-
ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ናይ ሓሶት ሃይማኖት “ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት [ለዊጣቶ]” ኣላ። (ሮሜ 1:25) ንኣብነት፡ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ንሰዓብተን ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኣይምህራኦምን እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ይምህር እዩ። (ሮሜ 10:13, 14) ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሕማቕ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይምህሩ እዮም። እዚ ግና ሓሶት እዩ። ኣምላኽ ከቶ ምንጪ እከይ ኣይኰነን። (ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ሃይማኖታዊ ሓሶት ንሰባት ካብ ኣምላኽ የርሕቖም እዩ።
-
-
እከይን መከራን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
4. ጠንቂ መከራና
ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንብዘላ ዓለም ከም ዚቈጻጸራ ይኣምኑ እዮም። እዝስ ሓቂ ድዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት።
ያእቆብ 1:13ን 1 ዮሃንስ 5:19ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣምላኽ ብመከራን ብእከይን ተሓታቲ ድዩ፧
-