‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ምሓዝ’
ቃል ኣምላኽ ንዕዉት ናብራ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ስርዓታት መኽዘን ኢዩ። ንሓደ ኣገልጋሊ ንኽምህር: ንኽገንሕ: ከምኡውን ንኸቕንዕ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ይኹን እምበር: ካብዚ ብመለኮታዊ መገዲ እተዳለወ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ ክንስዕቦ ይግባእ:- “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና [ዝሕዝ ትሓዓ ]: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር።”—2 ጢሞቴዎስ 2:15
ኣብ መንጎ እቲ ካልእ ነገራት ቃል ኣምላኽ ከም ዝዕንግል ጸባ: ዕጹም መግቢ: ዘሐድስን ዘጽርን ማይ: መስትያት: ከምኡውን ከም በሊሕ ሰይፊ ተመሲሉ ኣሎ። እዘን ስያመታት እዚኣተን ንምንታይ ከም ዘምልክታ ምርዳእ ንሓደ ኣገልጋሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብውሕልና ንኽጥቀመሉ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።
ነቲ ጸባ ናይ ቃል ኣምላኽ ምዕዳሉ
ጸባ ሓደስቲ እተወልዱ ቈልዑ ዝደልይዎ መግቢ ኢዩ። እቲ ቈልዓ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ: ናብቲ ብልዑ ቀስ እናበለ ዕጹም ብልዒ እናተሓወሶ ይኸይድ: መጀመርያ ግን: ጸባ ጥራይ ኢዩ ከሕቅቕ ዝኽእል። እቶም ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ቍሩብ ዝፈልጡ ድማ ብብዙሕ መዳያት ከም ቈልዑ ኢዮም። ሓደ ሰብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገዳስነት ዘርኣየ ሓድሽ ይኹን ወይ ድማ ምስ ቃል ኣምላኽ ካብ ዝፋለጥ ግዜ ዝወሰደ: ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ግን መባእታዊ ምርዳእ ጥራይ ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ: መንፈሳዊ ቈልዓ ኢዩ: ብቐሊሉ ክሓቅቕ ዝኽእል መግቢ—መንፈሳዊ “ጸባ”—ድማ የድልዮ። ጌና ነቲ ዓሚቝ ነገራት ናይ ቃል ኣምላኽ: “ዕጹም ብልዒ” ከሕቅቕ ኣይከኣለን ዘሎ።—እብራውያን 5:12
ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ማሕበር “ገና [ስለ ዘይደልደልኩም ትሓዓ ] ጸባ መገብክኹም: ዕጹም ብልዒ ኣይኰነን” ክብላ ከሎ እቲ ኵነታቶም ከምዚ ኢዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 3:2) ሰብ ቈረንቶስ ብቀዳማይ ደረጃ እቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ . . . ናይ ቃል ኣምላኽ” የድልዮም ነይሩ። (እብራውያን 5:12) ኣብዚ ናይ ዕቤት ደረጃኦም እዚ ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ከሕቕቕዎ ኣይከኣሉን።—1 ቈረንቶስ 2:10
ልክዕ ከም ጳውሎስ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ኣገልገልቲ ነቶም ብመንፈስ ቈልዑ ዝዀኑ “ጸባ” ብምሃብ: እዚ ኸኣ ኣብ መሰረታዊ ዝዀነ ሰረተ-እምነት ናይ ክርስትያን ጸኒዖም ምእንቲ ክስረቱ ብምሕጋዝ ሓልዮቶም የርእይዎም ኢዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሓደስቲ ወይ ብመንፈስ ዘይበሰሉ ሰባት ‘ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ባህጊ’ ከሕድሩ የተባብዕዎም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:2) ሃዋርያ ጳውሎስ “ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ: ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነቶም ሓደስቲ ፍሉይ ኣቓልቦ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 5:13) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ ጸባ ናይ ቃል ኣምላኽ ምስቶም ሓደስትን ተመኵሮ ዘይብሎምን ሰባት ብናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ጉባኤን ኣቢሎም ከካፍልዎ ከለዉ ትዕግስቲ: ሓልዮት: ምርዳእ: ከምኡውን ምስትውዓል ከጥርዩ ከድለዮም ኢዩ።
