ንቑሕን ትጉህን ኩን!
“እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።”—ማቴዎስ 25:13
1. ሃዋርያ ዮሃንስ ናበይ ኢዩ ዝጥምት ነይሩ፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘሎ ናይ መወዳእታ ዝርርብ: የሱስ “ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ” በለ። ሃዋርያኡ ዮሃንስ ድማ “ኣሜን ጐይታና የሱስ: ንዓ” ኢሉ መለሰ። እቲ ሃዋርያ: የሱስ ክመጽእ ምዃኑ ኣይተጠራጠረን። ዮሃንስ ካብ መንጎ እቶም ንየሱስ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW ፣ ብግሪኽ ፓ.ሩ.ሲʹያ ] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ብምባል ዝሓተትዎ ሃዋርያት ኢዩ ነይሩ። እወ: ዮሃንስ ብዛዕባ መጻኢ ህላወ የሱስ ብተኣማንነት ኢዩ ዝጽበ ነይሩ።—ራእይ 22:20፣ ማቴዎስ 24:3
2. ብዛዕባ ህላወ የሱስ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ኵነታት ከመይ ኢዩ፧
2 ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ብርቂ ኢዩ። ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ ‘ምምጻእ’ የሱስ ወግዓዊ ሰረተ-እምነት ኣለወን: ይኹን እምበር: ካብ ኣባላተን መብዛሕትኦም ናይ ሓቂ ትጽቢት ኣይገብርሉን ኢዮም። እዚውን ኣብ ኣነባብርኦም ይንጸባረቕ ኢዩ። እቲ ዘ ፓሩስያ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ኣብ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ዕዮን እታ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ፓሩስያ ክሳዕ ክንድቲ ትርጕም ዘለዎ ጽልዋ ዳርጋ ኣይግበርን ኢዩ። . . . እታ ቤተ-ክርስትያን: እቲ ንነስሓን ንሚስዮናዊ ኣዋጅ ናይቲ ወንጌልን ዝምልከት ዕማማታ ብህጹጽነት ናይ ምክያድ ሓላፍነታ ተዳኺሙ: አረ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ኢዩ።” እዚ ግን ኣብ ኵሉ ኣይኰነን!
3. (ሀ) ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዛዕባ ፓ·ሩ·ሲʹያ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧ (ለ) ብፍላይ ሕጂ ከነቕልበሉ ዘሎና እንታይ ኢዩ፧
3 ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንመወዳእታ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ። ብተኣማንነት ከምኡ እናገበርና: ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ህላወ የሱስ እተተሓሓዘ ነገራት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽንዕቅብን ምስኡ ተሰማሚዕና ክንመላለስን ይግብኣና። እዚ ድማ ‘ክሳዕ መወዳእታ ክንዕገስን ክንድሕንን’ ከኽእለና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:13) ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን 25 ከም እንረኽቦ: የሱስ ኣብ ትንቢቱ ንዘለኣለማዊ ጥቕምና ክውዕል ዝኽእል ጥበባዊ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ምዕራፍ 25 ከይፈለጥካዮ ኣይትተርፍን ኢኻ: ብዛዕባ ዓሰርተ ደናግልን (እተን ለባማትን ዓያሱን ደናግል) ብዛዕባ መክሊትን ዘጠቓልል ምሳልያዊ ዛንታታት ሒዛ ኣላ። (ማቴዎስ 25:1-30) ካብዚ ምሳልያዊ ዛንታታት እዚ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
ከምተን ሓሙሽተ ደናግል ትጉህ ኩን!
