እምንቶና ኣብ የሆዋ ክንገብር ይግባእ
“እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን . . . እዩ።”—ምሳሌ 3:26
1. ብዙሓት ትውክልቶም ኣብ ኣምላኽ ከም ዝገብሩ እኳ እንተ ተዛረቡ: ኵሉ ግዜ ከምኡ ከም ዘይገብሩ ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገንዘብ “ኣብ ኣምላኽ ንውከል” ዝብል ጭርሖ ተጻሒፉ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ኵሎም እቶም ነዚ ባጤራ እዚ ዝጥቀሙ ኣብታ ሃገር ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ዘለዉ ሰባት ትውክልቶም ብሓቂ ኣብ ኣምላኽ ይገብሩዶ ኢዮም፧ ወይስ ዝያዳ ትውክልቶም ኣብቲ ገንዘብ ኢዮም ዝገብሩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ገንዘብ ናይታ ሃገር ወይ ዝዀነት ትኹን ካልእ ሃገር ትውክልቲ ምግባር ምስቲ ንሓይሉ ብዘይ ግቡእ ዘይጥቀምን ስስዐ ዘይብሉን ኵሉ ዝኽእል ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝግበር ትውክልቲ ክቃዶ ኣይክእልን ኢዩ። ኣምላኽ ብንጹር ቃላት ገይሩ ስስዐ ይዅንን ኢዩ።—ኤፌሶን 5:5
2. ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዛዕባ ሃብቲ ዘለዎ ናይ ምስዳዕ ሓይሊ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧
2 ሓቀኛታት ክርስትያናት እምንቶኦም ኣብቲ ‘ዘዐሹ’ ሃብቲ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ ኢዮም ዝገብሩ። (ማቴዎስ 13:22) ገንዘብ ሓጐስ ንምምጻእን ህይወት ንምዕቃብን ዘለዎ ሓይሊ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ሓይሊ ግን ከምኡ ኣይኰነን። (ጸፎንያስ 1:18) ስለዚ እምበኣር እቲ “ንሱ ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ዝብል ማዕዳስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጥበብ ዘለዎ ኰን ኢዩ!—እብራውያን 13:5
3. ናይ ዘዳግም 31:6 ትሕዝቶ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ መብርሂ እትህብ ብኸመይ ኢያ፧
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ እብራውያን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ክጽሕፈሎም ከሎ ነቲ ሙሴ ቀቅድሚ ሙማቱ ንእስራኤላውያን “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ: ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ: ስለዚ ጽንዑ: ትብዑ: ኣይትፍርሁ: ብኣታቶም ኣይትሸበሩ” ብምባል ዝሃቦም መምርሒ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። (ዘዳግም 31:6) እቲ ትሕዝቶ ኣምላኽ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ክቕርበሎም ምዃኑ ክተኣማመኑ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝገብረሎም እምንቶ ክህልዎም ሙሴ የተባብዖም ምንባሩ ኢዩ ዘርኢ። ብኸመይ፧
4. ኣምላኽ ትውክልቲ ክግበሮ ዝከኣል ምዃኑ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ኣረጋገጸሎም፧
4 ኣብቲ እስራኤላውያን ን40 ዓመታት ኣብ በረኻ ኰለል ዝበልሉ ግዜ ኣምላኽ ንህይወት ዘድልዮም ነገር ኣብ ምድላው እሙን ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 2:7፣ 29:5) ባዕሉ ይመርሖም እውን ነይሩ ኢዩ። እስራኤላውያን ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ንኽኣትዉ ቀትሪ ብደበና ለይቲ ድማ ብሓዊ ገይሩ ይመርሖም ምንባሩ መርኣያ ናይዚ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:8፣ 40:36-38) ናብ ምድሪ ተስፋ ዝኣትውሉ ግዜ ምስ በጽሐ ኸኣ እያሱ ንሙሴ ክትክኦ የሆዋ ሓረዮ። እቶም ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ክቃወሙ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ህዝቡ ስለ እተጓዕዘ ዝፈርህሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። እስራኤላውያን የሆዋ ትውክልቲ ክግበሮ ዝከኣል ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልጡ ቅቡል ዝዀነ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ!
5. እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ክርስትያናት ኵነታት ምስቲ እስራኤላውያን ቅድሚ ናብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም ዝነበረ ኵነታት ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧
5 ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ናብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ኣብ በረኻ ናይዛ እክይቲ ዓለም ኢዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ። ገሊኣቶም ንልዕሊ 40 ዓመታት ተጓዒዞም ኢዮም። ሕጂ ኣብ ዶብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኢዮም ደው ኢሎም ዘለዉ። ገና ግን ነቶም ካብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ጥንታዊት ምድሪ ተስፋ ናብ እትበልጽ ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት ዝዓናቕፉ ጸላእቲ ኣብ መገዲ ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር እተን “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብላ ጳውሎስ ዝደገመን ናይ ሙሴ ቃላት ነዞም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማምዓ ኰን ኢየን! ኵሎም እቶም ኣብ የሆዋ እሙንቶ ብምግባር ድልዱላትን ተባዓትን: ከምኡውን እምነቶም ሓልዮም ዝጸንሑ ሰባት ዓስቦም ከም ዝረኽቡ ርግጽ ኢዩ።
ኣብ ፍልጠትን ዕርክነትን እተመስረተ እምንቶ
6, 7.(ሀ)ነቲ ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኣብ ፈተና ዘእተዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብርሃም ናብቲ ንይስሃቅ ዝስዋኣሉ ቦታ ክኸይድ ከሎ ከመይ ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ፧
6 እቲ ንእስራኤላውያን ኣባሓጎኦም ዝነበረ ኣብርሃም ሓደ ግዜ ንወዱ ይስሃቅ ወሲዱ ዝሓርር መስዋእቲ ገይሩ ከቕርቦ ተኣዚዙ ነበረ። (ዘፍጥረት 22:2) እዚ ፈቃር ኣቦ እዚ ብኡንብኡ ፍቓደኛ ኰይኑ ንኽእዘዝ ኣብ የሆዋ ዘይዕጸፍ እምንቶ ክገብር ዘኽኣሎ እንታይ ኢዩ፧ እብራውያን 11:17-19 ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ: ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፤ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ: ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ: ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።”
7 ኣብርሃምን ይስሃቅን ናብቲ መስዋእቲ ዝግበሮ ቦታ ንኽበጽሑ ሰለስተ መዓልቲ ከም ዝወሰደሎም ዘክር። (ዘፍጥረት 22:4) ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ክገብሮ እተነግሮ ነገር ደጋጊሙ ንኽሓስበሉ እኹል ግዜ ነይርዎ ኢዩ። እቲ ዝነበሮ ስምዒት ክንግምቶዶ ምኽኣልና፧ ምውላድ ይስሃቅ ዘይተሓስበ ሓጐስ ኢዩ ኣምጺኡ ነይሩ። ምውላድ ይስሃቅ መለኮታዊ ኢድ ዝነበሮ ብምዃኑ: ነቲ ኣብርሃምን ሳራን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ከም ዝድልድል ገይርዎ ኢዩ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሮም ይስሃቅን ዘርኡን ኣብ መጻኢ ግዜ እንታይ ከም ዝዀኑ ክፈልጡ ሃርር ይብሉ ከም ዝነበሩ ርግጽ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብምኽንያት እቲ ኣምላኽ ክገብርዎ ዝሓተቶም ነገር ዝነበሮም ሕልሚ ብሃንደበት እተጐናደበዶ ኣይመስልን ኢዩ፧