ነቲ ዕጹም ብልዒ ናይ ቃል ኣምላኽ ምሓዝ
ሓደ ክርስትያን ናብ ድሕነት ገጹ ምእንቲ ክዓቢ: ካብ “ጸባ” ንላዕሊ የድልዮ ኢዩ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መባእታዊ ሓቂ ብንጹር ምስ ተረድኦን ምስ ተቐበሎን: ናብቲ ‘ንብጹሓት ዝኸውን ዕጹም ብልዒ’ ክሓልፍ ቅሩብ ኢዩ። (እብራውያን 5:14) ነዚ ብኸመይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል፧ ብመሰረቱ: ነዚ ስርዓታዊ ዝዀነ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ኣብቲ ናይ ክርስትያን ኣኼባታት ብምሕባርን ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ልምድታት ንሓደ ክርስትያን ብመንፈስ ሓያል: ብሱል: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ኣስላጢ ክኸውን ክሕግዞ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:8) ኣብ ርእሲ ፍልጠት: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እውን ኣብቲ መንፈሳዊ መግቢ እቱው ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን።—ዮሃንስ 4:34
ሎሚ: ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ መግቢ ምእንቲ ክቕርበሎም ከምኡውን “እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ [ኣምላኽ]” ምእንቲ ክርድእዋ ክሕግዞም “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ተሸይሙ ኣሎ። የሆዋ: ብመንፈሱ: በዚ እሙን ኰይኑ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ ዜዳሉ ዘሎ’ እሙን ባርያ ገይሩ ዓሚቝ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ይገልጽ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ፣ ኤፌሶን 3:10, 11፣ ምስ ራእይ 1:1, 2 ኣረኣእዮ።) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነዚ ከምዚ ዝበለ እተጻሕፈ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ክጥቀመሉ ሓላፍነት ኣለዎ።—ራእይ 1:3
ልክዕ ኢዩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ገሊኡ ነገራት ነቶም ብሱላት ክርስትያናት እውን ከይተረፈ “ንምስትውዓሉ ዚሽግር” ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:16) ዝያዳ መጽናዕትን ምስትንታንን ዘድልዮም ዘደናግሩ ኣበሃህላታት: ትንቢታት: ከምኡውን ምሳልያውያን ዛንታታት ኣለዉ። ስለዚ ድማ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንቓል ኣምላኽ ምዅዓት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ምሳሌ 1:5, 6፣ 2:1-5) ብፍላይ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ክምህሩ ከለዉ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓላፍነት ኣለዎም። ሽማግለታት ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ይኹን ወይ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክመርሑ ከለዉ: ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ ከለዉ: ወይ ኣብ ካልእ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ክህልዉ ከለዉ ምስቲ ዝህብዎ ጽሑፍ ብግቡእ ዝፋለጡ ክዀኑ ኣለዎም: ከምኡውን ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ነታ ጉባኤ ከመሓላልፉላ ከለዉ ነቲ ዘለዎም “ናይ ኣማሃህራ ጥበብ” ኣቓልቦ ክገብርሉ ቅሩባት ክዀኑ ኣለዎም።—2 ጢሞቴዎስ 4:2 ትሓዓ
