም ብቐሊሉ ክርአ ዝኽእል ዘይፍጹማት ሰብኡት ኢዮም፣ ገና ግን ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተዓዘብቲ ከነኽብሮምን ክንግዝኦምን ኢና እንማዓድ። (እብራውያን 13:7, 17) ሓድሓደ ግዜ እዚ ኣሸጋሪ ኰይኑዶ ትረኽቦ፧ እዚ ንዓኻ ብሓቂ ፈተና ድዩ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ካብዚ ናይ እምነትካ ፈተና ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧
10. ምስ ግራት ኣገልግሎት እተተሓሓዘ እንታይ ፈተና ኢዩ ዘጋጥመና፧
10 ምስቲ ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ናይ ምስታፍ መሰልን ግዴታን እተተሓሓዘ እውን ንፍተን ኢና። ነዚ ፈተና እዚ ክንሓልፎ እንተድኣ ኴንና: ኣብቲ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳታፍነት ምግባር: ሒደት ወይ ድማ ንማለቱ ጥራይ ካብ ምስባኽ ንላዕሊ ከም ዘጠቓልል ክንግንዘብ ኣሎና። ነቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ድኻ መበለት ዝሃቦ ናይ ናእዳ ሓሳባት ዘክሮ። (ማርቆስ 12:41- 44) ‘ኣነኸ ብተመሳሳሊ ምስ ግራት ኣገልግሎተይ እተተሓሓዘ ዝከኣለኒ እገብርዶ ኣሎኹ፧’ ብምባል ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ንኽእል ኢና። ኵላትና ምሉእ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ብርሃንና ንምብራህ እተዳሎና ክንከውን ኢዩ ዘሎና።—ማቴዎስ 5:16
11. ንኣረዳድኣ ዝምልከት ለውጥታት ወይ ንጠባይ ዝምልከት ምኽሪ ፈተና ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
11 ካልእ ከጋጥመና ዝኽእል ፈተና ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት እናወሰኸ ንዝኸይድ ብርሃንን እቲ እሙን ክፍሊ ናይቲ ባርያ ንዝህቦ ምኽርን እነርእዮ ሞሳ እተተሓሓዘ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ብሕታዊ ኣመል ምትዕርራያት ምግባር ዝሓትት ኢዩ: እዚ ድማ ከምቲ ሓደ ግዜ ምስታ ጉባኤ ክቕጽሉ ዝደልዩ ሰባት ትምባኾ ምትካኽ ከቋርጹ ከም ዘለዎም ምስ ተነጸረ ክውሰድ ዝነበሮ ስጕምቲ ዝኣመሰለ ኢዩ።a (2 ቈረንቶስ 7:1) ወይውን እቲ ፈተና ኣብ ሙዚቃ ወይ ኣብ ካልእ ዓይነት መዘናግዒ ዘሎና መቐረት ናይ ስምዒት ምትዕርራይ ዘድልዮ ክኸውን ይኽእል።b ንጥበብ ናይቲ እተዋህበና ምኽሪ ንጠራጠረሉ ዲና፧ ወይስ መንፈስ ኣምላኽ ንኣተሓሳስባና ክልውጦን ክርስትያናዊ ባህሪ ክንለብስ ክሕግዘናን ከነፍቅደሉ ኢና፧—ኤፌሶን 4:20-24፣ 5:3-5
12. ሓደ ሰብ ድሕሪ ምጥማቑ እምነቱ ንምድልዳል እንታይ ኢዩ ዘድልዮ፧
12 ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸውን: ቍጽሪ ናይቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሰባት ክውስኽ ኢዩ ጸኒሑ: ድሕሪ ምጥማቖም ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ዝምድና ምድልዳል ይቕጽሉ ኣለዉ። እዚ ክርስትያናዊ ኣሰምብሊ ካብ ምክፋል: ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝካየድ ሒደት ኣኼባታት ካብ ምስታፍ: ወይ ከኣ ሳሕቲ ናብ ግራት ኣገልግሎት ካብ ምኻድ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ንመረድኢ:- ሓደ ሰብ ብኣካሉ ካብ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ: ወጺኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ግናኸ ብሓቂ ንድሕሪት ገዲፍዋ ድዩ፧ ገና ናብቲ መንፈስ ዓባይ ባቢሎን—ንጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ዘስተናዕቕ መንፈስ—ዘንጸባርቕ ነገራት ይጠብቕ ድዩ፧ ንስነ-ምግባርን ናይ ሓዳር ተኣማንነትን ኣፍኲሱ ድዩ ዝርእዮ፧ ንብሕታውን ንዋታውን ረብሓታት ካብ መንፈሳዊ ረብሓታት ኣብሊጹ ድዩ ዝርኢ፧ እወ: ካብ ዓለም መንቅብ ዘይብሉ ድዩ፧—ያእቆብ 1:27
ካብ እተፈተነት እምነት ዝርከብ ጥቕምታት