4. ናይተን ደናግል ምሳልያዊ ዛንታ ሒዝዎ ዘሎ ፍረ ነገር እንታይ ኢዩ፧
4 ነቲ ኣብ ማቴዎስ 25:1-13 ዝርከብ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ደናግል እንደገና ከተንብቦ ትደሊ ትኸውን። እቲ ውራይ ብናይ ኣይሁዳውያን ኣገባብ እተዳለወ ዓቢ መርዓ ኢዩ: መርዓዊ ነታ መርዓት ናብ ገዝኡ (ወይ ናብ ገዛ ኣቡኡ) ንኽወስዳ ናብ እንዳ ኣቦ እታ መርዓት ይኸይድ። እዚ ድማ ብሙዚቀኛታትን ዘመርትን ዝስነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ዝበጽሓሉ ሰዓት ከኣ ብልክዕ ኣይፍለጥን። ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ: ዓሰርተ ደናግል እቲ መርዓዊ ክመጽእ ክሳዕ ለይቲ ይጽበያ። ሓሙሽተ ካብኣተን ብዕሽነት እተላዕለ እኹል ዘይቲ ቐንዴል ስለ ዘይተማልኣ ከይደን ክዕድጋ ተገደዳ። እተን ካልኦት ሓሙሽተ ግን እናተጸበያ ኸለዋ ምስ ዝጐድል ምእንቲ ኽመልእኦ ብምስትውዓል ኣብ ጢናአን መሐለውታ ዘይቲ ተማሊአን ነበራ። መርዓዊ ምስ መጸ ቅሩባትን ድሉዋትን ዝነበራ እዘን ሓሙሽተ እዚኣተን ጥራይ ኢየን። በዚ ኸምዚ ናብቲ መርዓ ክኣትዋ እተፈቕደለን ንሳተን ጥራይ ኢየን። እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል ምስ ተመልሳ ‘ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ’ ኰነ እሞ ክኣትዋ ኣይከኣላን።
5. ነቲ ምሳልያዊ ትርጕም እተን ደናግል ዘብርህ ጥቕሲ ኣየናይ ኢዩ፧
5 ዝበዝሕ ካብዚ ገጸ-ባህርያት ናይዚ ዛንታ እዚ ምሳልያዊ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሱስ ከም መርዓዊ ይዛረበሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:28-30) የሱስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓደ ናይ መርዓ ድግስ እተገብረሉ ወዲ ንጉስ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (ማቴዎስ 22:1-14) መጽሓፍ ቅዱስውን ንክርስቶስ ምስ በዓል እንዳ የመሳስሎ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:23) ዘገርም ግን እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ካልእ ቦታ ከም “መርዓት” ተጠቒሶም እኳ እንተለዉ: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ መርዓት ኣይጠቅስን ኢዩ። (ዮሃንስ 3:29፣ ራእይ 19:7፣ 21:2, 9) ይኹን ድኣ እምበር: ብዛዕባ ዓሰርተ ደናግል ይዛረብ ኢዩ: እቶም ቅቡኣት ከኣ ኣብ ካልእ ጥቕሲ ብሓንቲ ንክርስቶስ እተሓጸየት ድንግል ተመሲሎም ኣለዉ።—2 ቈረንቶስ 11:2a
6. የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ደናግል ክድምድሞ ኸሎ እንታይ ምሕጽንታ ኢዩ ዝሃበ፧
6 ኣብ ርእሲ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝርን ካልእ ትንቢታዊ ኣወዓዕልኡን: ካብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ክንርድኦ እንኽእል ጠቓሚ መሰረታዊ ስርዓታት ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ “እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ብዝብላ ቓላት ደምዲምዎ ኣሎ። ስለዚ እምበአር እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ: ነፍሲ ወከፍና ንቑሓት ክንከውን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ኢዩ ዘመሓላልፍ። ሽሕ’ኳ ዕለት ፈሊና ክንጠቅስ ዘይንኽእል እንተዀንና: እዚ መወዳእታ እዚ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘተሓታትት ኣይኰነን። በዚ መሰረት እዚ: ነቲ በተን ክልተ ጕጅለ ደናግል እተገልጸ ኣቕዋም ኣስተብህለሉ።