ዘሐድስን ዘጽርይን ማይ
የሱስ ነታ ኣብቲ ዔላ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ውሽጣ ኣትዩ “ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ” ዝኸውን ገለ ነገር ክትሰትዮ ክህባ ምዃኑ ነገራ። (ዮሃንስ 4:13, 14፣ 17:3) እዚ ህይወት ዝህብ ማይ ንዅሉ በቲ ገንሸል ኣምላኽ ኣቢልካ ዝርከብ ህይወት ዘውህብ ናይ ኣምላኽ ምድላዋት ዘጠቓልል ኢዩ: እዞም ምድላዋት እዚኣቶም ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጾም ኣለዉ። ነዚ “ማይ” እዚ ከም ዝጸምኡ ውልቀሰባት መጠን: ነቲ በቲ መንፈስን መርዓት ክርስቶስን ዝወሃብ ዘሎ “ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ ንቕበሎ ኢና። (ራእይ 22:17) ነዚ ማይ እዚ ምስታይ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ዝኸውን ናይ ስነ-ምግባርን መንፈሳውን መዐቀኒታት ኣለዎ። ነዞም ብመለኮታዊ መገዲ እተሰርዑ መዓቀኒታት ኣብ ተግባር ምስ እነውዕሎም: ብቓል ኣምላኽ ጸሪና: ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት ‘ተሓጺብና’ ኣሎና ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: እቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ዘሎ ሓቂ ‘ምሕጻብ ማይ’ ተባሂሉ ኣሎ። (ኤፌሶን 5:26) ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ከጽርየና እንተድኣ ዘየፍቂድናሉ: ኣምልኾና ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ኣይክኸውንን ኢዩ።
እቲ ዘሐጕስ ድማ እቶም ‘ንቓል ኣምላኽ ብቕንዕና ዝሕዙ’ ሸማግለታት እውን ከም ማይ ተመሲሎም ኣለዉ። ኢሳይያስ “ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት” ኢልዎም ኣሎ። (ኢሳይያስ 32:1, 2) ፈቃራት ሽማግለታት ዝሃንጽ: ዘጸናንዕ: ዘበርትዕን ዘጽንዕን መንፈሳዊ ሓበሬታ ንምሃብ ነቲ ዘሐድስ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃም ከም መንፈሳውያን ጓሶት ኰይኖም ነሕዋቶም ክበጽሕዎም ከለዉ ነዚ መግለጺ እዚ ይፍጽምዎ ኢዮም።—ምስ ማቴዎስ 11:28, 29 ኣረኣእዮ።a
ናይ ጉባኤ ኣባላት ብሽማግለታት ክብጽሑ ይጽበዩ ኢዮም። ቦኔ “ሽማግለታት ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዑ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ ኢየ: የሆዋ እዚ ምድላው እዚ ብምግባሩ ድማ ኣዝየ ሕጕስቲ ኢየ” ትብል። ሓንቲ ንጽል ዝዀነት ኣደ: ሊንዳ: ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ:- “ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ምትብባዕ ብምሃብ ክዋጽኣሉ ሓጊዞምኒ ኢዮም። ይሰምዑ ከምኡውን ሓልዮት የርእዩ ኢዮም።” ሚካኤል ከኣ ከምዚ ይብል:- “ናይ ሓንቲ እትሓሊ ማሕበር ክፍሊ ከም ዝዀንኩ ከም ዝስማዓኒ ገይሮምኒ ኢዮም።” ካልእ ድማ ከምዚ ትብል:- “ናይ ሽማግለታት ምብጻሕ ንኸቢድ ናይ ጭንቂ ግዜያት ክዋጽኣሉ ሓጊዙኒ ኢዩ።” ብመንፈስ ክብ ዘብል ምብጻሕ ናይ ሓደ ሽማግለ ከም ዝሑል ዘሐድስ ማይ ኢዩ። እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ፈቃራት ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከመይ ገይሩ ኣብ ኵነታቶም ከም ዝውዕል ከርእይዎም ከለዉ ይጸናንዑ ኢዮም።—ሮሜ 1:11, 12፣ ያእቆብ 5:14
ንቓል ኣምላኽ ከም መስትያት ተጠቐመሉ