8. እቲ ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ንይስሃቅ ከተንስኦ ከም ዝኽእል ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ገና ግን ልክዕ ከምቲ ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽ ኣብ ብሕታዊ ፍልጠት እተመርኰሰ እምንቶ ዘለዎም: ኣብርሃም እውን ከምኡ ዓይነት እምንቶ ኢዩ ነይርዎ። ኣብርሃም ከም ‘ፍቑር ኣምላኽ’ መጠን “ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።” (ያእቆብ 2:23) እቲ ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ንይስሃቅ ከተንስኦ ከም ዝኽእል ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ኣብርሃም ነቲ ክገብሮ እተሓተቶ ነገር ዘብርህ ብዙሕ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበሮ እቲ የሆዋ ክገብሮ ዝሓተቶ ነገር ግቡእ ምዃኑ ተረዲኡ ነይሩ ኢዩ። ከምኡ ክገብር ስለ ዝሓተቶ ንጽድቂ የሆዋ ኣብ ሕቶ ከእትዎ ምኽንያት ኣይነበሮን። ድሕርዚ መልኣኽ የሆዋ ንይስሃቅ ንመስዋእቲ ከይሕረድ ምስ ኣድሓኖ: ኣብርሃም ዝነበሮ እምንቶ ጸንዐ።—ዘፍጥረት 22:9-14
9, 10.(ሀ)ኣብርሃም ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ የሆዋ እምንቶ ከም ዘለዎ ዘርኣየ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ካብ ኣብርሃም እንታይ ኣድላዪ ትምህርቲ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
9 ኣብርሃም ገለ 25 ዓመታት ኣቐዲሙ እውን ኣብ ጽድቂ የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ከም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ። ሶዶምን ጎሞራን ከም ዝጠፍኣ መጠንቀቕታ ምስ ተነግሮ: ነቲ ወዲ ሓዉ ዝነበረ ሎጥ እውን ሓዊስካ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ጻድቃን ሰባት ተሻቐለ። በዘን ዝስዕባ ቃላት ገይሩ ኸኣ ንኣምላኽ ተማሕጸኖ:- “ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባኻ ይርሐቕ: እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ: ካባኻ ይርሐቕ። እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧”—ዘፍጥረት 18:25
10 እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ኣብርሃም የሆዋ ኣንጻር ጽድቂ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይገብር ይኣምን ነበረ። ጸኒሑ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ: ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 145:17) ንገዛእ ርእስና ‘ብዛዕባ ጽድቂ ኣምላኽ ከይተጠራጠርኩ ነቲ ከጋጥመኒ ዝፈቕዶ ነገር እቕበሎዶ ኢየ፧ ዝዀነ ይኹን ዘፍቅዶ ነገር ንረብሓይን ንረብሓ ካልኦትን ከም ዝኸውን እኣምን ድየ፧’ ኢልና ምስ እንሓትት ሰናይ ኢዩ። እወ ኢልና ክንምለስ እንተድኣ ክኢልና ካብ ኣብርሃም ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ተማሂርና ኣሎና ማለት ኢዩ።
ኣብቶም የሆዋ ዝሓርዮም እምንቶ ምግባር
11, 12.(ሀ) ንህዝቢ ኣምላኽ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ እምንቶ መዳይ ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ሓድሓደ እዋን ግድል ክዀነና ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ፧
11 እቶም ንየሆዋ እምንቶኦም ዝገብርዎ: ኣብቶም ዕላማታቱ ንኽፍጽሙ ንሱ ዝሓርዮም ሰባት እውን እምንቶ ይገብሩ ኢዮም። እዚ ንእስራኤላውያን ኣብ ሙሴን ኣብቲ ዳሕራይ ዝተክኦ እያሱን እምንቶ ምግባር ማለት ኢዩ ነይሩ። ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ድማ ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን እምንቶ ምግባር ማለት ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ንዘሎና ድማ ኣብቲ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ክህበና እተመዘዘ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ከምኡውን ኣብቶም ካብኡ እተዋጽኡ ኣማሓዳሪ ኣካል ዘቝሙ ሰባት እምንቶ ምግባር ማለት ኢዩ።—ማቴዎስ 24:45
12 ኣብቶም ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመርሑ ሰባት እምንቶ ምግባር ንጥቕሚ ገዛእ ርእስና ኢዩ። ከምዚ ተባሂልና ኣሎና:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።”—እብራውያን 13:17