7. ሓሙሽተ ካብተን ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዋ ደናግል ዓያሱ እተባህላ በየናይ መገዲ ኢየን፧
7 የሱስ “ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ . . . እየን” በለ። እቲ መርዓዊ ይመጽእ ከም ዝነበረ ኣይኣመናሉን ደዀን ነይረን ይዀና፧ ተድላ ርእሰን ድየን ዘርውያ ነይረን፧ ወይስ ተታሊለን ኢየን፧ ኵሉ እዚ ኣይፋሉን ዝብል መልሲ ኢዩ ዘለዎ። የሱስ እዘን ሓሙሽተ እዚኣተን ‘መርዓዊ ክቕበላ ከም ዝወጻ’ ይነግረና። ይመጽእ ከም ዝነበረ ይፈልጣ ነይረን ኢየን: ሓቢረንኦ ኣብቲ “መርዓ” ክኣትዋ እውን ከይተረፈ ድሌት ነይርወን ኢዩ። ይኹን እምበር: እኹል ምድላውዶ ገይረን ነይረን፧ ክሳዕ “ፍርቂ ለይቲ” ዝኸውን ንግዚኡ ተጸብየንኦ ኢየን። ይኹን ድኣ እምበር: ኣብ ዝዀነ ግዜ ካብቲ ንሳተን እተጸበይኦ ሰዓት ቀልጢፉ ወይ ድሒሩ ይምጻእ ብዘየገድስ ንኽቕበልኦ ድሉዋት ኣይነበራን።
8. ሓሙሽተ ካብተን ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዋ ደናግል ለባማት ምዃነን ዘርኣያ ብኸመይ ኢየን፧
8 እተን የሱስ ለባማት ኢሉ ዝጸውዐን ሓሙሽተ እውን ዝበርህ ቀንዴል ሒዘን መርዓዊ ክመጽእ ይጽበያ ነበራ። ንሳተን እውን እንተዀና ክጽበያ ነበረን: ግናኸ “ለባማት” ኢየን ነይረን። እታ “ለባማት” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ጥንቁቕ: ዘስተውዕል: ብተግባር ዝግለጽ ጥበብ ዘለዎ” ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ። እዘን ሓሙሽተ እዚኣተን ቀንዴለን ክጐድል ከሎ ምእንቲ ኽመልእኦ ኣብ ጢናአን መሐለውታ ዘይቲ ብምሓዝ ለባማት ምዃነን ኣርእየን ኢየን። አረ: ልበንን ቀልበንን ነቲ መርዓዊ ድልው ኴንካ ኣብ ምጽናሕ ስለ ዝነበረ እኳ ምስ ተሓተታ ዘይተን ክዕድላ እውን ፍቓደኛታት ኣይነበራን። እቲ መርዓዊ ምስ መጸ ኣብኡ ምጽንሐንን ምሉእ ብምሉእ ኸኣ ድልዋት ብምንባረንን: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ትግሃት ንኸንቱ ኣይነበረን። እዘን “ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብቲ ናይ መርዓ ድግስ አተዋ: ማዕጾ ድማ ተዐጽወ።”
9, 10. እቲ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ደናግል ዘመሓላልፎ ቀንዲ ሓሳብ እንታይ ኢዩ: ንገዛእ ርእስናኸ እንታይ ሕቶታት ኢና ክንሓትት ዘሎና፧
9 የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መርዓ ክህሉ ዘለዎ ኣገባብ ኣይኰነን ዝምህር ነይሩ: ብዛዕባ ንዘሎካ ነገራት ንኻልኦት ምክፋል ከም ዘድሊ እውን ኣይኰነን ዝመክር ነይሩ። እቲ ቐንዲ ሓሳቡ “እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ‘ንህላወ የሱስ ብዝምልከት ብሓቂ ትጉህ ድየ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። የሱስ ሕጂ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ምህላዉ ንኣምን ኢና: ይኹን እምበር ኣብቲ ‘ወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ዝመጻሉ’ ናይ ሓቂ ፍጻመ ክሳዕ ክንደይ ኢና ኣተኲርና ንጥምት ዘሎና፧ (ማቴዎስ 24:30) “ፍርቂ ለይቲ” ምስ ኰነ: መርዓዊ ዝመጻሉ ሰዓት ካብቲ መጀመርታ እተን ደናግል ክቕበልኦ ዝወጻሉ ሰዓት ዝያዳ ቀሪቡ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ወዲ ሰብ ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ንምጥፋእ ዝመጸሉ ግዜ: ካብቲ ምምጽኡ ክንጽበ ዝጀመርናሉ እዋን ብዝያዳ ቀሪቡ ኣሎ። (ሮሜ 13:11-14) እቲ ግዜ እቲ እናቐረበ ክመጽእ ከሎ ዝያዳ ትጉሃት ብምዃን ትግሃትና ንዕቅብዶ ኣሎና፧
