መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ካልኦት ከባጭዉለይ ከለዉ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
እቶም ካብ ናይ መዛኑኦም ፍልይ ዝበለ ተግባር ዝገብሩ ወይ እተፈልየ ኣከዳድና ዘለዎም መንእሰያት ግዳያት ብርቱዕ ባጫ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ብፍላይ ኣብቶም ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ጠባይ ዘለዎም ክርስትያን መንእሰያት ዝውዕል ኢዩ። ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ “ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ከይበለዶ፧—ዮሃንስ 15:20
እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ብኸመይ ይትንክፎም፧ ንገለ ካብኦም በዓላት ስለ ዘየኽብሩ ካልኦት የላግጹሎም፣ ወይ ከኣ ንባንዴራ ሰላምታ ብዘይምሃቦም ይውቀሱ ኢዮም። አረ ብዙሓትውን ሓሽሽ ስለ ዘይወስዱ: ሓቀኛታት ብምዃኖም: ከምኡውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀኒታት ብምሕላዎም ካልኦት የበሳብስዎም ኢዮም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከጋጥም ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ምሳታቶም [ኣህዛብ] ስለ ዘይጐየኹም: እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ አለዉ” ብምባል ጽሒፉሎም ነይሩ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:4) እዛ “እናተጻረፉ” ተባሂላ ዘላ ኣብ ካልእ “እናዋረድኹም” (ኖክስ) ዝብል ትርጕም ተዋሂብዋ ኣሎ።
ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነትካ ካልኦት ኣላጊጾሙልካዶ ይፈልጡ፧ ኣጋጢሙካ እንተድኣ ኰይኑ ኣጆኻ በርትዕ። ኣብ በይንኻ ዝወረደ ኣይኰነን: ንብዙሓት ካልኦትውን ከምኡ የጋጥሞም ኢዩ! ብምኽንያት እምነትካ ካልኦት ከባጭዉልካ ኸለዉ ንዝስማዓካ ጓሂ ብኸመይ ብዓወት ከም እትዋጽኣሉ ክትማሃር ከም እትኽእል ምፍላጥካ ከሐጕሰካ ኢዩ።
ስለምንታይ ከም ዘላግጹ
ገሊኦም ነቶም እተፈልየ እምነትን ጠባይን ዘለዎም ሰባት መሰሓቒ ክገብርዎም ዝደልዩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓድሓደ ግዜ መላገጽቲ ልክዕ ከምቶም ንትሕቲኦም ዘለዉ ዘበሳብሱ ሰባት ርእሰ-ተኣማንነት ዘይብሎም ኢዮም። ብመዛኑኦም ተቐባልነት ምእንቲ ክረኽቡ ይሕጭጩልካ ይዀኑ። ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት በይኖም ክዀኑ ከለዉ ብግልጺ ከባጭዉልካ ድሌት ዝህልዎም ወይ ትብዓት ዝረኽቡ ዉሑዳት ኢዮም።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ገለ መላገጽቲ ‘ይግረሙ’ ኢዮም። እወ: እቲ እተርእዮ ጠባይ ብሓቂ ዘስደምሞም ክዀኑ ይኽእሉ። ንኣብነት: ናይ የሆዋ ምስክር እንተድኣ ዄንካ ምስ ገለ ዓይነት በዓላት ኣብ እተተሓሓዘ ንጥፈታት ዘይምስታፍካ ፍልይ ዝበለ ነገር ኰይኑ ይርኣዮም ይኸውን። ወይ ካብቶም ዕሉላት ተጻረርቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዛብዐ ሓበሬታ ሰሚዖም ይዀኑ።
እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ባጫ ግዳይ ክትከውን ከሎኻ ምስቲ “[“ብዘይሓሳብ:” NW ] ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ዝብል ምስላ መጽሓፍ ቅዱስ ትሰማማዕ ትኸውን ኢኻ። (ምሳሌ 12:18) እንተዀነ ግን: እቶም ዘባጭዉልካ ከም ሰብ መጠን ንዓኻ ስለ ዝጸልኡኻ ከይኰኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ብግልጺ ኢልዎ ዘሎ ‘ብዘይሓሳብ ዝዛረብዎ’ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ገና ግን ካልኦት ከላግጹልካ ከለዉ ልክዕ ከም ብሰይፊ እተወጋእካ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። አረ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸርፊ ንኽትገላገል ኢልካ ኣብ እምነትካ ምልምማጥ ዝብል ስምዒት እውን ክመጽኣካ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ነቲ ብምኽንያት እምነትካ ዝወርደካ ባጫ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
መልሲ ምሃብ
ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኽርስትያናት “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን [“ብዓሚቝ ኣኽብሮትን:” NW ] ደኣ ይኹን” ብምባል ተማሕጺንዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ብዛዕባ እምነትካ መልሲ ምሃብ ንኽትክእል ርጡብ ፍልጠት ምጥራይ: ናይቲ ከም ትኣምነሉ ዝገበረካ ምኽንያታት ግቡእ ምርዳእ ክህልወካ የድሊ።