ብዛዕባ እቶም የሆዋ ዝሓረዮም ናይ ርእስኻ ግምት ካብ ምሃብ ተሓሎ
13. ኣብቶም ክመርሑ እተመዘዙ ሰባት እምንቶ ንምግባር እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧
13 ኣብቶም ንህዝቢ የሆዋ ዝመርሑ ሰባት እምንቶ ብዛዕባ ምግባር ሚዛናውያን ንምዃን መጽሓፍ ቅዱስ ይሕግዘና ኢዩ። ንገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ንሓትት ንኸውን:- ‘ሙሴ ጌጋ ፈጺሙ ይፈልጦዶ ኢዩ፧ እቶም ሃዋርያት እቲ የሱስ ክህልዎም ዝደልዮ ዝነበረ ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኵሉ ግዜ የንጸባርቑዶ ነይሮም ኢዮም፧’ እቲ መልሲ ግልጺ ኢዩ። ዋላ እኳ ዘይፍጹማት እንተዀኑ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ እሙናትን ውፉያትን ሰባት ሓርዩ ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ እምበኣር: ኣብዚ እዋን እዚ እውን ሽማግለታት ዋላ እኳ ዘይፍጹማት እንተዀኑ: ‘ነታ ማሕበር ክጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ከም ዝሸሞም’ ገይርና ክንርእዮም ኣሎና። ኣኽብሮት ከነርእዮምን ክንድግፎምን ዝግብኦም ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28
14. የሆዋ ንኣሮን ወይ ድማ ንሚርያም ዘይኰነስ ንሙሴ ከም መራሒ ገይሩ ምምራጹ እንታይ ኢና ከነስተብህል እንኽእል፧
14 ኣሮን ንሙሴ ብሰለስተ ዓመት ይዓብዮ ነበረ: እንተዀነ ግን ክልቲኣቶም ድማ ካብ ሚርያም ሓብቶም ይንእሱ ነበሩ። (ዘጸኣት 2:3, 4፣ 7:7) ኣሮን ካብ ሙሴ ንላዕሊ ናይ ዘረባ ክእለት ስለ ዝነበሮ ድማ ናይ ሓዉ ኣፈኛ ክኸውን ተመዘዘ። (ዘጸኣት 6:29–7:2) ይኹን እምበር: የሆዋ ንእስራኤላውያን ንምምራሕ ነታ ዓባይ ዝነበረት ሚርያም ወይ ነቲ ክኢላ ተዛራባይ ዝነበረ ኣሮን ኣይሓረየን። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵሉ ረቛሒታትን ኣድላዪ ነገራትን መሰረት ብምግባር ኢዩ ንሙሴ ሓርይዎ። ኣሮንን ሚርያምን ኣብቲ ግዜ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል ስለ ዘይነበሮም “እግዚኣብሄርሲ ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧” ብምባል ኣጕረምረሙ። እታ ቀንዲ መለዓዓሊት ናይቲ ነገር ነይራ ክትከውን እትኽእል ሚርያም ነቲ የሆዋ ዝሓረዮ ኣኽብሮት ስለ ዘየርኣየት ተቐጽዐት። ንሳን ኣሮንን እቲ የሆዋ ዝሓረዮ ሙሴ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል” ምዃኑ ክግንዘቡ ነበሮም።—ዘሁልቍ 12:1-3, 9-15
15, 16. ካሌብ ኣብ የሆዋ እምንቶ ከም ዘለዎ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ነታ ምድሪ ተስፋ ዝስልዩ 12 ሰለይቲ ምስ ተላእኩ: እቶም 10 ኣሉታዊ ጸብጻብ ኣቕረቡ። ብዛዕባ እቶም “ነዋሕቲ ሰባት” ዝዀኑ ከንኣናውያን ብምዝራብ ነቶም እስራኤላውያን ፍርሂ ኣእተውሎም። እዚ ድማ ንእስራኤላውያን ‘ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ከም ዘጕረምርሙ’ ገበሮም። እንተዀነ ግን: ኵሎም እቶም ሰለይቲ ኣይኰኑን ኣብ ሙሴን ኣብ የሆዋን ዝነበሮም እምንቶ ዘጥፍኡ። ከምዚ ነንብብ:- “ካሌብ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ: ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ: ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ: ድማ በለ።” (ዘሁልቍ 13:2, 25-33፣ 14:2) እያሱ እውን ልክዕ ከምቲ ናይ ካሌብ ጽኑዕ መትከል ኢዩ ነይርዎ። ክልቲኦም “እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ: ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ: ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና: ንሳውን ኪህበና እዩ። . . . ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። . . . እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ: ኣይትፍርህዎም” ምስ በሉ እምንቶኦም ኣብ የሆዋ ከም ዝገበሩ ኣርኣዩ። (ዘሁልቍ 14:6 -9) ኣብ የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ብምግባሮም ተባሪኾም ኢዮም። ካብቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ካሌብን እያሱን ገለ ሌዋውያንን ጥራይ ኢዮም ናብታ ምድሪ ተስፋ ንኽኣትዉ መሰል ዝረኸቡ።
