ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ብምዃን ዕቝባ ርኸብ
“ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ።”—ምሳሌ 18:10
1. ብመሰረት እቲ ናይ የሱስ ጸሎት ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ከቢድ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ፧
የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ክንዲ ሰዓብቱ ናብ ሰማያዊ ኣቡኡ ጸለየ። ብፍቕራዊ ሓልዮት ተለዓዒሉ ከምዚ በለ:- “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ: ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።” (ዮሃንስ 17:14, 15) የሱስ ዓለም ንክርስትያናት ሓደገኛ ቦታ ከም እትኸውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣብኣቶም ዘለዋ ጽልኢ ብዛዕብኦም ብምሕሳውን ኣብ ልዕሊኦም መስጐጕቲ ብምውራድን ኢያ እተርእዮ። (ማቴዎስ 5:11, 12፣ 10:16, 17) ምንጪ ብልሽውና እውን ኢያ።—2 ጢሞቴዎስ 4:10፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16
2. ክርስትያናት መንፈሳዊ ናይ ዕቝባ ቦታ ክረኽቡ ዝኽእሉ ኣበይ ኢዮም፧
2 እታ ንክርስትያናት እትጸልኦም ዓለም በቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ እሞ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ዘለዉ ሰባት ዝቘመት ኢያ። (1 ዮሃንስ 5:19) እዛ ዓለም እዚኣ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዝያ ዝዓበየት ኢያ: ሰይጣን እውን ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሓየለ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር እቲ ናይ ዓለም ጽልኢ ብሓቂ ዘስግእ ኢዩ። ሰዓብቲ የሱስ ኣበይ ኢዮም መንፈሳዊ ዕቝባ ክረኽቡ ዝኽእሉ፧ እቲ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1922 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ሓሳባት ከምዚ ብምባል መልሱ ጠቒሱልና ኣሎ:- “ሎሚ ኣብ ክፉእ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብ መንጎ ማሕበር ሰይጣንን ማሕበር ኣምላኽን ውግእ ይካየድ ኢዩ ዘሎ። ብርቱዕ ውግእ ኸኣ ኢዩ።” ኣብዚ ግርጭት እዚ ማሕበር ኣምላኽ መንፈሳዊ ዕቝባ ዝርከባ ቦታ ኢያ። ኣብ 1920ታት እዛ “ማሕበር ኣምላኽ” እትብል መግለጺት ሓዳስ ኢያ ነይራ። እዛ ማሕበር እዚኣ እምበኣር እንታይ ኢያ፧ ኣብኣ ክንዕቈብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
ማሕበር የሆዋ
3, 4. (ሀ)ብመሰረት ሓደ መዝገበ ቃላት ከምኡውን ሓንቲ ግምቢ ዘብዐኛ: ማሕበር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣህጉራዊ ሕውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ማሕበር ክበሃል ዝከኣል በየናይ መገዲ ኢዩ፧
3 ብመሰረት ኮንሳይስ ኦክስፎርድ ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ማሕበር ክበሃል ከሎ “እተመሓደረ ኣካል” ማለት ኢዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ እምበኣር እቶም ሃዋርያት ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ከከባቢኦም ጉባኤታት ብምቛም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ስለ ዘመሓደርዎም: ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ‘ኣሕዋት’ ከም ማሕበር ገይርካ ክትዛረበሎም ግቡእ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሰራርዓ ኢዩ ዘለዎም። ሓድነት ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣካል በቶም “ጓሶትን መምህራንን” ዝርከብዎም “ውህበት ሰብኡት” (NW ) ኢዩ ዝጸንዕ ነይሩ። ገለ ካብዚኣቶም ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ እናተጓዕዙ ከገልግሉ ከለዉ ካልኦት ከኣ ኣብ ገጉባኤኦም ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። (ኤፌሶን 4:8, 11, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ሓድነት ናይዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ “ውህበት” ኢዩ ዝጸንዕ።