10 ነቲ “ንቕሑ” ዝብል ትእዛዝ ንምሕላዉ ቀጻሊ ትግሃት የድሊ። እተን ሓሙሽተ ደናግል ዘይተን ስለ እተወድአ ክዕድጋ ከይደን ኢየን። ሓደ ክርስትያን እውን ብተመሳሳሊ ኣቓልቦኡ ስለ ዝስረቕ ነቲ ኣዝዩ ቀሪቡ ዘሎ ምምጻእ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ድሉው ኰይኑ ከይጸንሕ ይኽእል ኢዩ። ንገለ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኣጋጢምዎም ኢዩ። ሎሚውን ንገለ ሰባት ከምኡ ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንገዛእ ርእስና ‘ንዓይከ ከጋጥመኒ ድዩ፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና።—1 ተሰሎንቄ 5:6-8፣ እብራውያን 2:1፣ 3:12፣ 12:3፣ ራእይ 16:15
መወዳእታ እናቐረበ ክመጽእ ከሎ ድሉው ኩን
11. ቀጺሉ የሱስ እንታይ ምሳልያዊ ዛንታ ኢዩ ዝሃበ: ምስ ምንታይከ ኢዩ ዝመሳሰል፧
11 የሱስ ኣብቲ ቐጺሉ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ንደቀ መዛሙርቱ ድሉዋት ኩኑ ኢሉ ካብ ምምሕጻን ንላዕሊ ኢዩ ገይሩ። ብዛዕባ እተን ለባማትን ዓያሱን ደናግል ምስ ነገረ: ብዛዕባ መክሊት ዝገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ኣዘንተወ። (ማቴዎስ 25:14-30 ኣንብብ።) እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ: ምስቲ ብዙሓት ሰባት ‘መንግስቲ ኣምላኽ ብኡንብኡ ኸም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ’ ብዛዕባ ምና ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ምሳልያዊ ዛንትኡ ብብዙሕ መዳያት ዝመሳሰል ኢዩ።—ሉቃስ 19:11-27
12. ምሳልያዊ ዛንታ እቲ መክሊት ሒዝዎ ዘሎ ፍረ ነገር እንታይ ኢዩ፧
12 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ መክሊት ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ብዛዕባ ሓደ ንመገሻ ቅድሚ ምኻዱ ንሰለስተ ባሮቱ ዝጸውዖም ሰብኣይ ተዛረበ። ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት: ንኻልኣይ ክልተ: ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ—“ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም”—ሃቦም። ምናልባት እዚ: ሓደ ናይ ብሩር መክሊት: ምስቲ ሓደ ሸቃላይ ኣብ 14 ዓመት ዝቕበሎ ዓስቢ ዝመጣጠን ዋጋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ—ብዙሕ ገንዘብ ድማ ኢዩ! እቲ ሰብኣይ ምስ ተመልሰ: ባሮቱ ኣብቲ ገይሽሉ ዝነበረ “ብዙሕ ዘመን” ዝዓየይዎ ዕዮ ተጸባጸቦም። እቶም ቀዳሞት ክልተ ባሮት ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም ዋጋ ዕጽፊ ገይሮምዎ ጸንሑ። ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፎም ዝያዳ ሓላፍነት ክህቦም ብምምብጻዕ “ጽቡቕ ገበርካ” (NW ) በሎ: “ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” ብምባል ድማ ደምደመ። እቲ ሓደ መክሊት እተዋህቦ ባርያ ግን ከኽስብ ኣብ ዝኽእል ቁም ነገር ከየውዓሎ ድሕሪ ምጽንሑ: ጐይትኡ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሓትት ከም ዝዀነ ገይሩ ተዛረበ። ነቲ ገንዘብ ሓብኦ ደኣ እምበር ወለድ ምእንቲ ኽርከቦ ንሸረፍቲ እኳ ኣይሃቦምን። ኣንጻር ረብሓታት ጐይትኡ ብምኻዱ ድማ እቲ ጐይታ “ኽፉእ ሃካይ” ብምባል ጸውዖ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ መክሊት ካብኡ ተወስደ እሞ: ኣብቲ “ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን” ዝዀነሉ ወጻኢ ተደርበየ።