16 ገለ ዓመታት ጸኒሑ ካሌብ ከምዚ በለ:- “ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ። . . . ሕጂ ድማ እንሆ: እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ: እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ: ከምቲ ዝበሎ: እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ: ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ አለኹ። ከምታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ: ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ አሎ . . . ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ ሕጂ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ።” (እያሱ 14:6-11) እቲ ካሌብ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ: ተኣማንነቱ: ከምኡውን ኣካላዊ ክእለቱ እሞ ተዓዘቦ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንሙሴ ክትክኦ ኢሉ ንካሌብ ኣይሓረዮን። እዚ መሰል እዚ ንእያሱ ኢዩ ተዋሂቡ። የሆዋ ክሓሪ ከሎ ምኽንያት ከም ዘለዎ: እቲ ዝሓረዮ ድማ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና።
17. ንጴጥሮስ ሓላፍነት ክቕበል ዘይበቅዕ ዘምሰሎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
17 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጐይትኡ ሰለስተ ግዜ ክሒድዎ ኢዩ። ንእዝኒ እቲ ሊቀ ካህናት ብምቝራጽ ብስምዒት ተለዓዒሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጕምቲ እውን ወሲዱ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:47-55, 69-75፣ ዮሃንስ 18:10, 11) ገሊኣቶም ጴጥሮስ ፈራህን ሚዛኑ ዘይሕሉን ብምዃኑ ፍሉይ መሰላት ክወሃቦ ብቑዕ ኣይነበረን ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ንሰለስተ ጕጅለ ሰባት ናብ ሰማያዊ ጽውዓ ንኽኣትዉ ክኸፍተሎም መርሖ መንግስተ ሰማያት ናይ ምቕባል መሰል ዝረኸበ መን ኢዩ፧ ጴጥሮስ ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-41፣ 8:14-17፣ 10:1-48
18. እንታይ ይሁዳ ዝጠቐሶ ጌጋ ኢና ከነወግዶ እንደሊ፧
18 እዚ ኣብነታት እዚ ብደጋዊ ትርኢት ምእንቲ ከይንፈርድ ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ዘርኢ ኢዩ። ኣብ የሆዋ እምንቶና ንገብር እንተድኣ ዄንና ብዛዕባ እቶም ንሱ ዝሓረዮም ሰባት ኣይንጠራጠርን ኢና። ምድራዊት ማሕበሩ በቶም ክጋገዩ ከም ዝኽእሉ ዝግንዘቡ ዘይፍጹማት ሰባት ዝቘመት እኳ እንተዀነት: ብዘደንቕ መገዲ ይጥቀመሎም ኣሎ። እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ይሁዳ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቶም ‘ንጕይትነት ዘቃልሉ: ንመዓርጋት ክብሪ ዝጸርፉ’ ሰባት ክጥንቀቑ ነጊርዎም ኢዩ። (ይሁዳ 8-10) ፈጺምና ከምኦም ክንከውን ኣይግብኣናን ኢዩ።
19. ብዛዕባ እቶም የሆዋ ዝሓረዮም ሰባት ናይ ገዛእ ርእስና ግምት ክንህብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
19 የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ሓደ ፍሉይ እዋን በቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲ ክመርሕዎም ዝኽእሉ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሰባት ገለ ሓላፍነት ንኽህቦም ይሓርዮም ኢዩ። ኣብቲ የሆዋ ዝመደበና ቦታ ኴንና ዓጊብና ብትሕትና ብምግልጋል ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ዝሓረዮም ሰባት ናይ ገዛእ ርእስና ግምት ኣብ ክንዲ ንህብ ነዚ ሓቂ እዚ ክንግንዘቦ ክንጽዕር ኣሎና። በዚ ድማ ንየሆዋ እምንቶና ከም ዝገበርናዮ ነርኢ።—ኤፌሶን 4:11-16፣ ፊልጲ 2:3