4 ናይ 1 ሕዳር 1922 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እታ “ማሕበር” እትብል ቃል ከምዚ በለት:- “ማሕበር ክበሃል ከሎ ሓደ ዕላማ ንምፍጻም ዝቘመ ናይ ሰባት ሕብረት ማለት ኢዩ።” እታ ግምቢ ዘብዐኛ ቀጺላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማሕበር ተባሂሎም ምጽውዖም “ኣጠቓቕማ ናይታ ስያመ ኣንቈራ” ኢዮም ማለት ከም ዘይኰነ: “ኣብ ክንድኡ ግን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ዕላማ ኣምላኽ ክፍጽሙን ከምቲ ጐይታ ንዅሉ በብስርዓቱ ዝገብሮ ንሳቶም እውን ከምኡ ክገብሩ ኢዮም ዝጽዕሩ” ብምባል ትገልጽ። (1 ቈረንቶስ 14:33) ሃዋርያ ጳውሎስ: እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናትውን ብስርዓት ከም እተመላለሱ ገሊጹ ኢዩ። ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብጾቱ ምስቲ ብዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ሰብኣዊ ኣካል ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ሰብኣዊ ኣካል ብግቡእ ምእንቲ ክዓዪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እተዋህቦ ዕዮ ይፍጽም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 12:12-26) ንሓንቲ ማሕበር ካብዚ ንላዕሊ ገይሩ ክገልጻ ዝኽእል ምሳሌ የለን! ክርስትያናት እተመሓደሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ “ዕላማ ኣምላኽ” ምእንቲ ክፍጽሙ: እወ ፍቓድ የሆዋ ምእንቲ ክገብሩ ኢዩ።
5. እትርአ ማሕበር ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
5 ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ሓደ ‘ህዝቢ’ ኰይኖም ኣብ ሓንቲ ‘ሃገር’ ብምጥርናፍ ክሓብሩ እሞ ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ከብርሁ’ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:8፣ ፊልጲ 2:15) ሎሚ እዚ እተመሓደረ “ህዝቢ” ቍጽሩ ካብ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ንላዕሊ በጺሑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 60:8-10, 22) ይኹን እምበር: ማሕበር ኣምላኽ ክትበጽሖ እትኽእል ናይ መወዳእታ ስፍሓት እዚ ጥራይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መላእኽቲውን እቱዋት ኢዮም።
6. ብዝሰፍሐ ደረጃ ክትርአ ኸላ: ማሕበር ኣምላኽ ብመን ዝቘመት ኢያ፧
6 መላእኽቲ ምስ ሰብኣውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኖም ዝዓይሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። (ዘፍጥረት 28:12፣ ዳንኤል 10:12-14፣ 12:1፣ እብራውያን 1:13, 14፣ ራእይ 14:14-16) እታ ናይ 15 ግንቦት 1925 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ምስዚ ሓሳባት እዚ ብምስምማዕ “ኵሎም ቅዱሳት መላእኽቲ ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ኢዮም” በለት። ብተወሳኺውን “ርእሲ ማሕበር ኣምላኽ ብምዃን: ኵሉ ሓይልን ስልጣንን ዝሓዘ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ [ኢዩ]” በለት። (ማቴዎስ 28:18) ስለዚ እምበኣር: ብዝሰፍሐ ደረጃ ክትርአ ኸላ: ማሕበር ኣምላኽ ብዅሎም እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ሓቢሮም ዝዓዩ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ኣካላት ዝቘመት ኢያ። (ሳጹን ርአ።) ክፍሊ ናይዛ ማሕበር እዚኣ ኽትከውንሲ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን ኢዩ! ኵሎም ሰማያውያንን ምድራውያንን ህያዋን ፍጥረታት ሓቢሮም ንየሆዋ ኣምላኽ ንምውዳስ ዝመሓደርሉ ግዜ ክትጽበኸ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (ራእይ 5:13, 14) ይኹን እምበር: ሎሚ ማሕበር ኣምላኽ እትህበና ዕቝባ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዕቝባ ትረክብ—ብኸመይ፧
7. ማሕበር ኣምላኽ በየናይ መገዲ ኢያ እተዕቍበና፧
7 ማሕበር ኣምላኽ ካብ ሰይጣንን መስድዒታቱን ንኽንሕሎ ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ። (ኤፌሶን 6:11) ሰይጣን ንኣምለኽቲ የሆዋ ጸቕጥታት: መስጐጕትታትን ፈተናታትን ዘውርደሎም ኣብ ኣእምሮኡ ሓደ ሸቶ ብምሓዝ ኢዩ። ንሱ ኸኣ ካብታ ‘ዝኸዱላ መገዲ’ ከም ዘላግሱ ንኽገብሮም ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17፣ ምስ ማቴዎስ 4:1-11 ኣረኣእዮ።) ነዞም መጥቃዕትታት እዚኣቶም ኣብዚ ኣገባብ እዚ ምሉእ ብምሉእ ከነወግዶም ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: እቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ማሕበሩን ዘሎና ጥብቂ ርክብ የጽንዓናን የዕቝበናን ኢዩ: በዚ ድማ ካብታ “መገዲ” እቲኣ ከይንወጽእ ይሕግዘና። መወዳእትኡ ኸኣ ንተስፋና ብዝምልከት ዕዉታት ኴንና ንርከብ።