ሓደ ውልቀሰብ ዕጹም መግቢ ክወስድ ከሎ: እቲ ዕላማ ነቲ ጣዕሚ ንምስትምቓር ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ከስርሖ ዝኽእል ዕንጋለ ክረክብ ኢዩ ዝጽበ። ቈልዓ እንተድኣ ኰይኑ እቲ መግቢ በጽሒ ንኽኸውን ክሕግዞ ኢዩ ዝጽበ። ኣብ መንፈሳዊ መግቢ ድማ ተመሳሳሊ ኢዩ። ብሕታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እቲ እነጽናዓሉ ምኽንያት ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። መንፈሳዊ መግቢ ክልውጠና ኣለዎ። ነቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከነለልዮን ከነፍርዮን ይሕግዘና ከምኡውን “ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ . . . ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ” ክንለብስ ይድግፈና ኢዩ። (ቈሎሴ 3:10፣ ገላትያ 5:22-24) መንፈሳዊ መግቢ ሽግርና ኣብ ምፍታሕን ንኻልኦት ሽግሮም ከመይ ገይሮም ክፈትሑ ከም ዝኽእሉ ኣብ ምሕጋዝን ብዝሓሸ መገዲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከም እንጥቀም ብምግባር ናብ ብስለት ክንዓቢ እውን ይሕግዘና ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣባና ከምዚ ዝበለ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ከመይ ገይርና ኢና ከነርኢ እንኽእል፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መስትያት ንጥቀመሉ። ያእቆብ ከምዚ ይብል:- “ገበርቲ ቓል ኩኑ . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ: ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ: ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”—ያእቆብ 1:22-25
ጥብቕ ኢልና ክንምርምሮ ከሎና ናብ ቃል ኣምላኽ ‘ኣጸቢቕና ንጥምት:’ ነዚ ሕጂ ዘሎናዮ ድማ ምስቲ ብመሰረት መለክዒታት ኣምላኽ ክንኰኖ ዘሎና ነወዳድሮ። ከምዚ ምግባርና ‘ገበርቲ ቓል እምበር ሰማዕቲ ጥራይ ኣይንኸውንን።’ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣባና ሰናይ ፍረ ክህልዎ ኢዩ።
ቃል ኣምላኽ ከም ሰይፊ
ኣብ መወዳእታ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቃል ኣምላኽ ከመይ ገይርና ከም ሰይፊ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ክንርዳእ ይሕግዘና። ካብ ‘ሕልቅነትን ስልጣናትን ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት’ ክንጥንቀቕ ክነግረና ከሎ “ናይ መንፈስ ሰይፊውን: ማለት ቃል ኣምላኽ ሓዙ” ብምባል ይምዕደና። (ኤፌሶን 6:12, 17) ቃል ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን “ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ” ሓሳባት ከነወግዶ ከሎና ኣዝዩ ኣድላዪ መሳርያ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 10:3-5
ብዘይ ጥርጥር እምበኣር: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብራውያን 4:12) የሆዋ በቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ዘሎ ገጻት ገይሩ ኢዩ ንደቅሰብ ዝዛረቦም። ንኻልኦት ኣብ ምምሃርን ንናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ኣብ ምቅላዕን ጽቡቕ ገይርካ ተጠቐመሉ። ንኻልኦት ንምብርታዕ: ንምህናጽ: ንምሕዳስ: ንምጽንናዕ: ንምንቕቓሕ: ከምኡውን ብመንፈስ ንምብርታዕ ተጠቐመሉ። ኵሉ ግዜ “ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ” ምእንቲ ክትገብር: የሆዋ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓዱ ኽትገብር የብቅዕካ።’—እብራውያን 13:21
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 15 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ “ነተን ናእሽቱ ኣባጊዕ ብድንጋጽ ይጓስይወን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ገጽ 20-3 ርአ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት “ንቃል ኣምላኽ ብቕንዕና ብምሓዝ ” ንኻልኦት የተባብዑ