ኣብ ጽድቂ የሆዋ እምንቶ ከም ዘሎካ ምርኣይ
20, 21. ካብቲ ኣምላኽ ምስ ሙሴ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
20 ሓድሓደ እዋን ኣብ ገዛእ ርእስና ካብ መጠን ንላዕሊ እምንቶ ብምግባር ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ነጥፍእ እንተድኣ ኴንና ካብ ሙሴ ንማሃር። ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ: ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ናጻ ከውጽኦም ባዕሉ ተበግሶ ወሰደ። እቲ ዝገበሮ ጻዕርታት ብጽቡቕ መንፈስ እተለዓዓለ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ንእስራኤላውያን ብኡንብኡ ከም ዝድሕኑ ኣይገበሮምን: ንገዛእ ርእሱ እውን እንተዀነ ዝሓሸ ኵነታት ኣየምጽኣሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንኽሃድም ተገደደ። ኣብ ዘይፈልጦ ሃገር ን40 ዓመታት ኣዝዩ ዘሸግር ልምምድ ምስ ወሰደ ጥራይ ኢዩ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ክገብሮ ደልዩ ዝነበረ ነገር ንኽገብር እተሓርየ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓገዝ የሆዋ ከም ዝረክብ እምንቶ ክገብር ይኽእል ነበረ: ከመይሲ እቲ ኵነታት ከምቲ የሆዋ ዝደልዮን ኣብቲ ዝመደቦ ግዜን ኢዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 2:11–3:10
21 ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ኢዩ:- ‘ንነገራት ከቀላጥፍ ወይ ብናይ ገዛእ ርእሰይ መገዲ ንምግባር ብምጽዓር ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ወይ ነቶም ኣብ ጉባኤ እተመዘዙ ሽማግለታት እቕድሞም ድየ፧ ገለ መሰላት ኣብ ምርካብ እተረሳዕኩ ኰይኑ ኣብ ክንዲ ዝስመዓኒ: ነቲ ብቐጻሊ ዝወሃበኒ ልምምድ እቕበሎ ድየ፧’ ካብ ሙሴ ጠቓሚ ትምህርቲዶ ረኺብና ኢና፧
22. ሙሴ ዓቢ መሰል እኳ እንተ ኣጥፍአ: ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ተሰምዖ፧
22 ኣብ ርእሲ እዚ: ካብ ሙሴ ካልእ ትምህርቲ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ዘሁልቍ 20:7-13 ብዙሕ ጕድኣት ዘስዓበሉ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ትነግረና። ነቲ ንእስራኤላውያን መሪሑ ናብ ምድሪ ተስፋ ንኽኣቱ ዝነበሮ መሰል ኣጥፍአ። እቲ የሆዋ ዝወሰዶ ስጕምቲ ፍትሓዊ ኣይኰነንዶ ኢሉ ኢዩ፧ የሆዋ ጽቡቕ ኣይፈደየንን ብምባል ርእሱ ብምፍላይ ምስራሕ ኣብዩዶ ኢዩ፧ ሙሴ እቲ ኣብ ጽድቂ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኣጥፊኡዶ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ኣብቲ ሙሴ ባዕሉ ቀቅድሚ ሙማቱ ንእስራኤላውያን እተዛረቦም ቃላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ሙሴ ብዛዕባ የሆዋ ከምዚ በለ:- “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።” (ዘዳግም 32:4) ሙሴ ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ክሳዕ መወዳእታ ዓቂብዎ ኢዩ። ንሕናኸ፧ ነቲ ኣብ የሆዋን ጽድቁን ዘሎና እምንቶ ንምሕያል ብብሕትና ስጕምቲ ንወስድ ዲና፧ ከምዚ ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እስከ ንርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ ንኽውከሉ እንታይ ምኽንያታት ነበሮም፧
◻ ብዛዕባ እምንቶ ምግባር: ካብ ኣብርሃም እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
◻ ብዛዕባ እቶም የሆዋ ዝሓረዮም ሰባት ናይ ገዛእ ርእስና ግምት ክንህብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ የሆዋ እምንቶ ምግባር ነቶም ንጉባኤ ዝመርሑ ሰባት ምኽባር እውን ዘጠቓልል ኢዩ