13, 14. ገሊኣቶም ኣብቲ መገዲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምኻድ ድሕሪ ምጅማሮም እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧
13 ብሓቂ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሃዲምና ካብ ዓለም እውን ወጺእና እንተድኣ ኴንና: ናብቲ ዝገደፍናዮ ነገራት ንድሕሪት ኣይንጠምት። ምስቲ ኣብ ሉቃስ 9:62 ተመዝጊቡ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ብምስምማዕ: ዝዀነ ኻባና ንድሕሪት እንተድኣ ጠሚቱ ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን ክገድፎ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ።”
14 ይኹን እምበር ቅድሚ ሕጂ ክርስትያናት ዝነበሩ ገለ ሰባት ደድሕሪ ቅዲ ናይዚ ኣገባብ እዚ ስዒቦም ኢዮም። ንመንፈስ ዓለም ኣይተቓወምዎን። (2 ጴጥሮስ 2:20-22) ዓለማዊ ዝንባለታት ንድሌታቶምን ግዜኦም ኰኲዱ ይሕዞ: በዚ ኸኣ ምዕባለኦም ይሕነቕ። ኣእምሮኦምን ልቦምን ምሉእ ብምሉእ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ከም ዘተኵር ብምግባር ነዚ ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ: ደድሕሪ ስጋዊ ሸቶታት ናብ ምስዓብ ዘዘዉ። ነታ ድኽምቲ እምነቶምን ልቡጥ ኵነታቶምን ኣፍልጦ ንምሃብን መለኮታዊ ምኽሪ ብምድላይ ኣካይድኦም ንምልዋጥን እንተድአ ዘይተደሪኾም: እቲ ምስ የሆዋን ምስ ማሕበሩን ዘለዎም ክቡር ዝምድና ክጠፍኣሉ ኣብ ዝኽእል ሓደጋ ኢዮም ዘለዉ።—ራእይ 3:15-19
15. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ እንታይ ኢዩ ዝድለ፧
15 ተቐባልነት ዘለዎም ኴንና ምርካብናን ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ኣብ መስመር ድሕነት ምህላውናን: ንጹሃት ኣብ ምዃንን ክዳውንትና ‘ብደም እቲ ገንሸል [ኣብ] ምሕጻብን’ እተመርኰሰ ኢዩ። (ራእይ 7:9-14፣ 1 ቈረንቶስ 6:11) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህን ጻድቕን ኣቕዋም እንተ ዘይዓቂብና: እቲ እነቕርቦ ቅዱስ ኣገልግሎት ቅቡል ኣይከውንን ኢዩ። ብርግጽ: ነፍሲ ወከፍና ፍትንቲ ዝዓይነታ እምነት ምስ እትህልወና ንኽንጽመምን ስምረት ኣምላኽ ንኽንረክብን ከም እትሕግዘና ክንግንዘብ ኣሎና።
16. ዝንዛሕ ሓሶት ናይ እምነትና ፈተና ክኸውን ዝኽእል በየናይ መገድታት ኢዩ፧
16 ሓድሓደ ግዜ ማዕከናት ዜናን ዓለማውያን ሰበ-ስልጣንን: ነቲ ክርስትያናዊ እምነትናን ኣነባብራናን ብምጽላም: ንህዝቢ ኣምላኽ ብሓሶት ይጥቅንዎም ኢዮም። እዚ ከገርመና የብሉን: ከመይሲ የሱስ ‘ካብ ዓለም ብዘይምዃንና ዓለም [ከም] እትጸልኣና’ ብንጹር ገሊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:14) እቶም ብሰይጣን ዝዓወሩ ሰባት ከፍርሑናን ከጃጅዉናን ከምኡውን በቲ ብስራት ከም እንሓፍር ክገብሩናን ከነፍ ቅደሎም ዲና፧ ብዛዕባ እታ መገዲ ሓቂ ዝንዛሕ ሓሶት ነቲ ስርዓታዊ ምእካብናን ዕዮ ስብከትናን ክትንክፎ ከነፍ ቅደሉ ዲና፧ ወይስ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ዝገልጽ ሓቂ ንምእዋጅ ጸኒዕና ክንቀውምን ተባዓት ክንከውንን ከምኡውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ቈራጽነት ከነርእን ኢና፧
17. እምነት ምርኣይ ንኽንቅጽል ከለዓዕለና ዝኽእል እንታይ መረጋገጺ ኢዩ፧
17 ብመሰረት እቲ እተፈጸመ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት: ሎሚ ኣብ ምጽንቃቕ ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢና እንርከብ ዘሎና። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንሓንቲ ጽድቂ ዝነብረላ ዓለም ዝምልከት ትጽቢታትና ደስ ብዘብል ኵነታት ከም ዝገሃድ እተረጋገጸ ኢዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ እትመጽእ: ኵላትና ኣብ ቃል ኣምላኽ ነቕ ዘይብል እምነት እነርኢ: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ከየቋረጽና ብምስባኽ ድማ እምነትና እነረጋግጽ ይግበረና። ብዛዕባ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝጥመቑ ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ፍርዱ ንምፍጻም ዘርኣዮ ትዕግስቲ ንድሕነት ብዙሓት ሰባት ክኸውን ምኽኣሉ መማሰውቲ ክንከውን እኹል ምኽንያትዶ ኣይኰነን፧ ኣምላኽ እቲ ህይወት ዘድሕን ናይታ መንግስቲ ዕዮ ስብከት ክቕጽል ብምፍቃዱስ ኣይንሕጐስንዶ፧ ከምኡውን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሓቂ ብምቕባሎምን እምነቶም የርእዩ ብምህላዎምን ባህ ኣይብለናንዶ ኢዩ፧
