ሰባት ክፉእ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧
ኵላትና ዘይፍጹማት ብምዃንና ኸም እንጋገን ዜጣዕሰና ነገራት ከም እንገብርን መብዛሕትኦም ሰባት ይሰማምዑሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ እቲ ብኣካል ኰነ ብመራኸቢ ብዙሓን መዓልታዊ እንርእዮ ወይ እንሰምዖ ኽፉእ ተግባራት፡ ብሰሪ ዘይፍጽምና ዝመጸ ድዩ፧
ዘይፍጽምና እኳ እንተሎ፡ ኪጠሓስ ዘይብሉ ስነ-ምግባራዊ ዶባት ከም ዘሎን ደቂ ሰብ ካብ እከይ ኪሕለዉ ኸም ዚኽእሉን፡ ሰባት ይሰማምዑሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዘይፍላጥ እትዛረቦ ግጉይ ዘረባን ከተጸልም ኢልካ እትዛረቦ ዘረባን፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ እቲ ብዘይፍላጥ ዚፍጸም መጕዳእትን ደይ መደይ ኢልካ ዚግበር ቅትለትን ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዙሓት ይቕበልዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዚነብሩ ተራ ዚመስሉ ሰባት እዮም ዜሰንብድ ተግባራት ዚፍጽሙ። ስለምንታይ ደኣ እዮም እሞ ሰባት ክፉእ ዚገብሩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መብርሂ ይህብ እዩ፣ ሰባት እናፈለጡ ኽፉእ ዚገብሩሉ ምኽንያት ብልክዕ ይነግረና እዩ። እቲ ምኽንያታት እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
▪ “ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ።”—መክብብ 7:7።
ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ብዅነታት ተደፋፊኦም ኣብ ካልእ እዋናት ዘይገብርዎ ተግባር ከም ዚገብሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍልጦ ይህብ እዩ። ገሊኦም፡ መከራን ግፍዕን ንምውጋድ ኢሎም ገበናት ክሳዕ ምፍጻም ይበጽሑ እዮም። አርበን ተረሪዝም እትበሃል መጽሓፍ፡ “ሓደ ሰብ ግብረ-ሽበራ ዚፍጽም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰሪ እቲ ኺውገድ ዘይክእል ዚመስል ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ዀነ ቝጠባዊ ዅነታት ብሓቂ ተስፋ ስለ ዚቘርጽ እዩ” በለት።
▪ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:10።
ቅኑዓት ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ምእንቲ ገንዘብ ኪብሉ ስርዓት ንምጥሓስ ድሕር ከም ዘይብሉ ገሊኦም ሰባት ይዛረቡ እዮም። ኣብ ንቡር ኵነታት ጥዑያትን ሕያዎትን ዚመስሉ ገሊኦም ሰባት፡ ናይ ገንዘብ ጕዳይ ኪለዓል ከሎ ሕሱማትን ተጻባእትን ይዀኑ እዮም። ብዛዕባ እቲ ብሰሪ ስስዐ ዚፍጸም ከም እኒ ዘረፋ፡ ጕሕለት፡ ጭውያ፡ ቅትለት ዝኣመሰለ ሓያሎ ገበናት እሞ ሕሰብ።
▪ “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ።”—መክብብ 8:11።
እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ሰባት፡ ዚቈጻጸሮም ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ሕጊ ናይ ምጥሓስ ዝንባለ ኸም ዘለዎም እያ እትሕብር። ንኣብነት፡ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ብናህሪ ምዝዋር፡ ኣብ ፈተና ምቕዳሕ፡ ካብ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ምስራቕ፡ ከምኡውን ካልእ ካብዚ ዝኸፍአ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። መቕጻዕቲ ዕሽሽ ምስ ዚብሃል ወይ ከይተሓዝ ዚብል ፍርሂ ምስ ዘይህሉ፡ ሕጊ ዜኽብሩ ዚመስሉ ሰባት እውን ከይተረፉ ኣብ ካልእ እዋን ዘይገብርዎ ተግባር ኪገብሩ ይድረኹ እዮም። ኣርጉመንትስ ኤንድ ፋክትስ እተባህለት መጽሔት፡ “ገበነኛታት ከይተቐጽዑ ምትራፎም” እንታይ ኬስዕብ ከም ዚኽእል ክትገልጽ ከላ፡ “ንተራ ሰባት ዜስገድግድ ገበናት ንኺፍጽሙ ዚደፋፍኦም ይመስል” በለት።
▪ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ።”—ያእቆብ 1:14, 15።
ኵሎም ደቂ ሰብ፡ ሕማቕ ሓሳባት ኪመጾም ይኽእል እዩ። ሕማቕ ንኽንገብር እውን እዚ ዘይብሃል ርእይቶታትን ፈተናታትን መዓልታዊ ይቐርበልና እዩ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን” ተባሂሉ ተነግሮም። (1 ቈረንቶስ 10:13) ኰይኑ ግን፡ መወዳእታኡ ኣብቲ ሓደ ሰብ ባዕሉ ዚገብሮ ምርጫ እዩ ዚምርኰስ፣ ማለት፡ ነቲ ዚመጾ ሓሳባት ቀልጢፉ ኻብ ኣእምሮኡ ኼውጽኦ፡ ወይ ከኣ እቲ ሓሳባት ክሳዕ ዚዓቢ ብዛዕባኡ ኼስተንትን ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ ያእቆብ እትርከብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ሕማቕ ትምኒት ኣብ ውሽጡ ‘ኺጥነስ’ ምስ ዚፈቅድ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኽፉእ ምግባሩ ኸም ዘይተርፍ ትሕብር።
▪ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” —ምሳሌ 13:20።
መሓዙትና፡ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ፡ ኪጸልዉና ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ኸኣ እዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ወይ ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ክፉእ ዚገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓያሱ” ዚብሎም፡ ምስትውዓል ንዘይብሎም ሰባት ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ንዚነጽጉ ሰባት እዩ። ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ፡ መሓዙትና ወይ መዋዕልትና ብጥበብ፡ ማለት በቲ ጽቡቕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሕና እንተ ዘይመሪጽና፡ ‘ሕሱማት’ ከም እንኸውን ፍሉጥ እዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዀነ ኻልእ ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተራ ሰባት እውን ከይተረፉ ክፉእን ዜስገድግድን ተግባራት ዚገብሩሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ይገልጽ። ሰባት ዜሰቅቕ ተግባራት ንኺገብሩ ዚድርኾም እንታይ ምዃኑ ምፍላጥና ጠቓሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ዚመሓየሸሉ ዅነታት ዚገልጽ ተስፋኸ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት እከይ ዚገብሩሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ይገልጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እከይ ዘይህልወሉ እዋን ኪመጽእ ምዃኑ እውን ይመባጻዕ እዩ። እዚ መብጽዓታት እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ እከይ፡ ዜኽትመሉ ግዜ ብሓቂዶ ኺህሉ እዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ኽትምልሶ እያ።