13. የሱስ ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ጐይታ ከም ዝምሰል ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ዝርዝር ናይዚ ሓሳባት እዚ እውን እንተዀነ ብምሳልያዊ ትርጕም ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: እቲ ብሓደ ንወጻኢ ዝገሸ ሰብኣይ ተመሲሉ ዘሎ የሱስ: ንደቀ መዛሙርቱ ገዲፉ ናብ ሰማይ ክኸይድ: ንጉሳዊ ስልጣን ክሳዕ ዝቕበል ድማ ነዊሕ ዘመን ክጽበ ነበሮ።b (መዝሙር 110:1-4፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:34-36፣ ሮሜ 8:34፣ እብራውያን 10:12, 13) ይኹን እምበር: ገና ሕጅውን እንተዀነ ኵላትና ኣብ ናብራና ከነውዕሎ ዘድልየና ዝሰፍሐ ትምህርቲ ወይ መሰረታዊ ስርዓት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንሱኸ እንታይ ኢዩ፧
14. እቲ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ መክሊት እንታይ ንህይወት ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ኢዩ ዘጕልሕ፧
14 ተስፋና ኣብ ሰማይ ዘይመውት ህይወት ይኹን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ብዘየገድስ: ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ክንጋደል ከም ዘሎና ካብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ናይዚ ምሳልያዊ ዛንታ መልእኽቲ: ትግሃት ብእትብል ሓንቲ ቓል እውን ክጠቓለል ይኽእል ኢዩ። እቶም ሃዋርያት ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ኣብነት ሰሪዖም ኢዮም። ከምዚ ድማ ነንብብ “ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ: እናበለ ኸኣ [ጴጥሮስ] ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:40-42) በቲ ዝገበሮ ጻዕርታትከ ከመይ ዝበለ ጻማ ዀን ኢዩ ረኺቡ! ካልኦት ነቶም ሃዋርያት ኣብቲ ክርስትያናዊ ዕዮ ስብከት ክሓብርዎም ከለዉ: ንሳቶምውን ብግዲኦም በቲ ‘ኣብ ኵላ ዓለም እናዓበየ ዝኸይድ’ ብስራት ትጉሃት ኢዮም ነይሮም።—ቈሎሴ 1:3-6, 23፣ 1 ቈረንቶስ 3:5-9
15. ናይቲ ብዛዕባ መክሊት እተዋህበ ምሳልያዊ ዛንታ ቐንዲ ሓሳብ በየናይ ፍሉይ መገዲ ኢና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ዘሎና፧
15 ንትሕዝቶ እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኣይትረስዓዮ: ንሱ ኸኣ ብዛዕባ ህላወ የሱስ ዝገልጽ ትንቢት ኢዩ። ናይ የሱስ ፓ·ሩ ·ሲʹያ ይቕጽል ከም ዘሎ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ድማ ኣብ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ምዃኑ እኹል መረጋገጺ ኣሎና። የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ‘መወዳእታን’ ኣብ መንጎ እቲ ክርስትያናት ክዓይዎ ዘለዎም ዕዮን ዘሎ ምትሕሓዝ ንምግላጽ ኢሉ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ከም ዝበለ ዘክር። (ማቴዎስ 24:14) ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ነየናይ ባርያ ኢና እንመስል፧ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ከምቲ ምናልባት ናይ ገዛእ ርእሱ ብሕታዊ ዋኒን ምእንቲ ኽገብር ነቲ ጐይትኡ ዝሃቦ ሕድሪ ዝሓብኦ ባርያ ከም ዝመሰልኩ ከረጋግጸሉ ዝኽእል ምኽንያት ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ ወይስ ከምቶም ገበርቲ ሰናይን እሙናትን ዝነበሩ ምዃነይ ንጹር ኢዩ፧ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንረብሓታት እቲ ጐይታ ንምድንፋዕ ምሉእ ብምሉእ ቈራጽነት ገይረ ድየ፧’