እንተዀነ ግን: ሓሳብካ ንኻልኦት ክትገልጽ ከሎኻ “ብዓሚቝ ኣኽብሮት” ወይ ከም ቃላት ናይ ዘ ባይብል ኢን በይዚክ ኢንግሊሽ (እንግሊዝኛ) “ብዘይትዕቢት” ንኽኸውን ክትማሃር ኣሎካ። እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርትታቱን ዘሎካ ፍልጠት ናይ ልዕልነት ስምዒት ከሕድረልካ የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ከም ናይቲ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ “ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ: ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርክዋ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዓይነቱ ኣረኣእያ ንምዅስኳስ ክትጽዕር ኣሎካ።—1 ቈረንቶስ 9:19
ብዛዕባ እምነትካ ምጥባቕ ዘሕፍረካ እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ከምኡ ተሰሚዕዎም ኢዩ። ሓደ ጃማል ዝበሃል መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ከሎኹ ስለምንታይ በዓላት ከም ዘየብዕል ወይ ስለምንታይ ንባንዴራ ሰላምታ ከም ዘይህብ ወይ ስለምንታይ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ ከም ዝሰብኽ እውን ከይተረፈ ንኻልኦት ክገልጸሎም ኣይክእልን ኢየ ነይረ።” ዳሕራይ ግን እንታይ ሓጊዝዎ፧ ከምዚ ይብል:- “ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምግላጽ ክሳዕ ዝኽእል ኣቦይ ሓጊዙኒ: እዚ ኸኣ ዓቢ ለውጢ ኣምጽኣለይ።” ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ክትገልጸሎም ዘይትኽእል እንተድኣ ዄንኳ ንወለድኻ ወይ ንሓደ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ብሱል ክርስትያን ዓሚቝ ፍልጠት ኣምላኽ ንኽትረክብ ክሕግዘካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።—ኤፌሶን 3:17-19
ሓንቲ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ብብሕታ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጽናዕ ፕሮግራም ስለ ዝነበራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብትብዓት ንኽትዛረብ ከም ዝሓገዛ ትገልጽ። ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ቅድም ደቂ ክፍለይ ብዛዕባ እምነተይ ከላግጹለይ ከለዉ እንታይ ኢለ ከም ዝምልሰሎም ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ። ሕጂ ግን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ከም ምዃነይ መጠን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዝያዳ ኢየ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ: ብዛዕባ እምነተይ ከኣ መልሲ ክህብ እኽእል ኢየ። ነቲ ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ ዓንቀጻት ኵሉ ግዜ ምንባብ ንመማህርተይ ብዛዕባ እምነተይ ንኽገልጸሎም ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ልክዕ ከምቲ ናይዛ መንእሰይ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኣየጋጥመካን ይኸውን። እተፈላለየ ኵነታት እተፈላለየ መልሲ ኢዩ ዘድልዮ። ይኹን ድኣምበር: ኽፉእ ክዛረቡኻ ከለዉ ‘ኽፉእ ምፍዳይ’ ፈጺሙ ግቡእ ኣይኰነን። (ሮሜ 12:17-21) ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ይምሰል ብዘየገድስ ከምቲ ዝበሉኻ ምባል ንሓዊ ላምባ ምውሳኽ ኢዩ: ዝያዳ ንኸባጭዉልካ ኸኣ ዘተባብዕ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ገሊኣቶም ነቲ ጸርፊ ሸለል ኢሎምዎ ክሓልፉ ዝሓሸ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንምስሓቕ ኢልካ ብቕንዕና ዝግበር ላግጺ ምስ ዝኸውን ኣብ ክንዲ ምቝጣዕ ምስኦም ሓቢርካ ምስሓቕ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 7:9) እቲ ዘባጩ ዘሎ ሰብ ቃላቱ ምንም ውጽኢት ከም ዘይብሉ ምስ ተረድአ: የቋርጽ ይኸውን።—ምስ ምሳሌ 24:29፣ 1 ጴጥሮስ 2:23 ኣረኣእዮ።
ተዛረብ