8. እታ ዘይትርአ ማሕበር የሆዋ ነቶም ምድራውያን ኣገልገልቱ እትድግፎም ብኸመይ ኢያ፧
8 ማሕበር ኣምላኽ ነዚ ዕቝባ እዚ እትህበና ብኸመይ ኢያ፧ ቀዳማይ: ዘተኣማምን ደገፍ ናይቶም መንፈሳውያን ኣገልግልቲ የሆዋ ኣሎና። የሱስ ከቢድ ጸቕጢ ምስ ወረዶ: ሓደ መልኣኽ ኣገልጊልዎ ኢዩ። (ሉቃስ 22:43) ጴጥሮስ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞ: ሓደ መልኣኽ ብተኣምራት ኣድሓኖ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:6-11) ሎሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ተኣምራት እኳ እንተዘየለ: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ናይ ስብከት ዕዮኦም ካብ መላእኽቲ ደገፍ ክረኽቡ ምዃኖም መብጽዓ ተገይሩሎም ኢዩ። (ራእይ 14:6, 7) መብዛሕትኡ ግዜ ከቢድ ኵነታት ከጋጥሞም ከሎ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይረኽቡ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 4:7) ኣብ ርእሲ እዚውን ‘መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍርን የናግፎምን’ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም።—መዝሙር 34:7
9, 10. “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ጽኑዕ ግምቢ እዩ” ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ: እዚ ስርዓት እዚ ንማሕበር ኣምላኽ ብሓፈሻ ከመልክት ዝኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧
9 እታ እትርአ ማሕበር የሆዋ እውን ዕቝባ ኢያ። ብኸመይ፧ ኣብ ምሳሌ 18:10 “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ዝብል ነንብብ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ስቕ ኢልካ ንስም ኣምላኽ ብምጽዋዕ ጥራይ ዕቝባ ይርከብ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ስም ኣምላኽ ምዕቋብና ኣብ የሆዋ ባዕሉ ትውክልቲ ምግባርና ዘመልክት ኢዩ። (መዝሙር 20:1፣ 122:4) እዚ ኸኣ ሉዓላውነቱ ምድጋፍ: ንሕግታቱን መሰረታዊ ስርዓታቱን ክብ ኣቢልካ ምርኣይ: ኣብ መብጽዓታቱ ድማ እምነት ምግባር ዘመልክት ኢዩ። (መዝሙር 8:1-9፣ ኢሳይያስ 50:10፣ እብራውያን 11:6) ንየሆዋ ፍሉይ ተወፋይነት ምሃብ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ንየሆዋ በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ዘምልኽዎ ጥራይ ኢዮም ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ኰይኖም “ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቊብና ኢና እሞ: ልብና ብእኡ [ብየሆዋ] ይሕጐስ አሎ” ክብሉ ዝኽእሉ።—መዝሙር 33:21፣ 124:8
10 ሕጂ እቶም ኣብታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዉ ዅሎም ምስ ሚክያስ ኰይኖም “ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። (ሚክያስ 4:5) ኣባላት ናይዛ ዘመናዊት ማሕበር እዚኣ ኣብ ዙርያ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ንስሙ [ዝዀኑ] ህዝቢ” ተባሂሎም እተጸውዑ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ይእከቡ ኣለዉ። (ገላትያ 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:14፣ ኢሳይያስ 43:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 2:17) ስለዚ እምበኣር ክፍሊ ማሕበር የሆዋ ምዃን ክበሃል ከሎ ክፍሊ ናይቶም ኣብ ስም ኣምላኽ ክዕቈቡ ዝደልዩ እሞ ዕቝባ ዝረኽቡ ሰባት ምዃን ማለት ኢዩ።
11. ማሕበር የሆዋ ነቶም ክፍሊ ናታ ዝዀኑ ዕቝባ እተዳሉ በየናይ ፍሉይ መገድታት ኢያ፧
11 ብተወሳኺ: እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ናይ እምነት ማሕበረሰብ: በቶም ንሓድሕዶም ዝተሃናነጹን ዝተባብዑን ኣመንቲ ብጾት ዝቘመት ኢያ። (ምሳሌ 13:20፣ ሮሜ 1:12) ክርስትያን ጓሶት ነተን ኣባጊዕ ዝሓልዩለን: ነቶም ሕሙማትን ጭኑቓትን ዘተባብዑሉ: ነቶም ካብ መስመር ዝወጹ ኸኣ ክመልስዎም ዝጽዕርሉ ቦታ ኢዩ። (ኢሳይያስ 32:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 5:2-4) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በታ ማሕበር ኣቢሉ ‘መግቢ በብግዜኡ’ የዳሉ። (ማቴዎስ 24:45) እቲ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ “ባርያ:” ኣዝዩ ጽቡቕ መንፈሳዊ ነገራት ኢዩ ዘዳሉ: እዚ ድማ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ዝኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ርጡብ ፍልጠት ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ሳላ መሪሕነት ናይዚ “ባርያ” እዚ: ክርስትያናት ጽፉፍ ናብራ ክነብሩን ኣብቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓደገኛ ኵነታት ድማ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ኰይኖም ክመላለሱን ክኢሎም ኢዮም። (ማቴዎስ 10:16) ኵሉ ግዜ ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ክዀኑ’ እውን ተሓጊዞም ኢዮም: እዚ ድማ ንባዕሉ ጽኑዕ ዕቝባ ኢዩ ዝዀኖም።—1 ቈረንቶስ 15:58
ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑ መን ኢዮም፧
12. ከም ክፍሊ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ኰይኖም ዝልለዩ መን ኢዮም፧
12 እዚ ዕቝባ እዚ እቶም ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑ ጥራይ ዝረኽብዎ ብምዃኑ: ክፍሊ እታ ማሕበር በዓል መን ኢዮም፧ ብዛዕባ እታ ሰማያዊት ማሕበር ዝመጸ: መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ እንታይ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ሰማይ የለዉን። እቶም እሙናት መላእኽቲ ግን ገና ኣብቲ ናይ ሰማይ ‘ጉባኤ’ ኢዮም ዘለዉ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት: እቲ “ገንሸል:” እቶም ኪሩቤል (“ኣርባዕተ ህያዋን ፍጥረታት”): ከምኡውን “ብዙሓት መላእኽቲ” ኣብ ጥቓ ዝፋን ኣምላኽ ረኣየ። ምስኣቶም ከኣ እቶም 24 ሽማግለታት—ነቶም ድሮ ኣብቲ ክቡር ዝዀነ ሰማያዊ ውርሻኦም ዝኣተዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ዘመልክቱ—ኣለዉ። (እብራውያን 12:22, 23፣ ራእይ 5:6, 11 NW ፣ 12:7-12) ኵሎም እዚኣቶም ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ንጹር ኢዩ። ኣብ ደቅሰብ እንተድአ መጺእና ግን ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን።
13. የሱስ ነቶም ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑን ዘይኰኑን ብኸመይ ኢዩ ፈላልይዎም ዘሎ፧
13 የሱስ ብዛዕባ እቶም ከም ዝስዕብዎ ዝዛረቡ ሰባት ከምዚ በለ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ: ክብሎም እየ።” (ማቴዎስ 7:22, 23) ሓደ ሰብ ገባር ዓመጻ እንተድኣ ዀይኑ ንሱ ባዕሉ ዝብሎ እንታይ ምዃኑ: ንኸምልኽ ዝኸዶ ቦታውን ኣበይ ምዃኑ ብዘየገድስ ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። የሱስ ንሓደ ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ብኸመይ ከም ዝልለ ሓቢሩ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግሰተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን።”—ማቴዎስ 7:21
14. እቶም ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ግድን ክገብርዎ ዘለዎም ናይ ፍቓድ ኣምላኽ መዳያት እንታይ ኢዩ፧
14 ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ክፍሊ ናይታ “መንግስተ ሰማያት” ማእከላ ዝዀነት ማሕበር ኣምላኽ ንምዃን ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር ኣለዎ። ፍቓዱኸ እንታይ ኢዩ፧ ጳውሎስ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር” ብምባል ንሓደ ካብቲ ቀንዲ መዳይ ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ጠቒስዎ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ሓደ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ክረክብ: ኣብ ናብራ ህይወቱ ከውዕሎ: ኣብ “ዅሉ ሰብ” ከኣ ከብጽሖ ብሓቂ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ፍቓድ ኣምላኽ ይገብር ኣሎ ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ሮሜ 10:13-15) ኣባጊዕ ኣምላኽ ክምገባን ሓልዮት ክረኽባን እውን ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። (ዮሃንስ 21:15-17) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዓቢ ግደ ኢዩ ዘለዎ። ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ክእከብ ናጻ ክነሱ ሸለል ዝብል እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ሞሳ ኣይርእን ኣሎ ማለት ኢዩ።—እብራውያን 10:23-25
ፈታው ዓለም ምዃን
15. ያእቆብ ነተን ኣብ ግዜኡ ዝነበራ ጉባኤታት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበን፧