ኣብ እዋን ህላወኡ እተራእየ ንቕሓትን ትግሃትን
16. እቲ እተመያየጥናሉ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፈልካ፧
16 እወ: እዚ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት እዚ: ኣብ ርእሲ እቲ ምሳልያውን ትንቢታውን ትርጕሙ ነቲ ካብ ኣፍ የሱስ ዝወጸ ንጹር ምትብባዕ የቕርበልና። መልእኽቱ ከምዚ ዝብል ኢዩ:- ብፍላይ ምልክት ፓ·ሩ ·ሲʹያ የሱስ ምስ ተራእየ ንቑሓትን ትጉሃትን ኩኑ። እዚ ድማ ሕጂ ኢዩ። ብሓቂዶ እሞ ንቑሓትን ትጉሃትን ንኸውን ኣሎና፧
17, 18. ወደ መዝሙር ያእቆብ ንህላወ የሱስ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝመኸረ፧
17 የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዀይኑ ትንቢት ክዛረብ ከሎ: እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ኣብኡ ስለ ዘይነበረ ኣይሰምዖን፣ ጸኒሑ ግን እንታይ ከም ዝበለ ፈሊጡ ኢዩ: ንትርጕሙ ድማ ኣነጺሩ ተረዲእዎ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ጸሓፈ:- “እምበኣርሲ: ኣሕዋተየ: ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ: ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ: ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ: ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ: ተዐገሱ: ልብኹምውን ኣጽንዑ።”—ያእቆብ 5:7, 8 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
18 ያእቆብ ነቶም ሃብቶም ብዘይግቡእ ዝጥቀሙ ሰባት: ኣምላኽ ከም ዝፈርዶም መረጋገጺ ድሕሪ ምሃቡ: ስጕምቲ ክወስድ ንየሆዋ ኣብ ዝጽበይሉ እዋን ትዕግስቲ ከየጥፍኡ ንክርስትያናት ተላበዎም። ሓደ ዘይዕጉስ ክርስትያን: ነቲ እተፈጸመ ጌጋታት ከቕንዖ ከም ዘለዎ ብምሕሳብ ፈዳይ ሕነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እዋን ፍርዲ ከም ዝመጽእ እተረጋገጸ ስለ ዝዀነ ከምኡ ምግባር ግቡእ ኣይኰነን። ከምቲ ያእቆብ ገሊጽዎ ዘሎ እቲ ብዛዕባ ሓረስታይ እተዋህበ ኣብነት ነዚ ብምሳልያዊ መገዲ ዝገልጾ ኢዩ።
19. ሓደ እስራኤላዊ ሓረስታይ እንታይ ዓይነት ትዕግስቲ ኢዩ ከርኢ ዝኽእል፧
19 ዘርኢ ዝዘርአ ሓደ እስራኤላዊ ሓረስታይ መጀመርታ እቲ ዘርኢ ክበቍል: ጸኒሑ ድማ ክዓቢ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንዓጺድ ክበጽሕ ክጽበ ነበሮ። (ሉቃስ 8:5-8፣ ዮሃንስ 4:35) ኣብቲ ኣዋርሕ እቲ: ከም እትጭነቕ ዝገብር ግዜያትን ምናልባትውን ጠንቅታትን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ነበረ። ዝናብ ጽድያ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ ዝናብ ጽባሓትከ፧ እቲ ብቝሊ ብሓሳኹ ወይ ከኣ ብኣስሓይታ ይጠፍእ ደዀን ይኸውን፧ (ምስ ዮኤል 1:4፣ 2:23-25 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ብሓፈሽኡ ሓደ እስራኤላዊ ሓረስታይ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዝሰርዖ ናይ ተፈጥሮ ዑደትን ትውክልቲ ክገብር ይኽእል ነበረ። (ዘዳግም 11:14፣ ኤርምያስ 5:24) እቲ ሓረስታይ ብተኣማንነት ትጽቢት ብምግባር ኢዩ ዝዕገስ። ብእምነት ድማ እቲ ዝጽበዮ ነገር ከም ዝመጽእ ይፈልጥ ኢዩ። ከም ዝመጽእ ርግጸኛ ኢዩ!