ይኹን እምበር: ብዛዕባ እምነትካ ብጥበብ ሕጽር ዝበለ መግለጺ እትህበሉ ግዜ እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ከምኡ ክትገብር ፈተነት እሞ ጽቡቕ ውጽኢት ከኣ ረኸበትሉ። ከምዚ ትብል:- “ንኽፍለይ እናኸድኩ ኸለኹ ገለ ተማሃሮ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከላግጻ ጀመራ። ክዛረበን ደልየ ነይረ ግን እናሰሓቓ ሓሊፈናኒ ኸዳ። ሓንቲ ኻብኣተን ግን ኣይተላግጽን ኢያ ነይራ።” እታ ናይ የሆዋ ምስክር ተማሃሪት ከምዚ ትብል:- “ሓንቲ ጃሚ እተባህለት ጓል ምልስ ኢላ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻa እትብል መጽሓፍ ከም ዘላታ ነገረትኒ። ዝበዝሕ ክፍሊ ናይታ መጽሓፍ ከም ዘንበበቶ እሞ ብዛዕባ እምነትና ዝያዳ ክትፈልጥ ከም እትደሊ ገለጸትለይ። ንጃሚ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩላ።” እዛ ናይ የሆዋ ምስክር መንእሰይ በቲ ዝረኸበቶ ተመክሮ ተተባቢዓ ምስ ካልኦት መንእሰያት እውን ክትዛረብ ጀመረት። “ንኣርባዕተ ተገዳስነት ዘርኣያ መማህርተይ ኵሉ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ እገብረለን ኣለኹ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጅምራ ኸኣ ርግጸኛ ኢየ” በለት።
ዓመታት ይገብር እውን ሓደ ኣብ ላይበርያ: ኣፍሪቃ: ዝነብር ተማሃራይ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣጋጢምዎ ኢዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዘጽንዕ ትምህርቲ ዝወስደሉ ግዜ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ፍልቀት ዘይኰነስ ኣብ ፍጥረት ከም ዝኣምን ገለጸ። መጀመርታ መብዛሕትኦም ደቂ ክፍሉ ኣዝዮም ነቐፍዎ። እንተዀነ ግን: መምህሩ ብዛዕባ እምነቱ ነቶም ደቂ ክፍሉ ንኽገልጸሎም ኣፍቀደሉ: ድሕርዚ እቲ መምህር ነታ ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧b እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተቐበለ።
እቲ መምህር ነታ መጽሓፍ ምስ ኣንበባ ነቶም ተማሃሮ ከምዚ በሎም:- “ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝወዳደራ የለን። ካብተን ብዛዕባ ፍጥረት ዝገልጻ ዘንበብኩወን ዝበለጻ ናይ ስነ-ፍልጠት መጻሕፍቲ ሓንቲ ኢያ።” ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ክልተ ሰሚስተራት ነዛ ክሪኤሽን እትበሃል መጽሓፍ ምስታ ንሱ ዝጥቀመላ መምሃሪ መጽሓፍ ገይሩ ከም ዝምህረላ ገለጸ: ካብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተማሃራይ ሓሓንቲ ቅዳሕ ክወስዱ ኸኣ ሓበሮም። ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣበርከተ: ብዙሓት ተማሃሮ ኸኣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ኣረኣእያ ቀየሩ!
እተፈተነት እምነት ድልድልቲ ኢያ
ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣቕዋምካ ዘይርድእዎ ብዙሓት ብምዃኖም እተዓብለልካ ኰይኑ ይስማዓካ ይኸውን ኢዩ። (ምስ መዝሙር 3:1, 2 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር: ምስቶም ከም ናትካ ምርዳእን እምነትን ዘለዎም ምሕባር ጥበብ ኢዩ። (ምሳሌ 27:17) እንተዀነ ግን: ኣብ ቤት ትምህርትኻ ወይ ኣብ ከባቢኻ ከም ናትካ እምነት ዘለዎም እንተ ዘየለዉኸ እንታይ ይኹን፧
ከምዚ ምስ ዘጋጥመካ እቲ ዝዓበየ ዓርክኻ የሆዋ ምዃኑ ኣይትረስዕ: ክድግፈካ ኸኣ ይኽእል ኢዩ። ብኣሽሓት ንዝቝጸር ዓመታት ነቲ ካብ ሰይጣን ዝወርዶ ባጫ ተጻዊሩ ኢዩ። ስለዚ ኣብ እምነትካ ምስ እትጸንዕ ንልቢ የሆዋ ከም እተሐጕሶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ምውሳድ ‘ነቲ ዝጸርፎ [ሰይጣን] መልሲ ንምሃብ’ ኣጋጣሚ ክዀኖ ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 27:11
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እምነትካ ከም እትፍተን ትጽቢት ክትገብር ኣሎካ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ሃዋርያ ጴጥሮስ ግን እታ እተፈተነት እምነት ‘ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝያ ከም እትኸብር’ ኣረጋጊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:7) ስለዚ ብምኽንያት እምነትካ ክትጽረፍ ከሎኻ: እምነትካ እተደልድለሉን ምጽማምካ እተርእየሉን ኣጋጣሚ ከም ዝዀነ ገይርካ ቍጸሮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ምጽማም “ስምረት ከም ዘውህብ” (NW ) ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 5:3-5) እወ: እቲ ስምረት የሆዋ ንኽትረክብ ዘሎካ ድሌት ነቲ ብምኽንያት እምነትካ ዝወርደካ ባጫ ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ብርቱዕ ደራኺ ሓይሊ ኢዩ ዝዀነካ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ እምነትካ መልሲ ክትህብ ትኽእልዶ፧