15 ድሕሪ ሞት የሱስ 30 ዓመት ጸኒሑ: እቲ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ዝኽእል ገለ ረቛሒታት ጠቒሱ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ከኣ ጸሓፈ:- “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምብኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።” (ያእቆብ 4:4) ሓደ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ፈታው ዓለም ምዃን ክበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሕማቕ ምሕዝነት ምዅስኳስ ወይ ኣብኡ ምጽማድ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ግን ያእቆብ ናብ ሓደ ፍሉይ ነገር እዚ ድማ ናብ ሕማቕ ጠባይ ዝመርሕ ግጉይ ኣተሓሳስባ ምጥራይ ኢዩ ዘተኵር ነይሩ።
16. ያእቆብ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑ መጠንቀቕታ ክህብ ከሎ ዘቕረቦ ሓሳባት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
16 ኣብ ያእቆብ 4:1-3 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ: ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን: ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ: ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም: ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን። ትልምኑ ኢኹም እሞ: ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ: ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም: ኣይትቕበሉን ኢኹም።” ያእቆብ ነዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ጸሓፈ ኢዩ ፈተውቲ ዓለም ከይንኸውን ዘጠንቀቐ።
17. ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ “ውግእን” “ባእስን” ዝነበረ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
17 ድሕሪ ሞት ያእቆብ ዘበናት ጸኒሑ: ናይ ሓሶት ክርስትያናት ቃል ብቓሉ ንሓድሕዶም ተዋጊኦምን ተቓቲሎምን ኢዮም። ይኹን እምበር ያእቆብ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣባላት ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ዝዀኑ ‘ካህናትን ነገስታትን’ ንምዃን ከኣ ተስፋ ዝነበሮም ሰባት ኢዩ ዝጽሕፈሎም ነይሩ። (ራእይ 20:6) ቃል ብቓሉ ብምውጋእ ንሓድሕዶም ከም ዘይተሓራረዱ ወይ ከም ዘይተቐታተሉ ፍሉጥ ኢዩ። ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ያእቆብ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ማእከል ክርስትያናት ከም ዝነበረ ገይሩ እተዛረበሉ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ንሓዉ ዝጸልእ ዘበለ ዅሉ ቀታል ነፍሲ ኢዩ ኢልዎ ኣሎ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብተን ጉባኤታት ዝነበረ ናይ ባህርያት ምግርጫውን ጽልእን ከም “ባእስን” “ቃልስን” ገይሩ ተዛሪቡሉ ኣሎ። (ቲቶስ 3:9 NW ፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:14፣ 1 ዮሃንስ 3:15-17) ያእቆብ እውን ንብጾትካ ክርስትያናት ዘይምፍቃር ዝምልከት ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ከም ዝነበረ ግሁድ ኢዩ። ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ርክብ ልክዕ ከምቲ ዓለማውያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ርክብ ኢዩ ዝመስል ነይሩ።
18. ኣብ ማእከል ክርስትያናት ፍቕራዊ ናብ ዘይኰነ ስጕምትታትን ስምዒታትን ክመርሕ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
18 ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝርአ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስስዐን ‘ፍትወት ስጋን’ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣመለኻኽታ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ትዕቢት: ቅንእን ህርፋንን እውን ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ክርስትያናዊ ብጻይነት ይዘርጎ ኢዩ። (ያእቆብ 3:6, 14) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ንሓደ ሰብ ፈታው ዓለም ይገብሮ: በዚ ድማ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን። ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ ክፍሊ ናይ ማሕበር ኣምላኽ ክኸውን ክጽበ ኣይክእልን ኢዩ።
19. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣብ ልቡ ሱር ይሰድድ ከም ዘሎ እንተድኣ ተገንዚቡ ብቐዳምነት መን ኢዩ ዝሕተት፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ንግጉይ ኣተሓሳስባ ከሰንፎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
19 ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣብ ኣልባብና ሱር ይሰድድ ምህላዉ እንተድኣ ተገንዚብና ንመን ኢና ክንወቕሶ እንኽእል፧ ንሰይጣን፧ እወ: ብመጠኑ። ንሱ “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ናይታ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ኣስፋሕፊሑላ ዘሎ ዓለም ኢዩ። (ኤፌሶን 2:1, 2፣ ቲቶስ 2:12) ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ሱር ናይቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ዘይፍጹም ስጋና እተመርኰሰ ኢዩ። ያእቆብ ፈተውቲ ዓለም ከይንኸውን ምስ ኣጠንቀቐ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ክሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧” (ያእቆብ 4:5) ኵላትና ዝወረስናዮ ጌጋ ናይ ምፍጻም ዝንባለ ኣሎና። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 7:18-20) ይኹን እምበር: ንድኻማትና ኣፍልጦ እንተድኣ ሂብናሉ ንኸነሰንፎ ድማ ኣብ ሓገዝ የሆዋ ንውከል እንተድኣ ዄንና ነዚ ዝንባለ እዚ ክንቃለሶ ንኽእል ኢና። ያእቆብ “ንሱ [ኣምላኽ] ግና ኣብዚሑ [ካብቲ ዝወረስናዮ ናይ ቅንኢ ዝንባለ ዝበዝሕ] ጸጋ ይህብ” በለ። (ያእቆብ 4:6) ሳላ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝን ናይቶም እሙናት ክርስትያናት ኣሕዋት ደገፍን ከምኡውን ካብ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ስለ ዝጥቀሙን እሙናት ክርስትያናት በቲ ናይ ስግኦም ድኻማት ኣይስነፉን ኢዮም። (ሮሜ 7:24, 25) ፈተውቲ ኣምላኽ ድኣ እምበር ፈተውቲ ዓለም ብዘይምዃኖም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዕቝባ ረኺቦም ኢዮም።
20. እቶም ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑ ከመይ ዝበለ ብዙሕ በረኸታት ኢዮም ዝረኽቡ፧
20 መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ: እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ” ብምባል ይመባጻዕ። (መዝሙር 29:11) ብሓቂ ክፍሊ ናይዚ ዘመናዊ ‘ህዝቢ’ የሆዋ ማለት ምድራዊት ማሕበሩ እንተድኣ ዄንና ነቲ ዝህቦ ሓይሊ ክንረኽቦ: ነቲ ንህዝቡ ዝባርኸሉ ሰላም ከኣ ከነስተማቕሮ ኢና። ናይ ሰይጣን ዓለም ካብታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ኣጸቢቓ ከም እትዓቢ ሰይጣን ድማ ካባና ኣጸቢቑ ከም ዝሕይል ዘይከሓድ ኢዩ። የሆዋ ግን ኵሉ ዝኽእል ኢዩ። እቲ መስለጢ ሓይሉ ኣይርአን ኢዩ። እቶም ሓያላት መላእኽቱውን ምሳና ሓቢሮም ኢዮም ዘገልግልዎ። ስለዚ እምበኣር ጽልኢ ዘጋጥመና እኳ እንተዀነ ጸኒዕና ደው ክንብል ንኽእል ኢና። ከም የሱስ ንዓለም ክንስዕራ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 16:33፣ 1 ዮሃንስ 4:4
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
◻ ማሕበር ኣምላኽ በየናይ መገድታት ኢያ ዕቝባ እትህብ፧
◻ ክፍሊ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑ መን ኢዮም፧
◻ ፈተውቲ ዓለም ካብ ምዃን ክንሕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ማሕበር ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት: እታ “ማሕበር ኣምላኽ” እትብል ስያመ ብሰለስተ መገድታት ኢያ እትግለጽ።
1 እታ በቶም እሙናት መንፈሳውያን ፍጥረታት ዝቘመት ዘይትርአ ሰማያዊት ማሕበር። እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ተባሂላ ኣላ።—ገላትያ 4:26
2 ብሰባት ዝቘመት እትርአ ማሕበር የሆዋ። ሎሚ እዛ ማሕበር እዚኣ በቶም ቅቡኣት ተረፍን ዓቢ ጭፍራን ዝቘመት ኢያ።
3 ኣድማሳዊት ማሕበር የሆዋ። ሎሚ እዛ ማሕበር እዚኣ ነቶም ውልድነት ዝረኸቡ መንፈሳዊ ተስፋ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣቱ ሓዊስካ በታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ዝቘመት ኢያ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ እቶም ኣብ ፍጽምና ዝበጽሑ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ደቅሰብ ክሕወስዋ ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ዝበለጸ መንፈሳዊ መግቢ ብማሕበር የሆዋ ኣቢሉ ይዳሎ ኣሎ