18. ንየሆዋ ብምግልጋል ዝመጸ ውሳነኻ እንታይ ኢዩ፧
18 እዚ ሎሚ ንእምነትና ዘጋጥማ ዘሎ ፈተና ክሳዕ መዓስ ከም ዝቕጽል ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ርግጽ ዝዀነ ነገር ግን ኣሎ:- የሆዋ ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ሰማያትን ምድርን ዝጸባጸበሉ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ነቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ዝዀነ የሱስ ዘርኣያ ብልጽቲ ዝዓይነታ ፍትንቲ እምነት ኽንቀድሓ ንቝረጽ። ከምኡውን ኣብነት ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍን ናይቶም ኣብ መንጎና ብትብዓት ዘገልግሉ ዘለዉ ካልኦትን ንስዓብ።
19. ነዛ ዓለም እዚኣ ከም እትስዕራ ርግጸኛ ክትኰነላ እትኽእል ነገር እንታይ ኢያ፧
19 ምስቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝንቢ ዘሎ መልኣኽ ብምትሕብባር: እቲ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ንዅሎም ኣህዛብ: ዓሌታት: ቋንቋታት: ከምኡውን ህዝብታት ከየባተኽና ንምስባኽ ቈራጻት ክንከውን ይግብኣና። ነቲ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዝብል ናይቲ መልኣኽ ኣዋጅ ይስምዕዎ። (ራእይ 14:6, 7) እቲ መለኮታዊ ፍርዲ እቲ ምስ ተዋህበ: እታ ፍትንቲ ዝዓይነታ እምነትና እንታይ ፍረ ከተምጽኣልና ኢያ፧ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ድሒንካ ናብታ ናይ ኣምላኽ ጻድቕ ሓዳስ ዓለም ምእታውሲ ክብሪ ዝመልኦ ዓወትዶ ኣይክኸውንን ኢዩ፧ ነቲ ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ብምጽማም: ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝበሎ “እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ: ንሳ እምነትና እያ” ምባል ኽንክእል ኢና።—1 ዮሃንስ 5:4
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 1 ሰነ 1973 ገጽ 336- 43 ከምኡውን ናይ 1 ሓምለ 1973 ገጽ 409 -11 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ።
b ናይ 15 ሓምለ 1983 ገጽ 27-31 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ምኽንያት ሓጐስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ገለ ካብቲ ብቐሊሉ ክልለ ዘይክእል ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ብምስዓር ንሓዋሩ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልታት]
ኤይ. ኤች. ማክሚላን (ኣብ ቅድሚት ብጸጋም ) ኣብቲ ንሱን ወከልቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ብዘይ ፍትሒ እተኣስርሉ እዋን ኣቢሉ
ኣብቲ ኣብ ዴትሮይት: ሚሺጋን ብ1928 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ልኡኽ ነበረ
ሓው ማክሚላን ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ዕድሚኡ: ገና እምነት የርኢ ነይሩ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምዛ ስድራ እዚኣ: ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብዙሓት ክርስትያና ት እተፈተነት እምነት ኣርእዮም ኢዮም