20. ምስ ምኽሪ ያእቆብ ብምስምማዕ እንታይ ትዕግስቲ ኢና ከነንጸባርቕ እንኽእል፧
20 ሓደ ሓረስታይ እቲ ዓጺድ መዓስ ከም ዝመጽእ ገለ ፍልጠት ክህልዎ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርትስትያናት ግን ህላወ የሱስ መዓስ ከም ዝመጽእ ጸብጺቦም ክፈልጥዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር ከም ዝመጽእ እተረጋገጸ ኢዩ ነይሩ። ያእቆብ “ምጽኣት [“ህላወ:” NW ፣ ብግሪኽ ፓ·ሩ ·ሲʹያ ] ጐይታ ቐረባ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ያእቆብ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክጽሕፈን ከሎ: እቲ ብስፍሕ ዝበለ ወይ ብዓለምለኸ ደረጃ ክፍጸም ዝነበሮ ምልክት ህላወ ክርስቶስ ገና ኣይተጋህደን ነበረ። ሕጂ ግን ተጋሂዱ ኢዩ! ስለዚ እምበኣር: ኣብዚ እዋን እዚ ከመይ ኢዩ ክስምዓና ዘለዎ፧ እቲ ምልክት ብሓቂ ክርአ ዝኽእል ኢዩ። ንርእዮ ኸኣ ኣሎና። ኣፍና መሊእና ‘እቲ ምልክት ክፍጸም እርእዮ ኣሎኹ’ ክንብል ንኽእል ኢና። ብተኣማንነት ‘ህላወ ጐይታ ጀሚሩ ኢዩ: ዝዛዘመሉ ግዜ ኸኣ ቀሪቡ ኢዩ’ ክንብል ንኽእል ኢና።
21. እንታይ ንምግባር ኢና ምሉእ ብምሉኡ እንውስን፧
21 በዚ መሰረት እዚ እምበኣር: እቲ እተመያየጥናሉ የሱስ ዝሃቦ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ከነቕልበሉን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎን ዝያዳ ጽኑዕ ምኽንያት ኣሎና። የሱስ “እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” በለ። (ማቴዎስ 25:13) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀናኣት ክንኰነሉ ዘሎና ግዜ ሕጂ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ነቲ ናይ የሱስ ቀንዲ ሓሳብ ከም እተረዳእናዮ እምበኣር ኣብ መዓልታዊ ናብራና ነርእዮ። ንቑሓት ንኹን! ትጉሃት ንኹን!
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ዝርዝር ምልክት እዚ ምሳልያዊ ዛንታ ንምፍላጥ: ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት ጎድስ ኪንግደም ኦቭ ታውዛንድ ዪርስ ሃዝ ኣፕሮችድ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 169-211 ርአ።
b ኣብታ ጎድስ ኪንግደም ኦቭ ኤ ታውዛንድ ዪርስ ሃዝ ኣፕሮችድ ገጽ 212-56 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ካብቲ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ለባማትን ዓያሱን ደናግል እንታይ ቀንዲ ነጥቢ ኢኻ ረኺብካ፧
◻ የሱስ በቲ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ መክሊት እንታይ መሰረታዊ ምኽሪ ኢዩ ዝህበካ፧
◻ ከምቲ እስራኤላዊ ሓረስታይ ዘንጸባርቖ: ትዕግስትኻ ኣብ እዋን ፓ·ሩ·ሲʹያ ዝርአ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
◻ እዚ ዘለናዮ ግዜ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ስምዒትካ ዝትንክፍን ፍሉይ ኣቓልቦ ዘድልዮን ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ካብቲ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ደናግልን እቲ መክሊትን እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